
By EriMedia Washington,
ዕለት 8 ታሕሳስ 2013 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግቶን ዲሲ ከባቢኦም፡ ኣብ ህልው ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያውን ምዕባሌታት ሃገር ብሓፈሻ፡ መሰለት ህዝብን ሃገርን ንምድዋን ዝግበር ዘሎ ርኹስ ጠቐናዊ ጎስጓስን፡ ሽርሕታት ሓድሽ ኣጀንዳ ተጻብኦ “ብስም ኤርትራውያን ስደተኛትት “ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ቀጻሊ ከበባን ተጻብኦን፡ ኣብ ዘርእዩ ዓበይቲ ጉዳያትን ዛዕባታትን፡ ዓሚቝ ዝርዝራዊ ዘተን ምርድዳእን ኣካይዶም።

ኣቶ ብርሃነ ገብሪሂወት ሓላፊ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ’ቲ መደብ ተረኺቡ፡ ነዚ ኣብ’ዛ እንሓልፋ ዘሎና ዓመት 2013፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተበጺሑ ዘሎ ቁጠባዊ ውህሉል ትስፉው፡ ዝነኣድ ዕብየት፡ ዳግማይ ምኽላስ ፖለቲካዊ ምትዕርራያት፡ ምድልዳል ቅርጺ መንግስታውን ህዝባውን ማሕበራት፡ ዝንጸፍ ዘሎ ጥጡሕባይታ፡ ምስ መድርኽ ዝኸይድ መርሆ ዳግማይ ምውዳባትን ተቂሱ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት እውን ብመንጽር እቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ሽርሕን ተጻብኦን ገጢምና፡ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ኮረሻ ዲፕሎማሲያዊ ቦታናን ባይታን ረጊጽና ኣሎና፡ ክብል ኣዕጋቢን ሰፊሕን መብርሂ ኣቅሪቡ።
ቀጺሉ መድርኽ ዝሓዘ ዶክቶር ተስፋይ ኣርዓዶም፡ ኮይኑ “ሽርሕታት ይቕጽል፡ መኸተና ይሕይል” ዝብል ኣርእስቲ፡ ብመንጽር ስነ-ልቦናዊ ትንታነን መረዳእታን ኣተኣሳሲሩ፡ ብዝሰፍሐ መቃኑ ዘቅረቦ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዝቅጽል ዘሎን ተጻቦኣዊ ወራር፡ ብስሙር ኤርትራዊ መኸተ ኣዳኺምናዮ እኳ እንተኾነ፡ ሕጂ እውን ነዚ ብስም “ሰብኣዊ መሰል” ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ኣጀንዳ፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ኩናት፡ ካብ’ቲ ቅኑዕ መትከላዊ ትሕዝትኡ ዝለቀቐ፡ ስነ-ምግባራዊ ጥባያቱ ዝተበለለ፡ ሃናጺ ትርጉሙ ዝሰሓተን፡ ብጽልዋ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ሓያላን ሃገራት ዝተተምነየን እተኣልመን ኮይኑ፡ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝግህስ፡ ናዕብን ህውከትን ዝዕድም ዝሓለየ ምንቅስቃሳት ምዃኑ፡ ንሒዞሞ ዘለዉ ሓደገኛ ወራርን ጎስጓስን ፡ ኣብ ጭብጥታት እተመርኮሰ ኣጽጋቢ ዝርዝራዊ መግለጺታት ኣቅሪቡ። ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን ተነጺፉ ዘሎ፡ ንኹሉ ዜጋ ብምዕሩይ ዕድላትን ዝርጋሐን ዝባጻሕ፡ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ለውጢ፡ ምስ’ቲ እንኽሰሰሉ ዘሎና ጉዳይ፡ ብዝኾነ መለክዒ ዘይቀራረብ ምዃኑ ብኣሃዛውን ውድዓውን ኣብነታት ብምዝማድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝግበረ ዘሎ ሃሳዪ ክስታት ኣቃሊዕዎ።

ዶክቶር ጊድዎን ኣስመሮም ኣባይ ኣከታቲሉ፡ ምስ’ዚ ዝሕቆን ዘሎ ቀቢጻዊ ተጻባኣዊ ፈተነታት፡ ነቲ ቅድሚ ሰብዓ ዓመታት እገብር ዝሰዓርናዮ ፈላላዪ ሃማኖታዊ ምክፍዳላት፡ ነዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ጥዑይ ዝምድናታት ህዝቢን፡ ምስጢር ዓንደ-ማእከል ኤርትራዊ ህላውነት ዘውሓሰ ጸጋና፡ ንፋስ ከእትዉሉ፡ ሃይማኖት ጉልባብ ዝገበረ፡ መሰለት ህዝብን ሃገርን ንምድዋን ዝግበር ዘሎ፡ ፉንፉንን ርኹሱን ጠቀናዊ ጎስጓስ፡ ዝኣከቦ ኣብነታት እናጠቀሰ ሓያል ሓበሬታዊ መግለጺታት ንተሳተፍቲ ኣካፊሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ከባቢና ነዚ ብሓደ-ሓደ ‘ኣቅሽሽቲ’ በሃልቲ፡ ንቅንዕናን ሰናይ ድሌት ምእመናን ብምሽፋጥ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝጋማዳሕ ዘሎ መራጎዲ ክስታት ከኣ፡ ሓደ ዓቢ ኣብነት ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እዚ ዓይነት ተግባራት’ዚ ፡ መንቀልቱን መወልቱን ከኣ ብቀንዱ፡ እቶም ብቀጻሊ ብዝተፈላለየ መልክዓትን ግንባራትን ዝጻብኡና ዘለዉ ስርዓታት፡ መሳርሒ ባዕዲ ምዃኖም፡ ብመርትዖ ዝተሰነየ መጽናዕታዊ ሰንዳት ኣተሓሒዙ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ሰፊሕ መግለጺታቱ ሂቡ።
ኣብ መወዳእታ፡ መንእሰይ ሲሞነ ማርዮቲ፡ ነቲ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ኣሰቃቂ ሓደጋ፡ ብኣባላት መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተወስደ ናይ ሓገዝ ኣበርክቶ፡ ብውልቀ ተበግሶ ኣብ’ቲ ቦታ ተጓዒዙ ብምንባሩን፡ ነቲ ካብ መቅርብ ናይ’ቶም ኣብ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠሞም ዜጋታት፡ ዝህብዎ ዝነበሩ ናይ ጣዕሳ ኑዛዘ፡ “ነሕዋትና ኣብ’ዚ ኣሰቃቂ ሓደጋ ክወድቁ ዝገበርና፡ ንሕና ባዕልና ገንዘብ ብምልኣኽ፡ ግጉይ ምኽርን ሓበሬታን ብምሃብ ኢና” ክብሉ፡ ዝተሰምዖ ሓዘንን መረረን፡ ዘሕደረሉ ሓያል ስሚዒትን መጉዳእቲ ቤተ-ሰቦም፡ ንተሳተፍቲ ሰሚናር እቲ ሓቀኛ ኩነታት፡ ኣብ መሬት ዘጋጠመ ትዕዝብቱ ኣካፊሉ። ካብ ኩሉ ኩርንዓት ኣብ’ቲ ስፍራ ተረኺቦም ኩሉ ሓልዮታዊ ኣበርክቶ ዝገበሩ ማሕበር መንእሰያትና ድማ ኒኢዱ። ነቶም ካብ’ቲ ኣሰቃቂ ሓደጋ፡ ፖለቲካዊ መናገዲ ክገብርዎ ዝዋናጨፉ ዝነበሩ ኣካላት እውን ኣቃሊዑ።
ኣያሁን ኪዳነማርያም ግርማይ ዮውሃንስን ድማ፡ ነዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘንጸባርቅ፡ ንጽንዓትን ጅግንነትን ምክልኻል ሰራዊትናን መንግስትናን ዝሙግስ፡ ብውሕሉል ስነ-ጥበባዊ ኣገላልጻ፡ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
መራሕቲን ኣለይትን፡ መደብ ሰሚናር፡ ወይዘሮ ፍረወይኒ ተኸስተ፡ መንእሰያት ኣሚነዳብ ተኽለማርያም፡ መኮነን ገብረማርያም ኣባላት ሽማግለታት ሓይሊ ዕማም ህዝባዊ መኸተ ድማ፡ ናይ ዓመት 2013 ዝተኻየደ ንጥፈታት ህዝባዊ መኸተ መግለጽን፡ መጻኢ ናይ 2014 ተታሒዞም ዘለዉ መደባት ኣብሪሆም። ነቲ መደብ ድማ ብዝግባእ፡ ብዝኽሪ ሰማእታት ከፊቶም፡ ድሕሪ ናይ 4 ክፉትን ኣጽጋብን ምርድዳእን ርእይቶን ሕቶን፡ ሾሞንተ ዓበይቲ ውሳነታ ብምጽዳቕ፡ ኣኼባ ብድሙቕ ዓወት ተዛዚሙ።
ዓወት ንሓፋሸ!
– – – – – – – – – – – – – – – – – – – –