ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ንምሕራይ ኢዱ ኣይቅስርን ፡ ድሕሪ ድንዕታ ዘሎ ዓውታ ኸኣ ተኸዊልዎ ኣይፈልጥን!

News ትግርኛ
don't-mess-with-Eritrean
ካብ ብዓሎቕ ተጻባእቲ እትጭነቕ፡ ሎሚ ነቶም ዓሎቕትኻ ሕነቅ። ካብ ማእገር ሓድነትካ ዝቡርቆቕ፡ ኣብ እምነት መትከል ፍትሒ ዕዮኻ ኣሚንካ፡ ንያት ሰማእታትካ ሰንቕ። ንዘይዓርብ ንያትካን፡ ነባሪ ጅግንነትካን፡ ንጽባሕ ዘይኮነ ንሎሚ ተጠቐመሉ! መኸተኻ፡ ንሎሚ ዘይኮነ ንሕጂ ዕየየሉ! ንድሕነትካን፡ ውሕስነትካን ሉኡላዊት ሃገርካን፡ ኣብ እንግድዓ ጸላእትኻ ሕጂ ዳግማይ ነባሪ ድንክል ትኸለሉ ህዝቢ ኤርትራ!!

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ መንግስቲ ምስ ተኸለ ኣይኮነን መሰናኽል ዝገጥሞ ዘሎ፡ ትማሊ ኣብ`ቲ ንምህላዉ ዝካይዶ ዝነበረ ቓልሲ`ውን ከቢድ ፈተነ ክሓልፍ እንከሎ፡ እዛ ንዓይና ብጨው ሓጺባ፡ ዓይና ብኽፉቱ ዘዕወረት ዓለም፡ ንቓንዛኡን ሕማሙን ከምዘይንታያ ቆጺራ ክትፍርጆ እንከላ፡ ነቶም ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ዝነበረ ቃልሲ ንምድርቋሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጌና ምስ እስትንፋሱ እንከሎ፡ ዓለም ባዕላ ኣብ ዝፈሓረቶ ጉድጓድ ክትቀብሮ ክትሕልን እንከላ፡ ንድምጹ ስለ ዝሰምዐት ዘይኮነ ማዕሪኣ ሰሪዓቶ፡ ንድምጹ ንኽትሰምዕ ርእሳ ስለ ዘድነና፡ ብእዝና ኣደጊፋ ስለ ዘስመዓ ኢዩ፡ እታ ሓንሳብ ምስ ተሰቕለት ዘይትደንን ባንዴራ ሓቂ፡ ኣብ`ታ ዘይትስበር እንኮ ኤርትራዊት ዘንጊ ሰቒሉ፡ ክብሪ ሉኡላዊት ሃገር ኤርትራ ኣብ ዓለም ዘረጋገጸ።

ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ንምሕራይ ኢዱ ኣይቅስርን