ጕዕዞን መልእኽትን ኣምባሳደራት፡ ርዝነት፡ ብመለክዒ ርሕቀት!

News ትግርኛ
 ኣምባሳደራት ሰላም መንእሰያት ኤርትራ
ቃልን ድምጽን ኣብ 175 ከተማታት ዓለም ናይ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላም መልእኽቲ ዝሓዙ ኣምባሳደራት ሰላም መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ሽወደን ተበጊሶም ንጄኔቭ ሲዊዘርላንድ ንዘሎ 1700 ኪሜ ዝርሕቀቱ መንገዲ ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ብሽክሌታ ጉዕዞ ትማሊ ተልእኾኦም ብዓወት ዛዚሞም።

ተወልደ ብእምነት

ሚያዝያ 13፡ መበል ዓሰርተ ሰልስተ ዓመቱ ዘቝጸረ ብይን፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት ኣውሓስትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሃገራትን፡ ነቲ ኣብ ከተማ ኣልጀርስ እተበጽሐ ኣህጉራዊ ስምምዓት፡ ብእኡ መሰረት ዝጸደቀ ቀያድን ናይ መዋዳእታን ፍርዲ፡ ተኸታቲለን ኣብ መፈጸምትኡ ከብጽሕኦ ንዝኣተውኦ ዝተመዘዛሉ ሓላፍነት ብምዝንግዐን፡ ክሳብ ሎሚ ላኣላዊ መሬትና ተጎቢጡ፡ እቲ ደጋጋሙ ክዕምጽን ከዳናግርን ዝጸንሐ ድሑር ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ከኣ ሕጊ ክረግጽ፡ ከም ድላዩ ፈንጨራዕ ክብል ዕድል ዝህብ ሃጓፍ ረኺቡ ጸኒሑ ኣሎ።

ነቲ ብቕልጽም መኸተ ዘውሓስናዮ መሬት፡ ብሕጊ ረቲዕና ደጊምና ዘረጋገጽናዮን ርስቲ፡ ሕጂ’ውን ገና፡ ብዲፕሎማሲያዊ ቃልሲን ድፊኢትን ኣብ መዓልቦኡ ከነብጽሖ ተቐሲብና። ንፍትሒ ክንጽውዕ፡ ነቲ በለጻዊ ኣተሓሕዛን ኣድልዎን ክንእረም፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ብዘይ ዕርፍቲ ክንሰርሕን ከነተሓሳስብን ጸኒሕና። መቐጸልታ ናይ’ዚ ዘየቛርጽ ቀጻሊ ጻዕሪ፡ ብዝሓየለ ድምጺ፡ እቲ ዓማጺ ስርዓት፡ ካብ ሉኣላዊ መሬትና ክወጽእ ከገድዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ደጊም ናይ ዅነኔ ስዓት ምኽኣሉ ዘመልክት፡ ረዚንን ከቢድን መልእኽቲ ዝሓዙ ኣምባሳደራት ሰላም፡ ሎሚ ተልእኾኦም ብዓወት ዛዚሞም። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ንልዕሊ 1700 ኪሎ ሜትር ዝርሕቀቱ መንገዲ፡ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተጓዕዙ፡ ዝሑሉን ምውቕን ኩነታት ኣየር ተጻዊሮም፡ ዓቐብን ቁልቁለትን ፈናጢዞም፡ ንዝገበርዎ ሓያልን ነዊሕን ጕዕዞ፡ መርኣያን መምዘንን ኽብደት ናይ’ቲ ዘብጽሕዎ መልእኽትን ኢዩ ዘመልክት። ቃልን ድምጽን፡ ኣብ 175 ከተማታት ዓለም ተዘርጊሖም ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ጻዊዒት ፍትሕን ርትዕን፡ ሽግ ሓቂ ዘብርህ ቅዱስ ጕዕዞ ኮይኑ፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዛ እንነብረላ ዓለም፡ ሕጊ ተማእዚዞም ንዝኸዱ እርኑባት ኣህዛብ ንጭውነቶም ክትድንድን፡ ንትዕግስቶም ክትፈታትን፡ ንዓመጽትን ምስሉያትን ኸኣ፡ በብ’ቲ ዝገብርዎን ዝፈጽምዎን ገበናት፡ መመሊሳ ከተሻድን፡ ነቲ ብማዕረ ዝብጽሓና ዝሰርዓና ኣህጉራዊ ሕግታት፡ ሌላን-ጉሌላን ክወጾ፡ መፋተውን መበለጽን ከም ባህሊ ዝወራዘዩ ወገናት፡ ንሕና ግዳያት ናይ’ዚ እከይ ፖሊሲ ክንከውን ተፈሪድና።

ኣብ’ቲ ተጎቢጡ ዘሎ ሉኣላዊ መሬትና ኣትኪልና ንኸይንምክት፡ ጫሌዳ መንገዲ እናፈጠሩ ከሐሉልና፡ ኣተኩሮና ክጠውዩ ወግሐ-ጸብሐ ክልዕጠጥን ክንዛሕን ዝጸንሐ ፈጠራዊ ክስታት መትሓዚ ኣይነበሮን። ዕላምኡ ድማ ኣብ እተናውሐ እዋን፡ ጊዜ መጢጥካ ከተሰልክን ከተራሳስዕን ንዝወጠንዎ ልሙድ ናይ ምድንጋር ሜላን ጸወታን እውን ኣይተገራህናሉን። ነዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ዘሎ ረጽምታት፡ ንሕና’ውን ብኣንጻሩ ልዕሊ’ቲ ክፋእ ተንኮላቶም ዝኸይድ፡ ናይ ምብልሓት ሜላን ዓቕምን ውዳቤ፡ ኣሐይልና ዝወጻና፣ ገጢምና ንቕድሚት ምምራሽ ኣብ ቃልሲ ዘማዕበልናዮ ዕቑር ተመክሮ ስለ ዘሎ፣ ከም’ዚ ዓይነት ዝጠፈሸ ሽጣራ፡ ኣብ ኤርትራውያን ከምዘይሰርሕ ኣረጋጊጽናሎም ኣሎና።

ኣብ ቅድሚ እቲ ትማሊ ንፈልጦ፡ ትምክሕታዊ ሓይልን ከደምቱን ኢና ሕጂ’ውን ጠጠው ክንብል ተዓዲምና ዘሎና። ናትና እንፈልጦ ፍሉይ መገድን ኣመጻጽኣን ከኣ ኣሎና፡፡ ንእንኸዶ ጕዕዞ ዘማእዝንን ዝሕብርን ከኣ ንሱ’ዩ። ትማሊ ዘዐወተ ኒሕ ሎሚ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ንዝደጋገም ዘሎ ዝርያን ምትሕልላኽን፡ ከም ዘለዎ ወሲድናን ተረዲእናን፡ ኣብ እተናወሐ መስርሕ፡ ብርጉእ መንፈስ፡ ንከበባታትን ውዲታትን ክንሰብር ኸኣ፡ ምስ’ቲ ከነሳላስሎ ዝጸናሕና ንጥፈታት መቐጸልታኡን፡ ዝበለጸ ውጽኢት ከነመዝግብ ዝተሳእለ ተበግሶ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምትሕልላፍን ንምምሃርን ዝተወስደ ብልሕን ቅሩብነትን፡ ተወፋይነት መንእሰያት ኣትለታትና ዘሐብን ኢዩ።

ንኤርትራውያን ትማሊ፡ ከተማታት ጀነቭን ኒው ዮርክን፡ ብጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጥኡ ካብ መሬት ኤርትራ ርሑቕ እንተኔሩ፡ ሎሚ፡ ብብሽግለታ ተጓዒዝና፡ ጉዳይና ክንከታተልን፡ ንመሰልና ክንጣበቕን ዘኽእል ኩነታት ኢዩ ዘሎ። ካብ ሃገርና ኣውጺኦም ከርሑቑና፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገራት ከም ደቂ ዛግራ ተዘሪናን ተዋሒጥናን ንኽንተርፍ፡ እንተኔሩ ቲ’ሕልሚ፡ ነታ ሓላል ሃገር ክትርሳዕ ዝወጸ መደብ፡ (መፈንጠርያ) ሰኣልቱ ኣይሰለጦምን! ብኣንጻሩ ኤርትራውያን ከም ምርቓ ወሲድና ተጠቒምናሉ። ንጉዳይና ብቐረባ ክንምጕት ዕድል ረኺብና። ንኽንጸድፍ ገደል እንተፈጠሩ፡ ንሕና ድማ ኣብ ዘዝተዘርግሐ ኣጻድፍ መደያይቦ ንፈጥር።

እወ፡ ኣዚ ተበግሶ እዚ፡ ዉሑዳት ዝበላሓትዎ ጥበብ’ዩ፣ እንተተባህለ ምስ ምግናን ኣይቝጸርን። ኤርትራዊ ሓንጎል ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ካብ ዘፈልፍልዎ ሓደ ቅዱስ ሓሳብ’ዩ፡ እንተበልና እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ኣይኮነን። እዚ ሓያል ኒሕን ሕልናን ድማ ካብ ማህጸንን ከርስን ወለዶታት ዝበቖለ ጸጋ፡ ናብ’ዚ ወራሲ ወለዶ ዝተሰጋገረን ዝስረጸን ውርሻን ያታን ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ኣብ መጻሕፍቲን መዛግብትን ካልኦት ኣህዛብ ተወኪስካን ተለቂሕካን ዘይትረኽቦ ሃብቲ። ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 70 ዓመታት ድማ ብኽመዚ ዓይነት ልምድን ኣካይዳን ኢና ክንመጽእ ጸኒሕና።

ዕጥቅና ገና ካብ ማእገርና ኣይወረደን፡ ኣዒንትና ድምቀት ሓቂ ክሳብ ንርኢ ሰለም ኣይከብላን ኢየን፡ ፍትሒ ከየረጋገጽና ኣይንዛነን፡ ምልኣት ሰላም ክሳብ ዝሰፍን፡ ኣሎ ሕድርናን ኪዳናን፡ ምስ’ዛ ዓባይ ሃገር ብህያው።

እዚ ህርመት’ዚ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ዕረፍቲ ዝወቅዕ ደወል፡ ወትሩ ንመንፈስና ህይወት ዘስንቕ፡ እምነትና ዘሐድስ ዘበራትዕ፡ ውህደትና ዝኹስኵስ፡ ንኽንሕይል ዝስሕል፡ ኮይኑ ኸኣ፡ እዞም ሰብ ሕድሪ፡ ንዝኸፈቱልና በሪ ህዝባዊ መኸተ፡ ጎድኒ-ጎድኑ ንኽልተ ሳምንታት ኣብ መላእ ዓለም ብውዕዉዕ መንፈስን ምትሕግጋዝን፡ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገራት ኮይኖም ንዝምልከቶም ኣካላት፡ ኣብ’ዚ ተሓላሊኹ ዘሎ ጉዳይ፡ ተሓተቲ ዝኾኑ ሰበ-ስልጣናት፡ ብትዊተር፡ ኢመይላት፡ ደብዳቤታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ሓያልን ሰፊሕን ወፈራ ኣሰላሲሎም። እዛ ብኣሉታዊ ፍጻሜታት እተገብአት ዓለምና ድማ፡ ነዚ ፍሉይ ጽባቐ ኤርትራውያን፡ ንጭውነቶም ንጥምረቶም ዘጕልሕ ሓቐኛ መሰለት፡ ብእድናቖት ተዓዚባ።

ኵልና ብመንፈስን ሕልናን ምስኣቶም ክንጓዓዝ ኢና ቀኒና። ኣብ ዘዝሓለፍዎ ከተማታት፡ ብባንዴራታትን ዕምባባታትን፡ ብዕልልታን ደርፍን ጣቒዕትን፡ ህዝቢ ክቕበሎምን ከፋንዎምን፡ ንፍናኖም ዝዅልዐ እንግዶት ሓለፋ ኔርዎ። ኣብ ዘዝኣተውወን ከተማታትን ሃገራትን፡ ንዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ፡ ህዝቢ ኤርትራን ዘልዕሎ ዘሎ ጠለባት ዝገልጽ ጽሑፋት፡ መዘክርን መተሓሳሰብን እንዳኣረከቡ፡ ምሕላፎም ድማ ነቲ ተልእኾ ዝያዳ ስምብራት ዝገድፍ ኢዩ ኔሩ።

ሎሚ ዕለት 13 ሚያዝያ ድማ፡ ኣብ ከተማ ጀነቫ ብሰላም ኣትዮም፡ ነቲ ክቡርን ዕዙዝን መልእኽቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት፡ ኣብ ኢዶም ከም ዝበጽሕ፡ እቲ ስቕታን ዕሽሽታን ከኽትም፡ ፍትሒ ክነግስ፡ ንሓቂ ድማ እቲ ዝግብኣ ክብሪ ክትሕዝ ተላብዮም።

ፍትሕን ሰላምን ዝነግሰሉ እዋን፡ ርሑቕ ኣይኮነን!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!