ተለዓል ተበገስ! ተጻብኦ ንምዂናን፡ መኸተና ብሓይልና ይሕነን!

News ትግርኛ
Eritreans-demo-geneva
ኣነ ተበጊሰ ኣለኹ፣ ንስኻ፡ ንስኺን ንስኹምን ከ? ኣነ’ዕወት! ኣነ’ብገስ! ኩሉ ድሕሪ ሃገር ኢልካ ምንቃል ሎሚ’ዩ ግዚኡ!

ብርዕና ዜናን ሓበሬታን (ስቶክሆልም)

ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ ውልድኡ፡ ”ሓፋሽ ይንቃሕ! ይወደብ! ይተዓጠቕ!” ዝብል ጭርሕኡ ኣብ ህዝቢ ብምስራጽ፡ ዓወታት ቃልሲ ኣብ ምቅልጣፍ ከም ዝቐሰቦ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዘን ጭርሖታት፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ናጽነት ዓመታት ዘጓነፉ ተጻብኦታት ኣብ ምምካት’ውን፡ ሓያል ድርዕን ዕጥቂ መኸተ ኮይነን ቅስሚ ጸላእቲ ዝሰበራን ንዕንደራ ዝቐርሰማን፡ ልዓት ኤርትራውነት እየን። ከም ወትሩ፡ ኩሎም ተጻብኦታትን ዘወርቶምን ከደምቶምን ክሳብ ዚሰዓሩ ድማ፡ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝተሓትማ መቃለሲ ኮይነን ከገልግላ እየን።

ብርግጽ ከኣ፡ ሓፋሽ ስለ ዝነቕሐ፡ ዝተወደብን ዝዓጠቐን ምኩሕ ደርጊ ተሳዒሩ! ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ወያነ ተደጊሙ! ሜላታት ኣመሪካን ተለኣኽቱን ተሰሊሶም፣ ተለዂሲሶም። ሎሚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ’ኳ እንተኾነ፡ እንኮ ጽንዓት ተቐኒቶም፡ ምእንቲ ምልእተ-ፍትሒን ትግባረ ሕግን ልኡላውነትን ኪብሉ፡ ንመፈንጠረታትን ኢ-ፍትሓዊት ድንዳነን ዓለም ኣብ ምብዳህን ምፍሻልን ይርከቡ። ዓለም ኣብ ዘንቂ ሓቂ ደው እንተ እትብል፣ ደብተር ፍትሒ እንተ እትጥርዝ፣ ወተሃደር ልኡኽ ሰላም እንተ እተዋፍር. . . ኣህዛብ ከምዚ ዘለውዎ ክንከላበቱን ሰላሞም ሃዲሙ ንስቓይ ኣምበይ ምተዳረጉን ነይሮም። ብግርምቢጥ ኣካይዳ፡ ”ፍትሒ” ንዝበለ፡ ምፍርራህ፣ ”ሓቂ” ንዘቃልሐ፡ ስቕታን ጒሲያን፣ ጸኒዑ ”ኣይምብርከኽን!” ንዝበለ፡ መሰረት ጽንዓቱን መንነቱን ንምህሳስ፡ ብሉያት ወፍርታት ብምክያድ፡ ህዝቢ ንምፍልላይ ሽርሒታት ምምሃዝን ምንቛቱን ኣበየ ኣህጉርን ሃገርን ተዋፊራን ኣዋፊራን ትርከብ። ኣብዚ፡ ዓለም ማለት፥ ኣመሪካ፣ እታ ንኹሎም በደላትን ኣደራዕን ኣመሪካ ግዳይ ኮይና ዘላ ድማ፡ ኤርትራ ምዃና ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

እንሆ ኣመሪካን ተጎትታን ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ካብ ዝውስና ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣቊጺሩ ይርከብ። መምርሒታት ኣመሪካ ዘይፍትሓዊ፡ ንዓማጽን በደለኛን ዘዕቊብ፡ ንተበዳሊ ዝውንጅልን ዝብደልን ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምስ መንግስቱ ብምዃን ንውሳነታት ማዕቀብ ብምዃናን፡ ድምጾም ኣብ ምስማዕ ይርከቡ። ምእንቲ ሃገርን ድሕነታን፡ ዝኽፈል ኪኸፍሉ ወትሩ ቅሩባትን ውፉያትን ህዝበ-ሽደናትን ዋዕሮታትን፣ ህዝበ-ሓድነትን ጽንዓትን። ኣብ ጉዳይ መኸተን እምቢ ንዘይፍትሓዊ ማዕቀብን፡ ስዊዘርላንዳዊት ከተማ ጀነቭ፡ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ነበርታ ወዲባ፡ ዳግማይ ኤርትራዊ ቅያ ከተታኣናግድ ምጹኒ ትብል ኣላ። ንብጽሓያ! ድምጽና ነስምዓላ፣ ናብኣ ንመርሽ። ኣነ ተበጊሰ ኣለኹ፣ ንስኻ፡ ንስኺን ንስኹምን ብሓባር ተጠርኒፍና፡ ንሕና ተበጊስና ኣለና ንበል።

እዚ ቅንያት ድማ፡ ሰማእታትና እንዝክረሉን ቃሎም እንሕድሰሉን ዝኽሪታት 20 ሰነ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኹ ከኣ፡ ልሕሉሕ ’ዝልዓቱን ፍትሒ ዝጎደሎ ብይንን ”ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት” ዝተባህሉ ልቅብቃብ ውንጀላታትን ዝስምዕሉ ቅንያት ንርከብ ኣለና። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነቶም ንፍትሒ ዝዓመጹን ንሓቂ ጂሆ ዝሓዙን ጽንግሊላት፡ ኣብ ምብዳህን ምምካትን ኤርትራዊ ሃገራዊ፡ ናብታ መጋብኣያን ቤት ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከበላ፡ ከተማ ጀነቭ ብምኻድ፡ ቃል 20 ሰነ ከስምዕ ይጽዋዕ ኣሎ! እወ፡ ሎሚ ከም ትማሊ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይፋል ንዘይፍትሓዊ ማዕቀብ! ኣይፋል ንልቅብቃብ ውንጀላታት! ይኣክል ተጻብኦ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መንግስታን ኣብ ምባል ይርከብ። ቃሉን ድምጹን ንንፋስ ኮይኑ ከም ዘይተርፍ ስለ ዝተኣኣማመን፡ ምንዋሕ ግዜ ብዘየገድስ፡ ውዳቢኡ ብምምዕርራይን መስመሩ ብምቕናዕን ናዕታዊ ስምዕታኡ ካብ ምስማዕ ኣይክዛነይን እዩ።

ስለዚ፡ እቲ ንማንም ዘይተዓደሎ ኣብ ቃልሲ ዝማዕበለ፡ ሃብታም ውርሻ ባህሊ መኸተን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓድነት ስለ ዝስርሓሉ፡ ዝሕበነሉን ዘድምዓሉን ዋርሳኡ እዩ። ሎሚ’ውን፡ ኩልና ብሓባር፡ ማዕቀብ ኣብ ምዂናን፡ ነጎድጓዳዊ ድምጽናን በርቃዊ መቓልሕናን ከነስምዕ፡ ንጒዕዞ ጀነቭ 2010 ክንድምዕ ሃገር ትጽውዕ! ጻውዒት ዘየድልዮ፡ ጻውዒት ሃገርን ሰማእታታን። ከምቲ ኣብ ቃልሲ ዝተዘየመን ተቐባልነት ዝረኸበን፡ ሃገርን ሰማእታታን፡ ”ሎሚ ዘይከተተ፡ ብደዉ ከም ዝሞተ” ይብሉ ኣለዉ። ኣነ’ዕወት! ኣነ’ብገስ! ኩሉ ድሕሪ ሃገር ኢልካ ምንቃል ሎሚ’ዩ ግዚኡ። ኣብ ዕሰሌ’ቶም ሕድሪ ሃገርን ሰማእታታን ዘተግብሩን ዝድብሉን ክንሕወስን ሃገራውነትና ክንድርዕን እቲ ግዜ ሎሚ’ዩ። ቅስሚ ተጻባእትና ክንሰብርን ካባ ሕፍረት ከነጎልብቦምን ንጽባሕ ዘይበሃሎ ዕለት ሎሚ’ዩ! ሕጂ ኣብዛ ሰዓት፡ ኣብ ደቓይቓን ካሊኢታታን! ኤርትራዊ፡ ”ተለዓል ተበገስ! ተጻብኦ ንምዂናን፡ መኸተና ብሓይልና ይሕነን” ይብል ኣሎ’ሞ፡ ተበጊሰ’ለኹ! ኣነ በገስኮ! ኣና መሳፍር!. . . ቃል ኩልና ይኹን።

ንኹሎም ጒዕዞን ሓበሬታትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣለናልኪን ሓለፍቲ ኮማትን ተወከሱ።