ቅድድም ብሽክለታ ፡ ተስፎም ዕቕባማርያምን ተስፋኡን . . .

News Sport ትግርኛ
Cycling Tesfom Okbamariam
ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ውድድራት ብሽክለታ ሃገሩ ንመወዳድርቱ ኣላሽ ኣቢሉ ብዝነኣድ ብቕዓት ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋብ ንደገፍቱ ጸባ ዘስተየ ፡ ንብሩህ ተስፋኡ ድማ ከም ስሙ በተን ስሑላት ዳናጉኡ ዋሕስ ዝገበረ ተቐዳዳማይ – ተስፎም ዑቕባማርያም።

ኤርምያስ ገብረልዑል

ብ ክለብ ዞባ ደቡብ ንነዊሕ ዓመታት ብምውድዳሩ፡ ንውድድራት ውሽጢ ሃገር ከም ከብዲ ኢዱ ክፈልጦን ክመልኮን ሓጊዝዎ እዩ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ንርእሰ ተኣማንነቱ ኣብ ጥርዚ ከብጽሖ እንከሎ፡ ምስ መጋቢት ክለብ ኤምቲኤን ዘሕለፎ ብሉጽ ናይ ስልጠናን ጸወታን እዋናት ኸኣ፡ ኣብ ኮረሻ እንከሎ ንጸወታ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኣበሪኽዎ ይርከብ፣ እዚን ካልእን ድማ እዩ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ውድድራት ብሽክለታ ሃገሩ፡ ንመወዳድርቱ ኣላሽ ከብሎም ዝተራእየ – ተስፎም ዑቕባማርያም።

ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ብከዋኽቲ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተሰምየ ውድድር ጭራ ቑረጽ፡ ከብ ብተይ ብምዕንዳር ዓቢ ዓወት ዘመዝገበ ተስፎም፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከባቢ ሲነማ ሮማ ኣብ ዝተኣንገደ ‘ብሩህ ተስፋ ኣብ ድርኩኺት 2016’ ዝተሰምየ ሃገራዊ ውድድር እውን ዝልከፍ ኣይነበረን፣ ተስፎም ንሓያለ ዙርያታት ምስ መራሒት ጉጅለ ብምህዳምን ብምቕላስን ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ብዝነኣድ ብቕዓት ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋቡ ንደገፍቱ ጸባ ኣስትዩ፣ ንብሩህ ተስፋኡ ድማ ከም ስሙ በተን ስሑላት ዳናጉኡ ዋሕስ ገይሩሉ።

120 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ናይ ትማሊ ውድድር ‘ብሩህ ተስፋ ኣብ ድርኩኺት 2016’ ቸርኪቶ፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ልዑል ተወዳዳርነት ተቐዳደምቲ ዝተራእየሉን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዝማሞቐን ነበረ፣ ኣብቲ መወልቲ ናይቲ ውድድር ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክለብ ኤምቲኤን ኵቤካ ናይ ዝመጽእ ዓመት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ – ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ዝተሳተፉሉ ናይ 47 ዙርያ ጸወታ፡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ እዮም ኣብ መበገሲ ቦታ ተረኺቦም።

ተቐዳደምቲ ብልዑል ናህሪ ብሓባር ንሒደት ዙርያታት ድሕሪ ምጉዓዞም፡ ከም በዓል ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ኤልያስ ኣፈወርቅን ካልኦትን ናይ ምምላቕ ፈተነታት ተኻየዶ፣ እንተኾነ፡ እታ ትሸዓተ ኣባላት ከም መርሃዊ ቅዱስ፡ በረኸት የማነ፡ ሚልዮን ኣማኑኤል፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ፡ ኣማኑኤል መንግስ፡ ሚካኤል ሃብቶም፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ኣቤል ተወልደመድህንን ቢንያም ወልደሩፋኤልን ዝሓቖፈት ጉጅለ ግና፡ እታ ንማእዝን ናይቲ ውድድር ዝጠምዘዘት ኮይና ቀረበት፣ እዛ ጉጅለ እዚኣ ድማ ሓያላትን ብዘይ ቀልዓለም ዝበራረዩ ተቐዳደምቲ ብምሓዛን ክሳብ መወዳእታ ናይ ምቕጻል ተኽእሎኣ ከምእተዕዝዝ ብብዙሓት ግምት ተዋህባ።

ኣብ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ፡ ከም ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣሮን ደብረጼንን ካልኦትን ብዝኣመሰሉ ትቕለስ ብምንባራ፡ ነታ ዝመርሐት ጉጅለ ኣስጋኢት ከምእትኸውን ብገለ ገለ ትጽቢት ተነበረላ፣ እንተኾነ፡ መራሒት ጉጅለ ኣዝያ ዝዓንተረት ኮይና – ዋላ’ኳ ከም ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዝኣመሰሉ ኣብ ዳሕረወትይቲ ጉጅለ ማዕበል እንተፈጠሩ፣ ኣብዚ ህሞት ድማ እዩ፡ ናትናኤልን ዳንኤልን ተበራርዮም ህድእ ኣብ ዝበሉሉ ብኣሮን ደብረጼን መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፣ ኣሮን ነቶም ሒደት ኣብ ሮታኡ ንዝለገቡ ተቐዳደምቲ ከም ተስፋይ ምሕረትኣብ፡ ክብሮም መሓሪ፡ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ ዮናታን ሃይሉ፡ ተስፋኣለም ናይ ጀጋንተን ዝኣመሰሉ ሒዙ ካብ ዓባይ ጉጅለ ፍንትት እኳ እንተበለ፡ ኣብ ዝሰዓበ ዙርያታት፡ በታ ከም ብዓል ዳንኤል ዝተቐለሰትን ንዳሕረዎት ተቐዳደምቲ ተር ከም ዓተር ዘበለትን ጉጅለ ካብ ምውሓጥ ዓዲ ኣይወዓለትን።

ነዞም ተቐዳደምቲ ብምውሓጣ፡ ዝተዛነየት እትመስል ዓባይን ዳሕረወይትን ጉጅለ፡ ሚዛናዊ ዝኾነ ምስሓብ እያ ኣካይዳ፣ እዚ ድማ ነታ ኣብ ቅድሚት ብኤልያስን መርሃዊን ዝተመርሐት ጉጅለ ተስፋ ዝሃበ ፍጻመ ነበረ፣ በዚ ድማ ጋግ ናይ ክልቲአን ጉጅለታት 45 ካልኢት ክበጽሕ ከኣለ።

ውድድር ንኽፍጸም 19 ዙርያ ምስ ተረፎ፡ ኣብ ድሕሪት ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ክለብ ኤምቲኤን ዳንኤልን ናትናኤልን ነቲ ዕለት ንምድማቕ ዝወጠንዎ መደብ ብምፍጻሞም ካብ ውድድር ተኣለዩ፣ ጺኒሑ እውን መርሃዊ ኣሰሮም ብምስዓቡ ኣብ ክልቲአን ጉጅለ ንዝነበረ ቅልስ ብመጠኑ ኣህደኦ፣ እዞም ከዋኽብቲ ቅድድም ብሽክለታ፡ መደቦም ኣብ ዝፈጸሙሉ፡ ብተዓዘብቲ ድሙቕ ናይ ምፍናው ስነስርዓት ተመጠወሎም፣ ንሓንቲ ዙርያ ብሓባር ብጉዓዝ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ተዓዛቢ ዘለዎም ክብሪ ገለጹ።

መርሃዊ ዋላ’ኳ ካብ መራሒት ጉጅለ እንተወጸ፡ ተስፎም፡ በረኸት፡ ጸኒሑ እውን ምስ በልጁማዊት ክለብ ዝቀዳደም ኤልያስ ናህሮም ብምዝያዶም፡ ነታ ካልኣይቲ ጉጅለ ነዊሕ ጋግ ኣንጸፉላ፣ ኣብ ድሕሪት ድማ መጥቃዕቲ ተፈጸመ፣ ከም ሳዕቤኑ፡ ካልኣይቲ ጉጅለ ኣብ ስለስተ ንኡሳን ጉጅለታት ተመቓቐለት።

ኣብዚ ህሞት’ዚ ናህሪ ናይቲ ጸወታ ኣይከም ፋልማይን፣ ነዚ ዝተዓዘቡ ደገፍቲ፡ ብዝወፈይዎ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ገንዘብ፡ እቲ ጸወታ ትንፋስ ሶኽዐ፣ ኤልያስን ቢንያምን ድማ ካብታ ሸሞንተ ዝኣባላታ መራሒት ጉጅለ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ነቲ ጸወታ ካልእ መኣዝን ኣትሓዝዎ፣ ክልቲኦም ድማ ዋላ’ኳ እናተበራረዩ ክጓዓዙ እንተተራእዩ፡ ተራ ኤልያስ ግን ዓዚዙ ቀረበ፣ በይኑ ብምህዳሙ ኣስጋኢ እውን ኮነ፣ በረኸትን ተስፎምን ድማ ነታ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ራሕሪሓማ ከዱ፣ እግሪ እግሮም ኸኣ ሚኪኤል ሰዓበ፣ ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ በረኸት፡ ተስፎም፡ ኤልያስን ሚኪኤልን ንቕጽበታዊ ውድድር ተጠማጠሙ።

ፊት ክለብ መማህራን ኣብ ዝጀመረ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር፡ ተስፎም ቀዲሙ ካብ ብሽክለታኡ ተንሲኡ መጥቃዕቱ ኣካየደ፣ ከም ውጥን ጸወታኡ ድማ ክሳብ መወዳእታ ናህሩ ብምዝያዱ ኣብ ከባቢ ሕንጻጽ በጽሐ፣ ተስፎም፡ ምሉእ ብምሉእ ዕዉት ናይቲ መድረኽ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ኢዱ ብምልዓል ሓጎሱ ገለጸ፣ . . . ብደገፍቱ ድማ ተሓንገረ።

ካብ ፈለማ ዝነኣድ ምቅላስ ዘርኣየን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ በርቃዊ መጥቃዕትታት ብምክያድ ንመወዳድርቱ ኣብ ስራሕ ዝሸመነን ኤልያስ ኣፈወርቂ ድማ ኣብ መዓልቲ ልደቱ ኣብ ፖድየም ብምድያብ ሓጎሱ ጸምቢሉ፣ ገዲምን ሓለቓ ጋንታን ክለብ ኣስቤኮ ዝኾነ በረኸት የማነ ድማ፡ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ። ሚኪኤል ሃብቶም፡ ኣቤል ተወልደመድህንን ሚልዮን ኣማኑኤልን ድማ ክሳብ ሻዱሻይ ደረጃ ሒዞም።

ኣቐዲሞም ‘ጁንየር’ ተቐዳደምቲ ኣብ ዘካየድዎ ውድድር፡ ሲራክ ተስፎም፡ ንያት ርእሶም፡ ዘመንፈስ ሰሎሞን፡ ናትናኤል መብርሃቶም፡ ናሆም መልኣከን ዓወት ሃብቶምን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻዱሻይ ብምውጻእ ተዓዊቶም።

ብቑጽሪ ብርከት ዝበሉ ተቐዳደምቲ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ዘምርሑሉ ናይ ሳልሳይ ዲቪዥን ውድድር፡ ናሆም መኮነን፡ ተመስገን ክብሮምን ቢንያም ግርማይን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወጺኦም፣ ኣብዚ ውድድር’ዚ ካብ ብዝሒ ተቐዳደምቲ ዝነቐለ ሓደጋ ምውዳቕ ኣብ ከባቢ ሲቲ ፓርክ ተራእዩ።

ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ዮሃና ዳዊት፡ ሞሳና ደበሳይን ወጋሕታ ገብርሂወትን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወጺአን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ብቐዳም ካብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ዝጀመረ ናይ 9 ኪሎሜተር ናይ ውልቂ ውድድር ግዜ ተኻይዱ ነበረ፣ ኣብቲ ረፍዲ ድማ ሻምፕዮን ዞባ ማእከል 2015 ዝኾነ ኣሮን ደብረጼን ብ11፡21.06 ደቓይቕ ቀዳማይ ኮይኑ፣ ንሱ ኣብ ሰዓት 48.1 እናተሓምበበ’ዩ ነቲ ርሕቀት ፈጺምዎ፣ ክብሮም መሓሪ ብ11፡49.54 ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ ድማ ብ11፡49.57 ደቓይቕ ሳልሳይ ኮይኑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ወጋሕታ ገብርሂወት ነቲ 9 ኪሎሜተር ብ13፡ 55.00 ደቒቕ ብምዝዛማ ምስ ኣሮን ዝመሳሰል ክብሪ ረኺባ፣ ሞሳና ደበሳይ፡ 13፡55.07 ደቒቕ ካልኣይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ዮሃና ዳዊት ድማ ብ14፡03.09 ሳልሰይቲ ኮይና።

ኣብ ውድድር ጁንየር፡ ሲራክ ተስፎም ብ11፡ 45.02 ደቒቕ ቀዳማይ ኮይኑ፣ ሮቤል ተወልደ 11፡46.05 ደቒቕ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ ዘመንፈስ ሰሎሞን ብ11፡53.08 ሳልሳይ ኮይኑ።

ተወሳኺ . . .

ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ብዝሒ ውድድራት ኣብዚ እዋን ውሒዱ ይርከብ፣ ከም ዙር ኤርትራ ዝኣመሰለ ዓቢ ውድድር ካብ ዘይካየድ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፣ በዚ ድማ፡ እቲ ልዑል ዝርግሐ ዘለዎ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና፡ ኣብ ሓያለ ዞባታት ዝፈጥሮ ዝነበረ ጽልዋ ብኡ መንጽር ከምዝነከየ መስክሩለይ ኣየድልዮን፣ ኪንዮ ምብርባር ዞባታት፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ንእተመዝግቦ ዝጸንሐት ደረጃ እውን ብኣሉታ ምጽላዉ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።

እምበኣር እዚ ናይ ትማሊ ሃገራዊ ውድድር፡ ንሓደ ሓደ ዞባታት ንዝጸንሐን ዕቁር ናይ ብሽክለታ ዓቕመን ፈቲሸን ናብዚ ውድድር ከምርሓ ሓጊዝወን ይኸውን እዩ፣ ገለ እውን ሰኣን ኣብ ዞባአን ስሩዕ ዝኾነ ውድድራት ምክያደን ወይ እውን ተቐዳደምቲ ብምስኣነን ኣብዚ ሃገራዊ ውድድር ኣይተሳተፋን፣ ንኣብነት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ክትጥቀስ ትኽእል።

ገለ ዞባታት እውን ብዘይ ስሩዕ ልምምድን ምድላዋትን ንስለ ምስታፍ ናብዚ ሃገራዊ ውድድር ዝተጓዕዛ ኣይተሳእናን፣ ንኣብነት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተወዳደርቲ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ተፍሪ ምንባራ ይዝከር፣ ኣብዚ ናይ ትማሊ ሃገራዊ ውድድር ተቐዳደምታ ኪንዮ ሱታፌ እተን ዝዓጠቕወን ብሽክለታ እውን፡ ኣብ ድሮ ናይቲ ሃገራዊ ውድድር ምዕዳሎም ንብዙሓት ኣገሪማ እያ።

ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ፣ ብፍላይ ኣብ ጋንታታት፡ ዓራግ፡ ጋላነፍሒን በሪኽን ዝረአ ዘሎ ጥምጥም ነቲ ውድድር ናብ ጽቡቕ ደረጃ የምርሖ ኣሎ፣ ተቐዳደምቲ ክለብ ዓራግ ብውልቂን ብጋንታን ዘርኣያኦ ዝነኣድ ብቕዓትን ተወዳድርነትን ድማ ክጥቀስ ይግብኦ፣ እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ተቐዳዳሚት ጋላ ነፍሒ ወሓዚት ኪዳነ ኣብ ከዋኽብቲ ዞባ ማእከልን ኣብዚ ሃገራዊ ውድድር ክትሳተፍ ዘይምኽኣላ ኣብ ተወዳዳርነት ናይቲ ዲቪዝዮን ጽልዋ ከምዝገደፈ ይግምገም።

እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ናይዚ ውድድር፡ መስርሕ ኣሰርራዓ ናይዚ ውድድር እዩ፣ ሃገራዊ ፈደረሽን እዚ ሳልስቲ ዝወሰደ ውድድር ንስም ናይቶም ተቐዳደምቲ ዳይመንሽ ዳታ ከምዝተሰርዐ ይገለጽ፣ እንተኾነ እቶም ተቐዳደምቲ ድማ እዚ ውድድር ንኽኻየድ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባሮም ምስጢር ኣደባባይ ኮይኑ ኣሎ፣ እቲ ምሕጋዝሲ ሰናይ ድሌት ኮነ፡ ንስሞም ኣብ ዝተሰርዐ ውድድር፡ ንኽብሮም ዝበቅዕ መዘከርታ (ሽልማት) ክግበረሎም ኣይተራእየን፣ ብዘይካ’ዚ፡ ጨው ዝረሃጹ ተቐዳደምቲ፡ እንተወሓደ ንጽምኦም ዘርዊ ኣይምተገብአንዶ?