ካብ እከይ ተግባሮም ዘይቍጠቡ ወይጦታት ደቂ ሃገር

News Opinions ትግርኛ
Eritrea opposition rally
እዚኦም ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት እከይ ተግባራቶም ክቕጽሉ ዘተባብዖም ብመጀመርያ ናትና ናይቶም ኣብ ጥቕኦም ዘለና ሃገራውያን ድኽመት እዩ ። 

ተስፋማርያም ሓጎስ

ሑፈይ ኣይረሳዕናዮን ኢለ ክጅምር ፤ ዝበደለ እንተ ረሰዐ ዝተበደለ ነይርስዕ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ብሓያላን ዝተመንዝዓቶ ነጻነቱ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽረኽባ ጽዒሩ ምዃን ምስ ኣበዮ ደሙ ኵዕዩ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ ከምጽኣ ተገዲዱ ፡ ከፊሉ ድማ ኣምጺእዋ ። ህዝቢ ኤርትራ መንእሰያት ደቁ ሃገር ንምምጻእ በረኻ ምስ ወፈሩ ንመስዋእቲ ምዃኖም ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ብምንባሩ ወድኻ/ጓልካ ተሰዊኡ/ተሰዊኣ ምስ በልዎ ዕልል ዓወት ንሓፋሽ እዩ ዝበለ እምበር ድግድጊት ተዓጢቑ ወደየ ጓለየ ኣይበለን ።

እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ታተ ዝብል ህጻን ክሳብ ብምርኩስ ዝኸይድ ሽማግለ ንሃገሩ ዝውፈን ንመስዋእቲ ድሕር ዘይብልን ህዝቢ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት እቲ ጉዕዞ ልሙጽ ኣይነበረን፡ እቲ ጥምጥም ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታትን ዓንገልቶምን ጥራይ ኣይነበረን። እቲ ዝኸፍአን ዝመረረን ኣንጻር መድሓርሓርትን ከዳዓትን ደቂ ሃገር እዩ ኔሩ። እዚ እቲ ንቓልስን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ክናዋሕ ካብ ዝገበሩ ጠንቅታት እቲ ዝዓበየ እዩ ኔሩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። 

ኣብ ሜዳ ኤርትራ እቲ ዝመረረን ንህዝቢ ዘጕሃዮን ዘቕሓሮን ውግእ ሕድሕድ እዩ ። እቲምንታይሲ ጸላኢ ኣብ ቅድሜና ንምጥፋእና ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋርን ሽሾ ሰራዊትን ሒዙ እናተሃንደደ እንከሎ ነንሓድሕድና ክንቃተል ረብሓ ጸላኢ ብምዃኑ። እዚ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ሓድሕዳዊ ምትህርራም መወዳእትኡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እቲ ሓደ ካብ ሜዳ ኤርትራ ተሓግሒጉ ከም ዝወጽእ ተጌሩ።

እቲ ሜዳ ኤርትራ ገዲፉ ንሱዳን ዝኣተወ ውድብ ብሰንኪ ዝነበረ ድሑር መሪሕነትን ሰዓብቶምን እንተዘይ ኮይኑ ፡ እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ንቃልሲ ንሜዳ ዝወጸ ንረብሓ ዘይኮነስ ህይወቱ ከፊሉ ሃገር ነጻ ንምውጻእ ብምንባሩ ገሊኦም ንሜዳ ክምለሱ እንከለዉ እቶም ዘይተመልሱ ከኣ ኣብቲ ዝኣተዉዎ ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ንሰውርኦም ንምሕብሓብ ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ጌሮምም።

ገለ ምሽሙሻት ኣቐበልቲ ማይን ተሰከምቲ ናውቲ ቡንን ዝነበሩን ረብሕኦም ዝጎዶሎም ከዳዓትን ግን ኣብ ስደት ህይወቶም ምሉእ ኣንጻር ውድብ ህ.ግ. ድሕሪ ነጻነት ውን ኣንጻር ነጻነት ኣብ ምቅላስ ኣሕሊፎሞን የሕልፉን ኣለዉ ።

ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሃገር ነጻ ምስ ኣውጸአ ኣይኮነንዶ ንኸዳዓት ደቂ ሃገርሲ ይትረፍ ነቶም ዝተማረኹ ወተሃደራት ጸላኢ ውን ከይተረፈ ምሕረት ጌሩ ንዓዶም ኣፋንይዎም እዩ ። ህ.ግ. ነቶም ከዳዓት ደቂ ሃገር ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ፡ ብሕጂ ንህዝብኹም ብሰናይ ተግባር ክሓሱ እዩ ዝበለ ። ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ ከም ዝበሃል እዞም ከዳዓት ንህዝብና ክኽሕስዎ ዘይኮነስ ብውሽጢ ውሽጢ ምስ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ንጥፍኣቱ እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።

እዞም ከዳዓት ወያነ ንኤርትራ ንምውሓጥ ወራር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ኣብ ደገ ኣብ ትሕቲ ጥላም ሳእኒ ወያነ ተምበርከኹ ። ሕሉፍ ሓሊፎም መቐለ ጎንደር ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ ክብሉ ጀመሩ።ኣንቱም ከዳዓት ናይ እንግድዓ ቍስሊ ነቲ ዝሓለፈ እከይ ተግባራትኩም መዓስ ረሲዕናዮ ! ሎሚ ውን ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝተባህለ ፡ ቀዳማይ ጸላኢ መታን ክንኣሊ ክሓዊ ኣለዎ ናይ እንግድዓና ቍስሊ ዝተባህለ ሎሚ ውን ተጻብኦ ኩሎም ጸላእትና መታን ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንኣሊ ክጠፍኡ ኣለዎም ከዳዓት ደቂ ሃገር ናይ እንግድዓ ቍስሊ ።

ወራሪ ሰራዊት ወያነ ብሓዊ ጀጋኑና ተሎቝሚጾም ዕላምኦም ፈሺሉ ምስ ተሳዕሩ ፡ እታ ጭፍራ ገና ካብ ጌጋኣ ኣይተማህረትን ነቲ እከይ ተግባራታ ከኣ ገና ትቕጽሎ ኣላ ። እዞም ከዳዓት ደቂ ሃገር ከኣ ነቲ ዕላማን ባህግን ወያነ ንምዕዋት ብዝተፈላለየ መንገድታት ይሰርሑ ኣለዉ ። ወይለኹም ከዳዓት ደቂ ሃገር ነጻነት ኤርትራ ንምጥፋእ ትቃለሱ ዘለኹም !

እዞም ዕሱባት እቲ መርማሪ ኮሚሽን ዝበሃል ንመንግስቲ ኤርትራ ንምክፋእ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኣብ ዝንቀሳቐሰለን ሃገራት እቶም ቀንዲ ተዋሳእትን ወሃብቲ ናይ ሓሶት ጸለመን እዞም ወይጦታት እዮም ። እዚ እከይ ተግባራቶም ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብዕልን ብጋህድን ንመንግስቲ ኤርትራን ንሓይልታት ምክልኻሉን ከጸልሙ ይውዕሉ ኣለዉ ። እንታይ ዓይነት ጸለመ ?

(1) ዑቕባ ንዝሓታ ደቀንስትዮ ብሓለፍቲ መንግስቲ ይዕመጻ ከም ዝነበራ
(2) ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ግዱድ ዕስክርናን ነጻ ጉልበትን
(3) ንልዕሊ ዕድመ ግዱድ ዕስክርናን ነጻ ጉልበትን ማእሰርትን መግረፍትን ስቓይን ዝብል ገለ ካብ ብዙሓት እዮም ።

ጸለመ ኣበይ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ንኸውን፡ እቲ መልሱ ኣብ ኣብያተ ፍርድን፡ ኣብያተ ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ካልኦት መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን እዮም።

እዞም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ክሳብ ሎሚ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ምክፋኣ ጸለመ እናፈሸሎም ምስ ከደ ሎሚ ከኣ ሓድሽ ግን ስጉምቲ ከይከደ ዝፈሽል ጸለመ የካይዱ ኣለዉ። እዚ ጸለመ እዚ ድማ ኣብ ኣውራጃውን ቀቢላውን ዝተመስረት ኮይኑ፡ እቲ ዝብልዎ
ኣብ ስልጣን ዘለዉ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ እዮም ፡ እዞም ዝስደዱ ዘለዉ መብዝሕትኦም ደቂ እተን ካልኦት ኣውራጃታት ብምዃኖም ስቓይን መከራን መግረፍትን ከም ዝወርዶም ይዛረቡ ።

እዞም ኣብቲ ሰራዊት ሓላፍነት ዘለዎምን ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት መግረፍትን ስቓይን ዘውርዱ ዘለዉን መብዝሕትኦም ደቂ ሓደ ኣውራጃ እዮም እናበሉ ጸለመኦምን ሓሶቶምን ክዝርግሑ ይርከቡ። ነዞም ክንደይ ሽግርን መከራን ሓሊፎም ምድሪ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዝነበሩ ፡ ካብ ኣውራጃውን ወገናውነትን ተበጊሶም ፡ እዚኣቶም ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩን ሓላፍነት ዝነበሮምን ንሰራዊት ዝቕጥቅጡን ዘሳቕዩን ዝነበሩ እዮም እናበሉ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክንጸግን ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንኽዳጎኑን ብገበን ክሕተቱን ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከቡ ኣለዉ ።

እዚ ከይኣክል ነቶም ኣጋይሽ ኮሓልቲ ተመሲለን ኣንቆርቲ ከም ዝበሃል ሓለይትን ተርጎምትን ተመሲሎም ነቲ ህዝቢ ብኣውራጃ እናገማምዑ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ንኸምርሑን ነቲ እከይ ተግባራቶም መማልእቲ ክኾንዎም ክጓየዩ ይውዕሉ ኣለዉ ። እዚ እከይ ተግባራቶም ንመራጎዲ ናይቶም መርማሪት ኮምሽንን ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕትን እዩ ።

እዚኦም ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት እከይ ተግባራቶም ክቕጽሉ ዘተባብዖም ብመጀመርያ ናትና ናይቶም ኣብ ጥቕኦም ዘለና ሃገረይ በሃልቲ ድኽመት እዩ ። ንምንታይ ንደክም? ንምንታይከ ነዞም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ክሳብ ክንድዚ ክሻድኑ ዕድል ንህብ ! ኣሕዋትን ኣሓትን ጀጋኑና ንግዳማውያን ይኹኑ ንውሽጣውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ፈሪሖምን ተምበርኪኾምን ኣይፈልጡን ፡ ንኹሎም ብሓደ ስዒሮም እዮም ሃገር ኣምጺኦም ።

ንሕና ውን እኮ ነዞም ከዳዓት ክሳብ ክንድዚ ዕድል ክንህብ እንከሎና የሕትተና እዩ ! ንሕና ኣምባሳደራት ናይ ሃገርና ኢና ክንብል እንተ ደኣ ኮይንና ኣብ ግብሪ ከነመስክር ኣለና ! ከዳዓት ከም ብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ከሽካዕልሉ እንተኽኢሎም ንሕና ሞይትና ኣለና ማለት እዩ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዓው ኢሎም ኣንጻር ህ.ግ. ክዛረቡስ ይትረፍ ኣብ ቅድሜና ብትሕቲ መልሓሶም ውን ይዛረቡ ኣይነበሩን ፡፡ ሎሚ ደኣ መሓልፎ ኣብ ነጻን ሕብንትን ኵርዕትን ኤርትራ ኣብ ቅድሜና ኣፎም መሊኦም ኣንጻር መንግስትናን ህዝብናን ዝዛረቡ ፡ እንታይ ስለ ዝኾንና እዩ? ጸላእትናን ዓንገልቶምን ዘየፍርሑና እዞም ረጊጾም ኮማደረ ዘየንትዑ ወይጦታት ብኸመይ ኣብ ቅድሜና ኣፎም ከፊቶም ኣንጻርና ይዛረቡ?

ኣይፋልናን ግዜ ክወሃቦ ንዘይብሉ ጉዳይ ግዜ ኣይንሃቦ !  ጽባሕ ዝውሕጠና ሓይሊ ወይ ውን ንመጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ወይጦታት ኣብ ቅድሜና ክዓብዩ ኮፍ ኢልና ኣይንርኣዮም ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!