ቃልስና መሪርን ነዊሕን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ !

News Opinions ትግርኛ
awet-nhafash
ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝብናን መንግስትናን ንምድኻም ብኡ ኣቢሎም ድማ ንምጥፍኡ ካብቲ እከይ ተግባራቶም ይቝጠቡ እዮም ኢልና ኣይንሕሰብ ። ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ!

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ዛ ጭርሖ እዚኣ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣብቲ ዝጸንከረ እዋን ዝተጨርሐት እያ። ውድብ ህ.ግ. እቲ ንጹር መትከል ሓንጺጹ ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ወዲቡ ኣንቂሑ ኣዕጢቑ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዓልቦኡ ዘብጸሐ ውድብ እዩ። እዚ ውድብዚ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ( 1970 ) ማእለያ ዘይብሎም ይስገሩ እዮም ኢልካ ዘይትሓስቦም ብድሆታት እናዘሰገረ እዩ ናብ ፍጹም ዓወት ክበጽህ ዝኸኣለ።

እታ ብኣድሓርሓርቲ መሪሕነትን ኮራኩሮምን ዝተዓብለለት ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ንህዝባዊ ሓይልታት ገና እግሪ ከይተኸለት ንምድምሳስ ውግእ ሕድሕድ ወሊዓ ፡፡ እንተኾነ እቲ ንህዝባዊ ሓይልታት ዘቖመ ሓይልታት ነታ ተሃንዳዲት ተ.ሓ.ኤ. ስዒሩ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ህላዌኡ ኣረጋጊጹ። ይኹን እምበር ክሳብ 1977 ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ዝካየድ ውን እቲ ተጻብኦታት ተ.ሓ.ኤ ገና ኣየቋረጸን.። እኳ ደኣ መመሊሱ እናበኣሰ ከደ።

ህ.ግ. መግዛእታዊ ሓይሊ በቲ ሓደ ወገን በቲ ካልእ ወገን ድማ ተ.ሓ.ኤ ንምጥፍኡ ኣብ ዝህንደድሉ ዝነበሩ እዋን ፡ መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ ክትጸብብ ከላ ፡ ኣጆኹም ኣጆና ቃልስና መሪርን ነዊሕን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ ኢሉ እናጨርሐ እዩ ረዚን መስዋእቲ ዝኸፍል ኔሩ። እወ ኣካላት ብጥይት ተበጃጂሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክብጆ እታ ናይ መውዳእታ ስንብት ቃሉ ብጾት ኣጆኹም ኣነ እንተወደቕኩ ነዛ ብረተይ ዘልዕሉ ኣሽሓት ክመጹ እዮም ቃልስና ክንዲ ዝመረረ ይምረር ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ ! ዓወት ንሓፋሽ ! ኢሉ ብምጭራሕ እዩ ዓይኑ ሰም ዘብልን ንሓዋሩ ንብጾቱ ዝፋነዎምን።

ምረት ናይ ቃልስና ዘርዚርካ ንምግላጽ ሰማይ ወረቐት ውቅያኖስ ቀለም እንተ ዝኸውን ውን ኣይምኣኸሎን ። ዓለም ብምልእታ ድምና ከም ማይ ክዛሪ ህዝብና ቆልዓ ምስ ሰበይቲ ኣረጋውያን እናረኣዩ እናሰምዑ ብጸላኢ ኣብ መጋርያ ሓዊ ክጥበሱ ፡ ወለዲ ኣብ ቅድሚ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ደቆም ብኣልማማ ክርሸኑ ርእያ ከም ዘይረኣየት ሰሚዓ ከም ዘይሰምዐት ኣስቂጣ።

ንጅግና ተጋዳላይ ከም ድላዩ ዝትኩሶ ጥይትን ብረትን ከይረክብ ኩሉ መንገድታት ልኩት ኣቢሎም ዓጽዮም ንሞት ፈሪደሞ ። ብኣንጻሩ ነታ ኣማእት ኣሽሓት ሰራዊት ምስ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐት ኢትዮጵያ ብዕጥቅን ስንቅን ኣጎልቢቶም ንሰውራና ሸፋቱ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ምድረ ገጽ ከጥፍኡና ዘይገበርዎ እከይ ውዲት ኣይነበረን ።

እቲ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ግን እዚ ኩሉ ክሕደት ናይ ዓለም ዕጅብ ከይበሎ ንጸላኢ ብብረቱ ብጥይቱ ዝብል ጭርሆ ኣልዒሉ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ቀለብ ኣራዊት ገበሮ። እወ ህ.ግ. ሰረቱ ህዝቢ ሓይሉ ህዝቢ ዕጥቁ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ነቲ ዓምቧኽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳ ህሙኽ ኢሉ ከም ዝተርፍ ጌርዎ።

እቲ ትብዓት እቲ ቆራጽነት ህዝባዊ ሰራዊት ካበይ ዝነቐለ እዩ ? ካብ ሰማይ ዝወረደ መለኮታዊ ህያብ ኣይኮነን፡ እቲ ነቕ ዘይብል መትከል ህዝባዊ ግንባር እዩ። እዚ መትከል እዚ ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ዝሰረቱ ቃልሲ ዓወቱ ርግጽ ምዃኑ ኣብቲ መትከሉ ኣስፊርዎ እዩ። እቲ ኣዝዩ ፍሉይን መለኮታዊ ሓይሊ እዩ ክትብል ዘድፍረካ ብዘይ ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ሰውራ ኣይዕወትን እዩ ብምባል ንደቀንስትዮ ሃገርና ኣብቲ ሰውራ ግቡእ ቦትአን ብምሃብ ነቲ ቃልሲ ብዝያዳ ሓይልን ነዳድን ኮይንዎ። እዚ እዩ እቲ መትከል ህ.ግ. መትከል ዝኣመነ ነይስሕት ሽቶኡ ንዝመጽእ ጎነጽ የትሕዞ ጉዕዞኡ።

ጅግና ተጋዳላይ ኣካላቱ ብናፓል ቦምብ ከም ሽምዓ እናመኸኸ ካብ ኣፉ ዘወጻ ቃላት ኣይይ!!! ዘይኮናስ ዓወትና ናይ ግድንዩ ! ዓወት ንሓፋሽ ዝብላ እየን ። እዚ መትከል እዚ ረጊጹ ኣሚኑ ዝቃለስ ውድብ/ ህዝቢ ከም ዝዕወት ምንም ጥርጥር የብሉን ።

እዞም ጀጋኑና ምስቲ ጅግና ህዝቦም ንሞት ከም መርዕኦም ንመውጋእቲ ከኣ ከም ስልማቶም እዮም ዝወስድዎ ። ክንስዋእ ኢና ኢሎም ፈሪሖምን ሰጊኦምን ኣይፈልጡን እኳ ደኣ ነታ ሓንቲ መስዋእቲ ውሒዳቶም ዝከኣል እንተ ዝኸውን ዓሰርተ ግዜ እናተሰዋእኩ እናተንሳእኩ ምእንትዚ ሓላል ውድብ ምእንትዚ ሓላል ህዝቢ ምተሰዋእኩ እዮም ዝብሉ።

ንምንታይ እዮም መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ ጸቢባ መሬት ብናፓል ቦምባ ብቐትሩ ጸልሚታ ከላ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ዝብሉ ? ወራሪ ሰራዊት መግዛእቲ ዕሱብ ሰራዊት እዩ ንምንታይ ከምዝዋጋእ ኣፍልጦ የብሉን ንሞት ብሓይላ እንተዘይመጺኣቶ ክትመጾ ኣይደልን እዩ፡ ጅግና ተጋዳላይ ግን ደሙ ኣፍሲሱ ንህዝቡ ነጻነት ከምጽእ እምበር ዝወስዶ መሃያ የብሉን ንመስዋእቲ ከም ገንሸል ኣፋስጋ ድሉው እዩ። እዚ እዩ ከኣ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ናይቲ ቃልስና መሪርን ነዊሕን ዓወትና ግን ናይ ግድን ዝብል ጭርሖ ክዉን ዝገብሮ።

እቲ ቃልሲ መዓስ ኣብ ብረታዊ ጥምጥም ጥራይ ኮይኑ፡ ዓለም ክሒዳትና ንሞት ፈሪዳትናላ ፡ እዚ ማለት ህዝብና ብጥምየት ክረግፍ ቍሊሕ ኣይበለቶን ፡ ህዝብና ቤት ንብረቱ ዓንዩ ዓዱ ገዲፉ ኣብ ስደት ስቓይን መከራን ከሕልፍ ቍሊሕ ኣይበለቶን ! እዚ ውን በቲ ነቕ ዘይብል ጽንዓትና ፡ ክሓልፍ ምዃኑ ውድብ ህ.ግ. ለይትን ቀትርን ንህዝቢ ትምህሮ ኔራ። ነዚ ውን ሓቦን ጽንዓትን ተቐኒትና ክንሓልፎ ከም ዘለናን በቲ ሓያል ቃልስና ብሩህ ዘመን ከነምጽእ ምዃንናን እናገለጸት ነዚ ነቕ ዘይብል መትከላዊ እምነት ኣብ ሓፋሽ ስለ ዘስረጸቶ ኩሉ ሓሊፉስ ህዝብና ነጻነት ርእዩ ዓዱ ተመሊሱ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ይጓየሎ ። ብርግጽ መትከላዊ እምነትናን ጽንዓትናን እዩ ይስገሩ እዮም ኢልካ ዘይትሓስቦም ማሕለኻታት ሰጊርና ኣብዚ ክንበጽሕ ዘኽኣለና።

ዘራግ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከም ዝተባህለ ፡ ሰላምና ዘሪጎም ንዓና ኣጥፊኦም ሃገርና ክጎብጡ ወዮም ደመኛ ጸላእትና ዓለማዊ ሰብኣውን ንዋታውን ኣጽዋርን ሰብን ኣኻኺቦም ኣብ 1998 ኲናት ወሊዖሙልና ። እቲ ብጅግንነቱ ዓለም ደዛረበ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ ከም ኣመሎም ረመጽ ነስኒሶም ብምቅጻል ዓወት ኣብ ርእሲ ዓወት ተጎናጺፎም ። ሎሚ ውን ኣበይ እዩ እቲ ሓይልና ? ሓይልና ዕጥቅና ሃብትና ህዝብናዩ ። እዚ ህዝቢ እዚ ሓይሉ ኣብ ሓድነቱን ጽንዓቱን ተወፋይነቱን ጽኑዕ መትከሉ መትከል ህ.ግ. ኣትሪሩ ስለ ዝረገጸን እዩ ።ናይ ሎሚ ጭንቅን መከራን ዓለማዊ ተጻብኦን ናብ ናይ ጽባሕ ዓወትን ራህዋን ከሰጋግሮ ምዃኑ ስለ ዝኣምንን ብጽንዓት ዝቃለስን እዩ ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ብኸምዝን ወዲ ከምዝን ዝደሃል መንግስቲ ኣይኮነን። በቲ እከይ ጥንስስ ከይተሰናበደ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣበጊሱ ሃገር ኣብ ምህናጽ እዩ ዝተጓየየ ።ንዓለም ተኣምር ኣርእይዋ ፡ ክንመውት ዝተጸበዩ ክንምዕብልን ከነጕላዕልዕን ረኣዩ ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ቃልሲ ዝተተኽለ ሓቦን ጽንዓትን ተወፋይነትን ፡ ዝመጸ ሽግርን ተጻብኦን ይምጻእ ሓቦን ጽንዓትን ሰኒቕና ክንብድሆን ናብ ራህዋን ቅሳነትን ክንሰግር ምዃንና ኣዳዕዲዕና ስለ እንፈልጥ እዩ። ሽግር ጎቦ ኣይኮነን ተኾዲሙ ዝነብር ፡ ሽግር ሓላፋይ እዩ፡ ድሕሪ ሽግር ራህዋ ከም ዘሎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም ።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ምንባር ማለት እናተቃለስካ ምንባር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ። ዓለም ብዘይ ብድሆታት ከም ዘይተፈጥረት ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ነዞም ኣብ በበይኑ እዋናት ዝቕልቀሉ ብድሆታት ብጽንዓትን ብተወፋይነትን ሓያል መኸተን ጥራይ ከም እንብድሆም ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንፈልጥ ኢና። ትማል ኣብ ዘበነ ቃልሲ ፡ ቃልስና መሪርን ነዊሕንዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ ክንብል ከሎና ብምሉእ ተኣማንነት እዩ ኔሩ ፡ ጋህዲ ከኣ ኮይኑ። ሎሚ ውን ኣብ ዓለም ምንባር ቃልሲ ምዃኑ ካብ ኣመንና ፡ ነዚ ቃልሲ እዚ ውን ጉዕዞኡ ነዊሕን መሪርን ምዃኑ ግን ዓወትና ድማ ርጉጽ ምዃኑን ክንኣምን ኣለና ። ብርግጽ ውን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብዚ እምነት እዚ ተሞርኲሶም ብጽንዓት ስኖም ነኺሶም መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ሳላ ዝሰርሑ ናብ ራህዋ በጺሖም ዘለዉ ።ንጸሓይና ሓንሳብን ንሓዋሩን ከጸልምትዋ ዝሓሰቡ ድኹማትን ወትሩ ዕሱባትን ኢትዮጵያውያን እነሆ ሎሚ ህዝባዊ ባርዕ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣብታ ናይ ዘለኣለም ጉድጓዶም ክኣትዉ ዝተረፈቶም ነገር የላን ። እቲ ናባን ከባርዕዎ ዝሓሰቡ ሓዊ ናብኦም ተገልቢጡ ይልቝምጾም ኣሎ።

እገዳ ኣሜሪካን ሰዓብታን ንሓደ መንግስቲ ንምህራምን ንምጥፋእን ብመጀመርያ ዝወስድኦ ስጉምቲ እዩ ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘይ ኣገባብ ክልተ ግዜ እገዳ ተጌሩ፡ ንሱ ዘስዓቦ ቍጠባዊ ሃስያ ቀሊል ኣይነበረን ። ህዝቢ ኤርትራ ግን በዚ እገዳዚ ዓቕሉ ኣየጽበበን ። ጀጋኑና ኣብ ሳሊና ታኼላ ጨው ተሸሚሞም ጸላኢ ብዝረኸቦ ዘመናዊ ኣጽዋር ብተመልከተይ ብኣድራጋ ጠያይት መሬት ከጸልምታ ከሎ እቶም ጀጋኑ ቃሎም ሓንቲ እያ ኔራ ንሳ ድማ ዓወት ንሓፋሽ ! መንግስትናን ህዝብናን ኣካል ናይዞም ሕሩያት ጀጋኑ ስለ ዝኾኑ ንእገዳ ኣሜሪካ ዋጋ ኣይሃብዎን፡ ለይትን ቀትርን ኣስሚሮም ሳላ ዝሰርሑ ከኣ እነሆ ሰጊሮሞስ ናብ ራህዋ በጺሖም ።  ገለ ክጽመሙ ዘይከኣሉ ሰንኮፋትን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን ግን ብናይ ጸላእትና ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ፕሮፓጋንዳን ተዳህሊሎም ሃገሮም ጠንጢኖም ንባዕዲ ሃገር ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣደዳ ስቓይን ሞትን ኮይኖም ። እዚ ሰኣን ዓቕልን ትዕግስትን ፡ ጉድለት እምነትን እዩ።

እዚ ኩሉ ዘጋጥመና ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብዘይ ሓገዝ ብዘይ እኹል ብረት ምስ ሽሾ ጸላኢ ዝነበረ ምትሕንናቕ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን ። ኣሜርካን ሰዓብታን ንምጥፋእና ዘይፈተንዎ ፈተነ የለን፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራን ግን ብማንም ዘይንቕነቕን ዘይድፈርን እዩ ። ዓንዲ ጽንዓትና ብዝኾነ ሓይሊ ፡ ብብዝሒ ኣጽዋር፡ ብብዝሒ ሰራዊት ዝንቕነቕ ኣይኮነን፡ ንዓንዲ ጽንዓትና ከውድቕሲ ይትረፍ ክንቕንቖ ዝኽእል ሓይሊ የሎን ።

ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝብናን መንግስትናን ንምድኻም ብኡ ኣቢሎም ድማ ንምጥፍኡ ካብቲ እከይ ተግባራቶ ይቝጠቡ እዮም ኢልና ኣይንሓስብን ። ንሕና ውን ብኣንጻሩ ክመጽእ ንዝኽእል ተጻብኦታት ድልዋት ኮይንና ክንጸንሕ ኣለና ። ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና እንተ ርኢና ሓድነትናን ተወፋይነትናን ፡ ክንህሉ ዝገበረና ረቛሒ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ወርሒ ሰሪሑ ዝረኽባ ወርሓዊ መሃያ ፍርቃ ኣብ ዓመት እትኽፈል እንተ ዝኸፍል ፡ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ንዝኽእል ጸገም ክንፈትሕ ከም እንኽእል ርዱእ እዩ ። እዚ ከም ኣብነት እየ ዘቕረቦ ዘለኹ። እዚኣ ትኸብዶ ወይ ኣብ መነባብሮኡ ጉድኣት ተምጽኣሉ ሰብ ክህሉ ይኽእልዶ ? የለን ። እቶም ጀጋኑና ከብዶም ብጥልቅዑ ጎረሮኦም ብንቑጹ ብዕሩቕ ዝባኖም ንኹሉ ሕሰም ተጻዊሮም እኮ እዮም ነጻነት ኣምጺኦማ ። ንሕና ኣብዛ ርእሲ ምድሪ ክሳብ ዘለና ህይወትና ኣብ ቃልሲ ምዃኑ ክንኣምን ኣለና ፡ ኣሚንና ከኣ ለይትን ቀትርን ኣስሚርና ክንሰርሕ ኣለና ።

ንሕና ነቲ ሕድሪ ሰማእታትን መትከል ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ግብሪ ክንትርጉሞን ክንዕቅቦን እንተደኣ ኮይንና ግብራዊ ተበግሶ ክንወስድ ኣለና ። ብሸነኽ ደቡብ ዘለዉ መዳውብትና ኢትዮጵያውያን ፈተውትና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢልና ንሓስብ እንተ ደኣ ኮይንና ባሃማት ኢና ። ስለዚ ካብዚኦም ክመጽእ ንዝኽእል ተጻብኦ ንምምካት ከሎ ገና ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ክንዳለወሉ ዘለና ጉዳይ ምዃኑ ፈሊጥና ወተሃደራዊ ሓይልና ብዝግባእ ከነዕብዮን ብዓይነቱን ብቕዓቱን ሰማይ ከነብጽሖ ኣለና። ስሙር ቅልጽም ሽቶኡ ንኽወቅዕ ዝጽግሞ ነገር የለን። ምስኦም ዘዳውበና ቦታታት ጽኑዕ ዘይድፈር ዕርድታት ሳሕል ክህነጸሉ ኣለዎ ። ዓለም ሓይሊ ዘይብሉ ቀሲኑ ዝነብረላ ኣይኮነትን ።እዚ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ነገር ኣይኮነን ። ናትና ናይ ህዝቢ እዩ ። ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ! እዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ምሁራትን ዘይምሁራትን ኢትዮጵያውያን ፡ ኢሂባ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ ክንመልሳ ኣለና ! ጸኒሖም ድማ ዓሰብ ወደብ ናይ ኢትዮጵያ እያ ፡ ወያነ እዮም እዚ ኩሉ ዝገበሩ ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። ኣሕዋት እዚ መጀመርያ ናይቲ ጽባሕ ምስ ተደላደሉ ንኽወሩናን ክጎብጡናን መደብ ከም ዘለዎም መርኣያ እዩ ። ንሕና ድማ ነዚ ዕላምኦም ንምምካን ጥራይ ዘይኮነስ ዳግማይ ትኒዕ ከም ዘይብሉ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ንምቝራጽ ካብ ሎሚ ክንዳሎ ኣለና ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!