
ብ ዘርኣይ ሰሎሞን
ኤርትራዊ ነባሪ ሆላንድ፡ ኣብ ምሽብሻብ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኢዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ነታ ሰላሳ ዓመት መመላእታ ክቡር ደሙን ህይወቱን፡ መባእ ሃገር ንምዃን ብሉጻቱ ሰዊኡ፡ ኣካሉ ሰንኪሉ፡ ጉልበቱን ገንዘቡን ከፊሉ፡ ኤርትራ! ኤርትራ ንኽትከውን ብዘካየዶ ቓልሲ ነዘረጋገጻ ሃገረ ኤርትራ! ንህንጸታን ምዕባሌኣን ብልጽግናኣን እጅገኡ ሰብሲቡ ኣብ ዘረባረበሉ ዝነበረ ህሞት`ውን እንተኾነ፡ ብቕንኢ የዒንቶም ዓዊሩ፡ ዕንቕርቲ ጽልኦም ሽክነኦም ብዝኸሓነ ነባሪ ጽልኢ ዘንበሩ ጃንዳ ወያነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝገበረሎም ሰናይ ጽቡቕ ተግባር፡ ኣብ ክንዲ ሞሳን ወደሳን፡ ማሳን ወቐሳን ኣብ ዝባኑ ከውርድሉ፡ ተለኣኣኽቲ ናይ እከይ ውዲት ምዕራባውያን ብምዃን፡ ንምምብርካኹ ተባሂሉ ኣብ ዝተኸፍተ ወራር ኹናት`ውን እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹናት መኪቱ፡ ተዓዊቱ! ኣብ ዳንነት ሞጊቱ ረቲዑ ብሓቅነቱ! ከበባ ዲፕሎማሲ ብዓቕሉን ጽንዓቱን ፈንጢሱ፡ ቀላሲ ኮይኑ ተጠሚቱ! ኣብ ቁጠባ ብርእሰ ምርኮሳ፡ ቁሸት ምስ ከተማ! ኤርትራ ምስ ዓለማ! ኣራኺቡ ናብራ ህዝቢ ኣመሓይሹ ጎልቢቱ! ብርሃን ንደርማስ ምዕባሌ!! ብዝብል ቴማ ንምጽንባል በዓል ኤርትራ ኣብ ምሽብሻብ እንከሎ ኢዩ፡ ነዚ ኣዱሃ ዝኾነ ኣብ ሆላንድ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓርበኛ ህዝቢ ዝተጸምበርክዎ።