ኤርትራ እትሳተፎ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም መጋረጃኡ ቀዳም ክቕንጠጥ’ዩ

News Sport ትግርኛ
iaaf World Championships Beijing 2015
ጽባሕ ቀዳም መበል 15 ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም መጋረጃኡ ኣብ በይጂንግ ቻይና ክቕንጥጥ እዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብሓባር ተጠርኒፋ ነዚ ውድድር ኣብ ምድላዋት እያ ጸኒሓ። ንኣትለታትና ድማ ዓወት ንምነየሎም።

ተስፋልደት መብራህቱ

ባሕ ቀዳም መበል 15 ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም መጋረጃኡ ክቕንጥጥ እዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ 18 ነሓሰ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ ናብ በይጂንግ ቻይና ኣምሪሓ። ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ጉዕዞኣ፡ ንኣሰልጣኒ ኢሰያስ ኣሰፋው፡ ኣትለታት ማራቶን በራኺ በየነ፡ ግርማይ ገብረሰላሰን ኣማኑኤል መሰልን፡ ኣብ ውድድር 10,000 ሜትሮ ዝሳተፉ ኣትለታት ተኽለማርያም መድሕን፡ ንጉሰ ኣምለሶምን ኣብራር ዑስማንን ዝሓቖፈት እያ።

ሃገራዊት ጋንታና ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብሓባር ተጠርኒፋ ነዚ ውድድር ኣብ ምድላዋት እያ ጸኒሓ። ይኹን እምበር ኣትለታትና፡ ካይሮ ይኹን በይጂንግ ኣብ ዝበጽሑሉ የእጋሮም ካብ ምስሓል ኣየዕረፉን። 

ብቕድሚ ትማሊ ድሕሪ ናይ ትሸዓተ ሰዓታት ኣድካሚ ጉዕዞ፡ ካብ ካይሮ ናብ በይጂንግ ብኣቆጻጽራ ሃገርና ሰዓት 2 ድሕሪ ቐትሪ፡ ብኣቆጻጽራ ቻይና ድማ ሰዓት 7 ምሸት፡ ኣብታ ን860 ዓመታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኮይና ዘላን 21.5 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣን ኣኣንጋዲት መበል 15 ውድድር ሻምፕዮን ዓለም በይጂንግ፡ በጺሕና።

ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ በይጂንግ ክሳብ መዕረፊና ንእንበጽሕ ናይ ክልተ ሰዓታት ጉዕዞና በመኪና ኢና ኣካይድና። ኣብ ጉዕዞና ነቲ ውድድር ብዝገልጹ ባነራት፡ መሳለጥያታት ናይቲ ውድድር፡ ጭርሖታትን ኣሳእልን ዝወቀበ ጎደናታት እና ተዓዘብና ኢና በጺሕና።

ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣሽሓት ኣትለታት ዓለም፡ ኣብ ሰለስተ ቦታትት ተጠርኒፎም ዶሮ’ኳ ኣብ እዋን ምግብና፡ ሕብሪ ባንደራታት ሃገራቶም ዘወቀበ ቱታታት ለቢሶም ኣየነይቲ ሃገር ንበዓል መን ሒዛ መጺኣ ኣላ? ‘ኩስቶ ኣሎ ኩስቶ የለን’፡ ዝብሉ ኣርእስታት እናኣልዓሉ ክካትዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣትለታት ዝረኽብዎ ሽልማት ይኹን ክብሪ ሕልፊ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሎም ኣትለታት ኣብ ተጠማመት እዮም ዘለዉ። ተዳልዩ ዘሎ ሽልማታት ንቐዳማይ 60,000 2ይ 30,000 3ይ 20,000 ን4ይ 15,000 ን5ይ 10,000 6ይ 6,000 7ይ5,000 8ይ 4,000 ክብረወሰን ንዝሰበረ ድማ 100,000 ዶላር እዩ።

ፈላሚ ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ብማራቶን ክፍልም እዩ። ኣትለታትና ድሮ ናይ ዶፒንግ መርመራታት ኣካይዶም ኣለዉ።

ጽባሕ 22 ነሓሰ ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ሰዓት 2፡35 ለይቲ፡ ብኣቆጻጽራ በይጂንግ ድማ ሰዓት 7፡35 ንጉሆ እዩ ውድድር ማራቶን ክጅመር።

ኤርትራ ኣብ ማራቶን ብኣትለታት በራኺ በየነ፡ ኣማኑኤል መሰልን ግርማይ ገብረስላሰን ክትውከል እያ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ውድድር 10,000 ሜትሮ ክካየድ እዩ ኣትለታት ተኽለማርያም መድሕን፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ንጉስ ኣምለሶም(ወዲ ሓኪም)ን ኣብራር ዑስማንን ከተሳትፍ እያ።

ኩነታት ኣየር ከተማ በይጂንግ ኣብዚ ሳልስቲ ከባቢ 21 ክሳብ 30 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ይበጽሕ ኣሎ። 50 ሃገራት፡ ልዕሊ 2000 ኣትለታት፡ ስሞምን ስም ሃገሮምን ዘጸዉዑሉ ዓቢ መድረኽ ክኽፈት እናተቓረበ ይመጽእ ኣሎ።

ቀዳም 22 ነሓሰ ኣብቲ 91 ሽሕ ተዓዘብቲ ዝሕዝ፡ ሃገራዊ ስታድዩም በርድ ነት መጋረጃ መበል 15 ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ክቕንጠጥ እዩ።

Eritrean athletes lineup at the 15th IAAF World Championship, Beijing 2015
Eritrean athletes lineup at the 15th IAAF World Championship, Beijing 2015