ድርቂ ኣብ ኢትዮጵያን ወደባት ኤርትራን

Opinions News ትግርኛ
massawa port of Eritrea
መለስ ዜናዊ ፦ ” . . . ወደ ዓሰብ ንሕና እንተ ዘይተጠቒምናሉ መስተዪ ኣግማል ኮይኑ ክተርፍ እዩ። . . . መታን ኤርትራ ከይትረብሕን ኣታዊታት ወደብ ከይትረክብን ዝኸፈልና ከፊልና ወደብ ጂቡቲ ኢና ንጥቀም ” ድንቂ። እሞ ሕጂ ደኣ ኣግማልና ኣበይ ወሲድና ከነስተይን ስለዝተደልየ ኢዩ ወደብኩም ንናይ ኢትዮጲያ መግቢ ረድኤት መእተዊ ፍቐዱለን ዝበሓል ዘሎ?

ተስፋማርያም ሓጎስ

ዝቢ ኤርትራ ነዛ ብዓመጽቲ ዝተመንዝዓቶ ነጻነቱ ንምርካብ ዝሓሓለፎ መሪር ገድልን ዝኸፈሎ ረዚን መስዋእትን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃስ ይትረፍ ኣብ ዓለም ውን መዳርግቲ የብሉን ። ክንሕረድ እንዳሰማዕና እንዳረኣና ኣብ መጋርያ ሓዊ ክንጥበስ ፡ ነፍሰ ጾራት ኣዴታት ኣብ ከብደን ዘሎ ዕሸል እንተ ተወሊዱ ወንበዴ ክኸውን እዩ እናበሉ ብሳንጃ ከብደን ዘልዚሎም ክድርብይወን ከለዉ ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ብናፓል ቦምብን ክላስተር ቦምባታትን ክሓርሩ እንከለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ ኤውሮጳዊ ሕብረት ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ሰሚኦም ከም ዘይሰምዑ ብጭቕ ኢሎም ውን ኣይተዛረቡን ። ንጥፋኣት ህዝቢ ኤርትራ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ነዳዲ ይውስኹ ኔሮም ።

ንሕና ዝሓለፍናዮ ሕልፈት ሎሚ ኮፍ ኢልካ ክትዝክሮ ከለኻ ባሕሪ ከብድካ ከም ማዕበል ውቅያኖስ ይገላበጥ እሞ መላእ ኣካላትካ ኣንቀጥቂጡ ከም ዝተኸፍተ ማይ ቡምባ ኣዒንትኻ ንብዓት ጃሕጃሕ ኢሉ ገጽካ ሓጺቡስ ክዳውንትኻ የጠልቅዮ ። እወ ስዒቡ ዝመጸካ ሕቶ ፥ እንታይ ኢና ኣቢስና ? ዓለም ንምንታይ በታ ዘላትና ኣብታ ሃገርና ክንነብር ዘይገድፉና ? ዝብል እዩ ። ከምቲ ምስ ፈጣርን መላእኽቱን ተባኢሱ ካብ ሰማይ ናብ መሬት ዝተደርበየ ሰይጣን ፡ ሓያላን ሃገራት ንምንታይ ንጥፍኣትና ለይትን ቀትርን ከይደቀሳ ይሓድራ ? ንሕና ኣብ መሬትና ኣብ ሃገርና ብጽፍርና ክንነብር እንተበልና ዓለም እንተስ ብተለኣኣኽታ እንተስ ብኢዳ ነገር እንተ ደለየትና ብመጀመርያ ኣይፋልኩም ንብሎም እንተ ኣበዩ ግን ክሳብ እታ ናይ መጨረሽታ ንጣብ ደምና ክንምክት ምዃንና ዘይፈለጡ እንተ ኮይኖም ፍለጡ ንብሎም ።

ኢትዮጵያ (ወያነ) እታ ቅድሚ ኩሎምን ልዕሊ ኩሎምን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ደመኛ ጸላኢትና ምዃና ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ምናልባት ገለ የወሃት ስርዓታት ኢትዮጵያ እምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸላኢና ኣይኮነን ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ፡ እዚ ግን ቅኑዕ ኣበሃህላ ኣይኮነን። እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ስርዓታት ካበይ ድዮም በቚሎም ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደይኮኑን ? ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዘይደሊ፡ ሓይሊ እንተ ረኺቡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ድሕር ዘይብል ህዝቢ እዩ ። እዚ ዝሓለፈ ናይ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ። ኣሉላ ኣባ ነጋ ንኤርትራ ወሪሩ ኣብ ዝሓዘሉ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ዘፍርዮ መዓርን ጠስምን ከይጥቀመሉ ትኽ ኢሉ ንትግራይ ከብጽሖ ይግደድ ኔሩ ።

ሃጸይ ሃይለስላሰ እታ ዝዓበየት ጭርሖኡ ኤርትራ መሬታምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ ትብል ኔራ ። ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም እንቋቝሖ ተመን ሕንዚ የብሉን ኢልካ ተሳጊርካዮ ኣይትሕለፍ ፡ ስበሮ! ይብል ኔሩ ። መለስ ዜናዊ ውን ኤርትራውያን ሕብሪ ዓይኖም ደስ ስለ ዘይበለና ካብ ሃገርና ይውጽኡ ኢሉ ሃብቶምን ንብረቶም ራስዩ ልዕሊ ሰማንያ ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዓ ሰበይቲ ኣረጋውያን ኣባሪሩ ። ኣበየናይ ዘመን እዮም ኢትዮጵያውያን ንኤርትራውያን ጽቡቕ ሓሲቦም ዝፈልጡ ? ሓደ ጀነራል ተኽለሃይማኖት ዝተባህለ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኣብቲ ግዜ ወራር ዋላ ንኤርትራ ክንሕዛ እንተ ዘይከኣልና ደምሲስናያ ከም ሶማሊያ ጌርናያ ንመለስ ኢሉ ኔሩ ። እዚ እንታይ እዩ ዘርእየና ፡ ኢትዮጵያውያን ንጥፍኣትና እምበር ንህላዌና ሓሲቦም ከም ዘይፈልጡ ፡ ንብድሕሪ ሕጂ ውን ከም ዘይሓስቡ ። ኢትዮጵያውያን ቅሩብ ሓይሊ እንተረኺቦም እታ ብመጀመርያ ዝገብርዋ ንህዝቢ ኤርትራ ምጥፋእ እያ ።

ንሕና ነታ ብናይ ሰላሳ ዓመታት ኲናት ብኢትዮጵያውያን ዝዓነወት ሃገር ለይትን ቀትርን ኣስሚርና ኣብ ህንጸት ሃገር ተዋፊርና እንከለና ፡ ራህዋናን ምዕባሌናን ዘይትደሊ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ዓለም ሰብኣውን ንዋታውን ሓገዛት ኣኻኪባ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ኣዊጃትልና ። ንሕና ኣብ ኣእምሮና ኣይነበረን ይኹን እምበር በቲ ነቕ ዘይብል ሓድነትናን ጽንዓትናን ነቲ ወራር ኣፍሺልና ጥራይ ዘይኮነስ ነታ በዛ ሕስርቲ ጭፍራ እትምራሕ ኢትዮጵያ ኣምበርኪኽና ኣብ ዘተ ከም እትኣቱ ጌርናያ ። እንተኾነ ሓይሊ ጎይታኣ ዝኣመነት ድሙ ዘሊላ ንጎት ሓርማዝ ትነክስ ከም ዝበሃል ፡ እዛ ጭፍራ ውን ንኣሜሪካን ናይ ምዕራብ ኤውሮጳ ሃገራትን ኣሚና ንዝኣተወቶ ውዕል ሓንጊዳ ኣብ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ጸሚዳትና ትርከብ ። ሕሉፍ ሓሊፋ ኣብ ልዕሌና እገዳታት ክጸንዑ ዘይፈሓረቶ ጉድጓድ ዘይፈንቀለቶ እምኒ የለን ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ነቕ ዘይብል ጽንዓቱ ንኹሉ ተጻብኦታትን እገዳታትን መኪቱ ጠጠው ክብል ክኢሉ ። ኢትዮጵያ ግን እቲ ናባና ክወርድ ዝተጸበየቶን ትሰርሓሉ ዘላን ተገልቢጡ ኣብ ርእሳ ወዲቑ ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ህዝባ ብድርቂ ተጠቒዑ ይሃልቕ ኣሎ ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብድርቅስ ይትረፍ ንምንታይ ብእሳት ጎሞራ ኩስትር ኣይብልን እንታይ ሕማምና ! ጸላኣትና ወሸለ ተዳኺሞም ! ይጥፍኡ ይሃልዉ ንዓና ኣይግድሰናን እዩ ። ንሶም ክንጠሚ ክንጸምእ ዘይገበርዎ ፈተነ የለን፡ ንሰላሳ ዓመታት መመላእታ ኣድምዮምና ኣዕንዮሙና ኣህሊቖሙና ፡ ግፍዕታት ዖና፡ ግፍዕታት ወኪ ድባ ፡ ግፍዕታት ጸላም ሰንበት ኣብ ኣቝርደት፡ ህልቂት ሽዕብ ፡ ቅብጸት ናይ ባጽዕ መን ፈጺምዎ ? ኢትዮጵያውያን ደይኮኑን ! ነዚ ረሲዕናዮ ዲና ! እስኪ ነቲ ቪድዮ ምልስ ኢልና ንርኣዮ እሞ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትርውያን ዘለዎም ኣተሓሳስባ ክንርዳእ ንኽእል ። እዚኤን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ፋሺሽታዊ ግፍዕታት ካብ ባሕሪ ብማንካ እየን ።

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምጕባጥ ዝወልዓቶ ኲናት ምስላጥ ምስ ኣበያ ንዓና ብቝጠባ ሓኒቓ ስቓይናን ጥፋኣትናን ክትርኢ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ደቂሳ ኣይሓደረትን። መለስ ዜናዊ ኣብ 2000 ዓ.ም. ካብ ዝበሎ፥

” ወደብ ዓሰብ እንተ ተጠቒምና እቲ ረብሓ ንዓና ጥራይ ኣይኮነን ፡ ንኤርትራ ውን የርብሓ እዩ ። ወደ ዓሰብ ንሕና እንተ ዘይተጠቒምናሉ መስተዪ ኣግማል ኮይኑ ክተርፍ እዩ። ወደብ ዓሰብ እንተተሓሪምናዮ መንግስቲ ኤርትራ ሳንቲም ቀያሕ ውን ኣይረክብን እዩ ። ስለዚ መታን ኤርትራ ከይትረብሕን ኣታዊታት ወደብ ከይትረክብን ዝኸፈልና ከፊልና ወደብ ጂቡቲ ኢና ንጥቀም “

ብምባል 750 ሚልዮን ዶላር ንዓመት እናኸፈሉ ይግልገሉ ኣለዉ። ካብ ጂቡቲ ንኣዲስ ኣበባ ዘሎ ርሕቀት ልዕሊ 750 ኪሎ ሜተር ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንጎንደርን መቐለን ዘሎ ርሕቀት ነፍሲ ወከፍ ልዕሊ 700 ኪሎ ሜተር እዩ ። እዚ ቀሊል ኣይኮነን። ንዕንወትናን ሽግርናን ስለ ዝተመነዩ እዮም ከምዚ ጌሮም ።

ሎሚ ሚስተር ሄርማን ኮሀን ተሓላቒ ናይ ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይሃልቕ ኤርትራ ባጽዕን ዓሰብን ወደባታ ንኢትዮጵያ ዝኣቱ ረዲኤት ብኡ ኣቢሉ ክኣቱ ከተፍቅድ ኣለዋ፡  ምባሉ ኣብ ልዕሌና ማዕረ ክንደይ ንዕቀት ከም ዘለዎ እዩ ዘርኢ። ጸላእትናን ንጥፋኣትና እምበር ህላዌና ዘይምነዩ ጥራይ ዘይኮነስ ንምጥፋእና ከይደቀሱ ዝሓድሩ ኢትዮጵያውያን እንተጠመዩ ረብሓ እምበር ክሳራ የብልናን። ዓለም ለኻዊ ሕጊ ግቡኦም ከፊሎም ክሓልፉ የፍቅደሎም እዩ ዝበሃል እንተ ኮይኑ፡ ካብቲ ንጂቡቲ ዝኸፍልዎ ዝነበሩ 750 ሚልዮን ዶላር ፡ ዕጽፊ 1.5 ቢልዮን ዶላር ከፊሎም ክሓልፉን ነፍሲ ወከፍ ጽዕነት ብግቡእ ተፈቲሻ ክትሓልፍ ክግበር ኣለዎ ። ደጊም ንኢትዮጵያውያን ምሕላይን ምእማንን የለን ።

ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ልዕሊ ኢትዮጵያውያን (ብፍላይ ስርዓት ጉጅለ ወይነ) ዝስራዕ ጸላኢ የብልናን ። ንሕና ኤርትራውያን ሕማቕ ትዕድልቲ ኮይኑ እዚኦም ጎረቤትና ኮይኖም ። ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን በጃ ከፊልና ዝረኸብናያ ሃገር ክንዕቅባን ከነልምዓን ማዕረ እተን ምዕቡላት ሃገራት ክንሰርዓ ናትና ሕድርን ሓላፍነትን እዩ ። እዛ ሃገር ክትዕቀብ እንተ ደኣ ኮይና ነፍሲ ወከፍና ከይተዛኔና ክንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ እዩ ። ወተሃደራዊ ዓቕምና ትኒዕ ንዝበለ ኣብ ሓንቲ ኣፍታ ዝድርዕም ክኸውን ኣለዎ ። ንጸላኢኻ ምርህራህ ፡ ንጸላኢኻ ትንፋስ ከም ዝሰኩዕን ዝዓብን ምግባር ካብዚ ዝዓቢ ጌጋ የለን ።

ኣብ መላኣ ዓለም ዘለና ኣሕዋት ደቂ ሃገር ካብ ሕሉፍ ጌጋና ንመሃር ! እዛ ብሚስተር ሄርማን ቀሪባ ዘላ ሕቶ ኣቕሊልና ክንርእያ የብልናን ። ብሓደ ድምጺ እምቢ ክንብል ኣለና ። ኣሜሪካውያን እንተደልዮም ብነፋሪት ዋላ ብኣእዱግ የብጽሑሎም ንዓና ዘርኢ ጉዳይ ኣይኮነን። ትማል ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንኤርትራ ክንሃርማ ኢና፡ ስራሕና ፈጺምና ክንምለስ ኢና እናበሉ ይግዕሩ እንደይ ነብሩን ። ወተሃደራቶም ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይጓርቱዶ ኣየለዉን ! ንኤርትራ ከጥፍኡ እምበር መዓስ ንኤርትራ ክሕግዙ ወተሃደራቶምን ኣጽዋሮም ናብ ዶብ ይጓርቱ ኣለዉ። ጽባሕ ብላዕሊ በቶም ኣዋፈርቶም ኲናት ጀምሩ ምስ ተባህሉ ክወሩና ደይኮኑን ! እሞ ሕጂ ከኣ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንወተሃደራት ስንቂ ዝኸውን እኽሊ ረዲኤት ብወደባትና ክኣቱ ! ካን ዓያሹ ቆጺሮሙና !

እዚ ብኣሜሪካውያን ዝተሃንደሰ ብጉልባብ ረዲኤት ኣምሲልካ ንወደብ ዓሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ንብምልእታ ደንካልያ ኢትዮጵያ ከም እትሕዛ ንምግባር እዩ ። ደንካልያ ሓንሳብ ኣብ ቍጽጽር ኢትዮጵያ እንተ ኣትዩ እንትርፎ ብባጽዕ ጌርካ እንተዘይኮይኑ ካልእ መእተዊ ዘይብሉ ብምዃኑ ዳግማይ ንምሓዙ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ። ኢትዮጵያ ሓንሳብ እግራ ኣብ ደንካልያ እንተ ረጊጻ ካብኡ ንንየው ኣሜሪካ ኣላቶም ዘስግኦም ነገር የለን። ስለዚ ደቂ ኤረ ናይ በዓል ሄርማን ኮሀን ተንኮላት ነስተውዕለሉ ! ትማል “ኢትዮጵያውያን ምሳሕኩም ኣዕራብ ይበልዕዎ ኣለዉ እንታይ ትጽበዩ ኣለኹም” ማለቱ ኣይተረድኣናን ድዩ ? እዚ ናይ ሎሚ ከኣ መቐጸልታ ናቱ እዩ እሞ“ ንጠንቀቕ ። ሚስተር ሄርማን ኮሀን ፡ ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን !

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልካል ኤርትራ !
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!