ጉዳም “ማኒፈስቶ 2020 ምሁራንን ክኢላታትን ኤርትራውያን ዲያስፖራ”

News
Eritrean opposition Manifesto 2020
እቶም ኣብ መስመር ዘየለዉ: ሰብኣውን ፖለቲካዊን ማኒፌስቶ ብባጀላ ዱክትርና ከህጥሩ ዝፈተኑ 95 ዶክተራት: ስለ ህዝቦም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ንዝሓትት ግሩህ ዜጋ እንታይ መልሲ ኮን ይህልዎም ይኸውን?

ሳምሶን ብርሃነ

ብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማንዛዊ (virtual) መራኸቢታት ዝተኣከቡ ሰብ ባጅላ “ማኒፈስቶ 2020 ምሁራንን ክኢላታትን ኤርትራውያን ዲያስፖራ” ዝሰመይዎ፡ ቅድመ-ጥብቆ ዱክትርና (ፒኤችዲ) ኣቐሚጡ ዝርዝር ኣስማት 95 ሰባት ዘካተተ ጽሑፍ ዘርጊሖም ቀንዮም።

እቲ ጽሑፍ ብሕጽር ዝበለ፡ ኤርትራ ዝደኸመ ስርዓተ ጥዕና ስለ ዘለዋ ኣብ ግዜ መኸተ ኣንጻር ኮሮኖና ቫይረስ-19 ተራእዩ ንዘይፈልጥ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅሉውላው ተቓሊዓ ከም ዘላ፣ ክትወጾ’ውን ከምዘይትኽእልን’ዩ ከእምን ዝፍትን።

ነዚ ጉልባብ ይግበር እምበር፡ እቲ ጽሑፍ ዝበዝሐ ክፋሉ ካብቲ ዛዕባ ዝረሓቐን ብሒል ጎቦ ፖለቲካ ክሰርሕ ዘንቀደን’ዩ። ብዙሓት ለባማት፡ ቅኑዓት፡ ከምኡ’ውን ምሁራት ደቂ ሃገር ዕሽሽ ኢሎም ከም ዝሓለፍዎ ምሕላፉ’ኳ ይከኣል እንተነበረ፡ ንእኪት ሕልናን ትምኒትን እቲ ጽሑፍ ንጎኒ ገዲፍካ፡ ብስነመጎት ብድሆ ምቕራብ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

1) ኣቕረብቲ ጽሑፍ ሚዛን ሓሳብ፡ ሕልናን ፍልጠትን ብሚዛን ባጀላ ዱክትርና ዝምላእ መሲልዎም እንተዘይበልኩ፡ ባጀላታቶም ካብ ሓሳቦም ከም ዝዓቢ ግን ኣጒሊሑ ዘርኣየ ማኒፌስቶ’ዮም ኣቕሪቦም። ግደ ሓቂ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሰብኣዊ ኮነ ፖለቲካዊ ርእይቶ ንምቕራብ ሰብን ኤርትራውን ምዃን ጥራይ ኣኻሊ’ዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ክብርታት ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ማለት፣ ቅኑዕ ሕልና፡ ልቦና፡ ውርዝይና፡ ኣርኣያነት፡ ተወፋይነት፡ መስዋእትነትን ምፍጻም ሃገራዊ ግቡኣትን ዝያዳ ብልጫ ምኾነ።

ወለድና ኣብ ልዕሊ ምህሮን ኣእምሮን ልዑል ክብሪ’ዩ ዘለዎም። ሰብኣውን ፖለቲካዊን ማኒፌስቶ ብባጀላ ዱክትርና ከህጥሩ ንዝደልዩ ‘ካብ ምህሮስ ኣእምሮ’ ምበልዎም። ምኽንያቱ ባጀላ መለክዒ ልቦና ኣይኮነን፣ መለክዒ ቅንዕና’ውን ኣይኮነን፣ ካብ ነቐፌታ ኮነ ገበን’ውን ሓራ ኣይገብርን። እንተ’ቶም ምህሮኦም ኣብ መዓላ ሓፋሽ ንምውዓል ብኹሉ ዓቕሞም ኣብ ኩሉ መዳይ ዝረባረቡ ዘለዉ ግን ነዚ ጉዳይ ወጊድ ‘ቀለም-ቀመስነት’ ኢሎም ሰጊሮሞ ዘለዉ ይመስለኒ።

ኪኖኡ ከኣ ፊደል ዝቖጸረን ዘይቆጸረን፡ በዓል ንኡስን ዓቢን ባጀላ (ክሳብ ዱክትርና) ዝኾነ ሓፋሽ ኣኽቲቶም፡ ናብ ዓቢ ምንቅስቓስ (movement) ዝተሰጋገረ ህዝባዊ መኸተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ የካይዱ ኣለዉ።

2) እዞም ሰብ ማኒፌስቶ ንምህሮኦምን ዘለዎም ጸጋታት ቴክኖሎጂን ኤርትራዊ ቅንዕና ሓዊሶም ኩነታት ጥዕና ኤርትራ ንምፍላጥ ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ እንተላይ ኣብቶም ኣብዮቱባታ ዘቕረብሎም ከም ‘ውድብ ጥዕና ዓለም’ (WHO) ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ሃሰው እንተዝብሉ ናብቲ ጓና መደምደምታ ኣይምበጽሑን።

ኤርትራ ኣይኮነን ሎሚ ብተዛማዲ ቀሲና፡ ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት፡ ቁጠባዊ ብድሆ፡ ወራር፡ ኩነተ-ኲናትን እገዳን እናገጠሙዋ’ውን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝመለለይኡ ስርዓተ ጥዕና ክትሃንጽ ህርድግ ከም ዝበለት፣ ከምቲ ዝድለ ኣይኹን እምበር ምቕሉል ገስጋስ’ውን ከም እተጎናጸፈት ኣህጉራዊ ተቓባልነት ዝረኸቡ መጽናዕታት ከረጋግጹ ጸኒሖም’ዮም።

3) እዞም ሰብ ማኒፌስቶ ቅሩብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እንተዝጎጉሉ፡ እተን ኣብ 1991 ካብ 93 ዘይሓልፍ ቁጽሪ ዝነበረን ሆስፒታላት፡ ማእከላት ጥዕናን ክሊኒካትን ኣብ 2015 ዝወጹ ጸብጻባት እንተተመልኪትና 340 ከም ዝበጽሓ፣ ነፍስወከፍ ዞባ መወከሲ ሆስፒታል ከም እተተኽለላ፣ ጥዕና ንኹሉ ብዝብል ፖሊሲ ኣገልግሎት ጥዕና ድጉም ኮይኑ ብሓደ ዶላር ኣመሪካ ወይ 15 ናቕፋ ናብ ዶክተር ከም ዘቕርብ፣ ዓቕሚ ንዘይብሉ ኣባል ሕብረተሰብ ከኣ ክሳብ መብጣሕቲ ብናጻ ከም ዝፍጽም ምፈለጡ።

4) ሕጂ’ውን ንገለ ብምትሕብባር መንግስትን ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣህጉራውያን መጋባእያታት ዝቐረቡ ሰነዳት እንተዝምልከቱ፡ ሸፈነ (ብውሕዱ ሓንሳብ) ኣገልግሎት ቅድመ-ሕርሲ ዝረኽባ ነፍሰጾራት 96%፡ ኣብ መወልዳን ዝሓርሳ 62% ምብጽሑ፣ መጠን ሞት ኣዴታት ኣብ ሕርሲ ካብ 1991 ክሳብ 2018 ብ74% ምቕናሱ፣ መጠን ሞት ናጽላታት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ49% ከም ዝጎደለ ምስተሰወጦም።

5) እዞም ዶክተራት ኣብ ክንዲ ናብ ዕዉር ፍርዲ ሓቂ ንምንዳይ እንተዝዓዩ፡ ሸፈነ ዝተፈላለዩ ክታበታት ንቖልዑ 98% ምብጽሑ፣ ከምኡ’ውን ሞት ትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ ብ73% ምቕናሱ ምፈለጡ። ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያታት ዓለም ኣድናቖት ዝረኸበ ምውቃዕ ኩሎም’ቶም ናብ ጥዕና ዘተኮሩ ሸቶታት ልምዓት ሚለንዩም (MDGs)’ውን ዑንቂ ኮይኑ ኣይምተሰዎሮምን።

6) ምናልባት እዞም 95 ዶክተራት ንጸብጻብ ፕሮክግራም ልምዓት ውድብ ሑብራት ሃገራት (UNDP) ብዛዕባ’ቲ ከም ኣጠቓላሊ መለክዒ ኩነታት ጥዕና ዝውሰድ ‘ማእከላይ ዕምሪ ሰብ’ (Life expectancy) ቀዲሞም እንተዝመራመርሉ ናብ ቅንጹብ መደምደምታን ሕልማዊ ሻቕሎትን ኣይምበ ‘ምበጽሑን።

ኣብ 1991፡ 48 ዝነበረ ማእከላይ ዕምሪ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ 2005 ናብ 60.71፡ ኣብ 2010 ናብ 63.42፡ ኣብ 2015 ናብ 65.74 ምብጽሑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2020-2025 ናብ 67.48 ክበጽሕ ከም ዝግመት ምተገንዘቡ ነይሮም።

7) “ማኒቬስቶ 2020. . .” ኤርትራ ንጉዳይ ኮረና ቫይረስ-19 ብዝምልከት ንመምርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ክትክተል ከም ዝግባእ ነቲ ትካል’ውን ክሕብር ምዃኑ ይእምት። እንተኾነ፡ ኤርትራ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝባ ኮይኑዋ፣ ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ ዝኣክል ትምህርቲ ክትቀስም ካብ ፈለማ ስለ ዘንቀደት፡ ንመምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ዝኣገረ ኣጽኒዓን፡ ቅድሚ ብዙሓት ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ከይተረፈ’ውን ኣድለይቲ ስጒምታት ዝወሰደት ሃገር’ያ።

እዞም ዶክተራት ብቕንዕና ንመምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደ ብሓደ እንተ ዝርእይዎ ነይሮም፡ መሰረት ዘይብሉን ምሁራዊ ቅጥዒ ዘይሓለወን ክሲ ኣይመቕረቡን። ኣይኮነን ኤርትራ ብልጽግና ንኸተረጋግጽ ነዊሕን ከቢድን መንገዲ ዝጽበያ ዘሎ ሃገር፡ እተን ንኣማኢት ዓመታት ክብልጽጋ ከም ዝጸንሓ ዝሕበር ሃገራት ኣብ መዋጥር ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ሕጽረታት ምርኣዮም ዘይኮነ፡ ሕጽረታት ካብ ምምላእ ኢዶም ዝሕይቡ ሰባት ምርኣይ’ዩ ኣገራሚ።

8) እዞም ዶክተራት ኣበየ መናብሮም ኮይኖም ህሉው ኩነታት ቀረብ ማይ ንኮሮና ቫይረስ ንምቅላስ ከመዘየኽእል ተስፋ ምቑራጾም ከይኣክል፡ ንሕና’ውን ተስፋ ክንቆርጽ ጽዒቶም። ናብ ክዉንነት ክቐርቡ ፍቓደኛታት እንተዝኾኑ፡ ኤርትራ ኣብ 1991 እንትርፎ እተን መግዛእቲ ኢጣልያ ዝገደፈን ብኣጻብዕ ሓንቲ ኢድ ዝቚጸራ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝተደኮና ዲጋታትን ውሑዳት ናይ ሕርሻ ራህያታትን ባዶ ከም ዝነበረት ኣይምዘንግዕዎን።

ኣብ ድርኩኺት ናጽነት ዝጀመረ ወፍሪ ምህናጽ ዲጋታትን ራህያታትን፡ ንወፍሪ ምክልኻል ሃገር እናተሻመወ፡ ነቲ ቁጽሪ ልዕሊ ሺሕ ከምዘብጽሖ፣ ኪኖ ኣሃዝ ከም ከርከበት፡ ምስላም፡ ሎጎ፡ ጋሕቴላይ፡ ገርሰት፡ ፋንኮታትን ወዘተን ዝኣመሰላ ዲጋታት ናይ ምትግባር ዓቕምና (ካብ ፋይናንስ ክሳብ ፈጽሚ) ዝርእያ ፕሮጀክታት ከም ዝበርከታ፣ ዝተረፈ መስርሕ ምልጋብ ምስ ከተማታትን መደባት ልምዓትን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣተባባዒ ስራሕ ምዃኑ መቕለብሉ።

እወ፡ ናብ ወድዓዊ ኩነታት እንተዝምለሱ፡ መንግስቲ ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ገጠራት ንምርግጋጽ ብዝተገብረ ወፍሪ ልዕሊ 1100 ሓደስቲ ዓድታት ተጠቀምቲ ከም ዝኾና፣ ሸፈነ ኣገልግሎት ማይ ብደረጃ ሃገር ምስ ሕጽረታቱ 85% ምብጽሑ ምግላጽ ነቲ ነዊሕ መግለጺ ምሕጻር፡ ነቲ ዝተገልጸ ሻቕሎት ድማ ምፍዃስ’ዩ።

9) እዞም ዶክተራት ብዛዕባ ኤለክትሪክሲቲ ክዛረቡ ከለዉ ‘እቲ ብቐጻሊ ዘቋርጽ ኣገልግሎት ኤለክትሪክሲቲ’ ‘ውን ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ንዝግበር ቃልሲ ከንቱ ከም ዝገብሮ ይእምቱ። ብኣንጻሩ ሻቕሎት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክሲቲ ኣብተን ምስ ማእከላይ መመንጨዊ ጽዓት ሕርጊጎን ካልኦት ንኡሳን ማእከላትን ዝድረት ኣይኮነን።

ቀንዲ ሻቕሎት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ቀሊል ዘይኮነ፡ ምሉእ ብርሃን ንምርካብ ዝተቓለሰ ሓርበኛ ህዝቢ፡ ገና ተጠቃሚ ኤሌክትሪሲቲ ዘይምዃኑ’ዩ። እዚ ሃገር ኣብ 1991 ትሕቲ 37 ሜ.ዋ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዝነበረን ጀነረተራት ተረኪቡ፡ ናብ ልዕሊ 300 ሜ.ዋ የብጽሓዮ እምበር፡ ፈለማ ግዳይ ደብዳብ ነፈርቲ ስርዓት ወያነ ብምዃኑ፡ ቀጺሉ ድማ ግዳይ ኩነተ-ኲናትን እገዳን ኮይኑ ምጽንሑ ንመን ኣደቂሱ። ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕልና ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ብብቕዓትን ሸፈነን ኪኖ ደረት ምዕባዩ እምበር፡ ኣብ መኸተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዘይውገድ ሳዕቤን ከኸትል ስለ ዝኽእል ኣይኮነን።

10) እዞም ዶክተራት ንታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ፍቱን ፖሊሲ ርእሰ-ምርኮሳን’ውን ግዲ ረሲዖሞስ ዘይተዓጽወ ክሊኒካት ክኽፈት፡ ኣብ ግዜ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝብርሆም ናይ ልመና ትካላት ድማ ብስም ዘይመንግስታዊ ትካል ክልሕኹ ስክፍ ከይበሉ ጸዊዖም።

ካብ ሃገራዊ ቻርተር ጀሚርካ ፖሊሲ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራ ንጹር ዝገበሮ ነገር እንተነይሩ፡ ኣብ ፖለቲካ ኾነ ቁጠባ ቀዳምነት ኣብ ነብስኻ ምምርኳስ’ዩ። ፖሊሲ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ብቐንዱ ኣብ ልምዓታዊ መዳይ ክድረት፣ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ብቐዳምነታት ሃገር ክምራሕ፣ ትግባረ ፕሮጀክታት ድማ ብቐጥታ ምስ ኣብ ባይታ ዘለዉ ኣካላት እምበር ብመንገዲ ሳንቲም ዘየበርክቱ ግን ከኣ ብስምካ ዝልምኑ መንጎኛታት ክኸውን ከምዘይግባእ ዝተነጸረ’ዩ። እዚ ርእሰ ምርኮሳ ይበሃል፣ ነብሰ ክብሪ ይበሃል፣ መማረጺ ዘይብሉ መዋጽኦ ናብ ልምዓት’ውን ይበሃል።

11) እዞም ሰብ ማኒፌስቶ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሓሳብ ኣምሪሖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ብምስምስ ለበዳ ፖለቲካውን ቁጠባውን መኽሰብ ከይገብር ድግድጊት ተዓጢቖም ክቃለሱ ምዃኖም ይሕብሩ። ገሊኦም ቀዲሞም በብወገኖም ኣብ ዘምለቑዎ ርእይቶ፡ መንግስቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ መታን ከይሕገዝ ናይ ጃክ ማንን (ዋና ኣሊባባ) መንግስቲ ቻይናን ሓገዝ ተሓሲሙ ኢሎም ከም ዝመጎቱ ረሲዖሞስ፡ ሓገዝ ነቶም ኣብ ርእሶም እምበር ኣብ ኤርትራ ዘየለዉ ‘ግብረሰናያት’ ክወሃብ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ከም ሻሙ እናንበሃቘ ክንበር ዘለዎም ትልሚ ኣተንቢሆም።

እዞም ሰባት፡ ለበዳ፡ ህዝብን ቁጠባን ዘዕኑ ሕማም እምበር ፖለቲካን ቁጠባን ዝሕለቦ ሕያወይቲ ላም ከምዘይኮነ ዝተረድኦም ኣይመስሉን። ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም መንግስታትን ህዝብታቶምን ዘለዎም እናተወከፉ ነዚ ናይ ብድሆ እዋን ይሓልፉ ከምዘለዉ ገና ኣየስተውዓሉን። ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ህዝቡን ሃገሩን ከድሕንን ናብ ካልእ ከስግርን ህርድግ ምባሉ ያእይ ፍሉይ መኽሰብ ተወሲዱስ ክዕገት ተሓሊኑ።

እቲ ሓቂ ግን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዜጋታት ነቲ ሓግዙኒ ከይበለ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ዝውዕል ናውቲ ብሰላሕታ ዘእተወ፣ ልዕሊ 1,660 ዜጋታት ብወጻኢታቱ ዝወሸበ፣ ሕሙማቱ ዝከናኸን፣ ንመላእ ሃገር ኣብ ሕየባ ኣእትዩ ብመንገዲ ትካላት ምሕደራን ጸጥታን ተተግባርነቱ ዘረጋግጽ፣ ከምኡ’ውን ዝተገድዑ ዜጋታቱ ዝሕግዝ ዘሎ ህዝብን መንግስትን እዮም ኣብ ጎኑ ከም ዘለዉ ብሕልናኦም፡ ፍልጠቶም፡ ንብረቶምን ገንዘቦምን ዝድግፉ ዘለዉ።

እዞም ኣብ መስመር ዘየለዉ 95 ዶክተራት ስለ ህዝቦም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ንዝሓትት ግሩህ ዜጋ እንታይ መልሲ ኮን ይህልዎም ይኸውን?

12) “ማኒፈስቶ 2020 ምሁራንን ክኢላታትን ኤርትራውያን ዲያስፖራ” ብጉዳይ ኮቪድ ካብ ዝገንፈለ ሻቕሎት ከም ዝጸዝተጻሕፈ ኣብ ቀዳሞት ውሑዳት ሕጥቦ ጽሑፍ ምስ ሓበረ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምሕላብ’ዩ ወፊይዎ። ምናልባት ነዚ ማኒፌስቶ’ዚ ድሕሪ’ቲ ናብ 50 ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎ “ንሕናን ዕላማናን” ዝተባህለ ኣብ ጸልማት እዋንን ኣብ ባጀላ ብዘይተመርኮሱ ተቓለስቲ መንእሰያትን ተጻሒፉ ንሃገር ናብ ብርሃን ዘብጽሐ ማኒፌስቶ ነንብቦ ስለ ዘለና ዕርቃኑ ጎሊሑ ተራእዩና ክኸውን ይኽእል’ዩ።

“ማኒፌስቶ 2020 . . .” ስነ-መጎታዊ ሓይሎም ከም ሻሙ ዝኾኑ፡ ኣብ ክልተ ሰለስተ ነጥብታት ክጽሞቑ ዝኽእሉ ፖለቲካውያን ዛዕባታት፣ ምስ ወድዓዊ ኩነታት ብብዙሕ መዳይ ዝቃረኑ፣ ከምኡ’ውን ኣማትነት ዝጎደሎም ነጥብታት ዘካተተ’ዩ።

ዘንቀልኩዎ ጽሑፍ ብቐንዱ ናብቲ ምስ ጉዳይ መኸተ ኮረና ቫይረስ-19 ዘድህብ መዳዩ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ክኣኽለና’ዩ። ኣገዳስነቱ እንተ ተራእዩኒ ግን ኣብቲ ዝተረፈ ዛዕባ’ውን ሓሳበይ ወስ ከብል ክፍትን’የ።

ኤርትራ ትባረኽ! ትበልጽግ!