Audio: ኣምባሳደር ሪቻልድ ሆልብሩክን ፃዕርታት ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን

Amb. Richard Holbrooke

Source: VOA – Tigrinya Program

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝዓረፉ ኣምባሳደር ሪቻልድ ሆልብሩክ ከም ኣ.ኤ ግንቦት 2000 ዓ.ም ንልኡኻት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት መሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ከምዝነበሩ ይዝከር። ኣምባሳደር ሪቻልድ ሆልብሩክ ነቶም ልኡኻት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት መሪሖም ናብ ኣፍሪቃ ዝበፅሑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝነበረ ኹናት ንምህዳእ ዝከአል እንተኾይኑ ክፍትኑ ብምድላይ ምኻኑ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ ገሊፆም።   

Editor’s Note: Here in this audio, you will hear the then US ambassador to Ethiopia as saying, U.S’ nuetral stand during the boarder war makes Ethiopia furious and put relation some how strained.  He also was heard as saying, Meles almost pushed him out of his office when he presented to him a certain resolution …… 

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቴክሳስ Teck ዩኒቨርስቲ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ዓለም-ለኸ ጉዳያት ዝሰርሑ ዘለውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበሩን ቲቦር ናዥ ኣብቲ እዋን ናይ ኣልጀርያ ፕረዚደንት ዝነበሩን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኣሜሪካ ዝነበሩ አንተኒ ሌክን ናብ ስምምዕ መሰረተ-ሓሳብ ንምብፃሕ ናብ አዲስ-አበባን አስመራን ይመላለሱ ኔሮም ኢሎም።

ኣብቲ እዋን እቲ  ልኡኻት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሓደ ውሳነ ከምዘርቀቀን እቲ ውሳነ ንኢትዮጵያ ኣቆጢዑ ከምዝነበረን ገሊፆም።

Click here to listen

(Source: Voice of America Tigrinya service of 17 December 2010)