ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን: ንሃገረ ኤርትራ ዝጎድእ ንጸላእቲ ኤርትራ ዘገልግል ሓበሬታታት ኣብ ምእካብ ዲዮም ተዋፊሮም ዘለው ወይስ ዜናታት ኣብ ምዝርጋሕ?

መቕድም
ከም ልምዲ ኣብ ኢንተርነት ኣትየ ሃሰስ ምስ በልኩ ኣብቲ ብኣቶ ኣማኒኤል ኢያሱ ዝመሓደር ወብሳይት ኣሰናን: ብኣቶ ሳልሕ ቓዲ ዝመሓደር ወብሳይት ዓዋተን ሓደ ዘገርም ግን ከኣ ንሃገር ናብ ግዳም ዘሳጥሕ ጽሑፍ ኣንቢበ፣፣
ቅድሚ ናብ’ቲ ብኽልተ ወነንቲ ወብሳይታት ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ምግላጸይ ግን ሕጽር ዝበለ መብርሂ ክገብር።
ድሕሪ ምብራዕ ኩናት 1998 ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መርገጽ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እዚ ኩናት ዝወለዶ ዘይኮነ ነባሪ ሕልሚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (TPLF) ናይ ሕጂ ኢህወደግ (EPRDF) ወይ ድኽምቲ ኤርትራ ወይ ከኣ ስዕርቲ ኤርትራ (a weak and non-assertive Eritrea) ምርኣይ ምዃኑ ኣብ ህብዛዊ መድርኻት ብምውጻእ ኣብ ፓልቶክ ይኹን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝገለጽክዎ ጉዳይ ኢዩ፣፣
እዚ ማለት ከኣ ኣነ ባዕለይ ስለ ዝደለኽዎ ዝብሎ ዘለኹ ዘይኮነስ መለስ ዜናዊ ባዕሉ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1990 ምስ ኣባል CIA ፓወል ሄንዘ (Paul B. Henze) ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝገለጾ ጉዳይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ስርዓት ናይ ምቕያር ወይ ከኣ ኢትዮጵያ ባዕላ እትቆጻጸሮ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ እንተዘይተኻይዱ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ዝገለጾ ዘይሕባእ ሕልሚ ወየንቲ ኢዩ፣፣ እዚ ሕልሚ እዚ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ዘይተቐየረ ቀዋሚ ፖሊሲ ሰብ ስልጣን ወያነ ምዃኑ ኢዩ፣፣
ኣብ ሞንጎ ንሃገር ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ምቅዋምን ንሉኡላዊ ሃገር ምኽባርን ምክልኻልን ነንበይኑ ዘይራኸብ ኣርእስትን ዕዮን ስራሕን ምዃኑ ዘይምግናዝብ ዘኸትሎ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናይ ጥፍኣት መለኸት ምንፋሕ ኢዩ፣፣
ገለ ውድባት ኤርትራ ድሕሪ 98 ኩሉ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ንኢትዮጵያ የቐብላ ከም ዝነበራን እዚ ኸኣ ንሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ምስ ክድዓት ዝቑጸር ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተዘሪቡሉ ኢዩ፡ ክሳብ ሕጂ ውን መዕለቢ ዘይተገብረሉ ጉዳይ ኢዩ፣፣ ካብ’ዘን ውድባት እዚኣተን ናብ ኢትዮጵያ ዝልሑኽ ሚስጥራዊ ጸብጻባት ናብ ህዝቢ ዝወጽእ ምስ ዘይምንባሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጽን ሽበራን ይፈጥር ኣይነበረን፣፣ እዚ ናይ ሕጂ ክዛረበሉ ‘ኳ እንተዘይደለኹ ኣብ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን (ብትግርኛን እንግልዝኛን) ተሰቒሉ ናብ ህዝቢ ብምዝርግሑ ግን ንዘለኒ ስግኣትን ምቅላዕ ክውንነታዊ ሓቂ ናብ ህዝቢ ንምስራጽን ብምሕላን ኢየ ከውርዶ መሪጸ፣፣
ኮይኑ ግን ከም ኩሉ ዝተኸታተሎ ወብሳይት ኣሰና ምስቲ ወትሩ ዝዝርገሖ ዘይጭቡጥ ሓበሬታን ቤላ ቤሎ ዝማእዝኑ ወረታትን ንተኣማንነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ብምእታው ትሕቲ 0% ዝወረደ ‘ኳ እንተኾነ፡ ወብሳይት ዓዋተ ውን ካብዚ ብዘይፍለ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ መታሕትን ከበሳን ኣስላምን ክስታንን ብዝብል ገማማዒ ስልቲ ብምሓዝ ብጉልባብ ብርዒ ስም ዓሊ ሳልም ዝዝርግሖ ዝነበረ ጽሑፋት ንህላዌ ኤርትራ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘውድቕን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትንን ዘፍርስን ናይ ቶንኮል ጹሑፋት ዝዝርግሖ ዝነበረ እከይ ዊዲት ካብ ተረፍ ስነ ሓሳብ ገዛእቲ ሓይልታት ዝፍለ ኣይነበረን እዚ ከምዚ ዓይነት ኣደናጋሪ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ግን ብዝወሓደ ንገለ ገርሀኛታት ከሻቕል ስለ ዝኽእል ጥራይ ዘይኮነ ሓሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታታት ገለ ወብሳይት ውን ስለ ዝዝርግሓ ሃሳይነቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንዘኸትሎ ሳዕቤን ተገንዚበን መግትኢ ንኽገብራሉን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓብሬታ ብዝናፈስ ዝሩግ ንፋስ ከኣ ንዝሻቐሉ ኤርትራውያን ከኣ ክውንነቱ ንምንጻርን ዕላማ ናይቲ ዝርጋሐ ጽሑፍ ንምርዳእን ንኽጥዕምን ህዝቢ ነዚ ከምዚ ዓይነት ፈነወ ዝፍንዉ ማእከላት ከም ዘይናቱ ብምርኣይ ፎእ ንኽብሎም ንምዝኽኻርን ኢዩ፣፣
ሕጂ ናብቲ ቐንዲ ዛዕባይ ክኣቱ
ርእሰ ነገር መጽሓፊየይ ዝርጋሐ ጽሑፍ ወብሳይት ኣሰና ኣብ ትሕቲ (ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጸንቂቑ) ከምኡውን ዓዋተ ኣብ ትሕቲ (Crisis In The Eritrean Army) ዝብላ ተነቃፊ፡ ሃገረ ዝጎድእ ሓበሪታ ምእካብዶ ወይስ ዜና ምዝርጋሕ?
ወብሳይት ኣሰና ኣብ ናይ ትማሊ ዝርጋሐ ጽሑፋ ከምዚ ትብል፦
“ብሰንኪ ገባትን ስስዑን ባህርያት ኣመራርሓ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጸንቂቑ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ብምንቁቋል እታ ብ450 ሰባት እትቖውም ዝነበረት ቦጦሎኒ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ 20 ክሳብ 30 ሰባት ሒዛ ከም ዝተረፈትን እቶም ዝርካቦም ምኩራት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከኣ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንስልጣኑ ከይፈታተንዎ ካብ ዘለዎ ስግኣት ተላዒሉ ኣብ ዘየድምዕሉ ቦታታት ስራሕ ይምድቦም ስለ ዘሎ ሕማቕ ኣይምጻእ ምበር ሃገር በባይጅጎ ኢያ ትሕሎ ዘላ ምበር ካብ መንግስትሲ ተሪፋ ኢያ’።“
መጀመርያ እዚ ጽሑፍ እዚ ናብ ህዝቢ ብምዝርግሑ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጽሑፍ እዚ እንታይ ኢዩ ክረብሕን ክመሃርን?
ቦጦሎኒ 450 ሰባት ትሕዝ ዝነበረት ናብ 20 ክሳብ 30 ሰባት እንተወሪዳ እኮ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራ ቤት ውላዳ ቆጺራ ንመንግስቲ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢላ ክሳብ ዘረከበት ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ሰብ ካብ ምክልኻል ሃዲሞም ፍላን ፍላን እከለ ወዲ እከለ እናበለ ብገምጋም ዘይኮነ በቲ ንቡር ሓቂ ቅድሚ ዝኾነ ሰብ ፈሊጥዎ ኣሎ ማለት ኢዩ፣፣
እቲ ሓበሬታ ወብሳይት ኣሰናን ዓዋተን ሓቂ እንተኾይኑ እቲ ነዚ ሓበሬታ እዚ ዘይፈለጠ ዘሎ ኣካል ሓደ ኢዩ ንሱ ኸኣ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ኢህወደግ ኢዩ፣፣
ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ኣቶ ኣማኒኤል ኢያሱን ኣቶ ሳልሕ ቓድን፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ጽሒፎም ናብ ህዝቢ ክዝርግሕዎ እንከለው እንታይ ኢዩም ክብሉ ደልዮም? ንምዃኑ ነቲ ተነቃፊ ኣካል ሓበሬታ ሃገረር ኤርትራ ዲዮም ናብ ጸላእቲ ዘቐብሉ ዘለዉስ ወይስ ዜናዊ ጸብጻብ ኢዮም ዘመሓላልፉ ዘለው?
እምበኣርከስ ነዚ ጽሑፍ እዚ ምዝርጋሕ ንዓይ ከም ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ኣቶ ኣማኒኣኤል ኢያሱን ኣቶ ሳልሕ ቓድን ዜናዊ ጸብጻብ ዘይኮነ ዘመሓላልፉ ዘለው ተነቃፊ ወትሃደራዊ ሓበሬታ ኢዮም ዘቐብሉ ዘለው [ሓቕነቱ ብዘይገድስ]፣፣
ንምዃኑ እዚ ተነቃፊ ወትሃደራዊ ጸብጻብ’ዚ ንመን ኢዮም ዘቐብልዎ ዘለው? ንምንታይ ዝዓለመ ኢዩ ኸ? እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብየናይ እዋን ኢዮም ኸ ዘመሓላልፍዎ ዘለው? ክምለሽ ዝግበኦ ኣገዳሲ ጉዳይ ኢዩ፣፣
1./ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝተኸታተሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲመ ‘ውን ኣነ ከበግስዎ እንከለዉ ዝተቛወምክዎ ዘይምኽኑይን ዘይሕጋውን እገዳ ብይን ውሳኔ 1907/2009 ግብራውነቱ ቂሂሙ ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበሩ ነቲ እገዳ ክለዓል ኣብ ዝጎሳጉሱሉ ዘለዉ እዋን ሰበ ስልጣን ወያነ ኸኣ እዚ እገዳ እዚ እንተተላዒሉ ኣብ ውሽጢ ስርዓቶም ክስዕብ ዝኽእል ከቢድ ነውጺ ከም ዘሎ ናብ ሚሽን ትካላቶምን ኤምባሲታቶምን ካብ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዝለሓኾ ሚስጥራዊ ጽሑፋት ኣብ ወብሳይታት ዝወጸ ሓበሬታ ኣንቢብና ምስ ምንባርና ምስ እንዝክር ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ኣቶ ኣማኒኣኤል ኢያሱን ኣቶ ሳልሕ ቓድን ጉዳይ ምኽባር ሉኡላውነት ከይዓጠጦም ንሰበ ስልጣን ወያነ ኣጆኹም ኣይትሻቐሉ ኣብ ዝደለኹሞ እዋን ነዛ ደኺማ ዘላ ሃገር መሊስኩም ከተዳኽምዋን ከተልምስዋን ዘጸግም የብልኩምን ድሮ ‘ኳ እቲ ተዳኺሙ ዘሎ ወትሃደራዊ ዓቕማ መሊሱ ተጸንቂቑስ ሓይሊ ሰቡ ተዞቒቑ ኢዩ ዘሎ ብምባል እቲ ተነቃፊ ወትሃደራዊ ሓበሬታ ናብ ወያነ ብምቕባል ንኤርትራ ከም ገንሸል ንኽትስየፈሎም ብማለት ኢዩ መጥቃዕቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኽቀላጠፈሎም ካብ ዘለዎም ባህጊ ኢዮም ንሰበ ስልጣን ወያነ ተነቃፊ ወትሃደራዊ ሓበሬታ (sensitive military intelligence under the disguise of journalism) ዘቐብሉ ዘለው፣፣
2./ ዕላማ ጽሑፋት ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ደይ መደይ ኢልካ ንኤርትራ ብኢትዮጵያ ከም እትውቃዕ ንምግባርን ጽሑፋት ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ኣቶ ኣማኒኣኤል ኢያሱን ኣቶ ሳልህ ቓድን ሓቅነቱ ብዘየገድስ ኢትዮጵያ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ክትረኽቦ ዝግበኣ ዝነበረ ተነቃፊ ወትሃደራዊ ሓበሬታ ንኢትዮጵያ ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓደጋ ንምብጻሕ ዝዓለመ ኢዩ፣፣
3./ እዚ ሓበሬታ እዚ ኢትዮጵያ በቲ ባዕላ ዝመሃዘቶን ዝደፍኣትሉን እገዳ ንኤርትራ ከተምበርክኽ ኣብ ዘይከኣለትሉ እዋንን ኤርትራ ካብቲ ናይ እገዳ መጻወድያ ንምውጻእ ላዕለዋይ ኢድ ኣብ እትጭብጠሉ ዘላ እዋንን ደምበ ተቛውሞ ካብቲ ናይ ቕድሚ ሕጂ ዝነበሮ ህላዌ ናብ ዝተሓተ ባይታ ወዲቑ እቲ ብስም ባይቶ ዝቖመ ትካል ኣይጥዑይ ኣይምውት ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዚ ተነቃፊ ወትሃደራዊ ሓበሪታ እዚ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ምቕባል ከም ትዕዝብቲ ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ኣቶ ኣማኒኣኤል ኢያሱን ኣቶ ሳልህ ቓድን ልክዕ ግዜ ዝመረጹ መሲሉ ዝተራእዮም ኢዮም ዝመስሉ
4./ ወናኒ ወብሳይት ኣሰና ኣቶ ኣማኒኣኤል ኢያሱ ኤርትራ ካብ ደቃ ከም ዝመኸነትን ክብሪ ሉኡላውነታ ብደቃ ከም ዘየውሓሰትን ክብር መስዋእቲ ከም ዘይከፈለትን ብሰመያዊ ጎይታ ኣባይጅጎ ጥራይ ትሕሎ ከም ዘላ ምግላጹ ንባዕሉ ነቲ ዝተኸፍለ መስዋእትን ብሕጂ ንክብሪ ሉኡላዊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራን ኢልካ ንዝኽፈል መስዋእትን ምንእኣስን ብመንነትን ኤርትራዊ መስዋእትነትን ምሽክዕላልን ምልጋጽን ንባዕሉ ዝኸበደ ወንጀልን ገበንን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኢዩ ዘስምዕ
ኣብ መውዳእታ፡ ጸላእቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክግንዘብዎ ዘለዎም ሓቂ እንተሃልዩ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ትማሊ ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ዝተሰከሞ ከቢድ ሓደራ ተሞርኪሱ ሎሚ ውን ከም ትማሊ ብዓይነትን ብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊትን ተሞርኪሱ ዘይኮነ ከምቲ ትማሊ ሃገር ንምምጻእን ሃገር ንምውሓስን ምስ ሓያላት ገጢሙ ክዕወት እንከሎ ውን ኣብ ብዝሕን ዶሮና ዝዓብለኾ ዋዕዋዕታን ዘይኮነ ኣብ ጽንዓቱን ሃገራውነቱን ተሞርኪሱ ዝተዓወተሉ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ነታ ኣብ 40ታትን 50ታትን ነጻነታ ዝተኾልፈት ኤርትራ ነጻ ንምግባር ዘይጸገሞ ህዝቢ ንዘለ ኣለም ነጻነታ ንምሕላውን ንምክልኻልን ከም ዘይጽግሞ ክፈልጡ ይግባእ።
ስለ ዝኾነ ኢየ እምበኣር ኣብ መወዳእታ ወነንቲ ወብሳይታት ኣሰናን ዓዋተን ኣብ ተነቃፊ ወትሃደራዊ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ዲዮም ተዋፊሮም ዘለዉ ወይሲ ኣብ ዜናዊ ጸብጻብ ምዝርጋሕ? ንዝብል ሕቶ ሓበራዊ ምላሽ ንምሃብ ናብ ህዝቢ ንኸቕርቦ ዝመረጽኩ።
Down with the enemies of independent Eritrea and the Unity of its people!!!
Let the political independence of Eritrea shine for ever and the unity of its people be cemented!!!
– – – – –
” ክሳዕ ሎሚ፣ ንዝኾነ ይኹን ናይ ባዕዳዊ ስልጣን ዓላማ ኣገልጊለን ተላኢኸን ኣይፈልጥን:: ንባርነት ዘበለ ኹሉ ጸላኢኡ እየ: ዝኾነ ይኹን ሕብሩን መልክዑን ዝኾነ ይኹን ሰብ ኤውሮጳዊ ይኹን ወይስ ኣፍሪቃዊ: ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣርዑት ባርነት ንምቑራን ክግድደኒ ኣይኽእልን። ዘይመሰለካን ዘይተሰምዓካን ነገር ግበር ኢሉ ንምቕታለይ ድፊኢት እንተ ኣሕደረ ኸኣ: ኣነ ‘ውን ስለ ፖለቲካዊ እምነተይ ስለ ሓርነት ሃገርይን ስለ ኡነተኛ ጥቕሚ ኣሕዋተይን ንሙማት ትብዓት ኣሕዲረ ኣለኹ! ” – ቃል ሓርበኛ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም
– – –