
ብ ተስፋማርያም ሓጎስ:
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ዝኾነ ፍጡር ንኽነብር ሓይልን ሜላ ናይ ምንባርን የድልዮ ። እዘን ነገራት እዚኤን ምስ ዘይውንን ግን ካብ ምድረ ገጽ ንኽጠፍእ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። እዚ ዋላ እኳ ምስኦም ዝውለድ እንተኾነ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ካብ ተሞክሮ ዘጥርዮም ኣገደስቲ ናይ ምንባር ሜላ ንኸጥርዩ ውን ኣኽኢልዎም እዩ ። ኣብቲ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍን ዝነብርሉ ቦታታት ምስ እንኸይድ ነዚ ሓቅነት እዚ ኣብ ባይታ ክንርእዮ ንኽእል።
ደቂ ሰባት ኣብ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ከም ዝሕብረና ኣብ ሓድሕዶም ክዋግኡን ክቃተሉን ሕሉፍ ሓሊፎም ነቶም ኣብ ኲናት ዝቐተልዎም መጻርርቶ ጠቢሶም ይበልዕዎም ኔሮም ። ደቂ ሰባት ካብቲ ናይ ባርያ ስርዓት ጀሚሮም ክሳብ እዚ ዘለናዮ ርእሰ ማላዊ ስርዓት ኣብቲ ዝለዓለ ስልጣኔ ኣብ ዝበጽሕሉ ዘመን እቲ ኩነታት ወራርን ውግእን ውን ብመጠን እቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዓለም ኣብቲ ወነንቲ ኣዕነውቲ ኣጽዋርን ሓያላን መንግስታትን ቍጽጽር ኣላ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ሓያላን ሃገራት ንጂኦ ፖለቲካዊ ረብሐአን ክብላ ሃብታም ዝተባህለን ስትራተጂካዊ ቦታታት ናይ ዓለም ንምቍጽጻር ንዓለምና ብዂናት ይሕምስኣ ኣለዋ ።
ኤርትራ ሃገርና ሓንቲ ካብዚ ግዳይ እያ ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኤርትራ በቲ እትውንኖ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ እተን ሓያላን መንግስታት ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ጎስየን ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ምስታ ኣዝያ ድሕርቲ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ብኡ ኣቢላ ድማ ብኢትዮጵያ ከም እትጉበጥ ተጌሩ ። ካብ ሕሉፍ ተሞክሮኦም ውን ጽንዓትን ቆራጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጡ ብምንባሮም ፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ነጻ ምግዳፍ ማለት ንኻልኦት ኣፍሪቃውያን ኣብነታዊ ትምህርቲ ምሃብ ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ እዚ ኩሉ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዋላ መሬት ከም ኣፍ ዕንቊ ትጽበብ ካብ ዕላምኡን ቃልሱን ነቕ ዘይብል ተቓላሲ ህዝቢ ብምዃኑ ፣ ዓለም ብምልእታ ኢዳ ዘእተወትሉ ኲናት ድሕሪ መሪር ቃልሲ ብዓወት ዛዚሙ ነጻነቱ ዓቲሩ ።
እዚ ፍሉይነት እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን እስያን ከም ጽንዓትን ጅግንነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተራእየን ፣ እቲምንታይሲ ኩሎም ንነጻነት ዝተቓለሱ ህዝብታት ዓለም ደገፍ ናይ ሓንቲኤን ካብተን ርእሰ ሓያላን ኔረሞም። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተ መጺእና ግን ክልቲኤን ርእሰ ሓያላንን ሰዓብተንን በብእብረ ንምጥፋእና ምስቶም ጸላእትና ኮይነን ወጊኤናናን ኣድሜናን እየን።
ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፍናዮ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ ሓደ ዓቢ ታሪኽ ምሂሩና እዩ ። ኣብ ከባቢና ኣብ ዝኽነ ይኹን ኩነት ዘይቅየሩን ካብ ሕሉፍ ታሪኾም ዘይመሃሩን ከደምቲ ጸላእቲ ኣለዉና። እዚኦም ከኣ እቶም ብሸነኽ ደቡብ ዝዳወቡና ኢትዮጵያ እዮም ። እዚኦም ህዝቢ እዚኦም ኣብ ጽውጽዋይ ታሪኽ ተሞርኲሶም ንዘይነበረ ከም ዝነበረ ጌሮም ንሓንጎሎም ዘታልሉ ፣ ከይሓፈሩ መብዝሕትኡ ክፋል ሱዳን ፣ ኤርትራ፣ ሃገረ ሶማል ፣ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ ኔሩ ኢሎም ዝኣምኑ ናይ ታሪኽ መሃይምነት ዘጥቅዖም ህዝቢ ምስ ማንም ጎረቤት ሃገር ብሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ክነብሩ ዘይክእሉ ህዝቢ እዮም ። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ ሞገት ሒዞም ዝነብሩ ኣህዛብ ከመይ ጌርካ ብሰላም ክትነብር ትኽእል ?
እዞም ህዝቢ እዚኦም ኣብ መንጎ ዓይነትን ብዝሕን ዘሎ ፍልልይ ዘይርድኡ ብምዃኖም ፣ ከም ሃመማ ቍጽሮም እንተ በዝሐ ማዕረ ማዕረኡ ሓይሎም ከም ዝዛይድን ንዝደለይዎ ክጎብጡ ከም ዝኽእሉ ዝኣምኑ ህዝቢ እዮም ። ብዝሒ ዘይኮነስ ዓይነት ዝውንኑ ውሕዳት ኣህዛብ ነቶም ብብዝሖም ዝምኩሑ ነበረያ ነበረ ክገብርዎም ከም ዝኽእሉ ኣይርድኡን እዮም። ዝርድኡ ኣህዛብ ኔሮም እንተ ዝኾኑ ህዝቢ ኤርትራ 3.5 ሚልዮን ንሳቶም ድማ 70 ሚልዮን ፣ ህዝቢ ኤርትራ በይኑ ብዘይ ናይ ማንም ደገፍ ንሳቶም ግን ናይ ርእሰ ሓያላን ናይ ሰብን ኣጽዋርን ሓገዝ እንከለዎም ንኹሎም ብሓደ ሓዊ ኩዒና ሃገርና ነጻ ከም ዘውጻእና እኹል ምስክር እዩ ኔሩ ። ኣብ ሎሚ ውን እንተኾነ እዚ ኣምር እዚ ዝተረዳኦም ኣይመስሉን።
ንሕና ኤርትራውያን ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኣጸቢቑ ከም ጸሓይ ቀትሪ ዝበርሃልና ነገር እንተ ደኣ ሃልዩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ፈተውትና ክኾኑ ከም ዘይክእሉን ፣ ንሕና ከም ሃገር ነጻ ኮይንና ክነብር ከም ዘይደልዩ እዩ። እዚ ንዓና ዝያዳ ኣበይን ምስ መንን ከም ዘለናን ንኽንነብር እንታይ ክንገብር ከም ዘለናን ይሕብረና።
ንሕና ነታ ሃገርና ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ከነግዕዛ ዝከኣል ኣይኮነን ግን ከኣ ብሰላም ክንነብር ኣለና። ህይወት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቃልሲ ዝተሰረተት እያ ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍና ነዛ ሃገር ሰማእታት ሩባኣን ኩርባኣን ከነልምዓን ክንሃንጻን ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ መዓልታዊ ስራሕና ናይ ህላዌና ውሕስነት ዝኾነ ሓይልና ብኹሉ መኣዝናት ከነሕይሎ ዓቢናን ነኣሽቱናን እጃምና ከነበርክት ኣለና ። እተን መሰረት ህላዌና ፣ ቃልሲ ፣ ሓይሊ፣ ሓድነት እየን ። ክንነብር እንተ ደኣ ኮይንና ዋላ ንሓንቲ ደቒቕ ውን ትኹን ከይተዛኔና ወተሃደራዊ ፣ ፖለቲካዊ ፣ ቍጠባዊ ቃልሲ ብዝሓየለ መልክዑ ከነካይዶ ኣለና ። ነዚ ዓቢ ዕማም እዚ ክንገብር ሓይሊ ክህልወና ኣለዎ ፣ እዚ ማለት ሕልናዊ ሓይሊ/ስነ ኣእምራዊ ቍጠባዊ ሓይሊን ፖለቲካዊ ሓይልን ክህልወና ኣለዎ ። እዚ ብቕዓትን ሓይልን እንተወኒንና ኣብ ነጻ ኤርትራ ኮሪዕና ክንነብር ንኽእል ። ነዚ ሓይሊ እዚ ከነጥሪ ሓድነት የድልየና ካብ ሓጺን ዝተረረ ሓድነት ። ህላዌና ኣብዚኤን ዝተሞርከሰ ካብ ኮነ ነፍሲ ወከፍና ሃምናን ቀልብና ናብአን ከነድህብ ኣለና።
ህላዌኻ ዘይደልዩ ካብ ካርታ ዓለም ክሓኩኻ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ጸላእቲ ኣብ ጎድንኻ ኮፍ ኢሎም ከለዉ ከመይ ጌርካ ልብኻ ኣውዲቕካ ክትድቅስ ትሓስብ ? ጸላእትካ ካብዝን ካብትን ኣጽዋር ኣኻኪቦም ሎሚዶ ጽባሕ ደምሰስናካ እናበሉ ለይትን መዓልትን ክግዕሩ ክትሰምዕ ከለኻ ቅሩብ ኣይስቆረካን ድዩ ! አረ ንምዃኑ ኢትዮጵያውያን ንህዝቢ ኤርትራ ጥይትን ቦምባን ከኾልስዎ እምበር ባኒ ከኾልስዎ ርኢኻ ወይ ሰሚዕካ ትፈልጥ ?
ፈቲና ጸሊእና ህላዌናን ምንባርናን መዓልታዊ ኣብ ቃልሲ ዝተሰረተ እዩ፣ ካብ ቃልሲ ፈጺምና ከነዕርፍ ኣይንኽእልን ኢና ። ብርግጽ ነቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ዘረከቡና ሕድሪ ኣብ ግብሪ ክንትርጉሞ እንተ ደኣ ኮይንና ነፍሲ ወከፍና ንሕልናና ንሕተቶ ፣ ንጸላኢኻ ክትስዕሮን ክትዕወተሉን እንተ ደኣ ኮይንካ ብወተሃደራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ክትተዓጻጸፎ ኣለካ ። ጸላኢኻ ፣ ጸላኢኻ ዩ ፈታዊኻ ክኸውን ኣይክእልን እዩ እዚ ብምሉእ ሕልናኻ ክትኣምነሉን ምስ ደመ ስጋኻ ከተወሃህዶን ኣለካ። እዚ ክብል እንከለኹ ጽልኢ ኣይኮንኩን ዘጐሃህር ዘለኹ ! ካብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ኣትሒዝና ታሪኽ ኢትዮጵያውያን ምስ እንፍትሽ ሓደ እዩ ዝተራእየ ለውጢ የለን። ንዝብኢ ምስ ዘዕቤኻ ኣዕብዮ ናብ በላዕ ሳዕሪ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ ወይ ውን ምስቶም በላዕቲ ሳዕሪ ኣብ ሓደ ከተንብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኢትዮጵያውያን ኣእምሮኦም ሓንሳብ ብናይ ሰለስተ ሽሕ ጽውጽዋይ ታሪኽ ዝተመልአ ስለ ዝኾነ ክቕየሩ ወይ ክምዕብሉ ዝኽእሉ ህዝቢ ኣይኮኑን። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን ህላዌና ኣብ ቃልሲ ዝተሞርከሰ ካብ ኮነ እሞ ክንነብር ከኣ ካብ ደሌና እንታይ ንግበር ?
ብመጀመርያ ክንፈልጦ ዘሎና መሬት ልዕሊ ኩሉ እያ፣ ኣእጋርና ኣደልዲልና ኣብ መሬት እንተ ደኣ ረጊጽና ናብ ከዋኽብቲ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና ። ስለዚ ኩለንትናናን መጻኢ ህይወትናን ምዕባሌናን ኣብታ መሬት እዩ ዘሎ ። ንሕና ኣእምሮና ኣብ ከርሲ እታ መሬት ዘሎ ጸጋታት ኣውጺእና ከነልምዓን ከነለምልማን ሓላፍነትና እዩ ። ከምቲ ሃገረ እስራኤል ምስ ቆመት እቲ ናይ መጀመርያ መራሒ እታ ሃገር ቤንጎርዮን ኣብቲ ምድረ በዳ ነገፍ ብምኻድ ዝበሎ ፣ ሃብቲ እስራኤልን መሶብ እንጌራ ናይ እስራኤል እዚ እዩ ክብል ተዛሪቡ ። ብርግጽ ድማ ጥር ዝብል ተኽሊ ዘይብሉ ማይ ዘይሃርሞ ምድረ በዳ ፣ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማይ ኣውጺኦም ነቲ ምድረ በዳ ናብ ገነት ቀይረሞ። ንእስራኤላውያን ኣኺሉ ተሪፉ ናብ መላእ ዓለም በብዓይነቶም ፍረታት ንሰደድ ይሰዱ ። ንሕና ድማ ነዚ ገነት ዝኾነ መሬትና ከነለምልሞን ንተፈጥሮ ክንቅይሮ ኣለና ። እዚ እቲ ብመጀመርያ ክንወስዶ ዘለና ስጉምቲ እዩ ። ቀጺሉ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ናብ ኣለኹልኪ ሃገረይ ዝብል ምልምል ሰራዊት ክኸውን ኣለዎ ። ዘለናያ ዓለም ሓይሊ ዘለዎ ዝነብረላ ፍትሒ ዝጎደላ እያ ስለዚ ወተሃደራዊ ዓቕምና ክብ ንምባል ነፍሲ ወከፍና ብዘይ ምቍራጽ ክንሰርሓሉ ኣለና ። ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሰኸም ንሓምሳ ግን ጨና ከም ዝበሃል ፣ ኩልና እንተ ሓቢርና ንምዕባዩ ተበጊስና ኣብ ሓጺር እዋን ዘይንሕይለሉ የለን ።
ጸላእትና ሓይልና ኣብ ሓድነትና ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ፣ ሓድነትና ንምዝራግ ዘይኵዕትዎ ጉድጓድ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን ። ስለዚ ንሕና ከኣ ሓድነትና ንምትራር ለይቲ ምስ መዓልቲ ክንሰርሕ ኣለና ። ኣብ ግዜ ሰውራ ጉሒፍና ዝደርበናዮ ግንከ ዘይቀበርናዮ ሎሚ ጸላእትና ኣርዮም ኣራርዮም ትንፋስ ሰዂዖሙሉ ዘለዉ ሕማም ናይ ኣውራጃ ብኹሉ መኣዝናት ብፍላይ ኣብ ደገ (ዲያስፖራ ) ይፈታተነና ስለ ዘሎ ግዜ ከይቀተልና ክንምክቶ ኣለና ። ጽባሕ ዝውሕጠና ሓይሊ ኣብ ቅድሜና ክዓቢ ሱቕ ኢልና ኣይንርኣዮ !
ንሕና ኤርትራውያን ንህይወትና ካብ ቃልሲ እንተ ደኣ ተኣሊና ህይወትና ከተብቅዕ ምዃና ክንፈልጥ ኣለና ። ንሕና ተገሪህና ምዕጉርቲ ጸላእትና ክንስዕም እንተ ደኣ ኮይንና ክንሰዓም ዘይኮናስ ክንብላዕ ምዃንና ክንፈልጥ ኣለና ። ኣብ ደገ ( ዲያስፖራ ) ዝነብር ኤርትራዊ ካብ ከብዱ ዝተረፈት ሳንቲም ኣብ ሃገሩ ከቐምጣ ኣለዎ እቲ ምንታይሲ ባንኪ ሃገሩ እዩ ዝረብሕ ።
ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ መንእሰይ ብትምህርቲ ክምዕብልን ንነብሱ ኮይኑ ንሃገሩ ክኸውን ብማሕበረ ኮማት ሓያል ጎስጓስ ክግበር ኣለዎ ። ኣብ ደገ ንኤርትራውነት ዘዅርዑ ኤርትራውያን መንእሰያት ክንፈጥር ኣለና ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!
