76 ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ማህደረ ትምህርቲ ረኺቦም

News ትግርኛ
eritrea scholarship UAE
ጽቡቕ ዕድል። 76 ናይ ካልኣይ ዓመት ተመሃሮ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሙሉእ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም።

ካብ ሓዳስ ኤርትራ

ብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ጽላት ትምህርቲ ምትሕግጋዝ ንምግባር ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ 13 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 76 ተመሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም።

እቶም ተመሃሮ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ-ነፍሒ ናይ ካልኣይ ዓመት ተመሃሮ ኮይኖም፡ ብዩኒቨርሲቲታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተዋህቦም መእተዊ ፈተና ዝሓለፉ ምዃኖም፡ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ማእከል ምኽሪ፡ ስልጠናን ፈተናን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዶክተር ብስራት ገብሩ ንኤሪና ሓቢራ። 26 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኸሊፋ25 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢማራት25 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዛይድ ን5 ዓመታት ዓውደ-ትምህርቲ ኢንጂነሪን ክከታተሉ ምዃኖም እውን ገሊጻ።

ብ6 ጥሪ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ማእከል ምኽሪ፡ ስልጠናን ፈተናን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ነቶም ተመሃሮ ንምፍናው ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኤርትራ ቀንዲ ጸጋኣ ንዝኾነ ሰብኣዊ ዓቕማ ንምምዕባል ገዚፍ ወፍሪ ትገብር ምህላዋ፡ በብእዋኑ ድማ ንብሉጻት ተመሃሮ ዕድላት ማህደረ-ትምህርቲ ብምፍጣር ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይለኣኹ ከምዘለዉ ሓቢሩ። መንፋዓቶም ዓቂቦም ስሞምን ስም ሃገሮምን ከስምዩ ድማ ኣዘኻኺሩዎም።

ፈጻሚ ቦርድ ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፕሮፈሰር ታደሰ መሓሪ፡ ቅድሚ ሎሚ ንትምህርቲ ድሕረ-ምረቓ ጥራይ ኪወሃብ ዝጸንሐ ዕድላት፡ ሎሚ ንፈለማ እዋን ንትምህርቲ ቅድመ-ምረቓ ይወሃብ ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ዛጊት ልዕሊ 400 ተመሃሮ ብማህደረ-ትምህርቲ ከም እተላእኩን ዘዕግብ ውጽኢት የመዝግቡ ከምዘለዉን ሓቢሩ።

እቶም ተመሃሮ እውን፡ ንዝተፈጥረሎም ዕድላት ትምህርቲ ብብቕዓት ብምዝዛም፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር እጃሞም ከበርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።