ፈራሕ ሰብ ሽግሩ ንምፍታሕ ኣብ መወዳእታ ዝመርጾ መንገዲ ምህዳም ኢዩ

News ትግርኛ
እቶም ሰለስተ ገበርቲ እከይ፡ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ዶክተር ዳኒኤል ከበደ ረታ (ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ መኮንን)፡ ኤልሳ ገረሱስ ጭሩም ጓል ፈትየን።
እከይ ውዲታዊ ተግባራት ናይዞም ሰልስተ ገበርቲ እከይ፡ ምስ ድሕረ ባይታን ውልቀ ህይወት ታሪኾም ነቃልዖ ዘለና፡ ኪኖ ምክልኻል ነቲ ተጻብዕታቶም ኣብ ትሕቲ እግርና ረጊጽና ነለፋልፈሉ ህሞት ንእትው ስለዘለና ኢዩ።

ካብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ላም ከመይ ቀኒኹም። ንነዊሕ እዋን ጽሑፋትና ኣቛሪጽና ጸኒሕና ኢና፡ ዝበሃል ሲኢና ዘይኮነ፡ ዝደራረብ ዘሎ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ዳህሳስ ከባቢና፡ ውሽጢ ልብናን ምፍታሽ ስለ ዝደለና ኢዩ። እቶም ክስታት ብዙሓት ኢዮም። ነትን ከይመለስካ፡ ናብትን ከይሓተትካ፡ በዚን ከይፈተሽካ ማዓልቦ ንምብጻሕ ዘድልዮም ወጠታት፡ እልቢ! እልብታት ኮይኖም ናብ ዝዝፍዘፍሉ ዘለዉ ዘመን፡ ኪኖ ጽን ኢልካ ምስትውዓል፡ ገጥ ኢልካ ትሓልፎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ምጥርጣር ልብታትና ኣዋዲድና፡ ንጠርጠራና ናብ ጭቡጥ ሓቂ ንምምጻእ፡ ብድሆ ንብለሉ ህሞት ኢዩ እዚ ህሞት እዚ።

ኣብ ናይ ሎሚ 4ይ ክፋል ጽሑፋትና፡ ድሕረ ባይታን ውልቀ ህይወት ታሪኽ ናይ ሰለስተ ገበርቲ እከይ ኤርትራውያን ቶም ብሽም ኤርትራውያን እንዳተንቀሳቀሱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን መዳርግቲ ዘይብሉ እከይ ግብሪ ኣብምፍጻም ናይዝርከቡ ሰለስተ ቀንዲ ገበርቲ እከይ ማለት፡ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ዶክተር ዳኒኤል ከበደ ረታ (ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ መኮንን) ከምኡውን ናይ ኤልሳ ገረሱስ ጭሩም ጓል ፈትየን ታሪክ ብዝርዘር ሒዝና ቀሪብና ኣሎና። ሰናይ ምክትታል።