
ብ ፈነዉ ሬድዮ ኣዳል፣
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተፈልላየ ሃገራት ዓለምና ከም ናይ ዜጋታት ግቡእ ዘይትረፍ ዕዮ ገዛ ኮይኑ ዝሰራሓሉ ግቡእ ዜጋታት ሃገራት እዃ እንተኮነ ፣ ኣብ ሃገረና ኤርትራ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሎ ፣ መንእሰያት ኤርትራ ግን ንስለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወፍርሉ ዘይኮነስ፣ ሕደረ ሰማእታታ ንምትግባር ፣ መብጽዓ ዝእተዉሉ፣ ሃገር ዝውሕሰሉን ዝሃነጽሉን ግቡእ ናይ 18 ኣዋርሕ ረዚን ሕድሪ ዘስከም ዕዪ ገዛ እዩ ።
ከም ምስላ ኣበዎት፣ ዘራጊ ከሎ ፣ ጸሩይ ማይ ከምዘይስተ ክምዝብሃል ፣ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወፍሪ ልምዓት ተሓድሶን ተጸሚዶምሉ ኣብ ዝነብርሉ እዋን፣ ኣብ ግንቦት 1998፣ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ዓይኒ የብለይ ስነ የብለይ ኩናት ብምእዋጃን ፣ ሰለስተ ተደጋጋሚ ወራራት ብምግባሩን፣ ምንጻግ ብይን ወያኔን ንዝተወሰነ ዉሳኔ ኮሚሽን ዶባት ዉዱብ ሕብሩት ሃገራት ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል ተደሚርዎ ፣ ንሱ ብዝሰዓቦ ዘይርጉእ ኩነታት ዶባት ኤርትራን ኤትዮጳን፣ካልእ ቀጻሊ ተጸብኦታት ተወሓዊስዎ ነቲ ብእዋጅ ኣብ 1994 ዝተድንገገ ከምኡዉ’ን ኣብ ኣርባዕተ ዙርያታት ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ፣ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎ ናይ 18 ኣዋርሕ ፣ ንዝተኣወጀ ወራር ንምፍሻለን ድሕነት ጸጥታን ሃገረን ብምቓዳም ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ ከምዝነበረን ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ቀጻሊ ጻዕረታት ክግበር ድሕሪ ምጽናሑን ፣ ኣብ ናይ ቆሕ ሰም ከሎ ካልኢት ሰለም ከይበለ ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝካያዶ ሓያል ጻዕሪ ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተጻፊፉ ብምህላዉ፣ ግቡእ ናይ 18 ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ንቡር ከምዝነበሮ ክምልስ ምዃኑ ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታ ኣሜርካ ኣብ ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ፈጻሚ ህዝባዊ ጉዳያት ኣቶ ብርሃነ ገ/ህይወት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ንዘተጋብኡ ኤርትራውያን ኣብ ዝከይዶ ሰሚናር ገሊጹ።
ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ ግቡእ ዜጋታት ምኾኑን ፣ ኣብ ግቡእ ምዱብ ግዜኡን ክፍጸም ከምዝግባእን ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓባርን መኻርን ኣይድልዮን እዩ ፣ ብመትከል ይሰርሓሉን ከምዝነብረ ይፍለጥ ፣ የግዳስ ነቶም እናረእዩ ዕዉራት፣ እናሰምዑ ጸምማት ዝኾኑ ገብርቲ እከይ ጸላእቲ ኤርትራ ፣ ነዚ ብረዚን መሰዋእቲ ዝመጸ ናጽነት ንምክልኻል ዝተነዉሐ ምኹኑይ ሃገራዊ ገልግሎት ከም ባርነት እዃ እንተተቆጽረ ፣ ነቶም ሕድረ ስምእታቶም ንምትግባር ፣ ዕደም ንእስነቶም ንሃገር ዝወፈዩ ጀጋኑ ተቐበልቲ ሕድሪ ኣላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መብጽዖም ብምትግባሮም ፣ ሓበንን ክብርን እዩ ፣ ዘበርክትዎ ምያ ድማ ንወልዶታት እናተዝክረ ክንብርዩ ።
– – – – – – –
ALSO READ : Celebrating Eritrea’s Military Service and Veterans
– – – – – – –