3ይ ዋዕላ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዓወት ተዛዚሙ

News ትግርኛ
3rd-pfdj-dc
3ይ ዋዕላ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ “ቅኒት ሓሳብ መሪሕ ተግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ክሰላሰል ዝቐነየ ምትእኽኻብ ብ26 ሚያዝያ 2015 ተዛዚሙ።

ህ.ግ.ደ.ፍ. (ሕ.መንግስታት ኣመሪካ)

እዚ ብልዑል ሃገራዊ ፍቕርን መንፈስን፡ ንሰለስተ ተኸታታሊ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ፡ ካብ 29 ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተኣኻኸቡ፡ ኣስታት 300 ኣባላት፡ ሓለፍቲን ወከልቲን ዝተፈላለያ ሃገራውን ኮማውን ማሕበራት፡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ እተረኽብሉ ዋዕላ ኔሩ።

ዋዕላ፡ ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ተዋሂቡ ምስ ተኸፍተ፡ ኣቦ መንበር ከባቢ ህግደፍ፡ ብጻይ ምሕረታኣብ ተድላ፡ እቲ ጉባኤ ክዝትየሎም ከም መደብ ዝሰርዖም ኣገደስቲ ውድባውን ሃገራውን ዛዕባታት ንተሳተፍቲ ዋዕላ ድሕሪ ምብራህ፣ ቀጺሉ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብጻይ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ኣብ’ቲ ዋዕላ ተረኺቡ፡ መተባብዒ ቃልን፡ እቲ ማሕበር ሒዝዎ ዝጸንሐ ዕማማት ምሕያልን ምድልዳልን ስርሓት ኣወዳድባ፡ ብግቡእ ገምጊሙ ንመጻኢ ግብራዊ ዝኾነ መደባት ስኢሉ ክወጽእ ኣዘኻኺሩ። 

ብጻይ የማነ ገብርኣብ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስን ፍትሕን’ውን፡ ኣብ መንጎ መገሽኡ ካብ ከተማ ዶሓ ሃገረ ቀጠር፡ ብመስመር ቴሌፎን፡ ንተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርን፡ ዳግመ ምሕያል መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተታሒዙ ንዝጸንሐ ዕማማት ብዝግባእ እስርሓሎም ከም ዘሎን፡ ነቲ ካብ ተጋባእቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት እውን ሰፊሕን ኣዕጋብን መብርሂታት ሂቡ።

ተጋባእቲ ኣብ’ዚ ፈላሚ ዕለት ኣኼብኦም፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ክሰላሰሉ ዝጸንሑ ውድባዊ ዕማማት፡ ንኣሳልጦን ሕጽረታትን ዘድሃበ ዳህሳስ፣ ሰፊሕን ዝርዝራውን ትሕዝቶ ዘጠቓለለ፡ ብኣካየድቲ ናይ’ተን ሾሞንተ ጨናፍራት ጸብጻባት ሰሚዑ። ድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ በቢጉጅልኦም ተኸፋፊሎም ኣብ እተፈላለየ ዓውደ-ኣርእስቲ ተማቒሉም ብዕምቆት ከም ዝዝትይሉ ተጌሩ።

ሰንበት 26 ሚያዝያ፡ ኣብ’ቲ ሳልሳይ መዓልትን መወዳእታን፡ ነቲ ተወንዚፉ ዝሓደረ ዛዕባታትን ኣርእስትታትን፡ እንደገና ብምቕጻል፡ ካብ’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት እተቀስሙ ተመክሮታትን ዝተኻየዱ ንጥፈታትን፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ተፍትሽን ገምጋማትን ድሕሪ ምግባር፡ ንዝመጽእ ዓመት ዝሰርሓሉ ዝተመሓየሸ መምርሒታትን መደባት ኣሰራርሓን ንምእትታው፡ ተረዳዲኡ፡ ኣገደስቲ ውሳኔታት’ውን ኣጽዲቑ ወጺኡ።

ጎድኒ-ንጎድኒ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ካልኦት እዋናውያን ኣገደስቲ ኣርእስትታት ዝድህስስ ስምፖዝዩም ዓውደ-ዘተ ተወዲቡ። ኣብ ጎበጣ ላኣላዊ መሬትና፡ ቀርሰናን ፍልሰት ደቂ ሰብን፡ ምስኡ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንጉዳይ እገዳ ከጋጥም ዝጸንሐ ምትሕልላኻት፡ ኣተኩሮ ዝገበረ ዓሚቝ መብርሂ ብዝተፈላለዩ ኣካላት መግለጺታት ቀሪቡ።

ሓደ ካብ’ቶም ንዕብየትን ሚዛንን ኣወዳድባናን መራያ ዝኾነ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን፡ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌታት፡ ብዛዕባ ኣቃውማን፡ ቅርጽን ጽፍሕታትን፡ ብደረጃ ከባቢ፡ ዝጽበዮ ዘሎ ተልእኾታት፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ማሕበራት ክህሉ ዝግባእ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ዝምድናታት ዝድህስስ ዛዕባን፣ ኣባላት ህግደፍ ድማ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ዝምዕብልን ዝዓብን ዘሎ ሰፊሕን ኣሳታፍን ጥርናፈ ዘለዎ መጽለሊ፡ ቀላሲ ተራ እጽበዮም ምህላዉ ዘዘኻኽር፡ ብኣቦ መንበር ሃገራዊ ማሕበር፡ ብጻይ/ ዶክቶር ግዴዎን ኣባይ፡ ሰፊሕን ንጹርን መግለጺ ንተጋባእቲ ኣካፊሉ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕ.መ.ኣ ብጻይ ብርሃነ ገብርሂወት ብተወሳኺ፡ ኣባላት ግንባር፡ ኣድማዒን ውጺኢታውን ውድባዊ ስርሓት ንምስልሳል፡ መደባቶም፡ ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ውጥን ዝተመርኮሰ ክኸውን፣ ጉጅለታት ማሕበር፡ ዓቕምን ብቕዓትን ኣማዕቢለን ስርሐን ከማእዝና፡ ሰፊሕ ሰሚናር ኣቕሪቡ። ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ዝተፈላለየ ሕቶታት እውን ብዝግባእ መሊሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ባይቶ ኣተኩሮ ዝገበረሎም ካልኦት ነጥብታት፡ ኣብ ምትራር ሕድሕዳዊ ዝምድና ማሕበራት ዝጸሉ ንጥፈታት፡ ሓባራዊ ውጥናት መኸተ፡ ሃገራዊ በዓላትን ፈስቲቫላትን፡ ምስ ህዝቢ ዘራኽብ ጉዳያት፡ ምትሕግጋዝ ኣብ ምድልዳል ሃገራዊ ማሕበር ደቀ-ኣንስትዮን፡ ሰፊሕን ዓሚቝን ክትዓትን ልዝብን፡ ንምሕያሎም ዝሕግዝ ሓሳባትን ፈሲሱ። ኣብ’ዚ ዝቕጽል ዘሎ ዓመት እውን ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ፡ በቲ ኣብ ባይቶ ዝጸደቑ ውሳነታት፡ ንትግባረኡ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ፡ ናይ 4 ዓመታት ጉዕዞ ጥምረ ተመክሮን ማሕበራት ዝድህስስ ሪፖርት፡ ተበጺሑ ዘሎ እወታዊ ምዕባሌታትን ኣተሓሕዛን፡ ብሓለፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት፡ ብጻይ ዳዊት ሃይለ ዝርዝራት ቀሪቡ።

ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ፡ ተራ ገዳይም ስነ-ጥበባውያን፡ ብሰናይ ተበግስኦም ዝምልመሉን ዝወርሱን ዘለዉ ኣባላት ባህሊ ሕድሪ፡ ብከባቢ ደረጃ ተጠርኒፎም፡ ንኣዋርሕ ክቀራረብሉ ዝጸንሑ ውሕሉል ምስንዳእ፡ መሳጥን መሃርን ሰሓቢ መልእኽትን፡ ሰውራውን ሃገራውን ዜማታትን ግጥምታትን ዝሓቖፈ፡ ምሸታዊ ምርኢት፡ ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝለዓለ ናእዳን ኣድናቆትን ኣትሪፉ።

ኣብ መዛዘሚ፣ ተጋባእቲ 3ይ ዋዕላ ህግደፍ እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ሓባራዊ ውሳኔታት ብምጽዳቕ ተፈላልዮም፡-

ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበርን፡ ስርዓት ወያነ ካብ’ቲ ብጎበጣ ሒዝዎ ዘሎ ላኣላዊ መሬትና ብዘይ ወዓል ሕደር ኪወጽእ፡ ቃልስና ብትሪ ከም እንቕጽልን ኣረጋጊጹ!

ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ውሳኔታት እግዳ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኽልዓል መኸተና ብዝሓየለ ክቕጽል ወሲኑ፡

እቲ ብሽም ሰብኣዊ መሰላት፡ መሰለትና ንምድዋን ዝግበር ዘሎ እኩይ ጎስጓስ ንምፍሻል ብንጥፈት ክንሰርሕ ወሲኑ፡

እቲ መንእሰያትና ካብ ሃገሮምን ህዝቦምን ፈሊኻ ኣውጺእኻ፡ ገሊኦም ግዳያት ነጋዶ ፍልሰት ደቂ ኣዳም፡ ሓያሎይ ካብኣቶም ግዳይ ኣጻምእ ምድረበዳ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ብምዃን ዝጸነቱ፣ ነቶም ካብ’ቲ መስገድል ዝወጽኡ ድማ ኣይ ካብ ትምህርቲ፡ ኣይ ካብ ስራሕ ዘርምዘርሞ ንምግባሮም ዝተሓለነ ገበን እናኾነንና፡ መሰል መንእሰያትና ኣብ ዘዘለውዎ ሃገራት፡ ግቡእ ፍታሕ ክግበረሎም፡ መሰሎም ክሕሎ እናጸዋዕና፡ ነዚ ይቕረ ዘይብሃሎ ገበን ንምቅልዑን ንምምካቱን ተሰማሚዑ፡

ህዝብና ርህይዎን ቀሲኑን ክነብር፡ ዘድሊ ቍጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ካባና ዝሕተት ዘበለ ንምትግባር ድልውነትና፡ ዳግም ነረጋግጽ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

ዓወት ንሓፋሽ!!
26 ሚያዝያ 2015