ዝብእ`ሲ ስጋ ኣሎ እንተበሉዎ፡ ኣበይ ከይበለ ጐየየ!

News ትግርኛ
መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣብ ግዜ ዕርበቶም ኤርትራ እንዳበሉ ዝዓርቡ፡ ተካል ዕምሪ ሃይለማሪያም ደሳል እውን ዝኣኸለት ትመስል ዓፈርፈር ትጀማምሮ ኣላ። እንተ ናይዞም ናትና ዕደታት`ሞ
መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣብ ግዜ እርበቶም ኤርትራራራራራ እንዳበሉ ከምዝሞቱን፡ ዝሓደሙን፡ ተካል ዕምሪ ሃይለማሪያም ደሳለ`ውን ኣኺላ`ያ መስለኒ ዓፈርፈር የጀማምሮ ኣሎ። እንተ ናይዞም ናትና ዕደታት`ሞ ?

መትከል ኣስመሮም

ኣብዚ ቅነ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዘሎ ውጡር ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኵነታት ተሓኒቑ፡ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ዝርከብ፤ ንማለቱ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ግን ብወያነ ዝዝወር ሃይለማርያም ደሳለኝ፥ ካብቲ መፈንጠራ ያኢ መውጽኢ እንተኾኖ ኢሉ ብዘይሕፍረት፤ “መንግስቲ ኤርትራ ክንኣልዮ ኢና!” ኪብል ብብድዐ ፈኪሩ’ሎ።

ኵሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝሞቱን ዝሃደሙን መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ውድቀቶም ዝብልዎ ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣመሎም’ዩ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕፍርን ንዳግማይ 40ታት ዘዘኻኽርን ግን፡ እቶም ኤርትራውያን ክነሶም መንነቶም ክሒዶም ወየንቲ ኪኾኑ ዝፍትኑ ከዳዓት መልመጽቲ ትፋኦም ዝገብርዎ’ዩ። 

ዝብእስ ስጋ ኣሎ እንተበሉዎ፡ ኣበይ ከይበለ ጐየየ ከም ዝበሃል ድማ፤ ስርዓት ወያኒ ያኢ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣልዩ ኣብ ኰረሻ ስልጣን ከቐምጦም እናተመነዩ ከንባሃቑን፡ ከይሓነኹ ባንዴራ ወያነ ከንበልብሉን ይረኣዩ’ለዉ።

ሃይለማርያም እንተዓፈረስ ካብ ዓቕሊ ጽበት፤ ምናልባት’ውን ከምቲ ዘወርቱ ዚገብርዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ኣካይዱ፥ ተሰልቢጡ ኤርትራ ወሪራትኒ ኢሉ ብምጥቃን ሓገዝ ጐይተቱ እንተረኸበ ኢሉ ይኸውን። እቲ ዘይተሰቆሮ ግን፡ ከምቲ ንኤርትራ ከንበርክኹ ፈቲኖም፡ ሃይለስላሴን መለስን ናብ መቓብሮም፡ መንግስቱ ብህድማ ናብ ስደቱ ዝተቐሰቡ፡ ንዕኡ’ውን እቲ ፈተነ ብርግጽ ናብ ጥፍኣቱ ወይ ስደቱ ከገድዶ ምዃኑ’ዩ። ከመይሲ እከይ ውዲቱ ንባዕሉ ኪውሕጦ’ምበር፡ ከም ባህጉ ንመንግስቲ ኤርትራ ኪኣሊ ዘይሕሰብ’ዩ።

እቶም ናትና ዕደታት ደኣሞ እንታይ’ዩ ዕላምኦም? ሕልና እንተልዩዎም’ከ ቍሩብ ርግእ ኢሎም ንሕልናኦም ዘይሓቱ። እቲ መቓብር ስዉኣትና ፍሒሩ ሰናዱቖም ዚዘምት ስርዓት ወያነስ፡ ኣይሰልጦን’ምበር ዋላ እንተዝሰልጦ’ኸ ተቐዳዲሙ ንዕኦም ከየጽነተ ምደቀሰ’ዶ? ዘጊት ነዚ ዘይፈልጡዎ እንተዀይኖም ብርግጽ ደቂሶም ኣለዉ። እናፈለጡ እንተኾኖም ከኣ፡ ድሓን ኣብኣ ትደዮም። ሃይለማርያም ግን፡ ከምቲ ጀነራል ጻድቃን ናይ ወያነ፡ ድሕሪ ፍጹም ፍሽለትን ህልቂት ሰራዊትን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ወራር፡ ንሰራዊቱ ኣኪቡ፡ ”ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሽለትን ህልቂትን ኣብ ሂወተይ ርእየ ኣይፈልጥን!” እናበለ ብቕሉዕ ዘልቀሰ፤ ንሱውን ብግዲኡ ታሪኽ ኣግላይ ብምድጋም ንጭቁናት ኢትዮጵያውያን ኣህሊቑ እናልቀሰ ኪሃድም’ዩ። እቲ ምርጫ ንዕኡን ነቶም በል ዝብልዎን ዝምልከት ኰይኑ፤ ውጽኢቱ ግን ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ፍጹም ከምእትበታተን፡ ዕጥቃዊ ቃልስታት ጭቁናት ኣህዛብ ኢትዮጵያ ንዝፈልጥ ዝዀነ ሰብ፡ ምግማቱ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኰነን።

ምናልባት ጌጋ ቅማረታት ኣጋግይዎም ከይህሉ ግን፡ ኣህዛብ ከየህለቑ ዳግማይ ይሕሰቡሉ። ግድን እንተበሉ ግን፡ እቶም ግብሪ’ምበር ፈኸራ ዘይናቶም ደቂ ሓራስ ነብሪ ኤርትራውያን፡ ኣኣዳዎም ማይ ኣይዓሞኻን። እዛ ሓላል መሬት ስዉኣትና ብወያነ ተረጊጻ ካብ ምርኣይ፡ ሕድሪ ስዉኣትና ተቐቢልካ መስዋእቲ ምኽፋል ሓላል ምዃኑ ዝኣምኑ፡ ኵሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ጀጋኑ ደቂ ሓደ ልቢ ሰሚሮም ብህዝባዊ መኸተ ሓንሳብን ንሓውሩን ከቃብጽዎም ምዃኖም ኣቐዲሞም ኪፈልጡ ይግባእ። ሕጂውን ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!

መትከል ኣስመሮም ስቶኮልም ሽወደን።