
By Shabait,
A TOTAL of 416 students, 40% of whom are females, graduated today from Asmara College of Health Science with Degree and Diploma.
They pursued studies in patient care, pharmacy, public health and health assistance.
Speaking at the graduation ceremony within the premises of Asmara University, the Minister of Health, Ms. Amina Nurhusein, explained that the GOE continues to exert endeavors to expand educational opportunities.
Prof. Berhane Girmai, Dean of the College, stated on his part that the graduating batch are expected to serve the people with dedication.
More than 2,000 students have graduated from Asmara College of Health Science since its opening in 2005.
—–
ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ፡ 416 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ
ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ፡ ንሻውዓይ ግዜኡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ከምህሮም ዝጸንሐ 416 ተመሃሮ፡ ትማሊ 27 ሰነ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። እቶም ብዓውድታት ምእላይ ሕሙማት፡ ፋርማሲ፡ ህዝባዊ ጥዕናን ተሓጋገዝቲ ሞያውያን ጥዕናን ዝተመረቑ ተመሃሮ፡ 247 ብዲግሪ 169 ድማ ብዲፕሎማ’ዮም።
ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ወለዲ ተመረቕቲ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ምህናጽ ስልጡን ሕብረተሰብ ካብ ቀንዲ ዕማማት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሕን ምስፍሕፋሕ ትካላት ትምህርትን ብልዑል ጸዓት ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጻ።
ጥዕና ቀንዲ ረቛሒ ንማሕበራዊ ድሕነት፡ ቊጠባዊ ኣፍራይነትን ኩለንትናዊ ዕብየትን ምዃኑ ዘረድአት ሚኒስተር ኣሚና፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ሞያዊ ትምህርቲ ዝህባ ትካላት ሃገርና፡ ጥዕናን ዓይነት ሂወትን ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘኽእል፡ ብቕዓቱን ቀጻልነቱን ዝተሓለወ ምዕሩይ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንምሃብ፡ ብቚዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ምፍራይ ተጸሚደን ከምዘለዋ ኣብሪሃ።
ዲን ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ ፕሮፈሰር ብርሃነ ግርማይ ብወገኑ፡ እቲ ኮለጅ ብቑዕ ፍልጠት፡ ሞያዊ ዓቕምን ቅኑዕ ስነ-ምግባርን ዝዓጠቐ ኣድማዒ በዓል ሞያ ጥዕና ብምፍራይ ጥዕና ሕብረተሰብና ንምውሓስ ከምዝሰርሕ ብምጥቃስ፡ ተመረቕቲ ነዚ ዕላማ’ዚ ተረዲኦም ንዝቐሰምዎ ሞያ ዝያዳ ኣብ ቦታ ስራሕ ብምምዕባል ንሕብረተሰቦም ሞሳኡ ክኸፍሉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺሩ።
ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ተመረቕቲ እተን 40 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ምዃነን፡ ሕብረተሰብና ኣብ ምዕሩይነት ጾታ ኣመዝጊብዎ ንዘሎ ንቕሓት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምምልካት ድማ፡ እቲ ኮሌጅ ንጥፈታቱ ብዓወት ንኸሰላስል ልዑል ምድግጋፍ ንዝገብራ ዘለዋ ኣካላት መንግስትን ናይ ወጻኢ ዩኒቨርሲታትን መጒሱ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ኣብ ሂወቶም ኣገዳሲ ተራ ንዘለዎ ክቡር ሞያ ንኽቐስሙ ባይታ ንዘጣጥሓሎም መንግስትን ትምህርታዊ ሂወቶም ብዓወት ንኽዛዝሙ ንዝደገፍዎም ወለዶምን ብምምስጋን፡ ቀሲሞሞ ብዘለው ሞያ ጻማኦም ከምዝፈድይዎም ኣረጋጊጹ።
ኣብ 2005 ዝተመስረተ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ፡ ዛጊት 2106 ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ዓውድታት-ብዲግሪን ዲፕሎማን ከመርቕ እንከሎ፡ ካብዚኦም 18 ብደረጃ ማስተርስ ዝተመረቑ’ዮም።
ASMARA COLLEGE OF HEALTH SCIENCES (ACHS)
1995: The College of Health Sciences (CHS) was established at the University of Asmara.
2005: The CHS was renamed Asmara College of Health Sciences (ACHS) and re-established as an independent college.
Mission:
– Producing competent health professionals and scholars.
– Expanding knowledge through research and applying this knowledge to health care.
SCHOOL OF NURSING (SON)
1955: Start of Nursing Education (Hospital Based Diploma Program under the Ministry of Health).
1996-2003: Public Health Nurse Practitioner 5 years Degree Program, CHS.
2012: Training of nurses at bachelor degree and diploma levels in different fields of nursing.
Mission:
Provide need driven high quality education to render services to individuals, families and communities.