
ብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ (ኬንያ),
ብ 24 ሕዳር 2013፡ ኣምባሳደር በየነ ርእሶም ኣብ ናይሮቢ ንህዝቢ ሰሚናር ኣካይዱ።
ኣርእስቲ ናይቲ ሰሚናር፡ ምርብራብ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምፍራስ ሃገርን ሃገራውነትን ከምኡውን ሓይልታት ምህናጽ ሃገርን ሃገራውነትን ኣብ ህሉው መድረኽ ዝብል ኮይኑ፡ ነዚ ዘለናዮ መድረኽን መኣዝንን እንታይ ይመስል ንምርዳእ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎም ናይ ታሪኽ መድረኻት ብሰፊሕ ገሊጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ምእራፍ ናይ ታሪኹ፡ ናጽነት ሃገሩ ንምጉንጻፍ ዘካየዶ ፖሎቲካውን ብረታውን ቃልሲ ገሊጹ፡፡ ነዚ ድማ ነቲ ቐዳሞት ኣቦታትና ዘልዓልዎ ሃገር ክንከውን ንኽእል ዲና ኣይንኽእልን ዝብል ሕቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝመለሶን ናይ ሃገራዊ ናጽነት ብቕዓት ብ1991 ኤርትራ ነጻን ልኡላዊትን ብምግባር ከም ዘረጋገጾን ገሊጹ።
ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ተመሪሑ ከም ገዚፍ ሓይሊ ናይ ምህናጽ ሃገር፡ ምስ ምጭባጥ ሃገር ንሃገራውነት ኤርትራዊ ኣብ ጥርዚ ከምዝበጽሖን ኣብ ታሪኹ እቲ ቐዳማይ ምእራፍ ብዓወት ከምዝዛዘሞን ገሊጹ።
እቲ ካልኣይ ምእራፍ ናይ ሃገርን ሃገራውነትን ምህናጽ ታሪኹ ግና ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንናጽነት ዘካየዶ ቃልሲ፡ ሕጂ ውን ቃልስን ብቕዓትን ከምዝሓትት፡ እቲ ጉዕዞ ቀሊልን ልሙጽን ከምዘይኮነ ወይ ንሃገርን ሃገራውነትን ዘፍርሱ ሓይልታት ብብቕዓት ክገጥሞምን ክስእሮምን ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ ካልኣይ ምእራፍ ናይ ሃገርን ሃገራውነትን ምህናጽ ቕጻሊ ታሪኹ ድማ ካብ 1991 ክሳብ 2013 ዝገጠሞም መሰናኽላት፡ ኲናት፡ ሽርሕታትን ናይ እሱባት ደቂ ሃገር ናይ ሃሱስነት ስርሓትን። ብሓጺሩ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝመጹ ሓይልታት ናይ ምፍራስ ሃገርን ሃገራውነትን፡ ዕላምኦምን። ኣገባቦምን፡ ዝተጠቕሙሉ ሜላታትን ገሊጹ።
ሓይልታት ምህናጽ ሃገርን ሃገራውነትን እቶም ሓይልታት ምፍራስ ሃገርን ሃገራውነትን በቲ ሓደ ወገን፡ እቲ ንሃገርና ንምምቕቓልን ንምብትታንን፡ ነዚ እላማ እዚ ንምውቃዕ ድማ። ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻምን ንምስባርን፡ ንመንነት ህዝቢ ኤርትራ ንምህሳስን ንምጥፋእን፡ ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽሓድን ዝካየድ ስነኣእምራዊ ኩናት፡ በቲ ካልእ ድማ ገጢምዎ ዘሎ ንቁጠባ ሃገር ዘእኑ፡ ንመንእሰያት ብምፍላስ ናይ ኤርትራ እዮን ጉልበትን ኣእምሮን ዘጽንት፡ ንኤርትራ ብፖለቲካ ዝንጽል፡ ጭቡጥ ኵናት እንታይ ሙዃኑን እቶም ነዚ ብግሁድን ብምስጥርን ዘካይዱ ብኣሜሪካ ዝምርሑ ሓይልታት ምፍራስ ሃገርን ሃገራውነትን በዓል መን ኢዮም፡ ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ከደዓት ወይጦታትን ደቂ ሃገር ከም ኣባላት ናይዚ ምፍራስ ሓይልታት ከ መን ኢዮም ድማ ብሰፊሑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ብህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ዝምራሕ ሓፋሽ ህዝቢን ኩሉ ካልእ ህላዌ ሃገር ብቐዳምነት ዝሰርእ ዜጋን ድማ ከም ሓይልታት ምህናጽ ሃገርን ሃገራውነትን ብኸመይ ክምክቱን ሃገርን ሃገራውነትን ብቀጻሊ ናይ ምህናጽ ብቕዓቶም ብኸመይ ይሃንጹን እዚ መንእሰይ ወለዶን ኣብ ወጻዒ ዝርከብ ህዝቢን ብኸመይ ኣብቲ ምህናጽ ሃገርን ሃገራውነትን ዝሕተቶ ኣበርክቶ ብኸመይ የማልእ ድማ ብሰፊሕ ገሊጹ፡ ኣብ ወጻዒ ዝርከብ ዜጋ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጥለብ ኩሉ ልዑል ሃገራውነትን ኤርትራዊ ሓበንን ኣንነትን ብተወሳኺ መንእሰይ ይኹን ዓቢ ካብኡ ዝሕተት ሃገራዊ ኣበርክቶ ንምምላእ ሕጂ’ውን ክውደብን ክነቅሕን ሞያዊ ዓቕሚን ትምህርትን ማልን ክድልብ መሰረታዊ እምነ ኩርናእ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ሕቶታትን ጠቓሚ ርእይቶታትን ድሕሪ ምሃብ፡ ተሳተፍቲ ብክብ ዝበለ ሃገራዊ ስምዒትን ሓበንን ኣኼባኦም ብዝኽሪ ሰማእታት ዛዚሞም።
ዓወት ንሓፋሽ
– – – – – – – – –
– – – – – – – – – – – – –