
ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፡
ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ መንግስቲ ምስ ተኸለ ኣይኮነን መሰናኽል ዝገጥሞ ዘሎ፡ ትማሊ ኣብ`ቲ ንምህላዉ ዝካይዶ ዝነበረ ቓልሲ`ውን ከቢድ ፈተነ ክሓልፍ እንከሎ፡ እዛ ንዓይና ብጨው ሓጺባ፡ ዓይና ብኽፉቱ ዘዕወረት ዓለም፡ ንቓንዛኡን ሕማሙን ከምዘይንታያ ቆጺራ ክትፍርጆ እንከላ፡ ነቶም ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ዝነበረ ቃልሲ ንምድርቋሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጌና ምስ እስትንፋሱ እንከሎ፡ ዓለም ባዕላ ኣብ ዝፈሓረቶ ጉድጓድ ክትቀብሮ ክትሕልን እንከላ፡ ንድምጹ ስለ ዝሰምዐት ዘይኮነ ማዕሪኣ ሰሪዓቶ፡ ንድምጹ ንኽትሰምዕ ርእሳ ስለ ዘድነና፡ ብእዝና ኣደጊፋ ስለ ዘስመዓ ኢዩ፡ እታ ሓንሳብ ምስ ተሰቕለት ዘይትደንን ባንዴራ ሓቂ፡ ኣብ`ታ ዘይትስበር እንኮ ኤርትራዊት ዘንጊ ሰቒሉ፡ ክብሪ ሉኡላዊት ሃገር ኤርትራ ኣብ ዓለም ዘረጋገጸ።