
ብ ተስፋኒውስ (ትርጉም)፡
ሓደ ካብቶም ገበርትን ሓደግትን ስርዓት ወያነ ዝኾነን፡ ብሚኒስተር ማዕረግ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ከም ኣማኻርን ሓላፊ መራኸቢታትን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን`ዚ ብኣዝዮ ከቢድ ናይ ልቢ ሕማም ይሳቐ ዘሎ ኣይተ በረኸት ስምኦን፡ ካብ መዝነቱ ተሰናቢቱ፡ ውራይ ሕማሙ ጥራሕ ክገብር ንዘቕረቦ ጠለብ፡ ብሰበስልጣን ህወሓት ከምእተነጽገን፡ ግድን እንተበለ ግና፡ ቅድም ቀዳድም፡ ክሳብ ሎሚ ዘጥረዮ ሃብትን ንብረትን ክምርመር ምዃኑ ከምተሓበሮ፡ እሙናት ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ናይ ብአዲን/ኢሕወደግ ላዕላዋይ በዓልስልጣንውን ዝኾነ በረከት ስምኦን፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ Bugshan ብምባል ኣብ ዝፍለጥ ሆስፒታል ኣብዝተገበረሉ ጽዑቕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ፡ ጥዕንኡ ብዙሕ ከይተማሓየሸ ናብ ሃገሩ ከምእተመልሰን፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ገዝኡ ተዓቑቡ ብስድርኡ ይዕለ ከምዘሎን እዩ ዝሕበር።
ብፍላይ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣፍልቡ ኣርቲፊሻል መሳርሒ ካብ ዝግጠመሉ ንደሓር፡ ጥዕንኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳንቆልቆለ ከምዝኸደን እዩ ዝግለጽ።
ሰበስልጣን ህወሓት ብወገኖም፡ ካብ ስራሕ ንኣዋርሕ ተፈልዩ ክጸንሕ ከምዘይብሉን፡ ኣብዘን ዝመጻ ሰሙናት፡ ከምገለ ጌሩ ንህዝቢ ብቴሌቭዥን ክርአ ክፍትንን፡ ምስ ማእከናት ዜና እታ ሃገር`ውን ቃለ መጠይቕ ክዕድም ከምዘለዎውን ትሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ ብሕማም ተለኹሲሱ ዘሎ ኣይተ በረኸትን ስድራ ቤቱን ግና በቲ ትዕዛዝ ተዳሂሎም እንታይ ከምዝገብሩ ሓርቢቱዎም ከምዘሎውን ብተመሳሳሊ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ ሓድሕዶም ብዝኣተወ ሕንፍሽፍሽ ናብ ክልተ ዝተገምአ ውድብ ህወሓት፡ ከምቲ ንኣዜብ መስፍንን ጉጅለኣን ካብ ስልጣንን ቤተ መንግስትን ዘባረረ፡ ነዚ ብብርቱዕ ሕማማ ሓልኴሱ ንዘሎ በዓል ስልጣንውን ብተመሳሳሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣውጺኦም ኣብ ካሳንቺስ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ከምዘመሓላለፉዎ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይገልጽ።
ምንጪ ፡ ዘ-ሐበሻ