ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ንምሕራይ ኢዱ ኣይቅስርን ፡ ድሕሪ ድንዕታ ዘሎ ዓውታ ኸኣ ተኸዊልዎ ኣይፈልጥን (ካልኣይ ክፋል)

News ትግርኛ

ካብ ብዓሎቕ ተጻባእቲ እትጭነቕ፡ ሎሚ ነቶም ዓሎቕትኻ ሕነቅ። ካብ ማእገር ሓድነትካ ዝቡርቆቕ፡ ኣብ እምነት መትከል ፍትሒ ዕዮኻ ኣሚንካ፡ ንያት ሰማእታትካ ሰንቕ። ንዘይዓርብ ንያትካን፡ ነባሪ ጅግንነትካን፡ ንጽባሕ ዘይኮነ ንሎሚ ተጠቐመሉ! መኸተኻ፡ ንሎሚ ዘይኮነ ንሕጂ ዕየየሉ! ንድሕነትካን፡ ውሕስነትካን ሉኡላዊት ሃገርካን፡ ኣብ እንግድዓ ጸላእትኻ ሕጂ ዳግማይ ነባሪ ድንክል ትኸለሉ ህዝቢ ኤርትራ!!

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ሰላም ከመይ ቀኒኹም። ኣብ 1ይ ክፋል ጽሑፍና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገር ኤርትራ ዝውርወር ዘሎ ድንዕታን፡ ማዕረ ማዕረ ዝስማዕ ዘሎ ዓውታን፡ ብኸፊል ክንገልጾ ጸኒሕና ኢና። ኣብ`ዚ ናይ 2ይ ክፋል ጽሑፍና፡ ነቲ ኩነታት ብደቂቕን ዝርዝርን ምስ ናይ ኩሉ ጭብጥታቱን ፈቲግና ከነቕርብ ኢና። ሰናይ ንባብ፦

ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ንምሕራይ ኢዱ ኣይቅስርን (2ይ ክፋል)