
ካብ መስከረም.ኔት ዝተረኽበ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ኔት ሓደ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘስደመመ ሓበሬታ ይዝርጋሕ እሞ ፡ ዶር. ዳንኤል ረዘነ ነቲ ሓበሬታ ሓቂ ወይ ሓሶት ክብል ይዕደም።
እቲ ጉዳይ ብኸምዚ ኢዩ ዝብገስ፡፡ ሓደ ጸሓፋይ “ሓቂ ኣበይ’ለኺ ክደልየኪ?” ብዝብል ኣርዕስቲ፡ ዶር ዳንኤል ረዘነ መኮነን ኢትዮጲያዊ ከምዝኾነን ፡ ነቲ ብኢትዮጲያ ተመዊሉ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ኣንጻር ኤርትራን ልዑላውነታን ዝቐንአ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምውዳብን ምምራሕን መሪሕ ግደ ከምዝተጻወተን ፡ እቲ ኹሉ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሽም ሰብዓዊ መሰላት ዝገብሮ ጭካነን ሽርሕታትን እምበኣር ካብ ኢትዮጲያውነቱ ዝብገስ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ፡ ነዚ ሓበሬታ ዘካፈሉ ሰባት ሓቀነት ሓበሬታኦም ብጭብጥታት ኣሰንዮም ከቕርቡ ቁሩባት ምኻኖም ብምሕባር ነታ ቡንባ ፈንጀራ።
ድሒሩ ሓደ ካብቶም ዶር. ዳንኤል ረዘነ መኮነን ኢትዮጲያዊ ምዃኑ ዘየማትእ ጭብጥታት ኣሎኒ ዝብል(ሉ) ኣብታ መርበብ ሓበሬታ ናይ እምነት ቃሉ ብምሓብ ፡ ዶር. ዳንኤል ረዘነ እቲ ሓቀኛ መንነቱ ብልሳኑ፡ መን ወዲ መን ምዃኑን፡ ኣቦይ እገለ ወዲ እገለ ብዓል ዓዲ እገለ፡ ኣደይ ከኣ እገሊት ጓል እገለ ብዓልቲ ዓዲ እገለ ኢሉ ኣነጺሩ ክገልጽ ብምጥላብ፡ ከምዚ ክብል ጸሓፈ ፦
ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ ኣበይ ተወሊዱ ኣይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ቅድም ኣብ ደቀምሓረ ድሓር ኣብ ኣስመራ ምሳና ተማሂሩ ምሳና ዓብዩ። ኣቡኡ ክሳብ ሎሚ ብሂወቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ኣምሓራይ ምዃኖም ግን ጭቡጥ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርት ጌሩ ክንቀሳቐስ ከም ዝጸንሔን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ግን ዝሕባእ ኣይኮነን። ንሱ ቀደም ብዛዕባ መንነቱ ምግላጽ ኣሕፊሩዎ ኣይፈልጥን። ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ ግን ብዘይካ ብኢትዮጵያውነቱ ብኤርትራውነቱ ቅንጣብ ተሰሚዑዎ ከም ዘይፈልጥ ብዙሓት ዘዕልሉሉ እዩ። ሎሚ ባዕሉ ድኣ ኤርትራውያን ዓያሹ ረኺቡና ኣብ ስልጣን ንምብጻሕ ሃነፍነፍ ብማለት ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ተላዒሉ ንርእዮ ኣሎና ምበር፡ ንሱ ከም ዓለሙ ብመንነት ስድራ ቤቱ ምኽንያት ኤርትራውነት ዝተኸከለ ኣይነበረን።
እሞ ዳንኤል ሓወይ ኣደይ ስላስ ኣብ መቓብረን ከለዋ ከይሓዝና ገበን ኣይትፈጽም። ብዛዕባ መንነትካ ከም ቀደምካ ሓቂ ተዛረብ። ለምለም ሓትኖኻ እውን ኣብ ቀረባ ስለዘላ ሓቂ ትደፍን ከም ዘይኮነት እፈልጥ እየ። ኤርትራዊ ክትከውን እንተደሊኻ ከኣ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከም ትቃለስ ከተእምነና የድሊ። ወገን ጸልዩካ ተልኣኽን ኣገልጋልን ኢትዮጵያ ክትከውን ካብ መረጽካ ግን ዓገብ ንብለካ። እቲ ለበዋይ ግን ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ሓቀኛ መንነትካ ባዕልኻ ግለጸሉ። ብዛዕባ ሓቀኛ መንነትካ ክትክሕድ እንተደሊኻ ግን ኣቦይ እገለ ወዲ እገለ ብዓል ዓዲ እገለ፡ ኣደይ ከኣ እገሊት ጓል እገለ ብዓልቲ ዓዲ እገለ ኢልካ ብምዝራብ ነታ ሓቂ ግለጻ። ናይ ቅድሚ ሎሚ ስለዝኣኽለና ብድሕሪ ሕጂ ዝዕሹ አርትራዊ የለን እሞ ነቲ ጕዳይ አርትራ ነቶም አርትራውያን ግደፈሎም። ኢድካን ኣግርኻን ኣክብ ዝሓወይ።
እንተኾነ ዶር ዳንኤል በቲ ብዕለት 24 ሓምለ 2015 ናብ መስከረም.ኔት ኣብ ዝሰደዶ መልሲ፡ ብጭቡጥ ነቲ ዝቀረበሉ ሕቶ ገዲፉ ናብ ካልእ ጓል መንገዲ ደኣ ተዓዝረ። “ብኤርትራውነተይ ማንም ክወራዘየለይ ኣይክእልን!” ኢሉ ዝጀመረ ዶር ዳንኤል፡ “እዚ ዝምልሶ ዘለኹ፡ ነቲ ንሳልስቲ ዝኸውን ኣብልዕለይ ዝፍኖ ዝቐነየ ናይ ሽም ምጥፋእ ዘመተ ገለ መሰረታዊ ርድኢታት ንምብራህ ድኣ እምበር፡ ነቲ ኹሉ ዝበሃል ዘሎ ቆሎ-ጥጥቖ ሕቶታት ንምምላስ ኣይኮነን” ብምባል ንመልሲ ትበቅዕ ኢያ ዝበላ ነዋሕ ጽሕፍቶ ፈነወ፥-
“ብዙሓት ሰባት፡ መልሲ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኰነን እኳ እንተ በሉኒ፡ ኣንባቢ ባዕሉ ሚዛኑ ክወስድ መታን፡ ባዕለይ ክምልስ ኣዳልዪ ኮይኑ ረኺበዮ። ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ንዘርእይዎ ዘለዉ ድጋፍ ግን ብልቢ አመስግን።
…መበገሲ ናይዚ ጸለመ’ዚ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽንን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫን ምዃኑ ብሩህ’ዩ። እዚ ክልተ ፍጻመታት’ዚ ንህግደፍ ርእይዎ ዘይፈልጥ ነውጺ ፈጢሩሉ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ምስሓግን ይርከብ ኣሎ። ካብቲ ቀንዲ ሱር-ነገር ንምእላይ ድማ ብዙሕ መናውራታት ክገብር ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እቲ ዓወታት፡ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ሓድነት ምንቕቓሕ ውን ተራእዩ ዘይፈልጥ’ዩ። ካብቲ ህግደፍ ዝህቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ ጥራይ፡ ተጨቢጡ ዘሎ ዓወት ክሳብ ክንደይ ዝበረኽ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ቃልስና ብዝያዳ ከነሕይል ድማ መዘኻኸሪ’ዩ።
ካልእ ክበርህ ዝግብኦ ነገር፡ እዚ ኣንጻረይ ዝግበር ዘሎ ጸለመ ብህግደፍን መጋበርያታቱን ጥራይ ዝፍጸም ዘሎ ዘይምዃኑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፓልቶክ ገሊጸዮ ናይ ዝነበርኩ ተንኮላት፡ ናቱ መቐጸልታ ውን ኣለዎ። መበገሲ ናይዚ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ እዋን፡ ኣብ ናይ EYSC ናይ Facebook ገጽ፡ ብናይ ብርዒ ስም ተጻሒፉ ዝነበረ’ሞ፡ ኣመሓደርቲ ናይቲ ገጽ ጥርዓነይ ሰሚዖም ዝኣለይዎ ጠቃኒ ጽሑፋት’ዩ (እግረ-መገደይ ነቶም ኣመሓደርቲ አመስግኖም)።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓይ ካብ ህግደፍን መጋበርያታቶምን ንላዕሊ ከፊኦምኒ ዘለዉ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መቓልስተይ ዝብሎም ዝነበርኩ ሰባት’ዮም። ድሕሪ ምዝርጋሕ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫን፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ገለ ናይ ቃልሲ ብጾተይ ዝብሎም ዝነበርኩ ሰባት፡ ብዘገርም ጭካነን ስልበጣን ኣሳሰይቲ ናይ ከምዚ ዝመስል ሕማቕ ተልእኾታት ምዃኖም’ዩ። ኣብ ዝበጻሕክዎ ዘይብለይ ክነሰይ፡ “ነቲ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዝነበረና ዝና ተቓጺጹና” ብዝስምዕ ቁሪምሪም፡ ብኣካል ኣብ ዝተገብረ ዝርርባት ከይተረፈ የጉባዕብዑለይ ኣለዉ። ብመሰረት ዘይብሉ ቅንዒ ጣዕ ክብሉ ድማ ይርኢ ኣለኹ። ቀንዲ ጸገሞም፡ ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክጽሞቕ ይከኣል፡-
– ኣብ ገለ መዳያት ናይ ቃልሲ፡ ብዘይካ ስሞም ስም ካልእ ሰብ ክጽዋዕ ዘይደልዩ (ዘሰንብድ ናይ ምግባትን ናይ ምዕብላልን ጥሙሕ ዘለዎም)፣
– ኣብቲ ንሳቶም “ሕዛእትና” ዝብልዎ ናይ ቃልሲ ዓውድታት፡ ናይ ግድን ብኣኣቶም ቡራኬ ከይረኸብካ ክሕለፍ ከም ዘይብሉ ጌሮም ዝሓስቡ፣
– ብሓባር ንስራሕ እንተበልካዮም ድማ ወይ ይሕንግዱ ወይ ድማ ከም ቆልዓ ብኢድካ ሒዞም ከታትዩኻ ዝደልዩ (ትርጉም ብሓባር ምስራሕ ዘይርድኡ)፣
– ዝገደደ ድማ፡ ኣብቲ ንሶም “ሕዛእትና” ኢሎም ዝሓስብዎ ዓውድታት ብኻልኦት ተቓለስቲ ዓወት እንተተረኺቡ፡ ብቕንኢ ጣዕ ዝብሉን ክሳብ ብሕልና ወዲ ሰብ ክትሓስቦ ዘስካሕክሕ ስጉምታት ንምውሳድ ሰገጥ ዘይብሉን እዮም።
ኣነ እምበኣር ብህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ በዞም ሰባት’ዚኣቶም’የ ዝጥቃዕ ዘለኹ። ንሳቶም ውን ኣብ ቃልሲ ኣለና ስለ ዝብሉ፡ እቲ ቃልሲ ብዘይጉድኣሉ ኣገባባት ከመይ ጌርካ ፍታሕ ትገብረሎም ዝብል ሓሳብ እንተዘይኮይኑ፡ ግድን ክቃልዑ ዘለዎም ምዃኑ ግን ከስምረሉ እደሊ።
ሕጂ፡ ናብቲ ካልእ ክበርህ ኣለዎ ዝብሎ ጉዳይ ክሰግር። ንዓይ ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ኤርትራዊ ኣይኮንካን ኢሉ ክወራዘለይ ኣይክእልን’ዩ –– ኣርባዕተ ነጥቢ! ብመሰል፣ ብመንነት፣ ብዜግነት፣ ብትውልዲ ኤርትራዊ ስለ ዝኾንኩ፡ ልዕሊ’ዚ ዝኸይድ ዘረባ ምዝራብ ኣዳላዪ ኣይኮነን። ታሪኸይ ዝፈልጡ በብወግኖም ይምስክሩ ስለ ዘለዉ ንሱ እኹል’ዩ። ነቶም ኣብ ሃጓፍ ትሕዝቶ ንጫበጥ (ስኮሜሳ ንግበር) ዝብሉኒ ዘለዉ ግን፡ ቅድም ካብ ዝምልከቶ “ቤት ፍርዲ ናይ ዜግነት” መጸዋዕታ ኣምጹለይ ክብሎም እደሊ። እቲ ዘረባ እንትርፎ ብመገዲ መስከረም.ኔት ምዝርግሑ፡ በሃሊኡ መን’ዩ ብጭቡጥ ኣብ ዘይፍለጠሉ፡ ካብዚ ዝነውሐ ዝርዝር ምሃብ ናብ ህውተታ ምእታው ስለ ዝኸውን ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን።
ሓደ ኤርትራዊ፡ ናይ ካልእ ሃገር (ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ የመን፣ ኢትዮጵያ፣ ወዘተ.) ወለዶ ወይ ዘርኢ ስለዘለዎ፡ ኤርትራዊ ኣይከውንን ዝብል ሙግት እንተሎ ግን፡ ቅድም ቀዳድም ነታ ካብ መንጋጋ ህግደፍ ከነናግፋ ንቃለሰላ ዘለናን ክንርእያ ድማ እንብህጋን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ’ሞ ንርከባ፡ እቶም ከምኡ ዝብሉ ሽዑ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኮይኖም ሰብ ምእታው ምስ ከልኡ ነርክበሉ። ንሕጂ ግን፡ እቲ ናይ ፍትሒ ቃልሲ ተጎሃሂሩስ ዱድ’ዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ መገዲ ዝጸንሕ ቃርማን ጕንድን እንዳባርዐ ድማ ክቕጽል’ዩ። ኣብዚ ቃልሲ’ዚ ኣእላፍ መጎዓዝቲ ከም ዘለውኒ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ብግብሪ ስለ ዝረኣኽዎ፡ ነቶም ናይ ቃልሲ ብጾተይ ዝኾኑ፡ ምኽረይ “ንኺድ ጥራይ!” ዝብል’ዩ። ከምቲ ምስላ ዝብሎ፡ እቲ ከልቢ ክነብሕ’ዩ፡ እቲ ገመል ድማ ጉዕዙኡ ክቕጽል’ዩ።”
ዶተረ ዝተሓተቶ ሕቶ ሓንትን ቀላልን ኢያ ኔራ። ኣብ ክንዲ “ኣቦይ ረዘነ መኮንን ይብሃል ዓዱ ዓዲ እገለ ኣደይ እውን እገሊት ትበሃል ዓዳ ከኣ ዓዲ እገለ ኣነ ከኣ ኣብ አርትራ ተወሊደ ዝዓበኹ አርትራዊ እየ” ምባል፡ ንምንታይ እዚ ኩሉ ኮለል ምባል ከምዝደለየ ንኹሉ ሰብ ኢዩ ደንጽይዎ።
ክፍለጥ ዘለዎ ግና፡ ካብ ዝመጻእካ ምጻእ ናይ ዝደለኻዮ መንነትን ዜግነትን ክትሕዝ እንተኽኢልካ ነውሪ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ክልተ ዘይምቅዳው ዘለወን ሃገራት ግን ናይ ክልቲኤን ዜጋ ክትከውን ወይ መንነት ክህልወካ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኣትሃላልዋ ፖለቲካ ኤርትራ መን ወዲ መን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት ፖለቲካ ሃገርና፡ ዶር. ዳኒኤል እውን ብዕቱብ ክዋሳእ ይደሊ ብምህላዉ ፡ መን ወዲ መን ከምዝኾነ ከይነጸረዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን።
እቲ ጭብጢ ኣሎኒ እንተኾነ ዶቶረ ግሉጽነት ከርእን ባዕሉ ንህዝቢ ሓቂ ክሕብርን ክጽውእ ዝጸንሐ ወዲ ሃገር፡ በቲ መልሲ ፍጹም ስለዘይዓገበ ከምዚ ክብል ድማ መሊሱ ንዶር. ዳንኤል ረዘነ ሓተቶ፦
ዶር. ዳንኤል ረዘነ እታ ዝተሓተትካያ ሕቶ ሓንትን ቀላልን እያ። ንሳ ከኣ ኢትዮጵያዊ’ዩ ትበሃል ስለዘሎኻ መግለጺ ወይ መልሲ ሃበና ትብል ኢያ። እዚ ማለት ከኣ ከም አርትራዊ ክትቃለስ እንተኾንካ ካብ ኢትዮጵያውያን ስድራ ቤት ከም ዝተወለድካ ኣሚንካን መንነትካ ወይ ድሕሪ ባይታኻ ንህዝቢ ኤርትራ ገሊጽካን ብግልጺ ክትቃለስ ስለዘድሊ እዩ። እቲ ቀንዲ ከምኡ ዘበለ ምኽንያት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ብኸምኡ ብዙሕ ስለዝተታለለን ዝተሃስየን አዩ። ኣብ ፖለቲካ ኣብ ዝለዓለ ስራሕን ሓላፍነትን ክትልእኮን ክትኣምኖን ትኽእል ከምዚ ከማኻ ዝበለ ምሁር ተቓላሲ መንእሰይ ክትረክብ ከሎኻ ድሕሪ ባይታኡ መን ምዃኑ ምፍላጥ ስለዘድሊ ከኣ ሕቶ ቀሪቡልካ።
ነቲ ዝቐረበልካ ሕቶ ግን ኣቦይ ረዘነ መኮንን ይብሃል ዓዱ ዓዲ እገለ ኣደይ እውን እገሊት ትበሃል ዓዳ ከኣ ዓዲ እገለ ኣነ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተወሊደ ዝዓበኹ ኤርትራዊ እየ ኣብ ክንዲ ምባል ፡ እቲ ኩሉ ሃለውለው ምባልካ ህዝቢ ካባኻ ዝጽበዮ መልሲ ኣይነበረን። ንኣፍልጦኻ ግን እቲ ሓበሬታ ዝተረኽበ ካብቶም ብቐረባ ምሳኻ ዝዓበናን ዝተማሃርናን ንዓኻ ኮነ ንስድራ ቤትካ ኣጸቢቕና ንፈልጥን እዩ። ንስኻ ግን ነቲ ዝቐረበልካ ሕቶ ክትምልሶ ኣይበቓዕካን። ደቂ ዓዱን ቤተሰቡን ዘይፈልጥ ክኸውን ይኽእል እምበር ዓዲ ዘይብሉ ኤርትራዊ ግን የብልናን።
ብዛዕባዚ ነደይ ለምለም እንተትሓተን ዝያዳ ምኽሪ ምሃባኻ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ከም ሓደ ናይ ሕጊ ምሁር መሰረት ብቑዕ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ካብ መቓልስተይ ጸላእቲ ኣለዉኒ፡ ዝቃወሙኒ፡ ዝጻብኡኒ፡ ክትብል ኣብ ሃለውለው ኣቲኻ ንብዙሓት መቓልስትኻ ኣብ ዓይኒ ጠርጠራ ኣውዲቕካና። እቶም መቓልስተይን ብጾተይን ክነሶም ጸላእተይ ዝበልካዮም ኣስማቶም ካብ ዘይጠቐስካዮም ክንፈልጦም ከም ዘይንኽእል ኣይጠፍኣካን። እንድሕሪ ምስኣቶም ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ጽልኢ ኣልዩካ ከኣ ካብ ጎቦ ጎቦ ምባል ንምንታይ ኣስማቶም ዘየጋለጽካዮ? “እቲ ቃልሲ ብዘይጕድኣሉ ኣገባባት ብኸመይ መፍትሒ ትረኽበሉ” ምባልካ ግን ቃልሲ ብዝያዳ ዝህሰ ነቶም ክሱሳት ኣስማቶም ከይጠቐስካ ንጹር ብዘይኮነ ክሲ ነቶም ምሳኻ ዝቃለሱን ዝሰርሑን ዘለዉ ብኣልማማ ክትከስስ ከሎኻ ጥራሕ ኢዩ። ነዚ ከኣ ሓደ ሕጊ ዝተማህረ ዘይፈልጦ ኣይኮነን።
በል ብሕጽር ዝበለ ክነግረካ ንድሕረ ባይታኻ ዝምልከት ብጭብጢ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ እኹል ሓበሬታ’ኳ እንተሃለወና ግሉጽነት ከተርእን ንህዝቢ ሓቂ ክትሕብርን መኺርናካ። ንስኻ ግን ብቕንዕና ኣብ ክንዲ ምዝራብ ኮለል ኢልካ። ነቲ ጥርጣረ ህዝቢ ከኣ ወሲኽካሉ እምበር ኣይኣለኻዮን። ሕጂ’ውን ንህዝቢ አርትራ ባዕልኻ ሓቂ ግለጸሉ። ነቲ ንፈልጦን ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጽና ዘቕረብናዮን ክትቅበሎን ስድራ ቤትካ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ክትኣምነሉ ካብ ዘይደለኻን ግን ድሕሪ ባይታኻን ዓድኻን ከይገለጽካ ኣብ ደቀምሓረ ዓብየ፡ ኣብ ኣስመራ ተማሂረ፡ ኣብ ኣገልግሎት ተኻፊለ፡ ሳዋ ወሪደ፡ ምስክር ወረቐት ተቐቢለ፡ ኢልካ ጥራሕ አርትራዊ መንነትካ ክረጋገጽን ህዝቢ ክኣምነካን ዝኽእል ኣይመስለንን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግብሪ እምበር ኣብ ዓሌትነት ዝኣምን ህዝቢ እይኮነን። ካብ መሰረቱ እውን ኣምሓራይ ኩን ትግራዋይ ብኤረትራውነትካ ኣሚንካ ምእንቲ ኤርትራ ጥራሕ እንተትቃለስን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮትን ክብረትን ጥራሕ እንተተርኢን ከኣ ድሕሪ ባይታኻ ምምርማርን መንነትካ ምጽራይን ኣይምተበጽሔን። እቲ ብዛዕባኻ ዝዝረብን ካብ ናይ ቃልሲ ተመክሮኻ ዝተዋህለለ ዘይኤርትራዊ መንፈስን ግን ንጕዕዞና ከይሃሲ ኣብዚ ክጠቕሶ ኣይደለኹን።
ኤርትራ ከኣ እቶም ኣጆኻ ዝብሉኻ ዘለዉ ኣብ ፓልቶክን ፈይስ ቡክን ክጽሕፉን ክጭድሩን ዝውዕሉን ዝሓድሩን ጥራሕ ዘይኮነት ፡ ብዙሓት ንረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ብልቢ ዝቃለሱን ዝዕወቱሉ ኣጋጣሚ ክሳብ ዝርከብ ስቕ ኢሎም ስራሖምን ቃልሶምን ጥራሕ ዘካይዱ ጀጋኑ ውላድ ከም ዘለዉዋ ክትርዳእ ይግባእ።
ብዛዕባቲ ቀኒኦምለይ ገለ ትብሎ ግን ኣየናይ ሽመት ስለዝረኸብካ’ዮም ክቐንኡልካ? ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ሎሚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝተቐልቀልካ? ኣይመስለንን። እቲ ግሉጽነት ዘይብሉ መንነትካ ሓቢእካ ክብጻሕ ዝድለ ናይ ስልጣን ሃነፍነፍ ዝመስል ግን ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ዝኣክል ተመክሮ ረኺቡ ተማሂሩሉ እዩ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ሓቂ ኢዩ ተባሂሉ ዝቐረበ ጭብጢ እምበኣር ከምዚ ኢዩ፦
ቅድሚ ሎሚ ኣቡኡ ኢትዮጵያዊ ምዃኖም ብዕሊ ከም ዝተሓበረና ዝፍለጥ እዩ። ሎሚ ከኣ እቲ ናይ ኣቡኡ ኢትዮጵያውነት ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣዲኡ ግን ጓሎም ንኣቶ ረዘነ መኮንን ብዓል ሕምብርቲ ሓማሴን ምዃነን ተረጋጊጹልና ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ እውን ቀረባ ጓል ሓወቡኡ ንኣምባሳደር ተስፋሚካኤ ገራህቱ ምዃነን እውን ተወሳኺ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ብሓጺሩ ዶር. ረዘነ ዝጽዋዕ በቶም ቀንዲ ወላዲኡ ዘይኮነ በብሓጎኡ በቦኣዲኡ ብኣቶ ረዘነ መኮንን ብዓል ሕምብርቲ ሓማሴን ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ንህዝቢ ገሪሙዎ ዘሎ ግን ስለምንታይ መንነቱ ክሓብእ ይጽዕር ምህላዉ ጥራሕ እዩ።
* ምንጪ ጽሑፍን ሓበሬታን meskerem.net ክኸውን ከሎ፡ ተስፋኒውስ.ኔት ሓቅነት ናይቲ ጭብጢ ይኹን ነቲ ክሲ ብዝምልከት ብመሰረቱ ዝኾነ መረጋገጺ ከምዘይብላን፡ እንተኾነ፡ ምእንቲ ህዝቢ በቲ ጉዳይ ክመያየጠሉ ግና ነቲ ኣብዝተፈላለየ ክፋል ዝወጸ ጽሑፋት ኣብ ሓደ ጠርኒፍና ንቕርቦ ከምዘሎና ጥራሕ ክንሕብር ንፈቱ።