ኤልሳ ጭሩም፡ ሜሮን እስቲፋኖስን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ንጣብ ደም የማናይ ኢዶም ኣብ ኤርትራ

News Opinions ትግርኛ
ህልቂት ላምፓዱዛ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዕለት 03-10-2013 ዝተራእየ ፍጻሜ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ኣይተዘረበሉን'ምበር፡ ብዕለት 03-04-2011፡ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ብሓይሊ ባሕሪ ኔቶ ቡምባ ተቐዚፎም ኢዮም።
ህልቂት ላምፓዱዛ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዕለት 03-10-2013 ዝተራእየ ፍጻሜ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ኣይተዘረበሉን’ምበር፡ ብዕለት 03-04-2011፡ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ብቡምባ ሓይሊ ባሕሪ ኔቶ ተቐዚፎም ኢዮም። ኣብቲ እዋን’ቲ ኤልሳ ጭሩም ነቶም ግዳያት ኣመልኪታ፡ ጌና ካብ ኤርትራ ኣትሒዞም ክብገሱ እንከለዉ ስጡም ርክብ ከምዝነበራን፡ ዝርዝር ኣስማቶም ካብ ዓብደልረዛቕ ከምዝረኸበቶ ገሊጻ ኔራ። ምስ ዓብደልረዛቕ ከመይ ኢላ ርክብ ጌራ? ንበይና ዲያ ተካይዶ ዝነበረት?

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ዉዲታት

“እዚ ጥፍኣትን ቅዝፈትን 400 ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንዓይ የሕመንን ይትንክፈንን፡ ምክንያቱ: እዞም ቆልዑ እዚኦም ጌና ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጾኦም ጀሚሮም፡ ምሳይ ዘለዎም ርክብ ጥቡቕ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ዝያዳ ኩነታቶም ንኽፈልጥ፡ ንቐንዲ መሳርሕተይ ዝኾነ ንዓብደልረዛቕ፡ ምሉእ ስም ዝርዝራቶም ሓቲተዮ ኣረኪቡኒ ስለ ዘሎ፡ ንኹነታቶም ኣመልኪቱ ክተሓባበሮም ተወኪሰዮ ኣለኹ።” – ቓል ኣደ መንበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም፡ ዕለት 08-04-2011 ብድምጺ ካብ ዝተቐርጸ ዝተወስደ::

ካብ ሎንዶን፡ ኪኢላ ፍልሰት ሰባት ነጋዳይ ደቂ ኣዳም ኤርሚያስ ግርማይ ኢልያስ (ዓብደልረዛቕ) ካብ ሊብያ፡ እዚ ናይ ኣደ መንበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ቓል ብድምጺ ዝተቐድሐ መረጋገጺ ኣብ ኢድና ኣሎ።

ስለምንታይ ኢያ ኣደ መንበር ኤልሳ ጭሩም ነዚ ዘረባ እዚ ተዛሪባቶ? ንባብና ንከታተል፥-

Download (PDF, 362KB)