ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ ዝጓዕጸጸ ውሳነ 390 A (V) ውድብ ሕቡራት ሃገራት

News Opinions ትግርኛ

63 years ago, on December 2nd, 1950, the UN adopted Resolution 390(V)A based on lies denying Eritrea its right to independence. It claimed it was passed taking the wishes of Eritreans into consideration. But why all the injustices upon these peace-loving people comes only through the UN?

Federating Eritrea with Ethiopia. Eritrea was the only former European colony, out of the 53 African nations, that was denied the right to decolonization by the UN
Federating Eritrea with Ethiopia. Eritrea was the only former European colony, out of the 53 African nations, that was denied the right to decolonization by the UN

By ተወልደ ብእምነት,

ዕለት 2, ታሕሳስ 1950፡ ልክዕ ቅድሚ 63 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሱሳ ዓምታት መግዛእታዊ ሕሰምን ኣደርዕን ተናጊፉ፡ ብራህዋን ሰላምን ህይወቱ ክመርሕ፡ ከም ኩሎም ኣህዛብን ሃገራትን፡ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝነበሩ፡ ኣየር ናጽነት ከስተንፍስ፡ ብተስፋ ሃንቀው ክብል፡ ካብ 1941 ክሳብ’ዛ ጸልማት ዕለት’ዚአ ከይተሓለለ ዘካየዶ ሓያል መኸተ ብሽርሕን ተንኮላትን መንግስቲ እንግሊዝን ኣመሪካን ዕድሉ ተጓዕጺጹ። ብስም ፈደራላዊ ብይን ከኣ፡ ካብ ሓደ መግዛእታዊ ኣደራዕ ናብ ካልእ ዝደሓረ መግዛእታዊ ስርዓት ክቁረን፡ ንጸላእቱ ባይታን መንጸፍን ዘጠዓዕም ውሳነ ዝተኸተመላ መዓልትን ወርሕን ምንባራ ኣጸቢቅና ንዝክር።

ከም ውጺኢት ናይዚ ውዲታውን ዓማጽን ብይን፡ ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ መሪር ናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ፡ ልዕሊ 70 ሽሕ ትንፋስ ዝኸፈልናሉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሰንከልሉ፡ ኣማኢት ኣሻሓት ዝተበታተንሉ፡ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሃገር ናብ ደረጃ መዋእለ እምኒ ዝተመልሰሉ፡ መዋእል ቃንዛን ምረትን ዘሕለፍናሉ፡ ገና ብዘይ ዕረፍቲ ክሳብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን፡ ኣብ ቀጻሊ ገድልን መኸተን ክንጽመድ እተገደድናሉ ውሳነ ኢዩ።

ምልስ ኢልና ንሕሉፍ ኣመጻጽኣ ናይ’ዚ ታሪኻዊ ዓመጻት ምስ እንድህስስ፡ ፋሽስታዊ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብቂዕ፡ ብመጻንሂ ጊዚያዊ መንግስቲ እንግሊዝ ምስ ተተክአ ምስ ወኪል ኢትዮጵያ እናተማሻጠሩ፡ ነቶም ምእንቲ ፍትሕን ናጽነትን ዝጠልቡ ሃገራውያን፡ ብራዕድን ሽበራን ፖለቲካዊ ቅንጸላታት ከምበርክኹ፡ ነቶም ንኣንድነት ዝደፍኡ ድማ ብሽሕጣንን ሓለፋታትን ህዝቢ ኣደናጊርካን ፈላሊኻን ዝተበጽሐ ናይ ጥልመት ፍጻሜ ኢዩ።

እንግሊዝ ኣብተን ዝጸንሓለን ዓሰርተ ዓመታት፡ ንመራሕቲ ማሕበር ፍቅሪ ሃገር ምድሃልን ምርዓድን፡ ከይንቀሳቀሱ ምእጋድ፡ ምዕናው ንምዕቡል ቁጠባዊ ሰረታት፡ ትካላት ፋብሪካታን መራከቢ መስመራትን፡ ካልኦት ዓቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ንብረት። ናብ’ተን ሽዑ (እንግሊዝ) ዝገዝአን ዝነበራ ሃገራት፡ ሰሪቁ ብምግዓዝ፡ ዝተረፈ ክፋሉ ተረሚሱ ከም ዝዳኸም ጌሩ። ዕላምኡ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መጋባእያ ዲሒሩ ዝቀርብ ዝነበረ መመኽነይታ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባ ነብሱ ከማሓድር ኣይክእልን ኢዩ” ዝብል ተንኮል፡ ከም ቀንዲ ረቛሕታዊ ነጥቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቀርብ ዝነበረ ጭብጢ ምዃኑ ዲሒሩ ተጋሂዱ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ቅድሚ ፈደረሽን ወኪሉ ኣብ ኣስመራ ከም ዝሰፍር ተፈቂድሉ፡ ኮሎነል ነጋ ወልደስላሴ ነዚ ተልእኾ ከነጣጥፍ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ንኽትጽንበር ክጎሳጉስ ሰፊሕ ዕድል ኔርዎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብን መራሕቲ ሰልፍታት ቀጽሪ ናጽነትን፡ ዕሱባት ዕጡቓት ሸፋቱ ብምውፋር ሓያል ናይ ራዕድን ቅንጸላን ስጉምቲ ፡ መንነቶምን ገበናቶምን እናተፈለጠ፡ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተበላሓቶ ሜላን ኢዱ ዘእተወሉ ስርሒት ስለ ዝነበረ፡ ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ዓበይቲ ሃይማኖታት፡ ሕንፍሽፍሽን ናዕብን ከጓሃህሩ ኣበርቲዖም ሰሪሖም። ህዝብን ዓበይቲ ዓዲን ናይ ፖለቲካ መራሕትን ግን፡ ነዚ ድሑር ተንኮላዊ ተጻባእነት ብንቅሓት፡ ሓድነቶም ዓቂቦም፡ ብትርን ትብዓትን ቃልሶም ቀጺሎም።

ህዝቢ ኤርትራ መግዝእቲ ኢጣልያ ካብ ኤርትራ ክወጽእ፡ ብዓቅሙ ኩሉ ካብኡ ዝሕተት ዘበለ ከምዘበርከተ፡ ድሕሪኡ እውን ምስ ኩሉ ዝገጥሞ ዝነበረ ሽርሕን ተጻብኦታት መንግስቲ እንግሊዝን ኢትዮጵያን፡ ከም ዝመከተ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና። ቅድሚ እዚ ውሳነ’ዚ ምሕላፉ እውን ብወከልቲ ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብታህዲድን ምጉብዕባዕን ተጻባእቲ ከይተዳህሉ፡ ሞት ጢሒሶም ኩሉ ታሪኻዊ ሓቅታት ህዝብን ሃገር፡ ስኑድ መርትዖታትን ምጉትን ከም ዘቕረቡ፡ ኣብ መዝግብ ታሪኽና ብወርቃዊ ቀለም ተሰኒዱ ኣሎ።

“ህዝቢ ኤርትራ ዘቅርቦ ዘሎ ጠለባት ቅኑዕን ፍትሓውን መሰል ንናጽነት ኢዩ፡ ነቲ ሓቀኛ ሕቶ እዚ ክጉዕጽጽ፡ ናብ’ቲ ዝነበሮ ፉንፉን መግዝእታዊ ስርዓት ክምለስ ዝሕልን፡ ምስ ካልኦት ክቛረን ሃቀነታት ዝሓልም፡ ወይ ናብ ክልተታት ክትመቓቕል ውዲታት ዝኣልም፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገንን ኣካልን ኮነ መንጽር ይምጻእ ፈተነታት፡ ዓይነቱ ኮነ መልክዑ ብዘየገድስ፡ ካብ ምሉእ ናጽነት ንታሕቲ ከምዝይቅበል ነረጋግጽ። እዚ ሕድገት ዘየፍቅድ መሰል ናጽነት ምስ ዝገሃስ ድማ፡ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ክኸስት ዝኽእል ዘይዓርፍ ኩናት፡ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ባርዕ ህውከትን ዕግርግርን ከም ዝሸሞ ብዘይጥርጥር ነረጋግጽ” ክብሉ ኣቦና ሓርበኛ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ዘስምዕዎ ትንቢታዊ ቃል ኢዩ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ነቲ ረዚን ቅውም-ነገራዊ መጠንቀቕታ ግዲ ከይሃበ፡ በቲ ዝነብሮ ክቱር ህርፋን ተገዚኡ፡ ኣብ’ቲ ዘገድሶ ዝነበረ ጥቅሚ ጅኦ- እስተራተጂካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ፡ (መራኸቢ መስመራት ማያት ቀይሕ ባሕርን ወደባቱን) ጥራይ ሃነፍነፍ ዝብል ዝነበረ ብዓል ስልጣን ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ጆን ዳላስ ፎስተር ድማ፡ “ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘቕርቦ ዘሎ ናይ ናጽነት ሕቶ ቅኑዕን ቅቡልን ኢዩ። እንተኾነ፡ ብመንጽር ስተራተጂካዊ ረብሐ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ምእንቲ ምርግጋጽ ኣህጉራዊ ሰላምን፡ ምስ ኢትዮጵያ መሓዛና ክትቁረን ኢዩ እቲ ድሌትና” ካብ ዝብል ኣስፋሕፋሒ ፖሊሲ፡ ነቲ ዓማጺ ውሳነ ክሓልፍ ዓቢ ጽልዋን ተራን ኔርዎ።

ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ድሌቱ ኣብ እግሪ’ቲ ድሑር ስርዓት ሃይለ ስላሰ ክደነን ተጌሩ። እቲ ንስሙ ዝተበየነ ፈደራላዊ ውዕልን ስምምዓትን ፈደራላዊ ዓንቀጻት፡ ንስርዓት ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ግንዖ ዝህብ፡ ነቲ ቀንድን ወሳኒን ስልጣናት ምምዛዝ ሚኒስትሪታት ኣብ ኢዱ ዘእቱ፡ ነተን ብድርካቡ ንውሽጣዊ ርእሰ-ምምሕዳር ዝውስና ዓንቀጻት እውን፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝወጹ ዝነበሩ ዓመጽቲ ኣዋጃት እቲ ስርዓት ከም ዝስረዝን ተጌሩ። ቛንቛ ትግርኛን ዓረብን ከም ወግዓውያን ቋንቋታት ከየገልግላ ተሰሪዘን፡ ናይ ፕረስ ሕጊ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ሰልፍታት ኩለን ከም ዝፈርሳን ዝስረዝን ተጌሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘንጸላልዎ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ናበይ ገጹ ይዛዙ ከም ዝነበረ፡ ብልዑል ንቅሓትን ትኩርነትን ክከታተሎ፡ ከም ግብረ መልሲ ድማ፡ ተቃውሞታት ከሐይል ግድን ኔሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝግንፍል ዝነበረ ማዕብላዊ ተቃውሞታት፡ በቲ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተተዅበላ ምኽርን ወታሃደራዊ ሓገዛትን፡ ክትዓጥቅ ክትገዝፍ፡ ወታሃደራዊ ቅልጽማ ከተርኢ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ኤርትራ፡ ዓበይቲ ወታሃደራዊ መዓስከራት መስሪታ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ፖሊስ ዝነበራ እምነት ክበንን ብምጅማሩ፡ ካብ ካልእ ስፍራታት ኢትዮጵያ ብዓሰርታታት ኣሽሓት ወተሃደራት ክትጓርት ቅልጡፍ ዕለታዊ ንጥፈታታ ኮይኑ።

ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ክልተ መዓስከራት፡ ኣብ ሰታንታ ኦቶ ጥቃ እንዳ ፋብሪካ መሎቲ “ሳላሳ ኣምስተኛ ጦር ሰፈር” ዝበሃል፡ ኣብ ቪላጆ ጀንዮ፡ ጥቃ ቤት ትምህርቲ ቪላጆ፡ ሓደ ዓቢ ወታህደራዊ መዓስከር፡ ጦር-ሰራዊት መምስ ስድራ ቤቶም ከተስፍር መደባት ጎበጣኣ ኣኽሪራቶ።
ነቲ ሽዑ ዝረኣ ዝነበረ ፍሕሕታ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ህዝብን፡ ንምድሃል ዝዓለመ ወታሃደራዊ መናወራ፡ ኣብ ኣብ ጎቦታት ላዕላይ ኣኽሪያ ከባቢ ማይ ኣምበሳ ዝርከብ ሕሉም (Valley) ጽዑቅ ወታሃደራዊ ተኹሲ ልምምድ ክገብሩ፡ ንግሆ-ንግሆ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ኣማኢት ወታሃደራት በቢእብሪ ተሰሪዖም፡ ካብ’ቲ ዝቕመጥሉ ካምቦታት፡ ብማእከል ከተማ ተሰሪዖም ክሓልፉ፡ ህዝቢ ንምርዓድ “እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው” ዝብል ፈኸራን ታህዲድን ተሓሊፉ።

እዚ ኹሉ ክኸውን፡ ነቲ ብመሰረት ውሳነ 390 A (V) እተበየነ ውሳነ፡ ኣብ ኣተጋባብራን ኣተራጓጉማን ፈደራላዊ ውዕላት፡ ኢትዮጵያ ከይትዕምጽ ተባሂሉ፡ ሓንቲ ነዚ መስርሕ ክትከታተል ዝቖመት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኔራ ኢያ። ተመስሪታ ከተብቅዕ ግን፡ ነቲ ዘጋጥም ዝነበረ ሕልክልኻት፡ ብወገን ኤርትራውያን ዝቐርብ ዝነበረ ቀጻሊ ተቃውሞታት፡ ኣትሰምዕ ግን ኣይነበረትን። ምኽንያቱ እቶም ነቲ ሜላላታት ዝሓንጸጹ ኣካላት፡ ናይ ምልሓቅ መገዲ ዘንጸፉ ሓይልታት ከኣ ራኢኦም ክውን ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ናብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ናጽነታዊ ነዊሕ ጉዕዞ ክምርሽ ኣንቂዱ።

እዛ ሒዝናያ ዘሎና ወርሒ ታሕሳስ፡ ውሳነ ዕለት 2 ታሕሳስ 1950 ከኣ ብፍላይ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብርክት ዝበለ ዓማጺ ውሳነታት ኣብ ልዕሌና ብተደጋጋሚ ዝውሰነሉ ወርሒ ኮይና ጸኒሓ ኣላ። እታ ብ 390 እትፍለጥ ከኣ፡ በዅሪ ኩለን ዓመጻት ምዃና’ያ ተዘኻኽር።

ስለምንታይ ክንዝክራ ንቕሰብ፡ ታሪኽ ኣልዒልካ እንታይ ኣምጻእካ እንድዩ እቲ ሕቶ? ነዚ ኣብ’ዚ እንሓልፎ ዘለና ህልው ኩነታት፡ ዘጋጥመና ዘሎ ሕልኽላኻት ምስ ሕሉፍ ዓንዳሪ ታሪኻዊ ፍጻመታት ኣዛሚድካ ምርአይን ምፍታሽን፡ ንባህርያቱ መርሚርካን ተንቲንካን ክትርድኦ ምኽኣል፡ ጽቡቅ ሚዛናዊ ኣንፈትን ኣራኣእያን ከተስርጽን ከተማዕብልን ስለ ዝሕግዝ፡ ሕሉፍን ህሉውን ሽርሕታት ኣብ ትሕዝትኡን ባህርያቱን ዘለዎም ተመሳሳልነትን ፍልልያትን ኣነጺርካ ምስትውዓል፡ ኣብ’ቲ እትገብሮ መኸታዊ ስርሓት ሓጋዚ ትምህርቲ እትቀስመሉ ጽቡቅ ኣተሓዝዛን ኣጋጣሚን ኢዩ።

እምበኣርከስ እቶም ናይ ትማሊ ሓርበኛታት ኣቦታት፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ መዋእል ቃልስን ጥምጥምን፡ ነዚ ብሓያላት እተዓብለለ ውድብ፡ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ታሪኻዊ ሓቅታትን ጭብጥታን ጸማም እዝኒ ስለ ዝሃብዎ፡ እናተነግሮም ስለ ዝደፈንዎ፡ እዚ ኣብ ከባቢና ብዘይ ዕረፍቲ እተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ዘስዓበ፡ ቅሳነት ሰላምን ጸጥታን ዝሓረሞ ከባቢ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ነቲ ትንቢታዊ መጠንቀቅታ ስለ ዘስተናዓቅዎ ኢዩ።

ሕጂ እውን እተኾነ ነዞም ናይ ሎሚ ሓርበኛታት ዝብልዎ፡ ጽን ኢልካ ካብ ክንዲ ምስማዕ፡ ኣብ’ቶም ሕሉፋት ጉጉያት ፖሊሲታ ነቂጽካ ክትቋማጣዕን፡ ካልእ ዘይተደልየ ክሳራታት ከተስዕብ ምጥራዕ፡ ትማሊ-ትማሊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይጸዲቑ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅሳነት ከምዘይርከብ እናተነግሩ ኣስቂጦም፡ ኣብ’ታ መሓዝኦም ዝኾነት ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ማለት ዘበት እዩ እንዳተባሂሎም ጸማም እዝኒ ሂቦም፡ እቲ ናይ ሽዑ ዝተባህለ ትንቢታዊ ሓቂ ቅኑዕ እንተኔሩ፡ ሕጂ እውን ከምኡ ከምቲ ናይ ትማሊ ኣይክኣልን ኢዩ ዝበሃል ዘሎ። ኣብ ዝበርዓነ ፖሊሲ እተመርኮሰ ብሉይ ስልትን ሜላን ምኽታል፡ ተመሳሳሊ ውጺኢት ከም ዝህብ ዘየካራኽር ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ’ዩ። ሎሚ እውን ከም ናይ ትማሊ፡ ሓደሽ መሰል መናውራን ናይ ሓሶት ክስታትን ሰኒድካ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ረጊኦም ህንጻ ሃገራዊ ውራዮም ከየሳላስሉ ስራሕ ከተባኹር፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት፡ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ ሰሪዕካ፡ ኮለል ከተብሎም ጊዜምፍታን፡ ጊዜ ምጥፋእ፡ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፋይዳ የብሉን ነብሎም።

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም፡ ሃሱሳት ኣዕጢቆምን ኣዋፊሮምን፡ ማዕብላዊ ገስጋስ ህዝቢ ክገትኡ ከምዘይክእሉ፡ ንዝኸሰረ ሜላታት እንደገና ክደግሙ እሞ፡ ከሕምቑና ንዝመጣጠሩ እንተሃልዮም፡ ትማሊ እንተተሳዒሮም፡ ሎሚ እውን ነቲ ዝፈሸለ ግጉይ መስምር ብምድጋም ከምዘይስዕሩ፡ ታሪኽ ተወኪስና እንተ ኣረጋጊጽና፡ ብዝረኸብናዮ ፍልጠትን ተመክሮን ምርኩስ ብምግባር፡ ነቲ ትማሊ ኣብ ዓወት ዘብጽሐ ቅኑዕን ፍቱን መስመርን ቀዳሞት ኣቦታትና ተኸቲልና፡ ኣብ ዝተናውሐ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ጉዕዞ ንምዝዛም፡ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ረጊጽና ምህላውና ንፈልጥ።

ስለ’ዚ በዚ ኣጋጣሚ፡ ዝኽሪ ትማሊ ሕሉፍ ሃብታም ተምክሮ ወለዶታት፡ ሓርበኛዊ ትብዓት ከም ደፋኢ ሓይሊ ወሲድና፡ ምስ’ዚ ኣብ’ዚ እዋን ዝገጥመና ዘሎ ብድሆን ተመክሮታትን ብምዝማድ፡ ነቶም ኣብ’ዛ ወርሒ ታሕሳስ እተፈጸሙ ስለስት ዓበይቲ ውሳነታት፡ 2 ታሕሳስ 1950፡ ፈደራላዊ ውሳነ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብ5 ታሓስስ 2009፡ ነቲ ብዓንቀጽ 1907 ዝፍለጥ ውሳነ እገዳ፡ 23 ታሕሳስ 2011፡ ምትራር ናይ’ቲ ኣቀዲሙ ዝጸደቀ ብይን እገዳን፡ ብ12 ታሓሳስ 2000 ድማ ውዕል ኣልጀሪስ ዝተኸተምሉን፡ ፍጻሜታት ኮይኖም፡ ንዝክሪ ጥራይ ጠቂስናዮ ክንሓልፍ ዘይኮነስ፡ ወርሒ ታሕሳስ፡ መኸተና ከነባራትዕ፡ ቅናት ኒሕን ወኒን ኣትሪርና፡ እምቢታና ክሓንን፡ ሓድነትና ኮሊዕና ንቅሓትና ኣበሪኽና፡ ናብ’ቲ ዘይተርፍ ዛዛሚ ዓወት ክንምርሽ እትዕድም ወርሒ ኢያ።

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!
– – – – – – – – – – – – – – – – – – – –

The Un Just Resolution 390 A(V)

Download (PDF, 308KB)



—————