ብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ፡
ኤርትራ ብመገዲ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወኪላ ኣብቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ዲፕሎማሲያዊ ኤክስፖ (Diplomatic Fun Fair) ተሳቲፋ። ኣብዚ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃን ምምሕዳር ከተማ ጽዋነ (Tswane-ፕሪቶርያን ከባቢኣን ዘጠቓለለ) ዝተወደበ፣ ልዕሊ 90 ሃገራት ብመገዲ ኤምባሲታተን፣ ከምኡ’ውን ሓያሎ ኣህጉራውያን ውድባትን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብድምር ልዕሊ 120 ኣካላት ዝተሳተፋሉ ኤክስፖ፣ ኤርትራ ንመበል 4ይ ግዜ ተሳቲፋ፣ ኣብዚ ናይ ሕጂ 2015 መደብ ድማ፣ ፍሉይ ሽልማት “Most Authentic Stall- The Minster Maite Nkoana-Mashabane Award” ዓቲራ።
እዚ ሽልማት’ዚ ካብቶም ዝተዋህቡ 10 ሽልማታት፣ ዝለዓለን ንኹሉ መዳያት ፍሉይነት ኣቕርቦት ዝምልከትን ኮይኑ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ H.E. Ms Maite Nkoana-Mashabane ዝጽዋዕ ፍሉይ ህያብ ኢዩ። ከምኡ’ውን ከም ኣካል ናይቲ ብሉጽ ቦታኣ፣ ኤርትራ ንክልተ ሰብ፣ ካብን ናብን ጆሃንስበርግን ኬፕታውንን በጺሕካ ንምምላስ ዘኽእል፣ 13,376.68 ራንድ (ልዕሊ 1,000 ዶላር) ዝዋግኡ ኣየር ቲኬት ብልጫ ከም ተወሳኺ ተዋሂባ።
ኣቕርቦት ኤርትራ ኣብ ሓደ 6 ብ 3 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ቴንዳ ዝተዳለወ ምርኢትን፣ ናይ 15 ደቒቕ መደብ ትልሂት ጉጅለ ባህሊ ኣብ መድረኽን ነይሩ። ትሕዝቶ እቲ ቁሸት፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ታሪኻዊ፣ ቁጠባውን (ወፍሪ) መስሕብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፣ ፖስተራት፣ ስእልታት፣ ኢደ-ጥበባዊ ቅርስታትን ኣልባሳት ብሄራት ኤርትራን፣ ቱሪስታዊ መስሕብ፣ ከም እንስሳታት ዘገዳምን ታሪኻዊ ቦታታትን ሃገር ዝገልጹ ፖስትራት ወዘተ. . . ብምድላው፣ ብባንዴራታት ኤርትራ፣ ካርታ ኤርትራን ስእሊ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ተሰኒዩ፣ ከምኡ’ውን ናይ 9 ብሄራት ኤርትራ ዘጠቓለለ ባህላዊ ትልሂት ዝገልጽ ምርኢት ቪድዮን፣ ኣልባሳት ብሄራት ኣብ ቅርጺ (ባምቡላ) ተሰኒዩ ቀሪቡ።
ብተወሳኺ ከም ሕምባሻን ባህላዊ ምድላዋት ስነ-ስርዓት ቡንን ዕምባባን፣ ባህላዊ መግብን መስተን (ስዋ) ሃገር ዝኣመሰሉን ንምቕሉልን ለጋስን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ እንግዶታት ንመርኣያ ቀሪቦም። ካልእ ብእንግሊዝኛ ዝተዳለወ ንድሕረ-ባይታ ሃገረ ኤርትራ፣(ታሪኻዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ) ዝገልጽ ሓጺርን ሓፈሻዊን ጽሑፍ (brochure) ንበጻሕቲ ተዓዲሉ።
ኣብቲ ናይ ካልኣይ መደብ፣ ኣብ መድረኽ ካብ ዝቐረበ ባህላዊ ምርኢት ድማ፣ ብኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቖመት ጉጅሊ ባህሊ “ሽዖላ”፣ ናይ ኣስታት 15 ደቒቕ ናይ ሕዳርብ፣ ትግረን ትግርኛን ያታዊ ትልሂት ንተዓዘብቲ ቀሪቡ፣ ካብ ተዓዘብቲ ጽቡቕ መልሰ-ግብሪ ከም ዝረኸበ ይግምገም።
ኤምባሲ ኤርትራ እቲ ምርኢት ዚካየደሉ ዕለት ብሚ/ጉ/ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣኼባ መልክዕ ካብ ዝተሓበረሉ እዋን ጀሚሩ፣ ነቲ ምርኢት ንምዕዋት ዘድሊ ምቅርራባት ኣካዪዱ። ገለ ካብቲ ምቅርራባት ካብ ኤርትራ ብዕድጊ ኮነ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታት፣ ቱሪዝም፣ ሕርሻ፣ ጸዓትን ዕደናን ወዘተ… ነቲ መደብ ዘድልዩ ናይ ስእልን ፖስተርን ሓበሬታት፣ ናይ ባህላዊ ቅርስታትን ኣልባሳትን ብምጥላብን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ነበርቲ ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ካብ ትሕዝቶ ኤምባሲ ዝርከብ ንዋትን ብምጥቃምን ተዳሊዩ። ብተወሳኺ ጉጅለ ባህሊ መንእሰያት ህግደፍ “ሽዖላ” ንውሱን መዓልታት ልምምድ ብምክያድ ምቅርራባት ተገይሩ።
ኣብቲ መደብ ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር፣ ኣባላት ኤምባስን ካብ ወከልቲ ማሕበረ-ኮምን (መንእሰያት ህግደፍ፣ ሃማደኤን ኣባላት ኣካያዲት ኣካል ማሕበረ-ኮምን) ዝተሳተፉሉ፣ ንተዓዘብቲ ብምእትንጋድ ዘድሊ መብርህን ሓበሬታን ብምሃብን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ መደብ ኣብቲ ቁሸት ጓይላን ባህላዊ ሳዕስዒትን ንተዓዘብቲ ብምቕራብ ነቲ መደብ ዕዉት ንምግባር ጻዕርታት ተኻዪዱ።
ተዓዘብቲ ኤርትራዊ ቁሸት፣ ሓለፍቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ወነንቲ ትካላት፣ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላትን፣ (UN, PAP, SADC, NEPAD ወዘተ..) ዲፕሎማሰኛታት፣ ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ፕሪቶርያን ከባቢኣን ዚነብሩ ወጻእተኛታትን፣ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ፕሪቶርያን ከባቢኣን ብጥርኑፍ ዝመጹ ተመሃሮን መንእሰያትን ካልኦትን ነይሮም። ተዓዘብቲ ነቲ ብኤርትራ ዝቐረበ ንባህልን ልምድን ብሄራት፣ ትልሂት፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን፣ ቱሪዝማዊ መስሕብ፣ ድሙቕ ስፖርታዊ ዓወታት ኤርትራ (ኣብ ማራቶን ኦሊምፒክ በጂን፣ ቱር ደ ፍራንስ፣) ወዘተ ዘንጸባርቑ ትሕዝቶታት፣ ብተመስጦ ተዓዚቦምን ኣድናቖቶም ገሊጾምን። መብዛሕትኦም በጻሕቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዚነበሮም ኣፍልጦ ውሱን ምጽንሑ ብምሕባር፣ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦኦም ንምዕባይ ንዘቕረቡዎም ሕቶታት ብኣምባሳደር ሳልሕ ዑመርን ከምኡ’ውን ብኣባላት ኤምባሲን ተሓጋገዝቶምን መልስን መብርህን ተዋሂቡዎም።
ብሓፈሻ እቲ መደብ ዕዉት ምንባሩን፣ ንኤርትራ ምስ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን፣ ዲፕሎማሰኛታትን ንምልላይ ኣገዳሲ ተራ ነይሩዎ። እቲ መደብ ጽቡቕ ኣቓልቦ ብተዓዘብቲ፣ ከምኡ’ውን ብመምዘኒ ደያኑ ኮሚቴ’ቲ ኤክስፖ፣ ብቕዓትን ልዑል ነጥብታትን ስለ ዝረኸበ፣ ከም ውጽኢት ናይዚ ኤርትራ ፍሉይ ሽልማት ሚኒስተር “Most Authentic Stall- The Minster Maite NkoanaMashabane Award” ንምዕታር በቒዓ። እዚ ኣብ መንጎ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበረን ኤምባሲታት ዝተኻየደ ውድድርን ውጽኢቱን ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ማዕከናት ዜና ተቓሊሑ።