
ብ ሳሙኤል ገብረብርሃን፡
ዝጸንሐ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት፡ መእተዊ ዝኾኑ ሰለስት ዓናቕጽ ድሕሪ ምስፋሩ፣ ንክሊ ስልጣን ኣብያተ ፍሪድ ዝምልከቱ ዓናቕጽ ብምቕራብ ብቐጥታ ዝርዝራዊ መምርሒ ብዛዕባ መስርሕ ድንነት ናብ ዝህቡ ሕጋጋት እዩ ዝኣቱ። እዚ ሓዲሽ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ ኤርትራ ግን ንመስርሕ ድንነት ብዝርዝር ዝድንግጉ ዓናቕጽ ቕድሚ ምስፋሩ፣ ኣብ መስርሕ ድንነት ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ከም ኣዕኑድ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ክዉሰዱ ዝኽእሉ መትከላት ዝሓዘ ሓዲሽ መጽሓፍ ኣብ ቕድሚት ኣስፊሩ ይርከብ። እዞም መትከላት እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ይርከቦም።
1) ዕላማ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት
ዕላማ ሲቪላዊ ስርዓት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርቡ ጉዳያት ርትዓዊ፣ ስሉጥን ጽፍፉን መስርሕ ከም ዝትሓዙ ብምግባር ፍትሒ ምንጋስ እዩ።
2) ማዕርነት ኣብ ቕድሚ ቤት ፍርዲ (equality before the court)
ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝካየድ ዝኾነ መስርሕ ድንነት ኣብ ማዕርነት ናይ ዜጋታት ምርኩስ ዝገበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብያተ ፍርዲ ንዓሌት፡ ዜግነት፡ ሃይማኖት፡ መበቖል፡ ጾታ፡ መዝነት፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ብዘየገድስ፣ ኩሎም ሰብ ጉዳይ ማዕረ መሰላትን ግዴታን ከም ዝህልዎም ከረጋግጹ ይግባእ። እዚ ነቲ ኣብ ቻርተር ህዝባዊ ግንባርን ሃገራዊ ቁዋምን ሰፊሩ ዝርከብ ማዕርነት ዜጋታት ንምርግጋጽ ዝተደንገገ ‘መሰል ማዕርነት’ ብግብሪ ንምርጋጋጽ ዝኣተወ ኣገዳሲ መትከል ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
3) ነጻነትን ዘይሻራውነትን ደያኑ (independence and impartiality of judges)
ደያኑ ጉዳያት ኣብ ዝዳንይሉ እዋን ካብ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ጸቕጥን ወገናውነትን ነጻ ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ። በዚ መሰረት ደያኑ ስርሖም ኣብ ዘካይድሉ ጊዜ ብዘይካ ንሕጊ ንካልእ ዝኾነ ይኹን ወገን ክምእዘዙ ኣይግባእን። እዚ መትከል ዜጋታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እምነት ከም ዝህልዎም ኣብ ልዕሊ ምግባሩ፡ ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ምንጋስ’ውን ዓቢ እጃም ኣለዎ።
4) ጉዳይካ ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰል (access to justice)
ኣብያተ ፍርዲ ዝኾነ መሰለይ ተጋሂሱ እዩ ዝብል ዜጋ መሰሉ ዘረጋግጸሉ ወይ ዘዉሕሰሉ ባይታ ክፈጥራ ይግባእ። ኣብያተ ፍርዲ ዝኾነ ዜጋ ንቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰል ከም ዘልዎ ብምግንዛብ እዚ ተግባራዊ ዝኾነሉ መገዲ ኣብ ምፍጣር ክጽዕታ ይግባእ።
5) መሰል ምስማዕ (right to be heard)
ነፍሲ ወከፍ በዓል ጉዳይ ኣብ ቕድሚ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ጉዳዩ ናይ ምስማዕ መሰል ኣለዎ። ብመሰረት እዚ መትከል ኣብያተ ፍርዲ ዝኾነ ንመሰል በዓል ጉዳይ ዝትንክፍ ይንኣስ ይዕበ ስጉምቲ ቕድሚ ምዉሳደን እቲ በዓል ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘለዎ ሓሳብ ወይ ምጉት ክሰምዓ ይግባእ። በዓል ጉዳይ ብዛዕባ ጉዳዩ ዘለዎ ክርክርን ንጉዳዩ ዝድግፍ መርትዖ ከቕርብን ብመከራኽርቱ ንዝቐርብ ክርክር ይኹን መርትዖ ክቓወምን ዕድል ክወሃቦ ይግባእ። ኣብያተ ፍርዲ ሰብ ጉዳይ በዚ መሰል ብምልኣት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ከየረጋገጻ ዝኾነ ይኹን ዉሳኔ ክህባ ኣይግባእን።
6) ጉዳያት ኣብ ክፉት መጋብኣያ ክርኣዩ ይግባእ (public hearing)
ከም መትከል ኩሎም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርቡ ጉዳያት ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝኾነ መጋብኣያ ክዳነዩ ይግባእ። እዚ መትከል ነቲ ‘ፍትሒ ክወጽእ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ፍትሒ ክወጽእ እንከሎ ክርአ’ ይግባእ ዝብል ስነ ሓሳብ ግብራዊ ንምግባር ዝወጸ እዩ። ጉዳያት ኣብ ክፉት መጋብኣያ ምርኣይ ንድሕነት ሃገር ዝጎድእ፡ ብሚስጥር ክትሓዝ ዝግባእ ሓበሬታ ዘቓልዕ፡ ንሰብ ጉዳይ ዝጎድእ ምስ ዝኸውን እቶም ጉዳያት ኣብ ዕጽዉ መጋብኣያ ክርኣዩ ይግባእ። ጉዳያት ኣብ ዕጽዉ መጋብኣያ ኣብ ዝርኣይሉ እዋን ኣብያተ ፍርዲ በቶም ኣብ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ተደንጊጎም ዝርከቡ ዓናቕጽ ክቕየዱ ግዴታ ኣለዎም።
7) ምልዓል ደያኑ ካብ ምርኣይ ጉዳያት (recusal)
ደያኑ ንረብሓኦም ብዉልቂ ኣብ ዝትንክፍ፡ ንመቕርቦም ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ወይዉን ቕድሚ ሕጂ ተሳቲፎምሉ ካብ ዝነበሩ ጉዳያት ክልዓሉ ይግባእ። ብተወሳኺ ካብ ዝኾነ ንነጻነቶም ዝድርት ወይ ዘይሻራውነቶም ዝብርዝ ጉዳያት ብወላንታኦም ወይ ድማ ብጥርዓን ሰብ ጉዳይ ክልዓሉ ይግባእ።
– – – – – – –
ALSO READ : The Publication and Enforcement of the New Codes, Timely and Indispensable: Minister Fawzia
– – – – – – –
****
ካብ ሓድሽ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ እንታይ ኢና እንጽበ?
ሓድሽ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ሃገረ ኤርትራ ናይ መጨረሻ መልክዑ ሒዙ ንስራሕ በቒዑ ኣሎ። እዞም ዝስዕቡ ኣበርክቶ ክህልዎ ድማ ትጽቢት ይግበረሉ።
• ምዕሩይ ኣሰራርሓ (uniformity) ኣብያተ ፍርዲ
ሓደ ካብቲ ዜጋታት ንኣብያተ ፍርዲ ዘማርርሉ ነጥቢ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛ ንተመሳሰልቲ ጉዳያት ምህላዉ እዩ። እቲ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛ ካብ ሕጽረት ሕጊ ወይውን ኣብ ክንዲ ብሕጊ ብልምዲ ምኻድ ካብ ምምራጽ ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል። እዚ ሓዲሽ ሕጊ ንመብዛሕቶም ቕድሚ ሕጂ ንዕዖም ዝምልከት ንጹር ሕጋጋት ዘይጸንሖም ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ስለ ዝኾነ ኣብያተ ፍርዲ ነቶም ዓናቕጽ ብምኽታል ምዕሩይ ኣሰራርሓ ከተኣታትዋ ትጽቢት ይግበረለን።
• ርግጹነት (certainty)
ዘይምህላዉ ንጹር ሕጊ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይኮነ ዘኸትል፣ መስርሕ ድንነት ርግጹነት ከም ዘይህልዎ እውን ይግብር እዩ። ዘይምህላዉ ሕጊ ምኽንያት ብምግባር ደያኑ ኣብ ልምዲ፣ ወይውን ኣብ ዊንታኦም ተሞርኪሶም ክሰርሑ ይርኣዩ እዮም። እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ድንነት ይኹን ኣብ ሰብ ጉዳይ ርግጹነት ከም ዘይህሉ ክገብር ጸኒሑ። ሕጂ ግን እቲ ሕጊ ዝተማልአ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንልምዲ ወይውን ንዊንታ ደያኑ ዝግደፍ ነጥቢ የለን።
• ስሉጥነት (efficiency)
ንጹርን ንኩሉ ክልዓል ዝኽእል ነገራት ዝምልስ ሕጊ ዘይምጽንሑ ሓደ ካብ ጠንቕታት ምዱንጓይ ኣብ መስርሕ ድንነት ኮይኑ ምጽንሑ ይዝከር። እዚ ሓዲሽ ሕጊ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንኹሎም ክልዓሉ ዝኽእሉ ሕቶታት ምላሽ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ። ብተወሳኺ እዚ ሓዲሽ ሕጊ ሓደ ጉዳይ ክወስዶ ዝግባእ ጊዜ ኣቐዲሙ ክውሰን ከም ዘለዎ ስለ ዝድንግግ ኣብ ኣሰራርሓ ኣብያተ ፍርዲ ኣሳልጦ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።