
By ግርማይ የማነ,
ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ንዝኽሪ ምፍራስ ውቃው እዝ፣ ናደው እዝን ንስርሒት ፈንቅልን ጉዕዞ ናብ ኣስመራን ካልኦት ታሪኻትን ዝሓቖፈ ብሰፊሕ ሰነዳት ዝተሰነየ ውዕሎን ቅያን ጀጋኑና ኣብ መደብ ኤሪ ቲቪ ንርኢ ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህ.ግ. ናብ 24 ግንቦት 1991 ንክበጽሕ ዝኸፈሎ መስዋእትን፣ ዝተፈጸመ ጅግንነትን መዳርግትን መዘናን ዘይርከቦ ናይ ታሪኽ ፍጻሜ ምንባሩ ዝያዳ ኣረጋጊጽልናን ኣዘኻኺርናን።
ህዝቢ ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ጽምኢ ውዕሎ ጀጋኑና ካብ’ቲ ብዙሕ ገለ ብምርካብና ናይ ነብሲ ዕግበት፣ ዝያዳ ድማ እንቋዕ ወዲ እዚ ጅግና ህዝብን ኣባል እዚ ጅግና ውድብን ኮንኩ ዘብል እዩ። እዚ መስተንክራዊ ስርሒት ህ.ግ. ኣብ’ቲ እዋን’ቲ እቶም ዝነበሩን ዘለውን ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ክሳብ ሕጂ ዘስተባህልሉ ኣይመስልን። እታ እንኮ ንሶም ዝብልዎ እምበር ካልእ ሰብ ዝሰርሖ ከስተውዕሉ ዘይምኽኣሎም ኣብ ናይ ታሪኽ ዓዘቕቲ ተሸሚሞም ምህላዎም እዩ ዘረድኣካ። ካብ ዘረባ ዝርከብ ፍረ የለን ብስራሕ ግን ብዙሕ ከነፍርን ክንገብርን ንኽእል። ካብ ሽሕ ምቁራት ቃላት ሓንቲ ንእሽቶይ ግብራዊት ስራሕ ትበልጽ።
ከም ኤርትራውያን ኤርትራውያን ኢና ክንብል ንደቅናን ደቂ ደቅናን ኣይናይ ታሪኽ ኢና ከነዘንትወሎም። እቲ ዝዓበየ ክፋል ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ዝፈጸሞ ዓበይቲ ናይ ስራሕ ቅያታት ንኤርትራ ነጻ ንምውጻእ ዝኸፈሎ መስዋእትን ብልሕን እዩ። እዚ ታሪኽ ድማ ብዘይቶም ጀጋኑን በላሕትን መራሕቱን መሰረቱን ክግለጽ ኣይክኣልን እዩ።
ሰባት ክገብርዎ ዝግባእ ስለዘይገበሩ፣ ካልእ ሰብ ምስ ገበሮ ኣብ ክንዲ ድኻማትካ ምቕባል፣ ንዝገበረ ድማ ሞጐስ ኣብ ክንዲ ምሃብ፣ ንሳቶም ስለዘይገበርዎ ንካልኦት ዝገበሩ ምንእኣስ እንታይ እዩ ትርጉሙ። ህይወት ወዲ ሰብ ተመላላኣይ እዩ። ሓደ ዘይገበሮ እቲ ካልእ ይገብሮ፣ ሓደ ክደክም እቲ ካልእ ይብርትዕ ነዚ ዳይናሚካዊ መስርሕ ህይወት ዘይምቕባል ድማ ጽልኢ፣ቅንኢ፣ ድኽመት የሕድር።
ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣባላት ህ.ግ. ዝነበሩ ታሪኾም ኪሒዶም ህ.ግ. ዝገበሮ ከነኣእሱ፣ ንነብሶም ንሕና ኣይኮናን ኢሎም ክኽሕዱ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ዓበይቲ ታሪኽ ዝፈጸሙ መራሕቲ ምስ ዘይረብሑ ኮራኩር ወያኔን ዓባይ ኢትዮጵያን ኮፍ ኢሎም ዘየድሊ ዘረባታት ክምድሩ እንከለው የሕዝኑኻ።
ህ.ግ. ብሓፈሽኡ ናይ ቃልሲ መስርሕ እዩ። ኣብ መስርሕ ድማ ገለ ይቕጽል ገለ ይተርፍ፣ ገለ ይደክም ገለ’ውን ፈጺሙ ዝኽሕድ ክህሉ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። እቲ ዝኸፍአ ግን ኣብ ድሑር ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ስምዒታት ኣቲኻ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዝግበር ፈተናታት ህዝቢ ክነቕሓሉ ኣገዳሲ እዩ።
ህ.ግ. ፊተወራሪ ሃገራውነትን ሃገራዊ ሓድነትን እዩ። ብዓቢኡ ድማ ንኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጠርኒፉ ኩሉ ሃገራዊ ሃገራዊ እጃሙ ከልዕልን ምዕሩይ ዝርጋሐ ሃገራዊ ሃብትን ትምህርትን ሓላፍነትን ዝህብ ዲሞክራስያዊ ውድብ እዩ። ነቶም ብግዳም ኮይኖም ንህዝባዊ ግንባር ክፈርዱ ዝፍትኑ ቀሪቦም ታሪኽ ህ.ግ. ክርድኡን ካብ ክቱር ጽልኢ ዝነቅል ስምዒቶም ብበረድ ኣዝሒሎም ሃገራዊ ሓላፍነቶም ከልዕሉ ይግባእ። እንተ እቲ ንሳቶም ዝፈጥርዎ ገፈጥ መፈጥ ትሑት ሃገራዊ ስርሓት ግን ንህ.ግ. ዘይውክልን ኣብ ጥቕኡ ዘቀርብን እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጉቡኡ ጌሩ ኣብ ስደት ዝርከብ መንእሰይ ክብሎ ዝደሊ፣ ኣብ ሸንኮለል ናይ ተቛመርቲ ጉጅለታት ከየድሃበ ታሪኹ ኣብን ምስ ህዝባዊ ግንባር ከምዘሎ ክፈልጥን ብኡኡ ክሕበንን፣ ዋና ታሪኽ እምበር ሰማዒ ታሪኽ ከምዘይኮነ ፈሊጡ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክስከምን ኣንጻር ጸላእቱ ክምክትን እላወቦ። ዓወት ንሓፋሽ!!