
ብ ግርማይ የማነ (ርያድ ሱዑዲ ዓረብ),
ሰባት ንአብከባቢኦምን ንህይወቶም ንመነባብርኦምን ዝጸሉ ኩነታት ኩሉ ግዜ እንዳልዓሉ ክዘራረብሉን ብወድዕነት ክመዝኑ ጉቡኦም እዩ። እዚ ድማ ብፍላይ ንከም ሃገርና ኤርትራ ብዙሑነት ሃይማኖትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታት ዘለዎ ብቕኑዕ መንፈስን ብሓላፍነትን ምስ ዝኸውን ንኹሉ ብማዕረ ዝብጽሖ መሰል እዩ። ብፍላይ ብዝሑነት ሃይማኖታት ኣሎ ክንብል እንከለና ኣብ ሞንጎ ሰባትን ሃገርን ሃይማኖትን ዘሎ ዝምድና በቲ ቅዋም ወይ ሕጊ ዘፍቅዶ ከምዚ ናትና ሰኩላር ስርዓታት “ሃይማኖት ናይ ግሊ እዩ፡ ሃገር ድማ ናይ ሓባር እያ” ካብ ዝብል መንፈስ ተበጊስና ግደ ሃይማኖታዊ ትካላት ካብ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ነንበይኑ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ምስ ኩሉ ኣኽብሮት ይትረፍ ንዓበይቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ንኻባኻ ዝንእስ’ውን ንዝገብሮ ጌጋ ብኣኽብሮት ክትእርምን ክትነቕፎን ጉቡእ እዩ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ብቫቲካንን ካልኦት ናይ ኤሮጳን ኣሜሪካን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ዝኽተልኦ ዘለዋ ጸለመን ምዝላፍን ብድዔን ብምስዓብ ነቲ ቅዋምና ወይ ሕግና ዘፍቅዶ መምርሒ ጢሒሶም ንመንፈሳውን ሃይማኖታውን ተልእኾ ሲሒቶም ከም ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ብዘምስል ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ሰውራናን ህ.ግንባርን ዘዐዎቶ ክብርታትን ስርሓትን ብምስትንዓቕን ሓውሲ ንዑ ተላዓሉ ዝመስል ናይ ምንዕዓብ መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም ኣለዉ።
ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዂናት ዝፈጠሮ ምዝንባላትን ሃጸያዊ ሽርሒታትን ተንኮላትን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝወረደ ኣደራዕ ኣብ ገለ ገለ ኣሰራርሓ መንግስቲ ሩኡይ ገጋታትን ጉድለትን ከምዘሎ ዘይሳሓት እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዘጥረናዮ ክብርታት፡ ምጽውዋር ምክብባር ጽንዓት ተወፋይነት ማሃዝነትን ክብሪ ስራሕን ዲስፕሊንን ክሳብ ሕጂ የገልጉሉናን ይስራሓሉን ከምዘሎ ርዱእ እዩ።
እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ጽሑፎም መሪጸሞ ዘለዉ ኣርእስቲ “እዋናዊ መከተ፡ ሕጂ’ውን ብድሆ ንኩሉና ኤርትራውያን!” ዝብል እዩ። እዚ ኣዊጆሞ ዘለዉ መኸተ ኣንጻር መን እዩ? ሃይማኖታዊ መራሒ መንፈሳዊ ምኽሪ ክህብ እምበር ናይ ምትኹታኽ ምንዕዓብን ኣስተምህሮ ክህብ ይግባእ ዲ ዩ?
መን እዩ እቲ ኣቤል መን እዩ ኸ እቲ ቃኤል? እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ብህዝቦም ዝሓዝኑን ዝግደሱን እንተዝኾኑ ናይ ላምፓዶስያ ፍጻሜ ምስ ኣጋጠመ ንምንታይ ክሳብ ሕጂ በቲ ዘለዎም ጽልዋን ዝምድናን ምስ መንግስቲ ቫቲካንን መንግስቲ ጥልያንን ሬሳ መንእሰያትና ናብ ሃገሮም ንክምለስ ሓዘን ስድራቤታት ንክዕጾ ዘይጸዓሩ ዘይመከቱ። ርእሰ ሊቀነጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝበልዎ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝኸፍእ ንረሳታት ጅሆ ምሓዝ ኣብ ስልጡን ዝበሃል ዓለም ዝተፈጸመ ዘሕንኽ ተግባር እዚ እዩ’ሞ ግዴኹም ግበሩ። ስለዚ ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦ ንፖለቲካዊ ሸቀጥ ክትጥቀመሉ ምፍታን ብሃይማኖታዊ ዓይኒ ሓጢኣት ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ ገበን እዩ።
ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ኣብ መነባብሮ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ መራሕ ሃገር ክሳብ ዝኾነ ውልቀሰብ ዝጸሉ ዘሎ እዩ። መራሕ ሃገርን መሳርሕቱን ስድራቤቶምን ከምቲ መዛንኦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረኽብዎ ሓለፋታት ይረኽቡ ኣለዉ ድዮም? ወዲ መን ወይ ጓል መን መራሒ ኣብ ከምዚ ናትና ሳዋ ከይዶም ክማሃሩ ይትረፍ ኣብ ዓዶም ዘሎ ቤት ትምህርትታት ኣይጥቀምሉን እዮም። እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ ኣብዚ ነዚ ኣብዚ ይኣኽለና። ሃገርና ጽቡቕ ንክትረክብ ንሓደን ክልተን ዝምልከት ዘይኮነስ ንኹሉ ኤርትራዊ መርሆ ዘውርድ ጀሚርናዮ ዘለና ጉዕዞ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዓወት ክንውድኦ ሓያል ጻዕሪ ዘድሊ እምበር ብጓል ዘረባ ዝፍታሕ ኣይኮነን።
እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቀዳማይ ሕጡብ ጽሕፎም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዓበይቲ ክብርታት ሰውራና ኣብ ሃዋህው ከምዘለዉ ግደ መንግስቲ ኣብ ዲስፕሊንን ጸጥታን ከምዘየለ ዘምስል ሰብ ብናቱ መንፈስ ጥራሕ ይጓዓዝ ከምዘሎ ዝገልጽ ዝንቡዕ ትንታኔ ኣቅሪቦም ኣለዉ። ግደ ሓቂ ሰውራና ንሃገራዊ ውህደትን ስኒትን ልዕሊ ዝኮነ ኣካል ከምዝሰርሓሉን ከምዝተዓወተሉን ርግጽ እዩ። ሓይሊ ሰውራን መንግስትን እንተዘይነብር ኩሉ ነናቱ ድልየት ከተግብር ከም’ቲ ኣብ ብዙሕ ኩርንዓት ዓለም ዝርኤ ዘሎ ጸገማት ንክገሃድ ኣብ ኤርትራ ዝቀለለ ምኮነ ፡ ኮይኑ ግን ስላ ኣብ ሰውራና ዝተፈጥረ ውህደት ብደምን ኣዕጽምትን ኣብ ማሕላ ስውኣትና ዝተሰረተ ስለዝኾነ እዚ ሃገርናን ህዝብናን እነስተማቅሮ ዘለና ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን ከምዝኸኣለ ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ። ህ.ግንባር እንተዘይህሉ እዞም መራሕቲ ዝብልዎ ዘለዉ እዚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ሃገራት ዝዋደድ ዘሎ ሽርሒታት ነዚ ናይ ቃልሲ ክብርታትና ዝድምስስ ናይ ምብትታንን ምፍልላይን መደባት ይጫጫሕ ከም ዘሎ ዝተረድእዎ ኣይመስሉን።
ብምቅጻል ኣብ ቀዳማይ ሑጡብ ጽሑፎም “… ንቅድሚት ንምስጓም ዝሕግዝ በብዓይነቱ ናይ ሕንጸት መደባትን ገለ ጻዕርታት’ዃ እንተተፈተነ …” ዝብል ኣምር ምስ ምንታይ ይቁጸር። እዚ ብመንግስትን ህዝብን ኤርትራን ኣብ ትሕተ ቅርጻን ትምህርትን ሕክምናንን ካልኦት መዳያት ዝተፈጸሙ ስርሓት ኮነ ኢልካ ንምንእኣስ ተባሂሉ ንስውር ዕላማኦም መንጸፍ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ስደት ኣብ ታሪኽ ሕብረተሰብ ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ሰብ ካብ ዝፍጠር ክሳብ ሕጂ ካብን ናብን እናተጓዕዘ መነባብርኡ ንምምሕያሽ፡ ጸጥታዊ ውሕስነት ዘረጋግጸሉ ኩነታት ንምፍጣር እቲ ጉዕዞ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ። ጠንቅታት ናይዚ እኩብ ስደት ኲናት፡ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ኣድልዎ፡ ስእነትን ድኽነትን ሳዕሪ ብላዕን ከምዝኾነ ታሪኽ ይሕብረና። ብፍላይ ክፍለ-ዓለም ኣሜሪካ ህላውነቱ ምስ ተፈልጠ ኣብ መንጎ 1850-1950 ብምልዮናት ዝቑጸሩ ኤሮጳውያንን ኣፍሪቃውያንን ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዶም ነዘን ሕጂ ሃገራት ኣሜሪካ እንብለን መስሪቶመን። እዚ ኩሉ ቁጽሪ ተሰዲዱ ሃገራት ግን ባዲመን ኣይተረፋን። ብርግጽ ስደት ሃስያ የብሉን ማለተይ ኣይኮነን። ሕብረተሰብ ግን ፈራይን ኣፍራይን ስለዝኾነ ብዘገምታ ነቲ ሃጓፍ እንዳመልኦ እዩ ዝኸይድ።
ስለዚ ሃገርና ኤርትራ ካብ’ዚ እዋናት ዘሎ ስደት ብዙሕ ተሃስያ ከምዘላ ርዱእ እዩ። ሂወት ግን ቀጻልን ተመላላእን ስለዝኾነ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ንኣህጉራዊ ሕጊ ዘኽብር እንተኾይኑ፡ ህላዌ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ኣብ ዘተኣማምን እዩ ክነብር።
መራሕቲ ሃይማኖትና ገለ ጠንቂ ስደት ኣብ ጽሑፎም ዘርዚሮሞ ኣለዉ። ካብተን ብመልክዕ ምልክት ሕቶ ጠቂሶመን ዘለዉ ጠንቂ ስደት “ኣይ ሰላም ኣይኵናት” እትብል ሓሳብ ግን ብዕምቆት ዝረኣይዎ ኣይመስሉን። ኣብ ጽሑፎም “..ነዚ ኩነት’ዚ ንምልዋጥ ድልየት ወይ ዓቅሚ የልቦን ድዩ?…. ፈውስኻ ኣብ ርእስኻ ስለዝኾነ፡ ሕብረተሰብ ዓለም’ኳ ጉቡኡ እንተዘይፈጸመ ፡ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወገን ግን ተበላሒቱ ግድል ንምፍታሕ ክጽዕር ረብሑ ዝጠልቦ እዩ።” ዝብል ኣብ’ቲ ፍታሕ ከም ሰብ ጉዳይ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ብንጹር ኣይገለጽዎን ወይ ዝተሓብኤ ክገልጽዎ ዘይደለዩ ነገር ኣሎ ማለት እዩ።
ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕጋዊ መዳይ ዝተወድኤ ስለዝኾነ እቲ ፍታሕ ሰለስተ ምርጫታት ጥራሕ እዩ ዘለዎ።
1- ሕብረተሰብ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሕጊ ዓለም ክቅበሉን ከኽብሩን ንዝተዋህበ ውሳኔ ንከተግብሩ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ሰላም ጻዕሪ ምቕጻል።
2- እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ፍረ ዝርከቦ ኣይኮነን ዝብሃል እንተኾይኑ ንልዕላውነትና ዘለና ሓይሊ ተጠቂምና ልዕላውነትና ምርግጋጽ።
3- ተስፋ ዝቆረጸን ሕልና ዘይብሉን ነቲ ኩሉ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ረሲዕካ፡ ሕጊ ዝሃበካ ፍትሒ ደርቢኻ ኣብ እግሪ ወያነ ምምብርካኽ እዩ።
ስለዚ መራሕቲ ሃይማኖትና ኣየናይ እዩ ፍታሕ ዝብልዎ። ብርግጽ ናብ ኲናት ንኺድ ዝብል እቲ ካልኣይ ምርጫ ክመርጹ ኣይጽበን። ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ምርጫ ካብ ዘይዓገብሉ ምርጭኦም እቲ ሳልሳይ እዩ ዝመስል። ከምኡ እንተዝይከውን ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ረሲዖም ነዚ ኩሉ ደርዲሮም ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ክስታት ኣይምጻሓፉን። ንነገራት መሰረታዊ ጠንቁ ከተለሊ እንተዘይኪኢልካ ንጎናዊ ሳዕቤናትን ጠንቅታትን ምኩምሳዕ መፍትሒ ኣየምጽእን እዩ።
መንግስቲ ንጉዳይ ስደት ኣመልኪቱ ንመንእሰያት ኣብ ጉዕዘኦም ከጓንፎም ዝኽእል ጸገማት ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታትን ብዝተፈላየ ኣገባብ ብዝተሰነደ ፊልምታት ኣብ መደባቱ ብምዝርጋሕን ካልእ ኣስተምህሮታትን መ ቕጻዕትን ንስደት ክገትኡ ዝኽእሉ ፍታሕ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።
መንፈሳዊ ቃል ወይ ምኽሪ ሓንሳብ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ዝወሃብ ኣይኮነን። ግደ እዞም መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰተ ዓመታት ብዛዕባዚ ጉዳይ ኣመልኪቲቶም ኣብ ህዝቢ ዝገበርዎ ጎስጓስ እንታይ ነይሩ? ብሓቂ ስደት ንከይህሉ ድዮም ክጽዕሩ ጸኒሖም ወይሲ ይውሓድ ይብዛሕ ምስቶም ብሕጋውን ዘይሕጋውን መንገዲ ናብ ስደት ሰብ ከጓዓዕዙ ዝጸንሑ ክተሓባበሩ ድ’ዮም ጸኒሖም? እቲ መልሲ ንግዜ እገድፎ።
ኣብ መደምደምታ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ኣሰራርሓ ድኽመታትን ጉድለታትን ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ግን ቁጠባና ከየሕወና ዋላ ሽሕ ግዜ ዲሞክራሲ ንጨርሕ፡ ገለ ገለ ዝርኤ ብልሽውናን ኣድልዎን ድኽመት ኣብ ስራሕን ክውገድ ኣይካኣልን እዩ።
ከም’ዚ እዞም መራሕቲ ሃገርና ዝብልዎ ዘለዉ ሃገርና ባዲማ ኣይተረፈትን ኣይክተርፍን ድማ እያ። ብዝያዳ’ኳ ድኣ ሳላ ጻዕሪ መንግስትን ህዝብን መሬት ይለምዕ ኣሎ፡ ቁጠባዊ መንጸፍ ዝኾኑ ማዕድናዊ ስርሓት ይካየዱ ኣለዉ። ሰብ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ንክበጽሕ ዝያዳ ምስዝጽዕር ስደት ወጊድ ምስዝብል ማዓሩ ባዓሉ በርቢሩ ክበልዕ ይኽእል እዩ’ሞ ብሓያል ጻዕርን ትዕግስንትን መንፈሳዊ እምነትን ሃድነትን ሃገርና ኣምላኽ ይባርኸልና።
ይቅጽል…
– – – – – – – –
The views expressed in this article are the author’s own and can be contacted through [email protected]
– – – – – – – –