
ብ ዓብደልወሃብ መሓመድ ኣማን (ካብ ኮንጎ – ብራዛቪል)፡
መበል 11 ክፍለ-ዓለማዊ ውድድር መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ (All African Games) ብዓርቢ ዕለት 4 ኣማስያኡ መጋረጃኡ ቀንጢጡ:: ኣብቲ ኤርትራ ብውድድራት ብሽክለታን ኣትለቲክስን እትሳተፈሉ ውድድር፡ ኣአንጋዲት ኮንጎ – ብራዛቪል ንኣዋርሕ ልዑል ምድላዋት ከተካይድ ጸኒሓ፣ ካብ ባሕቲ መስከረም ድማ ጀሚራ ኣጋይሻ ክትቕበል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዓርቢ ድሙቕ ብዝኾነ ኣገባብ መኽፈቲ ኣካይዳትሉ።
ኣብዚ ውድድር’ዚ ወርቃዊ ኡዮቤልዩ ዘብዕል ዘሎ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ ካልእ እዋን ፍሉይ ምድላዋት ተኻይዱሉ ኣሎ፣ ኣአንጋዲት ሃገር እውን ዓለምለኻዊ መዐቀኒታት ብዘማልአ መገዲ ነቲ ውድድር ከተካይድ ጀሚራ ኣላ፣ ኦሎምፒክ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዓብዩ ውድድር ኦል ኣፍሪካን ጌምስ፡ ንመጀመርታ ግዚኡ እዩ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ዝእንገድ ዘሎ፣ በዚ ድማ ነቲ ኣብ 1965 ዝተመስረተ ውድድራት ንምእንጋድ፡ ኮንጎ፡ ሓደስቲ ስታድዩም ኣብ ርእሲ ምህናጻ፡ ቁሸት ስፖርታውያን እውን ንኣገልግሎት ክፉት ገይራ ኣላ። ብዘይካ’ዚ ጽፉፍን ምዕቡልን ናይ መጓዓዝያ መሳለጥያታት እውን ቀሪባ ትርከብ።
ኤርትራ፡ ኣብ ውድድራት ብሽክለታ ብኽልቲኡ ጾታ ክትወዳደር እያ:: ዳዊት ሃይለ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ዮናስ ተኸስተ፡ ሚልዮን ኣማኑኤልን መሓሪ ዑቕባጼንን ኣብ ውድድራት ደቂ ተባዕትዮ፥ ትዕግስቲ ገብርሂወት፡ ወሓዚት ኪዳነ፡ ወጋሕታ ገብርሂወት፡ ሞሳና ደበሳይ፡ ዮሃና ዳዊትን ዶልሺ ሃብተጼንን ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ እዮም።
ኣብቲ 54 ሃገራት ኣብ 22 ዓይነታት ስፖርት ዝሳተፋሉ ውድድር፡ ኤርትራ 22 ኣትለታት ኣብ ውድድራት ጉያ ከተኽትት እያ። ካብ 100 ሜተር ክሳብ ፍርቂ ማራቶን ድማ እቶም ኣትለታት ዝሳተፍዎ ውድድር እዩ። ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ፡ 100፡ 200፡ 400፡ 800፡ 1500፡ 3000፡ 5000፡ 10,000 ሜተር ከምኡ እውን ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ ክትሳተፍ እያ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣትለታት ድማ ኣብ ውድድራት 800፡ 1500፡ 3000፡ 5000፡ 10,000ን ፍርቂ ማራቶን ክሳተፋ ምዃነን ካብ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።
ኣብዚ ውድድር’ዚ፡ ከም ናይጀርያ፡ ምስሪን ቦትስዋናን ዝኣመሰላ ሃገራት ብብዝሒ ኣትለታት ከሳትፋ ምዃነን ይግለጽ ኣሎ፣ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፡ 19 መስከረም ክዛዘም እዩ።