መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

News Opinions ትግርኛ

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ክብሉ ንዝተሰውኡን ፡ ንዝተረኽበ ሃገራዊ ናጽነት ከይድፈር ሂወቶም ንዝኸፈሉን ጀጋኑ ፡ ንዝገደፉልና ሃገራዊ ሕድርን ሓላፍነትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ፡ ከነኽብሮን ክንሕልዎን ምዃና መብጻዓና ነሐድሰሉ፡ ንኽብርን ዝኽርን ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሉ ብደረጃ ሃገር ዝኽበር መዓልቲ እዩ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ

ብ ግርማይ በርሀ (ሽካጎ),

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ክብሉ ንዝተሰውኡን ፡ ንዝተረኽበ ሃገራዊ ናጽነት ከይድፈር ሂወቶም ንዝኸፈሉን ጀጋኑ ፡ ንዝገደፉልና ሃገራዊ ሕድርን ሓላፍነትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ፡ ከነኽብሮን ክንሕልዎን ምዃና መብጻዓና ነሐድሰሉ፡ ንኽብርን ዝኽርን ሰማእታት ኤርትራ ተባሂሉ ብደረጃ ሃገር ዝኽበር መዓልቲ እዩ ።

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ንመግዛእታዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ካብ ሃገርና ንምጽራግን ፡ ገዛእቲ ንዕላማኦም ከዕውቱ ክብሉ ዝተኸልዎም መንግስታዊ ትካላትን ከስርጽዎ ዝፈተኑ ባህልታትን ንምፍራሶምን ንምድምሳሶምን ዝተኸየዱ ጻዕርታትን ዝሓተትዎ ዋጋን ክንዝትየሎም ኣገደስቲ ይኾኑ ።

ቃልሲ ንዝኣረጉን ንዘይኣገልግሉን ምፍራስ ጥራይ ስለዘይኮነ ፡ ንዝፈረሱ ብሓደስቲ ንምህናጾምን ፡ ብንህዝቢ ዘገልግሉ ፡ ህዝባዊ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ማዕርነት ደቂ ሰባት ሰረት ዘለዎም ባህልታትን ዝምድናታትን ንምትክኦም ግድን ስለዝኾኑ ፡ ኣብ ዝተሰርሑ ጉዳያት ተገንዝቦታትን ተዘክሮታትን ምግባር እውን ዘይተርፍ ይኾውን ። ዋጋ እናተኸፍሎም ስልዝተሰግሩ ።

ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ከም ፍሉይን ኩቡርን መዓልቲ ፡ ንኹሎም ዝተፈላለዩ ዝዓይነቶም ዘጋጥሙ ንዝነበሩ ጸገማትን ተጻብኦታትን ንምጥሓሶምን ንምፍሻሎምን ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝፈጠረዎም ሳዓቤናትን ኣብ ጸብጻብ የእቲና ክንዝቲ እውን ግድን እዩ ። ምኽንያቱ ክእለዩን ክሕብሐቡን ዝግበኦም ስድራ ጀጋኑ ፡ ብሕድሪ ዝተገድፉ ኣካላት ስለዘለውና’ ።

ሃገራዊ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መደምደምታ መድረኹ ዝተመረጾ ፡ ንሰራዊት ጸላኢ ብብረቱን ኣብ መሬቱን ኣቲኻ ፡ ግፍዕታት ንምክያድ ዝደኮኖም መበገሲ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ትካላቱ ንምድምሳሶምን ንሓዋሩ ካብ ሱሮም ንምምሓዎምን ዝተወስደ ስትራተጅን ትግባሬኡን ፍሉይነት ከምዘለዎ ዓለም ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ ። ቅንዕናን ቆራጽነትን ዘለዎ ሓይሊ ዓጋቲ ከምዘይብሉ ከኣ ሓደ ኣብነት እዩ ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ እውን እንተኾነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣጋጣሚ ብምግባር ፡ ሃገራዊ ወንን ሓላፍነትን ኣብ ህይወት ኤርትራዊ ዓብዪ ቦታ ክሕዝ ከምዘለዎ ንምግባሩ ሓላፍነት ኣሎና ። ሸለልትነት ብምውጋድ ፡ ነብሰ ተሓድሶን ተበግሶን ንገብረሉን ፡ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ፡ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንዘለኣለም ናይ ምኽባርን ናይ ምሕላውን ኣምንቶ ክሕይል ይግባእ ። ኤርትራ ከምታ ክትኮነላ ንደልያ ክንሃንጻ ግዴታን ሓልፍነትን ኣሎና ። ብፍሉይ ኣተኩሮ ፡ ብተወፋይነት ንሃገርናን ንህዝብናን ከነገልግልን ፡ ሑሉፍ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ከም ተሞኩሮ ወሲድና ፡ ብዛዕባ መጻኢ ክንሰርሕ ኣድላዪ ይኸውን ።

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ነቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘትረረን ፡ መሬት ኤርትራ ደይሱ ዋንነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዝገበረ መስዋእቲ ፡ መሬት ፡ ባሕርን ክሊ ኣየራን ኤርትራ ከምታ ንፈልጣ ንዝለኣለም ተኸቢራ ንኽትነብርን ፡ ምዕብልትን ብቐጻሊ ትግስግስን ሃገር ክንገብራን ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና ብምባል ነብስና ንሓተሉን ንዅነታት ሃገርናን ዓለምን ንመዝነሉን መዓልቲ እውን እዩ ።

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ፡ ነቲ ቀንዲ ንተንኮላት ጸላእቲ ዘፍሸለ፡ ከም ባህሊ ሓርበኛታት ኤርትራ ንቆጽሮ መትከል ህዝባዊ ሓድነትን ህዝባዊ ቃልስን ፡ ብዝበለጸ ንምምዕባሉ ግዴታን ሓላፍነትን ከምዘሎና ተረዲኢና ከም ኣድላይነቶም ፍሉይ ተበጉሶታትን ገምጋማታትን ንገብረሎምን
ዓቕምታትና ብዘፍቅዶ ንሃገርን ህዝብን ኣበርክቶ ክንገብር ብፍሉይ ሓላፍነት ንሰርሓሉ ….. መዓልቲ እውን እዩ ።

Martyr's Cemetery in Asmara
Martyr’s Cemetery in Asmara

ኮይኑ ፡ ኤርትራ ናጻ ንምጻኣን ንምህናጻን ዝተሓልፉን ዘለዉን ጸገማትን ተጻብኦታትን ውሑዳት ኣይኮኑን ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ግዳማዊ ወራራት ስለዘይተፈልዮ ብናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ምዕብልናታቱ መሰረት ገይሩ ብሰላም ንቕድሚት ክስጉምን ሃገሩ ከማዕብልን ዕድል ኣይረኸበን ። ህዝብና ምብዳሉን ኣብ መጻወድያ ኣዝዮም ሓያላት ሓይልታት ተጸሚዱ ምጽንሑን ኩልና ኤርትራውያን ንሕዝነሉ ጉዳይ እዩ ። እቲ መስረታዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ዕምሪ ወረርቲ ከሕጽሩ ዝቃለሱ ሓርበኛታት ኤርትራውያን (ህዝቢ ኤርትራን) ብሓደ ወገን ፡ መግዛእታዊ ሓይልን ተሓባበርቱን ከኣ ንመግዛእታዊ ህይወቶም ከናውሑን ከስፋሕፍሑን ዝሰርሑ ደመኛታት ከእ በቲ ካልእ ሸነኽ ብምዃን ፡ እቲ ጎንጽታት ንብዙሕ ዓመታት ቀጺሉ ። ነቲ ህይወት ሕብረተሰብና እውን ዓብሊልዎ ጸኒሑ ። ኩሉ ዓቅምታት ኣንጻር ወረርቲ ሓይልታት ዘቅነዐ ክኸውን ግድን ኮይኑ ። ኵናት ንዓሰርተታት ዓመታት ስለዝቐጸለ ሕበረተሰብና ከማዕብሉን ሃገርና ክሃንጹን ዝኽእሉ ኣሻሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ክብሉ ዘድሊ መስዋእቲ ብምኽፋል ንሕብረተሰቦምን ንሃገሮምን ዘለዎም ፍሉይ ፍቅርን ሓልዮትን ገለጹ ።

ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ ዋጋን መዚና ፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብቐሊሉ ኣይተረኸበን ። ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነትውን እንተኾነ ፡ ህዝብና ነዘጋጥሙ ተጻብኦታት ንምምካትን ሉኡላውነት ሃገር ንምሕላውን ተገዲዱ ካብ መስዋእቲ ምኽፋልን ንተጻብኦታት ካብ ምምካትን ዓዲ
ኣይዋዓለን ። ኮይኑ ግን ከም ውጺኢት ፈረ ቃልሱ ፡ ኤርትራ ብምልእታ ናጻን ንብረት ናይ ኩሉ ኤርትራውን ኮይና ኣላ ። ብንቕሓትን ብብቕዓትን ምሉእ ሂወቶም ንኤርትራ ከገልግሉ ዝኽእሉን ድልውነት ዘለዎምን ፡ ብመትከል ቑጠባዊ ነብሰ-ካኣልነትን ፖሎቲካዊ ናጽነትን ዝልለዩ ዜጋታት እውን ኣጥርያ እያ ።

ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ፍሉይ ኣካል ተባሂሉ ዝውነን ፍሉይ መሬት የለን ። ኤርትራ ፡ ኤርትራ ክትከውን ዝገብራ መስዋእትን ፡ ንክንህሉ ዝገበረና ቃልስን ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ተሳትፎን ድሌትን ዝነበሮን ዘለዎን ቃልሲ እዩ ነይሩ ፡ ሕጂውን ዘሎን ። ኤርትራዊ ዘይተቃለሰሉ፡ መስዋእቲ ዘይከፈለሉን ዘይተቀብረሉን መሬት ኤርትራ የለን ። እዚ ከኣ ነቶም ብሃገራዊ መንፈስን ሓልዮትን መስረት ገይሮም ብሃገራዊ ጉዳያት ሕቶታት ከልዕሉ ንዝደልዩ ኣፍደገ ክኸፍት ኮሎ ፡ ነቶም ብተንኮላት ጸላእቲ “ብብሄር ፡ ብናይ መታሕት እባ ብናይ ትግራይ ትግርኚ” ኮነ ፡ ብኻልእ ጸበብቲ ሃገራዊ መልክዕ ዘይብሎም ፡ ብጸላእቲ ዝሳወሩን ዝቃመሙን ሕቶታት ፡ ዓጽይዎምን ህይወት ከምዘይህልዎም ገይርዎምን እዩ ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታትቱን ፡ ብጀካ ኣብ ቃልሲ እጃሙ ዘይገበረን ቆሎ ጅብኡ ጥራይ ዝጥምትን ኣካል እንተዘይኮይኑ ፡ ክፍንቅሎ ዝደሊ ፡ ኣካል ህዝቢ ዝኾነ ንጹህ ዜጋ የለን ። በዚ መሰረት ጸቢብ ኣረኣእያ ተጣሒሱን ዝምድናን ርኽክብን ህዝቢ ኤርትራ ማዕቢሉ እዩ ። ብቃልስን ብመስዋእትን ኩሉ መሬት ኤርትራ ፡ ዜጋታት ብናጻ ድሌቶም ክነብረሉ ዝኽእሉ ፡ ድዩስን ናይ ሓባር ዋነነትን ኮይኑ ኣሎ ። ስለዚ መስዋእቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ሰፉሕ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ፡ ሃገራዊ ንብረትን ዋንነትን ፡ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ናጽነትን ዝፈጠረ ስለዝኾነ ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዘለዎ ረዚን ቦታ ከይጠቀስናዮ ክንሓልፎ ኣይግባእን ።

ቃልስን መስዋእትን ሓርበኛታት ኤርትራ ፡ ነቶም ጸላእትና ቀዳዳት ክረኽቡ ዝገብርዎ ዝነበሩ ፈተነታት ዘፍሸለ ፡ ታሪኽ ሓድነትን ጽንዓትን ባህሊ ዝሓዘ እውን እዩ ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ መመሊሱ እናሓየለ ዝመጸ ኮይኑ ፡ ንብዙሓት ተንኮላት ጸላእቲ ዘፍሸለን ፡ ብቡዙሕ
ፈተነታት ዝሓለፈን ፡ ዓብዪ ሃገራዊ ሓይልን መሳርሕን ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ ። ሓድሽ ወለዶ ክማሃሮን መርምር ከካይደሉን ዝኽእል መወዳደርቲ ዘይብሉ ፡ ብሓባር ናይ ምስራሕን መስዋእቲ ናይ ምኽፋልን ጠባያት ዝሓዘ ፡ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ተጠርዩን ኣዝዩ ማዕቢሉን እዩ ። ብናይ ሓባር ቃልስን መስዋእትን ዝውነን ታሪኽን ክብሪ ሃገርን ስለዘሎና ብጉቡእ ክንጥቀመሉ ተኺኢልና ፡ ናይ ዘለኣለም ውሕስነት ክህብ ዝኽእል ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ታሪኽ ሒዝና ኣሎና ። ብዙሓት ዋናታት ዝከላኸልሉን ዝሕልውዎን ክህልዉ እውን ግድን እዩ ።

ኣብ መደምደምታ ፡ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ፡ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ፡ ኤርትራ ምዕብልቲ ክትኮነልናን ዜጋታታ ከኣ ብሰላምን ራህዋን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽን ስለዝኾነ ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነትን ። ዝተገድፈ ሕድሪ ሰማእታትን ብምዃኑ ፡ ኩሉ ሃገራዊ
ክሰርሓሉን ክዕጠቀሉን ይግባእ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ
ዓወት ንሓፋሽ