
ብ ተስፋማርያም ሓጎስ፡
ሓደ ግዜ ኣባጊዕ ብሰላም ኣብ ዝነብርሉ ተዃሉ ሞዅ ኣበልዎም ። እዚ ሽግር እዚ እናበኣሰ ምስ ከደ ኣባጊዕ ካብ ተዃሉ ዝከላኸልሎም ኣኽላባት ከምጽኡ ተገደዱ። ኣኽላባት ምስ ኣምጽኡ ሰላሞም ረኺቦም ብተዃሉ ትጠፍእ ትንፋስ ከኣ ኣይነበረትን። ብኣንጻሩ ተዃሉ ዝህደን ስኢኖም ብጥምየት ተላሕሱ። ወዮም ኣኽላባት ንተዃሉ ምቕራብ ከልእዎም ። ተዃሉ ሓደ ነገር ክምህዙ ናይ ግድን ኮነ እሞ ንኣባጊዕ ሽማገለ ልኢኾም ፤ ኣንቱም ኣባጊዕ ኣሕዋትና ንሕናን ንስኹምን ክሳብ መዓስ ኢና ተጻሊእና ክንነብር ሎምስ ኣይፋልኩም ዕርቂ ንግበር በልዎም። ወዮም ኣባጊዕ ከኣ ጽቡቕ ካብ ዕርቅን ሰላምን ዝሓይሽ ስለ ዘየለ ሕራይ ግን ብኸመይ ክብሉ ሓተትዎም። ወዮም ተዃሉ እዚ ኩሉ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ባእስን ጽልእን ቅርሕንትን ዝፈጥሩ ዘለዉ እዞም ምሳኹም ዘለዉ ኣኽላባት ስለ ዝኾኑ ፡ እንተ ደኣ ነዞም ኣኽላባት ሰጒኩምዎም ብዘይ ገለ ሽግር ሰላም ክንፈጥር ንኽእል ኢና በልዎም። ወዮ ዓያሹ ኣባጊዕ ሕራይ ኢሎም ነቶም ኣኽላባት ካብ ሎሚ ንንየው ኣይተድልዩናን ኢኹም ብምባል ሰጐጉዎም ። ወዮም ኣኽላባት ምስ ከዱ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ተዃሉ ነቶም ኣባጊዕ ሓደ ብሓደ ልሕስ ኣበልዎም።
ኤውሮጳውያን ባሕረኛታት ዳህሳስ ኣብ ውቅያኖሳት ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ንኣሜሪካን ( ሰሜንን ደቡብን ) ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ደሴታትን ረኸቡ ። ንሳቶም ኣብዘን ኣህጉርን ደሴታትን እግሮም ከንብሩ ምስ ጀመሩ ምስቶም ደቀባት ሓያል ተቓውሞ ገጠሞም ። እንተኾነ ኣብቲ እዋን እቲ ተተኳሲ ብረት ምሂዞም ብምንባሮም ኣብ ልዕሊ እቶም ብጀካ ኲናትን ጭማራን ካልእ ዘይነበሮም ደቀባት እዚ ኢልካ ክግለጽ ዘይክእል ኣስካሕካሒ ህልቂት ፈጺሞም ነቲ መሬት ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ከእትውዎ ከኣሉ።
ንሳቶም መጀመርያ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም እዮም መጺኦም ። እቶም ደቀባት ከኣ ኣብ መሬቶም ዋናታት ኮይኖም ድሒሩ ግን እቶም ወረርቲ ጸዓዱ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ደቀባት ሂቦም ባዕላቶም ወነንቲ መሬት ኮይኖም። ደቀባት መሬቶም ስኢኖም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ተረፉ ።
ንኣፍሪቃውን ብተመሳሳሊ ከም ስጋ ጉዚ ተመቓቐልዋ ። ነዚ ክዉን ንምግባር ድማ እቲ ብ1885 ኣብ ከተማ በርሊን ጀርመን ዝተጋብአ ቅድድም ንምምቕቓል ኣፍሪቃ ( Scramble for Africa ) ዋዕላ ተጋብአ ። ንሳቶም ነቲ ዝሓዝዎ ቦታታት ነቶም ደቀባት ውሑዳት ኣገልገልቲ ዝኾንዎም ኣትሪፎም ነቲ ዝተረፈ ብዝተፈላለየ ሜላታታት ኣጽኒትካ ናቶም ኣገልጋሊ ንምግባር እዩ ንዓመታት ውን ሰሪሖሙሉ ።
እንተኾነ ሃብቲ እንዳማቶም ክዘምቱ ጎነፍነፍ ክብሉ ነንሓድሕዶም ብምውጋእ እቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተወልዐ፡ በዚ ድማ ኤውሮጳ ዓንያ ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይራ ። ድሕርዚ ንኣፍሪቃ ጨቊኖም ክሕዝሉ ዘኽእል ሓይሊ ስለ ዘይነበሮም ነጻ ክለቅወን ተገዲዶም ። ነጻ ክለቅወን ከለዉ ግን እቲ ብገፊሕ ኣፍደገ ኣቲኻ ዝዝመት ዝነበረ ሃብቲ ኣፍሪቃ ስለ ዘይከኣል ብመስኮት ኢዶም ዘርጊሖም ከመሓድርሉን ክዘምትሉን ዝኽእሉ መንገዲ ምሂዞም ኣገልገልቶም ዝነበሩ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣቢሎም ንዓዶም ተመልሱ ። ኣብ ዓዶም ኮፍ ኢሎም ከኣ ብናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ መግዛእቶም ቀጸሉ ።
ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ኣብ ኣፍሪቃ ጀጋኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ቅልቅል ኣብ ዝብልሉ ግዜ ፡ ተቐላጢፎም ግዜ ከይወሰዱ ናይ ምቕንጻል ስራሕ የካይዱ ኔሮም ። ከም ኣብነት በዓል ፓትሪክ ሉሙምባ ናይ ኮንጎ ፡ በዓል ኣሚልካር ካብራል ናይ ኬፕቬርደ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል።
ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ኣሜሪካ በይና ናይ ዓለምና ሓያል ኣብ ዘላትሉ እዋን ንዓለም ባሕርታታን መሬታን ውቅያኖሳታን ኣብአን ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታትን በይና ምስተን ሰዓብታ ኮይና ክትብሕቶን ክትምዝምዞን እያ እትደሊ ። ስለ ዝኾነ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንረብሓ ኣሜሪካን ሰዓብታን ቀዳምነት ክትህብ ፡ ብኣሜሪካን ሰዓብታን ብዝህብኦ መምርሒ ተቐይዳ ክትከይድ ፡ ንረብሓ ህዝባ ጎስያ ንረብሕአን እተገልግል ክትከውን ኣለዋ ። ሓንቲ ሃገር ነዚ እትቃወም እንተ ኮይና ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ መምርሒ ተሞርኲሳ ሃገራ ትሃንጽን ተማዕብልን እንተ ደኣ ኮይና ንኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን እሾኽ ኣብ ዓይኒ እያ። ነዛ ሃገር እዚኣ ናይ መጸለሚ ቃላትን ሓረጋትን ጠቂዕካ ከተጥፍኣ ኣለካ ዝብል መምርሒ እዩ ዘለወን ።
እዘን መጸለሚ ቃላት ሓረጋትን ድማ (1) ዲክታቶር (2) ስርዓት ምቕያር ( Regime Change ) ዝብላ እየን ። እዘን ታቤላታት እዚኤን ምስ ጠቅዕሉ ድሕሪኡ ዝስዕብ እገዳ እዩ ። ድሕሪ እገዳ ዝመጽእ ከኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ ።
ነዚ እከይ ተግባር እዚ ንምስላጥ ዝመሽመሹን ሕብረተሰቦም ፎእ ኢሉ ዝጎሓፎም ዕሱባት ወይጦታት ኣኻኺቦም ብረት ብምሃብ ኣንጻር ህዝቦም ከም ዝቃለሱ ይገብርዎም ። ብእኦም ኣሳቢቦም ድማ ባዕላቶም ነታ ሃገር የዕንዉዋ ከም ዘይነበረት ይገብርዋ። ብድሕርዚ ዓጋቲ ዘይብሎም ኣብታ ሃገር ኣብ ከርሲ መሬታን ከርሲ ባሕራን ዘሎ ሃብቲ ግሒጦም ንዓዶም የግዕዝዎ ።
ኣብ ሃገርና ምልስ ክንብል ፤ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ኲናት ሃልይዎ ኣይኮነን ንሰላሳ ዓመታት መመላእታ ዝተቓለሰን ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለን ፡ እንታይ ደኣ ነጻነቱ ብኣሜሪካ ተነፊጉ ብዘይ ድሌቱ ምስ ኢትዮጵያ ክቝረን ስለ ዝተገብረ እዩ። ጀጋኑና ምእንቲ ነጻነት ሃገሮም ይቃለሱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንምጥፍኦም ተባሂሉ ዝተጠቅዓሎም ታቤላ ወንበዴ ዝብል እዩ ኔሩ ። በዚ ከኣ ኣሜሪካ ድሒራ ሕብረት ሶቭየት ንምጥፋእና ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋርን ክኢላታት ውግእን ንኢትዮጵያ እናሃቡ ንምጥፋእና ጽዒሮም ፡ እንተኾነ ኣጥፋእናዮም ደኣምበር ኣይጠፋእናን ። ድሕሪ ነጻነትና ውን እንተኾነ እቲ ንዓና ናይ ምጥፋእ ዕላምኦም ገና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ ።
ደምና ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር ደምና ከፊልና ከም እንዕቅባ ክፈልጡ ኣለዎም !
እቲ ንሕና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ሓይሊ ወይ ሃገር ጽግዕተኛ ኣይንከውንን ኢና ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና መትከል ተመሪሕና ንዘለና ባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ረብሓ ህዝብና ከነውዕሎ ኢና ፡ ዝብል ኣብ ርእስኻ ምኽኣል ዝብል መርገጺና ኣይተዋሕጠሎምን ። ብኸምዚ ምስ እንኸይድ ኣብ ሓጺር እዋን ከም እንምዕብልን ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ናይ ጽቡቕ ኣብነት ከም እንኸውንን ስለ ዝፈለጡ ንዓና ንምጥፋእ ኮነ ኢሎም ተተሓሓዝዎ ።
እታ ነጻነት ዘዕተረት ክልተ ዝብልሓ ሴፍና ገና ኣብ ኢድና እያ ዘላ ! ወይለኡ ትኒዕ ዝብለና !
ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ ኣብ መንጎ ስግርፍኦ ምሉእ ኣራንሺ ሓንቲ ዝመሽመሸት እንተ ደኣ ሃልያ ኣውጽኣያ እንተዘይኮነ እቲ ስግርፍኦ ምሉእ ኣራንሺ ክምሽምሽ እዩ ይብሉ ። እታ ምስ ዕላምኦም ዘይትቃዶ ኤርትራ ከምታ ኣብ መንጎ ስግርፍኦ ምሉእ ኣራንሺ ዘላ ዝመሽመሸት ስለ ዝቖጸርዋ ክትጠፍእ ኣለዋ።
ከልቢ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ስጋ እምበር ኣብ ልዕሊኡ ዘላ ዱላ ኣይርእን እዩ ። ስለዚ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ ጅግና ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፡ ዲክታተር ዝብል ስም ኣጠሚቕካ ንምጥፍኡ ። ብምንታይ መዐቀኒ እዩ ወዲ ኣፎም ዲክታተር ? ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ክሳብ ሎሚ ብህዝቡ ዝፍቶ ፡ ለይትን ቀትርን ካብ ሓፋሽ ህዝቡ ዘይፍለ ህይወቱ ዕድሚኡ ምሉእ ንህዝቡ ዝወፈየ ፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብኽብሪ ዝተቐመጠ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ ። ወዲ ኣፎም ኣበይ እዩ መውዓሊኡ ? መውዓሊኡ ኣብ ዲጋታት ዝስርሓሉ ፡ ኣብ ሕርሻ ልምዓት ዝካየደሉ ኣብ መንጎ ሓፋሽ ህዝቡ ምስ ህዝቡ ሓመድን ዶሮናን ጸሓይን ቍርን ክቕበል እዩ ዝውዕል ። ወዲ ኣፎም ኣብቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዘለዎ ቦታ ኢሂን ምሂን ክበሃሃልን ክመያየጥን እዩ ዝውዕል ። ከምዚ ዓይነት መራሒ ኣበየናይ ሃገር ርኢና ወይ ሰሚዕና ንፈልጥ ?እሞኸደኣ እዛ ዲክታተር እትብል ስም ንወዲ ኣፎም ዘይኮነስ ንዕኦም እያ እትበቅዕ ።
ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ !
ስርዓት ምቕያር ( Regime Change ) መንግስቲ ኤርትራ ( ህ.ግ. ) እቲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ሓያል ሃገር ዘይምብርከኽ ብናይ ገዛእ ርእሱ መትከል ዝጎዓዝ በይኑ ካብ ኣፍሪቃ እዩ ። መትከል ህ.ግ. ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝሰረተ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ዝኣምን ንሰብ ፍሉይ ረብሓ ዘይምብርከኽ ሕላገት ኣቦ ሓጎታትና ክብሪ ኣቦሓጎታትና ዝዓቀበ በይኑ ካብ ምሉኣት ሃገራት ኣፍሪቃ እዩ ። ርእሰ ማሉ ሓፋሽ ህዝቡ ብማንም ዘይንቕነቕ መንግስቲ እዩ ።
ንመትከል ህ.ግ. ዝዳረግ ኮነ ዝንቕንቕ ሓይሊ ይኹን መንግስቲ ክሳብ ሎሚ ኣይተራእየን ። እዚ ካብ 1970 ምስ ምውላድ ህዝባዊ ሓይልታት ዝሰረተ መትከል እዚ እቶም ርእሰ ሓያላን ኢና በሃልቲ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ ንምጥፍኡ ይቃለሱ ኔሮም እዮም ። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ናይ ዓለም ጋዜጠኛታት ኣብ ሜዳ ኣትዮም ዘረጋገጽዎን ብዙሕ ዝጸሓፍሉን መትከል እዩ። መትከልና እኮ እዩ ብናይ ሰላሳ ዓመታት ውግእ ዓንያን ትሕቲ መሬት ኣትያ ዝነበረት ሃገር ኣብ ሸውዓተ ዘይመልኣ ናይ ናጽነት ዓመታት ካብቲ ደልሃመት መሰስ ኣቢሉ ብምውጻኣ ኣብ መስተንክር ቍጠባዊ ዕብየት መሰስ ዝበለ እዩ ።
እወ መንግስቲ ኤርትራ ኣብነት ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ርእሰ ምርኮሳን ንሃገራት ኣፍሪቃ እዩ ። እዚ ከኣ እዩ ንኣሜሪካን ሰዓብታን ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከይምህረለን እሞ ናይ ምምዝማዝ ሸውሃተን ተዓጽዩ ጉም ከይብላ ዓቢ ስጋኣት ፈጢሩለን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምጥፋእ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝጽዕሩ ዘለዉ ። ካብዚ ተበጊሶም ስርዓት ምቕያር ከም መስርሒ ከገልግሉና ይኽእሉ እዮም ዝበልዎም ናይ ታሪኽ ሓተላ ወይጦታት ዓሲቦም ኣብ ወጻኢ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣጥፍኡልና ዘይ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ እዩ ፡ ዲክታተር እዩ እናበሉ ዓንገረር ይብሉ ኣለዉ ።
መትከል ዝዓተረ ኣይስሕትን ሽቶኡ ንዝመጽእ ጎነጽ የትሕዞ ጉዕዞኡ !
እቲ ዝገርም ዲሞክራሲ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ኣፍሪቃን በበይኑ እዩ ። እቲ ናብ ኣፍሪቃ ክኸውን ኣለዎ ዝብልዎ ዲሞክራሲ ፡ ዲሞክራሲ ዘይኮነስ ብናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ እትቆጻጸሮ መፈንጠራ እዩ ። ንኣንጭዋ ብመፈንጠራ ክትሕዛ እንተ ኮይንካ ኣብታ መፈንጠራ ስጋ ወይ ፎርማጆ ክትገብረላ ኣለካ ፡ እዚ ናብ ኣፍሪቃ ዝሰድዎ ዲሞክራሲ ከኣ ልክዕ ከምኡ እዩ። ወይጦታት ደቂ ሃገር ግን ነዚ ብዘይምርዳእ ከም ፓፓጋሎ ትርጉሙን መልእኽቱን ዘይፈልጥዎ ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ ክብሉ ይውዕሉ ኣለዉ ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣብ ናቶም መጻወድያ ክኣቱ ኢልካ ዘይሕለም እዩ ። ናይ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ማለት እኮ እቲ ትማል ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩርን ፈታንን ግዜ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝወጸ ፡ ንሽሾ ሰራዊት ጸላኢ ምስ ዓንገልቱ ክልተ ርእሰ ሓያላንን ሰዓብቶምን ዓጠምጠም ኣቢሉ ነጻነቱ ዝተጎናጸፈ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ሎሚ ውን መንግስቲ ምስ ኮነ ካብቲ ናይ ዘመነ ቃልሲ ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ናይ ርእሰ ሓያላንን ዕሱባቶምን ዝገጥምዎ ብድሆታት ብሚእቲ ግዜ ጥራይ ዘይኮኑስ ብሽሕ ግዜ ዝተዓጻጸፉ እዮም ፡ ግናኸ ብዝተዓጻጸፈ ጽንዓትን ጅግንነትን ከኣ ዓጠምጠም የብሎም ኣሎ ።
ኣብ ግዜ ሰውራ ካብ ዝተዜሙ ፡
ኣንጻርና ሰሚሮም ናይ ጸላእቲ ወገን
ኩሎም ተጻባእቲ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን
ንጥፍኣትና ተበራርዮም ሓያላት ናይ ዓለም
ዓንዲ ጽንዓትና ግን ዝንቕነቖ የለን።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!