ዓወታት ወርሒ ሚያዝያ፡ ሽግ ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ

News ትግርኛ
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ 70 ብዘይበዝሑ መንእሰያት ዝጀመረ ምንቅስቃስ ሎሚ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ ኣስታት 700 ዋዕለኛታት መንእሰያት
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ 70 ብዘይበዝሑ መንእሰያት ዝጀመረ ምንቅስቃስ ሎሚ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ ኣስታት 700 ዋዕለኛታት መንእሰያት ዝሳተፍዎ ውራይ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ንቶም ክሳብ ሕጂ ነዚ ቃልሲ ዝመርሑ ቅሰኑ ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ።

መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ

እቲ ነዊሕ ጠሚቱ ብኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዝተዓጥቀ ምንቅስቓስ መንእሰይ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኤውሮጳ፡ ካብ ዝወረሶን ዝተኸተሎን ቅኑዕ መስመሩ ነቕ እንከይበለ፡ ተጻብኦታት እናኣምከነን ብኤርትራዊ ጽንዓት እናተደርዐን፡ እንሆ መበል 11 ዋዕላኡ ኣብ ምክያድ ይርከብ። እዚ ኣብ ጀርመን ፈሊሙ፡ ብካልኦት ኤውሮጳውያን ከተማታት እናተበራረየ ክካየድ ዝጸንሐ ዋዕላ፡ ናይ ዓመተ 2015 ዙር፡ ዋዕልኡ ኣብ ጀርመን የካየድ ኣሎ። ጀርመናዊት ከተማ ፍራንክፈርት፡ ዋርሳ ኣሓታ ከተማታት ኤውሮጳ ተቐኒታ፡ “ህንጸት ሃገርን ቃልሲ ኣንጻር ፍልሰት ደቂ ሰብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሓደ ቅርዓት ኣዒዂኻ ሜዳ ኤርትራ ተቐይራ ትርከብ ኣላ። 

ዮሃና ንተሳተፍቲ ዋዕላ! ዮሃና ንወለዲ! ዮሃና ንኤርትራዊ መንእሰይ! ዮሃና ንከተማ ፍራንክፈርትን ነበርታን!

መንእሰይ ቀላሲ ሃገር፣ ዋልታን ኣልማዒን ሃገር እዩ። ንመንእሰያ ብግቡእ ማሕበራዊ፡ ስነ-ፍልጠታዊ፡ ሃገራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ዘይተዕጥቕ ሃገር፡ ውሕስነታ ዘጠራጥር እዩ። ኤርትራ፡ ነዚኦም ዝተጠቕሱ ስለ ዝሰርሓትሎም፡ ነቶም ሃገሩ ክወሩ ዝመጹ ወተሃደራት ወያነ ከም ዘልቅሱን ከም ዝሰዓሩን ዝገበረ መንእሰይ ዘፍረየት። ስለዚ’ዩ ከኣ፡ ናዕታን ሪምን ኤርትራ፡ “ውረስ ተወራረስ” እዩ ዝበሃል። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ መብዛሕቶም ኣብ ስደት ዝተወልዱን ዝዓበዩን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዓመት ካብ ዓመት ቊጽሮም ብምዕባይ፡ ኣብ ጥሙር ሃገራዊ መንነትን መጺኢ መደባቶም ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ሃገር ዝዓለሙ ዛዕባታት ብምልዓል ዋዕላ ዘካይዱ።

እዞም መንእሰያት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወለዱን ቋንቋታት’ተን ዝዓበዩለን ሃገራት ዝመልኩን ክነሶም፡ ብሓባራዊ መረዳእታ፡ ተቐባልነት፡ ውጽኢታውነትን (ኣድማዕነት) ቀጻልነትን ብዝብላ ጠመርቲ ኤርትራውያን ቃናታት ምስማሮምን ንተልእኾአን ምትግባሮምን ኣገናዕ ኤርትራዊ ማለት! ዘብል እዩ። ናብዚ ድርኺት ዘብጽሖም፡ ልዑል ተራን ሃገራዊ ወንን ወለዶም እዩ። ወለዲ፡ ደቆም ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኪዝትዩን ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ደው ክብሉ ምዕዛቦም ድማ፡ ጻማኦምን ዓወትን’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ሕሉፍ ሰነዳቶም ከም ዝትርኾ ድማ፡ ኣብ ዛዕባታት ዋዕላ ጥራይ ከይተሓጽሩ፡ ብበረድ፡ ንፋስን ማይን ከይተሰናኸሉ፡ ንኤርትራ ዘጋጠምዋ ተጻብኦታት ኣብ ምምካትን ምፍሻልን፡ ጽንዓት ኣብ ምድራዕን ከም ወደብቲ፡ ኣለይትን ኣቃላሕትን ኩሎም ውዳቤታትን መኸተን ብምዃን፡ መሪሕ ተራ ተጻዊቶም። ንሶም፡ ኩሎም ማሕለኻታት ተጻብኦ ክሳብ ዚፍትሑ፡ ቃልሶም ከም ዘየቋርጹን ኣብ ማሓላኦም ከም ዝጸንዑ ዘረጋገጹን ዘመስከሩን ሕመረታት መኸተን ጽንዓትን እዮም።

ቴማ መበል 11 ዋዕላ ከም ዘነጽሮ፡ ዋዕለኛታት፡ ተውለ ብምዃን፡ እጃሞም ኣብ ህንጸትን መኸተን ሃገር ንምድማዕን ንፍልሰት ዋሕዚ መንእሰያትን ጠንቅታቶምን ንምልላዮምን ንምብዳህን ቃልሶም ዘትርርሉን ንሕሉፍን መጻእን ስርሓቶም ብምግምጋም ዝተፈላለዩ ክትዓት ምክያድ ኣብ ሓደን ሓባራዊ መረዳእታን መደምደምታን ንምብጻሕ ዚዓለመ እዩ። ዋዕላ ከም ወትሩ፡ ንመሰናኽላት ስጒሚ ኤርትራ ዚቕርስም፣ ነቶም ናይ ቋሕ-ሰም ዕዳጋ ዝረኽቡ፡ ተቓሊሖም ኣብ ንፋስ ዚበኑ ሓሶታት፡ መሃዝቶምን ሸረፍቶምን ኣብ ምፍሻል፡ ስንቂ መኸተ ኣብ ምዕጣቕ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ዝሕግዞም ሰፊሕ ኤርትራዊ መድረኽ እዩ።

መበል 11 ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኣብታ ዕዉት ረፈረንደም ኤርትራ ዝተኻየደላ፣ ዘንጊ ሓቂ ህዝብን መንግስትን ተረጋጊጹ ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነላን እቲ ውሳኔ ጂሆ ብምትሓዙ ንኺትግበር ዚጠልብ ”ጉዕዞ ብሽክለታ ንሓቂ፡ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራ” ዝካየደላ ዘሎን ካልኦት ቅያታትን ዝተሰርሓላ በሪን ዓወት ’ዝድራራን ወርሒ ሚያዚያ ይካየድ ምህላዉ፡ ሓደ ዓቢ፡ ኣገዳስን ውጽኢታውን ትርጉም ኣለዎ። መበል 11 ዋዕላ’ምበኣር፡ ከም’ቶም ኣብ’ዛ ወርሒ ዝተኻየዱ’ሞ፡ ብዓወትን ብስራትን ዝወጹ፡ ምስ ኣገደስቲ ውሳነታቱ ብሚያዚያዊ ኤርትራዊ ዓወት ተደሪዑ ከም ዚዛዘም ትጽቢት ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይን ህዝብን ግንባር፡ እዩ።

ዓወት ንመበል 11 ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ!!

12th Euro YPFDJ Conference goes to Italy
The 12th Euro YPFDJ Conference goes to Italy. We shall meet you there.