ጉዳይ ደምበ “ተጻባእቲ” ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ ምስዝኸውን

News ትግርኛ
ጓህሪ ኢየ ዝብል እንተፈከረ ፡ ሓሙኽሽቲ ኢዩ ትርፉ!
ጓህሪ ኢየ ዝብል እንተፈከረ ፡ ሓሙኽሽቲ ኢዩ ትርፉ!

ገብረ ፍስሓጽዮን (ሆላንድ)፡

ርድኡን ብዘይ ርድኡን መኽንያታት ኣብዚ ቅንያትዚ ፡ ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ኢና ባሃልቲ ግና “ተጻባእቲ” ፡ ከምኡውን ብ ተደናገጽቲ ስርዓት ወያነ ከም ሓድሽ ፋሽን ኮይኑ ዘሎ ፡ ዓቐን ዘይብሉ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምድናቕ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ማዕቢላ፡ ሓድሽ ናይ ባቡር መስመር ዘርጊሓ፥ ቑጠባኣ ብልዑል ሚእታዊ ዕብየት ኣርእዩ፥ ሮኬት ናብ ጠፈር ክትሰድድ ኢያ፥ ወ.ዘ.ተ. ብምባል ኣብ ኢትዮጵያ ዘየለ ኩነታት ክድንቑ፡ በንጻሩ ንኤርትራ ከጸለሙን ዘየለ ሽግር፡ ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ብድርቕን ዓጸቦን ከምተሳቐየ ገይሮም ከቕርብዎ ክትሰምዕን ከሎኻ፡ ኣድኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ ኢዩ ዘብለካ። 

ትሕዝቶ ናይዚ ጽሑፍዚ ብወያነ ትምራሕ ዘላ ኢትዮጵያ ብልክዕ ዕብየት ተርእይ ኣላ’ዶ ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ብልክዕ ዕብየት ተርእይ ከምዘላ ከምዘየላን ብቀንዱ ንኢትዮጵያውያን እዩ ዝምልከት። ምዕባለ እንተኣርየት ጽቡቕ ምበር ዘቕንእ ኣይኮነን፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ “መቐለ ማዕቢላ ንኣስመራ ሓሊፋታ” ዝብሉ ናይ ውዳሴ ዜማታት`ውን ሰሚዕና ኢና። እንተማዕበለት ጽቡቕ ዋላ እውን ንፓሪስ ዘይተርክባ። ዘዛርብ ዘሎ ናትካ እንዳናእስካ፡ እንዳማትካ ምውዳስ ኢዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሓልፈሉ ጽቡቕ ኢዩ። ግን እቲ ሓቂ ከምኡ ድዩ? ኣብ ባይታ ከምኡ ዘሎ ሓቂ ከምኡ ድዩ? መስካሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ባዕሉ ኢዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ናብራ የሕልፍ ኣሎ? እንታይ ዓይነት ግፍዒ ይወርዶ ኣሎ ናይ ኣዳባባይ ሚስጥር ስለዝኾነ።

ሕሉፍ ሓሊፎም ኣፍርዩ ብዘርእይ “መጉሊሒ መነጽር” ንጉድለታት ኤርትራ ብምፍታሽ ንዘየለ ሽግራት ኣጋኒንካ ምግላጽን ምድንጋርን ከም ዓወት ከበስሩና ጸኒሖም ኢዮም። ግን እቲ “መጉሊሒ መነጽር” ሰባር ወይ ከኣ ቄናን እንተኾይኑ’ኸ? ጎደሎ ወይ ዘይነጸረ ሓበሬታ ኢዩ ዝህበካ። እዚ ማለት ሽግራት ይኹን ጸገማት ወይ ጉደለታት የለን ኣይኮነን ዝብሃል ዘሎ፡፡ እንታይ ድኣ ብሰንኪ “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ኩነታትን ብተውሳኺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተጻዕነ ዘይሕጋዊ እገዳ ሃስያ ዘይፈጠረ ኣይኮነን፡ ግን ሳላ ጥሙር ናይ መኸተ መደባትን ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝብን ክብዳህን ክፈሽልን ተኻኢሉ ኢዩ።

እዞም ዝበልናዮም ተጻባእቲ ባእታታት ወይ ተድናገጽቲ ናይ ስርዓት ወያነ ንበሎም፡ ኤርትራ ልኡላዊ መሰላ ክግህሱ ምስ ዝፍትኑ ክደናገጹ ከለዉ፡ ነቲ ተካይዶ ዘላ ዳግመ ህንጻዊ መደባት ብምክፋኣ ንምኽላፉን ንምፍሻሉን ክሸባሸቡ ተራእዮም ኢዮም። ስለምንታይ ኢዩ፡ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ወይ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህሉው ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ብምንጽጻር ክግለጽ ዝፍተን? ስለምንታይ ምስ ሱዳን፡ ሳውዲ ዓረብያ፡ ኬንያ፡ ኣመሪካ፡ ኖርወይ ወ.ዘ.ተ. ክነጻጸር ዘይፍተን? ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጽጥታ ካብ ኣብ ጀነቫ፡ ኣምስተርዳም ወይ ክኣ ኣብ ስቶክሆልም ካብ ዘሎ ጽጥታ ዝሓሸ እምበር ዝሓምቕ እይኮነን። ዋላ’ውን ከምቲ ናተን ጸጋ ኣንተዘይብልና። ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃዊ ወለዶ ዘለዎም ኣሜሪካውያን ኣብ ማእከል ዓዶም በቶም ኣኽበርቲ ጸጥታ (ንኣብነት፡ ኣብ ከተማታት ፈርጉሶን ኒውዮርክን ሎስ ኣንጅሎስን ዘጋጠ) ግዳይ ዝኾኑ ናይ ቀረባ ኣብነት ኢዩ።

ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ኣብ መላእ ዓለም እተኻየደ ጽንብላት፡ ከካፍኡን ሕሉፍ ሓሊፎም ክሳብ ኣብቲ በዓላት ኣይትኺዱ፡ ነቲ ስርሒት ፈንቅል ኣይትዘክርዎ ዝዓይነቱ ዘረባታት ተሰሚዑ ኢዩ። እዚ ኣብ ሃገራዊን ታሪኽውን ጽንብላት ኣይትሳተፉ ዝብል መልኽዑ ቐይሩ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ናይ ተጻብኦ ጉስጕስ ኢዩ። እዚ ሓደ ረቂቅ ዝኾነ ካብቲ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንኤርትራ ከጋጥማ ካብ ዝጸንሐ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ኣካል ኢዩ።

ብዘይ ሕሉፍ ታሪኽ ህሉው ታሪኽ ክህልዉ ስለዝይከኣል፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ህልው ታሪኽ ኤርትራ ክፈልጥ እንተኾይኑ መጀመርታ ሕሉፍ ታሪኹ ክፈልጥ ይግባእ። ብዘይ ሕሉፍ ታሪኽ ህሉው ይኹን መጸኢ ታሪኽ ክህሉው እይክእልን ኢዩ። ህሉው ኤርትራ ከመይ ኢላ መጺኣ? ከመይ ገይራ ከም ሃገር ተኸቢራ ምስ ዓለማ ተሰሪዓ ዘላ? ዝብሉ ሕቶታት እንተልዕልና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንፍትሽ ኣለና ማለት ኢዩ። ንኣብነት ንስርሒት ፈንቅል፡ ድሕሪ 25 ዓመት መመሊስና ንዝክሮን ነኽብሮን ድማ ናይ ገዛእ ርኡስ መኽንያት ኣለዎ። ሓደ ነቲ ዝነበረ ጅግንነትን ሓርበኛነትን መስዋእትን ንሓድሽ ወለዶ ዘስተምህር ኮይኑ፥ ካልእይ ድማ ብመስዋእቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለላ ሃገር ብምዅና፡ እዚ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ ልእላውነታ ብምክልኻል ክዕቕባ ከምዘለዎ ዘሰከም ሓልፍነት ኢዩ። ብጸለመ ምስላ ይኹን መልክዓ ንምኽፋእ፡ ብእገዳ ቁጠብኣ ንምዕናው፥ ብቁሉዕ ወራር ልኡላውነታ ንምድፋር ዘይተፈተነ ሽርሒ ወይ ተጻብኦ የለን።

ኣብ ኤርትራ ዝሰላሰል ዘሎ ናይ ልምዓት መደባት ክነእዱ ወይ ክኣ ክዝከሩ ኣይተሰምዑን። ዓበይቲ ናይ ሕርሻ ልምዓታት፥ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዞባታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ትሕቲ ቅርጺ ፥ ምርጫታት ናይ ኣማሓደርትን ወከልቲ ባይቶ ዞባን ን/ዞባን ገለ ከም ኣገደስቲ መደባት ኢዮም። ስለምንታይ እዮም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ይኹኑ ካልኦት ናይ ልምዓት መደባት ብደምበ ተቃወምቲ ኢና በሓልቲ ክዝረብ ዘይድለ ዘሎ።

እዞም ኣብ ከባቢ ገርገራን ዓዲ ሃሎን ንኣብነት ዝስርሑ ዘለዉ ዓበይቲ ዲጋታት`ከ?  ኣይኮነን ከምዘለዉ ክገልጹ፡ ክህልዉ ከማን ዝደልዩ ኣይመስሉን። ንምንታይ? ጸገሞም ምስ ምዕባለ ኤርትራ ዲዩ? ብፍላይ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ጻዕሪን ዝተረኽበ ዓወትን ኣናኢስካ ዝርአ`ውን ኣይኮነን፡ መስክሩለይ ዘድልዮ ጉዳይ`ውን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ደርቅን ዓጸቦን ከርአ ወይ ክመጽእ ዘይኮነስ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከተማታት ምዕራብ ልሙድ ዝኾነ፡ ዝብላዕ ስእኑ ካብ መንገዲ ዘሎ መእከቢ ጕሓፍ ሃስስ ብምባል ዝብላዕ ዘናድይ ሰብ እውን ኣይርከብን ኢዩ።

ደምበ “ተጻባእቲ” ፈተዉ ኣይፈተዉ፡  ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን መስክሩለይ ዘየድልዮም ዘይሕለል ጻዕሪ ተኻይዱን ዓበይቲ ዓወታት እውን ይረከበሉን ኣሎ። እቲ ሓቂ ንሱ ምኳኑ ኣሚንኩም እቲ ዕረ ውሓጥዎ።

ዓወት ንሓፋሽ!