
ብ ተስፋ ኒውስ፡
ብመንግስቲ ኤርትራ እንዳተኸፈሎም ስለያዊ ስርሓት ነነዊሕ እዋን ፈጺሞም ናይ ዝተባህሉን፡ ጉዳዮም ኣብ ዕጹው ቤት ፍርዲ ክርአ ናይ ዝጸንሐ 5ተ ማእከሎትን ታሕተዎትን ወተሃደራዊ ኣባላት ኢትዮጲያ፡ ድሕሪ ምእሳር ዋና ጸሓፊ ናይ ግንቦት 7ተ ውድብ ዝነበረ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ጠጠው ክብል ከምዝተወሰነ፡ ኢሳት ንዝረኸቦ ሚስጥራዊ ሰነድ ምርኩዝ ብምግባር ትማሊ ኣብ ዘውጾ ሓበሬታ ገሊጹ።
እዚ ድሕሪ ስነስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ክልተ መዓልታት ድሒሩ ዝጀመረ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ምትሓዝ ኣንዳርጋቸው ደው ክብል ዝተወሰነ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ነቲ ንኤርትራ ንምኹናንን፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዮም ንዝጸንሑ ኣባላት ተቓወምቲ ንምውንጃልን፡ ምስኡ ተታሓሒዙ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝዳሎ ዘሎ ሰነዳትን ናይ ፊልም ዶኪመንተሪን ከም ጭብጢ ንኽቀርብ ተደልዩ ከምዝኾነን እቲ ምንጪ ይጠቕስ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ፍቅሩ ኣበበ ሃይሌን፡ ተስፉ ኣባተ ኣባይነህን ዝተመስረተ ክሲ ዝሓዘ ሚስጥራዊ ሰነድ ከምዝሕብሮ፡ ኤርትራ ወትሃደራዊ ሚስጥራት ኣብ ምዕካብ፡ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎትን ማእከሎትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጲያ ዘይነዓቕ ጽልዋ ኣሕዲራ ከምዘላን፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ምክልኻልን ጸጥታዊ ትካላት ኢትዮጲያን፡ ኣዚዩ ሓያል ስለያዊ ስርሓት ከምእተካይድ ዘነጸረ ሰነድ`ዚ፡ ስለያዊ መርበብ ኤርትራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ቦረናን ናይሮብን ከምዝዝርጋሕ ይገልጽ።
ኢትዮጲያ፡ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ኹናት ከተካይድ ኣብ ዝወጠነትሉ እዋን፡ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ምእካብ ከምዝተኻየደን፡ እንተኾነ ህዝቢ ዳግም ምስ ኤርትራ ውግዕ ክገብር ፍጹም ድሌት ከምዘይብሉ፡ ናይ ብሔራዊ መረጃን ጸጥታን ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብቲ ብለካቲት 2012 ን ኹሎም ኣባላት ደህንነት እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ከምዝገለጸ እቲ ሰነድ ይሕብር።
“ናይ ህዝቢ ርእይቶ ኣኪብና ኔርና፡ እንተኾነ ዘዋጽእ ኮይኑ ኣይተረኽበን” ክብል ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተዛረቦ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ይርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ኤርትራ ፊት-ን-ፊት ዳግማይ ኹናት ክገጥም ድሌት ከምዘይብሉ ዝሓበረ እዚ ሚስጥራዊ ሰነድ`ዚ፡ እንተኾነ ካብ ኤርትራ እንዳተበገሱ ኣብ ልዕሊ`ቲ ስርዓት መጥቓዕቲ ዘኻይዱ ንዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ ስርዓት ስግኣት እንዳኾኖዎ ከምዝመጹን፡ ብፍላይ ብከባቢ ሑመራ ንዝንቐሳቐሱ ዕጡቓት ኣብዚ ቀረባ እዋን መጥቓዕቲ ክወስደሎም ይዳሎ ከምዘሎን፡ ምርጫ ከየርከቦ እንከሎ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተቓወምቲ ፓርቲታት ከዳኽሞም ኣንቂሉ ከምዘሎ እቲ ሰነድ ብተወሳኺ ይገልጽ።
እቲ ስርዓት ንዶር ያዕቆብ ሃይለማሪያም ብቀረባ የከታተሎ ከምዘሎን፡ ዝኾነ ምስኡ ርክብ ዘለዎ ድማ ርክቡ ጠጠው ከብሎ ከምዘለዎ`ውን ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ኣሎ።
እቶም ብኤርትራ ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጲያን ናይ ጸጥታ ትካላቱን ሰልያዊ ስርሓት ኣካይድኩም ተባሒሎም ዝተኸሱ 5ተ ክሱሳት ኣስማት ድማ፦
1) 50 ኣለቃ ፍቅሩ ኣበበ ሃይሌ
2) 50 ኣለቃ መሓመድ ዑመር መሓመድ
3) ተስፋው ኣባተ ኣባይነህ
4) 10 ኣለቃ ታመነ ተምትሜ
5) ዋና ሳጅን ዘርፉ መልካ ኣኢዮም።
ሓምሳ ኣለቃ ፍቅሩ ኣበበ ሃይሌ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጲያ፡ ኣብ ማእከላይ ዕዚ ሓላፊ ሬጅመንት ውዳበ ሓይሊ ሰብ ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረን፡ ካብ 2009 ጀሚሩ ብወንድወሰን ዝፍለጣ ኣባል ስለያ ኤርትራ ዝተኸትበን ስለያዊ ስርሓት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ንኸኻይድ ዝተመልመለን፡ ኣብ ስርሑ ዝረኽቦ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ሚስጥራዊ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ካብ ሽራሮ ክሳብ ሑመራ ኣብ ዝተዘርገሐን፡ ኣብ ትሕቲ ማእኸላይ ዕዚ ንዝርከቡ ክፍለ ሰራዊታት፡ ኣቕሞምን ውዳበ ሓይሊ ሰቦምን ሓንቲ ከየትረፈ እንዳኣረየ ናብ ናይሮቢ ብፖስጣን ብኻልዕ መራኸቢ መንገድታት ምስጢራዊ ሰነዳት ንኤርትራ ዝስድድን፡ ከከም ርዝነት እቲ ዝሰዶ ምስጢር ድማ፡ ደሓን ዝኾነ ገንዘብ ብባንክ ኣታዊ ይግበረሉ ከምዝነበረ እቲ ሰነድ ይጠቅስ።
ብምቕጻል፡ ንኣቶ ተስፋው ኣባተ ኣባይነህ ንዝምልከት፡ ኣብቲ ሚስጥራዊ ሰነድ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ኣቶ ተስፋው፡ ካብ 2000 ዓም ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ድህነት ከም ምክትል ኣባልን ብናይ ምክትታል ኦፊሰር መዓርግ ክሳብ 2004 ክሰርሕ ዝጸንሐን፡ ድሒሩ ብ ወንድወሰን ሃይሉ ዝተብሓለ ኣባል ስለያ ኤርትራ ተኸቲቡ፡ ናብ ኬንያ ብምኻድ መደብ ስራሕ ተቐቢሉ ዝተመልሰን፡ ኣብ ስራሓ ኣብ ዘነበረሉ እዋንን ምስተፋነወን ከምኡውን ኣብ ኢዱ ዝርከብ ኩሉ ዓይነት ሚስጥራትን ንኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘለዎ ናይ ኢትዮጲያ ተቓለስትን ይጠቕም ኢዩ ዝበሎ ሰነዳት እንዳጠርነፈ ናብ ኤርትራ ዝሰድድን፡ በቲ ዝተኣደገሉ ላፕቶፕ ኮምፕዩተርን ናይ ኢመይል ኣጋልግሎትን ብምጥቓም፡ ናይ ጸጥታ ሓበሬታን ብናይ ጸጥታ ኣባላት ምክትታል ዝግበረሎም ሰባት ስም ዝርዝር ምእካብን፡ ናይ ዝተፈላለየ ሚስጥራዊ ኣኼባታት ኣጀንዳን ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባን ሓንቲ ከየትረፈ ናብ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ የመሓላልፍ ከምዝነበረ፡ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ይርከብ።
ናይቶም ዝተረፉ ክሱሳት ዝርዝር ሃጥያቶም`ውን ኣብቲ ሰነድ ብዝርዝር ተጠቒሱ ኣሎ።
እዚ ኣብነታዊ ሰነድ ዝሕብሮ ነገር እንተሎ፡ ሰላህታ ስለያዊ መርበብ ሻዕቢያ ክንድ ምንታይ ስቱርን ዝተሓላለኸ ከምዝኾነን፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ወያነ ንዝግበር ዘበል ኩሉ ብደቒቕ ይካታተሎን ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ነቲ ብወያኔን ኣሳሰይቱን ንዝግበር መዓልታዊ ውዲትን፡ ኣብ መስርሕ ንዝርከቡን ሽርሒታት ኣብ ምምካን ዓቢ ተራ ከምዝጻወትን፡ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ርዕሲ ሕማም ኮይኑዎ ከምዘሎን ዘረድእ ጽቡጥ ኣብነታዊ ሰነድ ኢዩ።
ንዝያዳ ዝርዝር ትንታነ ብዛእባ እቲ ሰነድ ብዝምልከት፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ኢሳት ጸብጻብ ተኸታተሉ።
ESAT News Analysis 27 August 2014, TPLF defense & Security Infiltrated
https://ethsat.com/video/esat-news-analysis-27-august-2014-ethiopian-deffence-security-infiltrated/
ዓወት ንሓፋሽ!!