AUDIO: ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንክትምለስ ሓገዝ ኬንያ ከምዘይሓተተት ተገሊፁ (VOA)

Audio News
“Kenya supports Eritrea’s bid to re-join IGAD unconditionally”- Amba. Beyene Russom

By Betre Sultan,

ፕረዚደንት ምዋዪ ኪባኪ፣ኤርትራ ናብ ኢጋድ ቅድሚ ምምላሳ ንፅንፈኛታት ብሕልፊ ንኣል-ሸባብ ትልግሶ ሓገዝ ክተቋርፅ ኣለዋ ዝብል ሪኢቶ ኣይሃቡን ኢሎም ኣምባሳደር በየነ።

ኣብ ክንድኡ እቶም ፕረዚደንት ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክራኸቡ ከምዝደልዩ፣ኬንያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኾነ ፅልኢን ቅርሕንትን ከምዘይብላ፣ሎሚ‘ውን እንተኾነ ብሓባር ክንሰርሕ ድልዋት ኢና ከምዝበሉ ኣምባሳደር በየነ ጠቂሱ።

ብመሰረት እቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ዝላኣኸልና መግለፂ ምንስቴር ወፃኢ ኬንያ ድማ፣ኣብ እዋን ልዝብ ፕረዚደንት ኪባኪን ኣምባሳደር በየነን፣ጉዳይ ኤርትራ ምስ ፅንፈኛታት ተኣሳሲሩ ዝተላዕለ ልዝብ ኣይነበረን። ኬንያ እንተኾነት ምስ ኤርትራ ምዉቅ፣ሕውነታዊን ርክብ ክትፈጥር ከምኡውን ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክትምለስ ድልየታ ምኻኑ ሓቢሩ‘ሎ።

Click HERE to listen the interview in case the above player fails to work