ኤርትራ፡ 24 ዓመታት ናጽነት፡ እናሓደረ ክብሩ ዝድራዕ፡ ድምቀቱ ዝዅላዕ!

News
eritrea_at_24
“ሸበድበድ ይበሉ ተስፋና ክርሕቕ: ንሕና ኣብ ጸበባ መሊስና ንጽብቕ። ሸበድበድ ይበሉ ጸሓይ ከይትበርቕ ንሕና ከምቲ ኰዀብ ኣብ ጸላም ንደምቕ።” – ድምጻዊት ብስራት ኣረጋይ

ተወልደ ብእምነት

ወዲ ሰብ ኣብ’ዛ ዓለም፡ እቲ ዝኸበረ ዝውንኖ ጸጋ፡ ህይወቱ እንተድኣ ኮይኑ፡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት ብሰላም ክንመላለስ፡ ኣሻሓት ንጹሃትን ብሉጻትን ዜጋታት ህይወቶም በጅዮም ሓርነት ኣረኪቦምና። ብኡ መጠን ኸኣ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ ናጽነት ንውንን። ክብሪ ኤርትራዊ መንነት ድማ ክሳብ ክንደይ ረዚን፤ ጾሩ እውን ኣዝዩ ዝኸበደን ዝዓዘዘን ይገብሮ። ህይወት ወዲ ሰብ መተካኣታ ዘይርከባ ፍልይቲ ትዕድልቲ፣ ብዝኾነ ንዋታዊ መለክዒ ዘይትስፈር፡ ነዚ እነስተንፍሶ ዘለና ጠሊ ንፋስ ናጽነት እምበኣር፡ ክሳብ ክንድይ ቅዱስ ሃብቲ ምዃኑ ብትግሃት ተገንዚብና፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ብትኩርነትን ጥንቃቐን ክተሓዝ ዘለዎ ልዑል ህያብ ሰማእታትና፡ ምስ ዮሃና ሕድሪ ተዛሚዱ ዝኸይድ፡ ሓጎስን ሓላፍነትን ዘሰክም’ዩ። ንዘላኣለም ተዓቂቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶታት ዝሰጋገር ቅርሲ።

እወ! 24 ግንቦት፡ ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ድሙቕ ብርሃን፡ ካብ ባርነት ናብ ናጽነት፡ ዳግማይ ምውላድ ሃገር ዘበሰረት ዕለት፡ ናይ’ቲ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ 20 ዓመታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ደሚርካ፡ ብጠቕላላ ናይ 50 ዓመታት ተጋድሎን፡ ካብ’ቲ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ዓርዑት ባዕዳውያን ዝተቖረነትሉ ሰንሰለታዊ መዋእለ መግዛእቲ፡ ናይ ሚእቲ ዓመት ምዕራፍ ቃልሲ ወለዶታት ዝዛዘምናሉ ጕዕዞን እዩ።

ነዚ ክውን ንምግባር፡ ካብ ዝተሓላለኸ ኣደራዕ መግዛእቲ ክንናገፍ፡ ብእተናውሐ ህዝባዊ ፍትሓዊ ቕዲ ኵናት፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ሓገዝ፡ ነቲ ህዝባዊ ደገፍ ዘይብሉ ዕሱብ ጸላኢ ንምስዓር፡ ብንብረቱ ብጥይቱ ዝብል ቅኑዕ ፍልስፍናዊ መርሓን ኣተሓሕዛን፡ ዘይሕለል ሃገራዊ ፍቕሪ ዘፈልፈሎ መንፈስን ኣካይዳን፣ ናቱ ሓደ ፍሉይ መለለይ ጠባይ ዝነበሮ ኾይኑ፤ ኣብ ውሽጣዊ ጸጋታቱ ተኣማሚኑ፡ ብዘይ ኣፋላላይ ሃይማኖትን ብሔርን ጾታን ብሓደ ልቢ፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ መኣዲ፡ ኣብ ጽላል ሓንቲ ስድራ-ቤት፣ ኣንጻር ኩሎም ብትምክሕትን ንዕቀትን ዝሰኸሩ ሓይልታት፡ ብብቕዓት፡ መስተንክራዊ ጅግንነት ተዓዊትካ ክትወጽእ ምሕላን’ውን ካልእ ተወሳኺ ኣብነታዊ ኣስተዋጽኦን ትምህርትን ንኻልኦት ጭኩናት ኣህዛብ መልእኽትን ኢዩ። በዚ መንገዲን ኣተሓሕዛን ክንምርሽ ዝተገደድናሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ናይ’ቶም ንዓለምና፡ ከም ድሌቶም ክዝውሩ፡ ብኢደ ዋኒኖም መሰል ወዲ ሰብ ዝዕምጥሩ፡ ጸጥታን ሰላምን ዝዝርጉ ሓይልታት፡ ምስ ተጠለምናን መሰልና ምስ ተነፈግናን ዝኣተናዮ፡ ተፈቲና ሓቂ ዘረጋገጽናሉ ተልእኾ ነይሩ።

በዚ ጽፈት’ዚ፡ በዚ ንያትን ባህሊን፡ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን፡ ሃብታም ሰውራዊ ተመክሮታትን ትምህርትን እተሃንጸ ህዝቢ፡ ውፉይ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቑሕ ዘይኽማህ መሪሕነት ዝወነነን ዘጥረየን ህዝብን መንግስትን፡ ድሕሪ’ቲ ምዝዛም ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ናብ’ቲ ካላኣይ ዝዓበየ ዕማም፡ ዝኸበደ ሓላፍነት ዝሓትት ምዕራፍ ሓድሽ ኣግእዞ ተሰጋጊርና። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝተለምናዮ ወፍሪ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 24 ዓመታት ከኣ፡ ሕድሪ ኣጽኒዕና፡ ክብርታትና ምዅስኳስን ምድልዳልን፡ ባህልን ቅያን ኤርትራዊነት ከም ዓረ ክተርር ቀጻሊ ምክንኻን ዘድልዮ ጥዕና ዘለዎ ጾርን ሓላፍነትን ተሰኪምና ዝተሳለናሉ ዓመታት ኢዩ ኔሩ። ልቢ-ንልቢ ተራኺብና ኣብ ማሕላ ሓድነት ቃልን ሕድሪ ወለዶታት ተረኪብና ዝመጻእና፡ ብኡ ድማ ክንቅጽል፣ ዘዋጻኣና ቅኑዕ ምርጫን መቀጸልታ ናይ’ቲ ቀዳማይ መንገዲ፡ ንመጻኢ’ውን፡ ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ መዓልቦ፡ መዓልቦ ርግኣትን ራህዋን ዘብጽሕ ጎደና ሓርነት፡ ንሱ ጥራይ ኢዩ።

እዚ ጎደና’ዚ፡ ጕዕዞኡ ልሙጽ ክኾነልካ ትብህግ ትምነ፡ ባህግን ክውንነትን ግን ነንበይኑ ስለ ዝኾነ፡ ከም’ቲ ለባማት ዘተንብህዎ ኸኣ “ናጽነት፡ ናጻ ኣይኮነትን” ዝብል መሃርን መለበምን ጥቕሲ፡ ናጽነት ባይታን መደያይቦን ንሓርነታዊ መናሃርያ ደቂ ሰባት ድኣምበር፡ ንገዛእ ርእሳ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣይኮነትን። ክትዕቅባን ክትከናኸናን፡ ክትኩልዓን ክትሕልዋን እትሓቶ ክፍሊት ወይ ዋጋ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከም’ዚ ናትና ዓይነት ኩነታትን ኣመጻጽኣን። ነታ ዝተረከብናያ ዝዓነወትን ድኹም ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ዝነበራ ኤርትራ ናብ ንቡር ንኽትምለስ፡ ካብ ንቡር ናብ ቀጻልን ሱር-በተኻዊ ለውጢ ንምቕያራ፡ ብዙሕ ጻዕሪን ማልን ከም እትሓተና፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ባዕላትና ዝሰኣልናዮ መደብ፡ እተነበናዮን እተቓራረብናሉን፡ ግን ከኣ ንክውንነት ዘንጸባርቕ ትንቢት፡ ዝጽበየና ሓያል ተልእኾ ምንባሩ፡ ዕጥቅና ሸጥ ኣቢልና፡ ዘለና ጸጋታት ኣማቃሪሕና ድማ ኣቲናዮ። እዚ ዕላማ’ዚ ብግብሪ ንምትርጓሙ ከቢድ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝፍታሕ ግድል ከምዘይከውን ርዱእ ኔሩ። ምኽንያቱ ምስ ምንዋሕ ናይ’ቲ መግዛእታዊ ኣደራዕ፡ ንሱ ዝፈጠሮ ናይ መነባበሮ ፍልልያት፡ ዝጸንሐ ጋግ ኣብ ውሽጢ ሕበረተ-ሰብና፡ ከቢድን ርኡይን ኔሩ። ነዚ ከቢድ ጾር ንኸነጽብብ ጊዜ ይወስድ። ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ሰሪዕካ ብደፋእታ፡ ካብ’ተን ዘለዋኻን ትረኽበንን ትሕዝቶ እናኣተኣኻኸልካ፡ ካብ ባዶ ተበጊስካ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ዉሽጣዊ ዓቅምኻ ተመርኵስካ፡ ክትምርሽን ለውጢ ከተመዝግብን፡ ቀሊል ከምዘይከውን ፍሉጥ ኔሩ።

እቲ ጾር ግን በዚ ኽንጠቕሶ ዝጸናሕና ብድሆታት ጥራይ ዝውዳእ መኸተ ኣይነበረን፡ ንሱ ኔሩ እንተዝኸውን እውን ብዙሕ ኣይምጸገመናን፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ከቢድ ጾር ካልእ ዝተደራረበ ረዚን ጾርን ግድላትን ክንገጥም ኢና ተዓዲምና። ዝተሓላለኸ ቀጻሊ ናይ ግዳም ድጕል ሽርሕታት፡ ካብ’ታ ሓሳድ ዓይኒ ጎረቤት ዝተፈነወ ወርራ ተደሚርዎ ነቲ ስራሕን ዕማምን ኣኽቢድዎ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኹሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ ግድላት ከኣ፡ እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን (ካብ መፋርቕ ኣርባዓታት) ነዛ ሉል ቀይሕ ባሕሪ፡ ተባሃጊት ሃገርን ኣቀማምጣኣን፡ ዓይኖም ዘንበሩላ ምምሕዳራት ኣመሪካን ዓማጺ ፖሊሲታትን፡ ኢምጰራጦርያዊ ሕልሞም ንምርዋይ፡ ናጽነትና ንምዅላፍ ክጽሕትርዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ጸይቅታት፡ ሓደ ውዲት ከነፍሽል፡ ካልእ ክስዕብ፡ ነቲ ሓደ ከነቃልዕ ካልእ ክውላዕ፡ ንሕና ከነጥፍእ፡ መብረ ዘይተረኽቦ፡ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ቍጠባውን መናውራታት፡ ኣብ መስርሕ ልሙድ ምርብራብ፡ ብምትዕጽጻፍ ክንገጥም፡ ነቲ ኽብደት፡ ክብደት ወሲኽሉ።

“ዓወት ቃልስና ብደምና፡ ምስ ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና” ሎሚ’ውን ከምኡ ኢዩ ኔሩ እቲ መንፈስ እቲ ወኒ፡ ህዝብን መንግስትን፡ ትዕግስትን ትብዓትን ተቐኒቱ ገጥ ኢሉ መኪቱ። እምርሽ ከኣ’ሎ፡ ክቕጽል ኸኣ’ዩ። ከመይሲ? ኣብ’ዛ ፍትሒ ዝተሓረማ ዓለም ንኽንነብር፡ ጸጥታና ከነረጋግእ፡ ላኣላዊ ክብርታትና ከነውሕስ፣ እንውንኖ ፍሉይ ብልጫ። ኣብ ዓለምና መወዳድርቲ ወይ መዳርግቲ ዘይብሉ ታሪኻዊ ፍጻመ። ኤርትራ ብተምሳል ዓባይ ድልድልቲ መርከብ እትግለጽ ሃገር እያ፡፡ ኣብ ማእከል ሓደ ብሓያል ማዕበል ዝገላበጥ ውቅያኖስ፡ ብህድኣት ኣንፈታን መኣዝናን ከይሰሓተት፡ እተንሳፍፍ መርከብ፡፡ መርኣያ ተስፋ፡ ኣብነትን ጽንዓት ኣህዛብ ዝኾነት ሃገርን ዝህብን ምዃንና ብምድግጋም ኣመስኪርና።

ከም ኣካል ሕብረተ-ሰብ ዓለም፡ በቲ ሓባራዊ ሕግታትን ውዕላትን ስምምዓትን ተዋሃሂድና፡ ብጽቡቕ ድሌት ብሽርክነት ክንሰርሕ እኳ እንተነበረ ውጥናትና፣ ብዙሕ ከይከድና ካብ’ቲ ድሌታትና ዘውጽእ ተጽዕኖን መኻልፋትን እዩ ገጢሙና። ናብ’ታ ቅንዕቲ “መትክል ርእስኻ ምኽኣል” ፍቱን ግብራዊት ጥበብ፡ ዋሕስ ዓወት፡ ቁጠባዊ ህንጻ እተሳሊ መስርሕ ከኣ ክንለዝብ መሪጽና።

ሎሚ ኤርትራና፡ ንኹሉ ዕንቅፋታትን ማሕለኻታትን እገዳታት እናበደሀት፡ ድሕሪ ናይ 24 ዓመታት ካላኣይ ገጽ ተጋድሎ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓለምና፡ ንመጀመርታ፡ ኣብ ውሽጣዊ ሓራ መስመር ዝተነጽፈ ሱር በታኻዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣመዝጊባ። ብመግቢ ርእስኻ ምኽኣል፡ ነጻ ካብ ረዲኤት፡ ምዕሩይ ንኹሉ ዝባጻሕ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምምልማልን ምዕባይን ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ዘተኣማምን ዝተዛነቐ ዕብየት፡ ጸጋታት ሃገር ብጥዑይ ምምቕራሕን፡ ብጥንቁቕ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ዝመሓደር፡ ባህርያዊ ከባቢኣዉን ድሕነቱ ዝሓለወ፡ ኣሳታፊ ባይታ ፈጢራ ትርከብ። ሳላ ዋርሳይ ይክኣሎ፡ ወራሲ ቅያ ጎይታ መጻኢት ዓባይ ኤርትራ ክውን ኮይኑ።

ጓኖት፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝሓለምዎ ሕማቕ ሕልሚ መኺኑ። እቲ ህንዱድ ወስታታት ንጉዕዞና ኣይዓገቶን፡ ብዙሕ ክንጽዕር ሓይልና ከነተዓጻጸፍ፡ ኤርትራዊ ኒሕ መመሊሱ ክስሓል፡ ዝያዳ ክሰርሕ፡ ዝያዳ ክምኮር ተወሳኺ ጸዓትን ድፊኢትን ፈጢርሉ። ንሓድነቱ ዘትረረ ናይ ምግባር ዓቕሙ ዘበረኸ፡ ንዕረ ዘምዓረ ፈተነ።

እዚ ዓይነት መደምደምታ ወይ ክውንነትን ንምሃብ ዘድፍር ሓቅታት ድማ፡ ነቲ ከም ኤርትራዊ ኴንካ እትርእዮ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጸጋታትን ዓቕምን፡ ስለ እትተኣማመንን እትፈልጦን መበገሲ ብምግባር ጥራይ ኣይኮነን፣ ነቲ ኣብ ዞባና፡ ዞባ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ኵርናዓት ዓለምና፡ ኣብ ጸጽባሕ፡ ክኽሰቱ ዝጸንሑን ዝርኣዩን ዘለዉ ኣሰከፍቲ ኣሉታዊ ፍጻመታት፡ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ኣዛሚድካን ኣነጻጺርካን ክርእዮ እንከሎ’ውን፡ ነዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ሓቅታት፡ ብድሆን ጽባቔታት ’ዛሃገር፡ ብትሕትና ብዘይ ቀለዓለም፡ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ህያው ምስክር’ዩ።

ንሎሚ፡ ነታ ክብርቲ ዕለት ክምጕስ! ነቶም ነዚ ዕዙዝን ክቡርን ብርሃን ናጽነት ዘጓናጸፉና ስውኣትና፡ ቅሰኑ ክብል ከመስግን! ነቶም ሕድሪ ኣጽኒዖም ገና ከየዕረፉ ከይተሓለሉ፡ ለይትን መዓልትን፡ ብተጸዋርነትን ትብዓትን፡ ሃገር ዝሃንጹን ዝከላኸሉን ዘለዉ ሓርበኛታት፡ ገዳይም ዋርሳይ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ዕጉስ ህዝቢ ክምጉስ ከመስግንን! መሪሕነትና የቝመልና! ነቶም ኣብ ፈቐዶ ከባቢታት ዓለም ዘለዉ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ድማ፡ ነዚ ቅድሚ ሕጂ ክንገብሮ ዝጸናሕና ሃገራዊ መኸተ፡ ኣገናዕ እናበልኩ፤ “እናሓደረ ክብሩ ዝድራዕ፡ ድምቀቱ ዝዅላዕ ናጽነት፡ ኣብ ማህደር ልብና ጌርና ንንቀሳቐስ!!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!
ርሑስ ቅንያት ናጽነት፡ ዮሃና!! ዮሃና!!