
ብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡
ብዘይ ውዕል መርዓ ብሓደ ምንባር
ምእላይ ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ብሓደ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ካብቶም ብግብሪ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጸገማት ክፈጥሩ ዝጸንሑ ጉዳያት እዮም።
ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ንልዕሊ 20 ዓመት ብሓደ ጸኒሖም፡ ድሕሪ ሞት ሓደ ካብኦም ወይ ርክቦም ብዝኾነ ካልእ ምኽንያት ምስ ዝብተኽ መሰል ናይቲ ብህይወት ዝጸንሐ ወይ ናይ ክልቲኦም እንታይ ይኹን ዝብል ዓቢ ብድሆ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ቃልብቓሉ ምስ ዝትርጎም፡ “ሕጋዊ ውዕል መርዓ ከይተገብረ ንዋታዊ ውጽኢት መርዓ ተፈጻምነት ክህልዎ ኣይክእልን”። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ መንጎ ብኸምዚ ኣገባብ ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ዝነብሩ ሰባት ናይ ሓባር ንብረት ዝበሃል የሎን ማለትእዩ።
ስለዚ፡ ሓደ ካብኦም ምስዝመውት ብህይወት ዘሎ ነቲ ናይ ውልቂ ንብረቱ ጥራይ ሒዙ እዩ ዝተርፍ። ከምዚ ዚበለ ኩነት፡ ኣብ ዝበዝሕ እዋን ብቕንዕና ‘ኣብ ሓዳረይ’ ኣለኹ ብዝብል እምነት ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ምስ መጻምድተን ክነብራ ንዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ክገብር ጸኒሑ። ከምዚ ንዝበለ ጉዳይ ኣብ ርትዒ መሰረት ጌርካ ምውሳን ድማ ኣብ ሕጊ ንዝሰፈረ ንጹር ድንጋገ ምጽራር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ገለ መጋባእያታት ርትዒ ይጥቀሙ ገለ ድማ በቲሕጊ ስለ ዝሰርሑ ዘይስሩዕ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከስዕብ ጸኒሑ።
ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ዝተኣታተወ ለውጢ
ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ፡ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ልክዕ ከም ሰብ ሓዳር ብሓደ ምስ ዝነብሩ፡ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ምስ ዝቋረጽ ሓደ ነቲ ካልኣዩ ናይ ምቕላብ (ምድጋፍ) ሕጋዊ ግዴታ ይህልዎ።
ኣብ ምቅሊት ንብረት መጺእካ ድማ፡ ካብ ንብረት ካልኣዩ ምቅሊት ክግበር ሕቶ ምስ ዝቐርብ፡ እቲ ንብረት ብናይ ሓባር ጻዕሪ ዝተጠርየ እንተኮይኑ፡ ምቅሊት ክግበረሉ ዝሓትት ወገን ናይ ውልቁ ንብረት ከየጥሪ ብሰንኪ ዝነበሮ ካብ ሓዳር ወጻኢ ብሓባር ምንባር ርክብ ተጎናዲቡ እንተኮይኑ ጉዳዩ ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሓደ ርብዒ ጠቕላላ ንብረት ካልኣዩ ዝበጽሕ ምቕሊት ክረክብ ክእዝዘሉ ይኽእል። ኣብ ውርሲ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ብሓደ ዝነብሩ ምስ ዝመውት መሰል ናይቲ ብህይወት ዘሎ ልክዕ ከም ኣብ ሓዳር ብህይወት ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ንብረት መዋቲ መጻምድቱ ዝህልዎ መሰል ከም ዘለዎ ተደንጊጉ ኣሎ።
ምርግጋጽ ትውልዲ (ኣቦነት)
ምርግጋጽ ትውልዲ ዝበሃል ወለዲ ሓደ ቆልዓ (ሰብ ብሓፈሻ) መን ከም ዝኾኑ ብሕጊ ምፍላጥ ማለት እዩ። ትውልዲ ምርግጋጽ ብርክት ዝበሉ ሕጋውያን ሳዕቤናት ኣለውዎ። ገለ ካብኦም ስም ኣቦ ቆልዓ ምውሳን ፡ሞግዚት ኮይንካ ንምምሕዳር፡ ደረጃ ዝምድና ንምርግጋጽ፡ ደረጃ ወራስነት ንምፍላጥ፡ ህላወ ሓላፍነት ምድጋፍ (ምቕላብ) ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዘይውዕላዊ ተሓታትነት ሓላፍነት ዝስከም መን ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ወዘተ ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ኣደነት፡ ብትውልዲ ስለ ዝረጋገጽ ምስ ምርግጋጽ ኣቦነት ኣዛሚድካ ብዙሕ ሃልኪ ዘለዎ ኣይኮነን። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ቆልዓ ብኣካል መን ከምዝወለደቶ ብምጽራይ ኣደነት ክረጋገጽ ይኽእል።ኣቦነት ብኣንጻሩ፡ ኣደ ድቂ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ምስኣ ዝተራኸበ ሰብኣይ መን ከም ዝኾነ ብምጽራይ እዩ ዝውሰን። በዚ ምኽንያት፡ ኣቦነት ምርግጋጽ ብተዛማዲ ክብድ ዝበለ ይገብሮ።
ኣደ ድቂ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ምስኣ ዝተራኸበ ሰብኣይ መን ከም ዝኾነ ንምጽራይ ሕጊ ዝተፈላለዩ ኩነታት ይምርምር። በዚ መሰረት፡ ኣደ ነፍሰጾር ኣብ ዝኾነትሉ ወይ ዝወለደትሉ እዋን በዓልቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ፡ንዝተወልደ ቆልዓ ናቱ ምዃኑ ዝኣመነ ሰብኣይ፡ ዝተዓመጸት ወይ ዝተዘረፈት ጓል ኣንስተይቲ ምስ እትጠንስ ወይ እትወልድ እቲ ዝዓመጻ ወይ ዝዘረፋ ሰብኣይ ኣቦ ከም ዝኾነ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ይድንግግ።
ብመሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ናይ ዝተወልደ ቆልዓ ኣቦ፡ ኣደኣ ብግዜ ድቂ ምሓዛ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ከም ዝገበረ ዝእምት መርትዖ ብምቕራብ ኣቡኡ’ዩ ዝበለቶ ሰብ ይኸውን። እዚ ኣገባብ ምርግጋጽ ኣቦነት ዘየተኣማምንን፡ ኣብ መንጎ ኣደ ቆልዓን ‘ኣቦ’ ተባሂሉ ዝሕተት ዘሎ ሰብን ቁሩብ ርክብ ከም ዘሎ ብምቕራብ ጥራይ ዝረጋገጽን ስለ ዚኾነ፡ ኣብ ውጽኢቱ ንኩሉ ወገን ዘየዕግብ ኮይኑ እዩ ጸኑሑ። እዚ ስለ ዚኾነ፡ ዝበዝሑ ሰብ ጉዳይ ሳይንሳዊ ዝኾነ መርመራ ክግበረሎም ክሓቱ ከለዉ፡ ገለ ድማ ብወጻኢታቶም‘ውን እንተኾነ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ. ክግበረሎም ክሓቱ ጸኒሖም። ሳዕቤን ከምዚ ዝበለ ዘይዕግበት፡ ኣቦ ዝተባህለ ሰብ ብሕጊ ስለ ዝተወሰነሉ ጥራይ እምበር ኣቦ ከም ዝኾነ ስለ ዘይኣምን፡ ኣብ ምዕባይ ቆልዓን ብኣገባብ ምእላዩን ውሱን ተራ ክህልዎ ወይ ድማ ፈጺሙ ዘይዋሳእ ከም ዝኸውን ይገብሮ።
ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዝተኣታተወ ለውጢ
ካብ ሓዳር ወጻኢ ናይ ዝውለዱ ቆልዑ ኣቦነት ብቑዕ መርትዖ (Substantial evidence) ብምቕራብ ጥራይ ከምዝረጋገጽ ተደንጊጉ ኣሎ። ብቑዕ መርትዖ ክበሃል ከሎ፡ ንመርመራ ዲ.ኤን.ኤ.‘ውን ዘጠቓለለ፡ ኣብ ኣተኣማማኒ መደምደምታ ከብጽሕ ዝኽእል መርትዖ ማለት እዩ። እዚ ኣገባብ ምርግጋጽ ኣቦነት ልዒሉ ንዝተጠቕሰ ጸገም ምርግጋጽ ኣቦነት ኣብ ምፍታሕ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።
ደረጃ ወራስነት መጻምድቲ መዋቲ
ውርሲ፡ ብለበዋ ወይ’ውን ብዘይ ለበዋ ክግበር ይከኣል። ብዘይ ለበዋ ዝግበር ውርሲ ተካእቲ ምስ መዋቲ ንዝለዎም ቅርበት ዝምድና መሰረት ገይሩ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብቀዳማይ ደረጃ ኣብ ሕጊ ዝተረቑሑ ተካእቲ ምስ ዘይህሉና ብካልኣይ ደረጃ … ከምኡ እንዳበለ ብመስርሕ ሕጊ ዝካየድ ኣገባብ ውርሲ እዩ። እዚ ኣገባብ ውርሲ ኣብ ፍጹም ማዕርነት ተካእቲ መሰረት ዝገበረን፡ ተካእቲ ብመሰረት ኣወራርሳኦም ማዕረ ብጽሒት ንብረት ውርሲ ዝረኽቡሉን መስርሕ እዩ።
ኣብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ኣብ ውርስ ብቐዳምነት ዝጽውዑ ደቂ መዋቲ ወይ ካልኦትን ታሕቲ ዝቑጸሩ ተካእቶምን እዮም። መዋቲ ደቂ ወይ ካልኦትን ታሕቲ ዝቑጸሩ ተካእቲ ምስ ዘይህልውዎ፡ ወለዲ መዋቲ ይመጹ። ብድሕሪኦም ኣቦሓጎ ወይ እኖሓጎ መዋቲ፡ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ድማ ኣቦ ኣቦሓጎ ወዘተ (great greand parents) ይጽውዑ።
እዞም ኩሎም ዝበልናዮም ሰባት ምስ ዘይህልዉ፡ ንብረት ቅድሚ ናብ መንግስቲ ምኻዱ መዋቲ በዓል ሓዳር እንተኾይኑ መጻምድቱ ይወርሶ። እዚ ኣገባብ ውርሲ መዋቲ ምስ መጻምድቱ ንዘለዎ ቅርበት ዝምድና ግምት ዝሃበ ኣይኮነን ካብ ዝብል ምኽንያት ርእይቶታት ክቐርበሉ ጸኒሑ። መዋቲ ኣብ ሓዳር ከሎ ካብ መጻምድቱ ዝቐርብ ሰብ የብሉን። ኣብ መንጎ ሰብ-ሓዳር ዝጸንሐ ደረጃ ቅርበት ድሕሪ ሞት መጻምድቲ ፍጹም ግምት ስኢኑ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ኣብ ውርሲ ኣይኣቱን።
ኣብ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዝተኣታተወ ለውጢ
ኣብዚ ሓድሽ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ መጻምድቲ መዋቲ ብካልኣይ ደረጃ (ምስ ወለዲ መዋቲ) ወራሲ ከም ዝኸውን ተመልኪቱ ኣሎ። እዚ ደረጃ ድሕሪ ደቂ መዋቲ ዝመጽእ ስለዚኾነን ደረጃ ቅርበት መጻምድቲ ምስ መዋቲ ዘንጸባርቕን ብመውስቦን ዝፍጠር ዝምድና ግቡእ ክብሪ ዝህብ ኣገባብ እዩ።