ካብ ወዲ ዓበይቲ፡
1. ህ.ው.ሓ.ት ኣብ ደውታ ኣላ፡ stagnation
እዚ ስፍሕ ብዝበለ ብፍላይ ካብ ገለ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣን፣ ነበር ሰበ-ስልጣን፣ ነባርን ሓደሽቲን ኣባላት ዝንፀባረቕን ኮይኑ መንቀሊ እቲ ሓሳብ “ህ.ወ.ሓ.ት ሓደሽቲን ተዓፃፀፍቲን ሓሳባትን መራሕቲን ከተመንጩን ክትፈጥርን ኣይከኣለትን፡፡ እኳድኣስ ምስቲ ኣረጊት ኣተሓሳስባታት እቲ ስኒ/ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ሓደ ብሓደ ኣወጊዳ ምራጭ ወዲ ምራጭ ድማ ዓሲሎምዋ፡፡ መትከላት ዲሞክራሲን ዓንዲታትን እቲ ስርዓትን እውን ይሸራረፉ ኣለዎ፡፡ ህ.ወ.ሓ.ት ደስኪላ ኣላ፣ ደውታ ኣጋጢሙዋ ኣሎ፡፡ እቲ ደውታ ብግዚኡ ፈቲሽካ ብልቢ ኣሚንካ እንተዘይተፈቲሑ ብስሩ እውን እቲ ስርዓት ናብ ድሕሪት ክምለስ/ክፈሽልን ዝበኣሰ ጉድኣትን ሓደጋን ከስዕብ ይኽእል እዩ፡፡” ዝብል እዩ፡፡
2. ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ደውታ ዘይኮነስ ኣብ ፍሽለት ወይ ምልሰት/ reversal ኣላ፡፡
“መትከላት ዲሞክራሲ እቲ ፓርቲ እንተተጣሒሶም፣ ዓምዲታት እቲ ስርዓት እንተፈራሪሶም፣ መገልገላይነትን ሓልዮት ህዝቢን ናብ ዓቀይታዊነት፣ ሃረምረምን ካብ ጎሮሮ ህዝቢ እናመንጠልካ ናብ ጁባኻ ምእታው እንተተቐይሩ ኣበይ ድኣ አሎ እቲ ዝተቓለስናሉን ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡሉን ዕላማ? በይዛ ህዝቢ ክንከውን ተቓሊስና ንቲ በይዛ ክንኮኖ ዝተቓለስናሉ ዝበልናዮ ህዝቢ ተመሊስና እንተበዲልናዮ፣ ፍትሒን ነፃነትን እንተኸሊእናዮ፣ ሃፍቱ እናሕደግና ናብ ጁባና እንተኾይኑ፤ ንቲ ማሕበራዊ ፍትሒን ልምዓትን ከነምፅአሉ ዝተቓለስናሉ ህዝቢ ሰበ-ስልጣንን ጎሓላሉ ነጋዶን ኣብ ጎንና ኣሰሊፍና ሃፍቱ እንምንዝዖን ብዙሕ ዝደመየላ ዓዲ ናይ ቁሩባት እንተገይርናያ፤ ዲሞክራሲ ከነስፍን ተሊምና ናብ ዲክታተራዊ ስርዓት ነዘግም ዘለና እንተኾይንና…እዚ ደውታ ዘይኮነስ ምድሕርሓር/ምልሰት/ እዩ፡፡ ዝመስረትናዮ ስርዓት ናብ ፍሽለት ገፁ የብል ኣሎ፡፡ ሓደ ብርኪ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ፡፡ ስርዓትና ዓብዪ ሓደጋ አንፀላሊዩዎ ኣሎ”፡፡ ዝብል ሓሳብ የንፀባርቑ፡፡ ስፍሕ ብዝብለ ክፋል መንእሰይ ኣባላት፣ ነባራት ተጋደልቲን ኣባላትን ድማ ተደጋጊሙ ይስማዕ፡፡
3. ህ.ወ.ሓ.ት ክትድሕን ኣብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ በፂሓ ኣላ፡፡ a dying horse፡
“ሞታ ዘይተርፍስ ርግሒታ ብኢሱና ኣሎ፡፡ ኣብ ፃዕረ-ሞት ዘላ ኣድጊ ምርጋሓ ኣይተርፍን፡፡ እቲ በትሪ ዝሓዘ መሪሕነት ንቑልቁል ሒዙዋ ይዕዘር ኣሎ፡፡ ጌግኡ ድማ ፈፂሙ ክሪኢ ኣይደልን፡፡ እቲ ተተኺሉ ዘሎ ስርዓትን ነዊሕ ስራውር ዘለዎ ጠቕላላ መሓውሩን ንምዕራይ ዓቅሚ ኮነ ድልውነት የብሉን፡፡ ክሳብ ዝሓዞ ዝሕዝ ብዝኾነ መንገዲ ቁሩብ ናይ ስልጣን ዕድምኡ ካብ ምንዋሕ ዝዘለለ ዕላማ የብሉን፡፡ ልፍዑ ኢሉና እምበር እዚ ኩለመንኡ በስቢሱ ዘሎ ስርዓት ናብ ሂወት ምምፃእ ዘይከኣል እዩ”፡፡ እዚ ብገለ ነባር ኣባላትን ብዝሕ ዝበሉ መናእሰይን ብሰፊሑ ዝንፀባረቕ እዩ፡፡
4. ማቻ እዩ ማቻ…comfort..
“ሐዚ ንሕና ፅቡቕ ኣለና፡፡ ደውታ፣ ምድሕርሓር፣ ፃዕረ-ሞት ገለመለ እናበልኩም ኣይተፅሙና፡፡ እስቲ ኣብልዑና፡፡ ዓገርገር እንበልኩም ሃልኪ ኣይትፍጠሩልና፡፡ ማቻ እዩ ማቻ ማቻ!”
እዚኦም እኒ “ስልጣን ወይ ሞት፤ ኣነ እተሞይተ ደንዴር ኣይትብቆላ፣ ከራስ በላይ ነፋስ” ዝጭርሖኦም ጉጅለ “ንትግራይ እናንባዕኻ ምብላዕ” እዮም፡፡
– – – – – – –
The writer is a resident of Mekelle and can be reached through [email protected]