
ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ዉዲታት፣
“እዚ ጥፍኣትን ቅዝፈትን 400 ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንዓይ የሕመንን ይትንክፈንን፡ ምክንያቱ: እዞም ቆልዑ እዚኦም ጌና ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጾኦም ጀሚሮም፡ ምሳይ ዘለዎም ርክብ ጥቡቕ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ዝያዳ ኩነታቶም ንኽፈልጥ፡ ንቐንዲ መሳርሕተይ ዝኾነ ንዓብደልረዛቕ፡ ምሉእ ስም ዝርዝራቶም ሓቲተዮ ኣረኪቡኒ ስለ ዘሎ፡ ንኹነታቶም ኣመልኪቱ ክተሓባበሮም ተወኪሰዮ ኣለኹ።” – ቓል ኣደ መንበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም፡ ዕለት 08-04-2011 ብድምጺ ካብ ዝተቐርጸ ዝተወስደ::
ካብ ሎንዶን፡ ኪኢላ ፍልሰት ሰባት ነጋዳይ ደቂ ኣዳም ኤርሚያስ ግርማይ ኢልያስ (ዓብደልረዛቕ) ካብ ሊብያ፡ እዚ ናይ ኣደ መንበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ቓል ብድምጺ ዝተቐድሐ መረጋገጺ ኣብ ኢድና ኣሎ።
ስለምንታይ ኢያ ኣደ መንበር ኤልሳ ጭሩም ነዚ ዘረባ እዚ ተዛሪባቶ? ንባብና ንከታተል፥-