ፖለቲካን ስፖርትን ብምንታይ ይዛመዱ?

News Opinions ትግርኛ

መንግስቲ ስለዝጸላእካስ ነቲ ህዝቢ እውን ክትጸልኦ ማለት ድዩ?
“ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ኤርትራ [ጽቡቕ] ክሰምዕ ከሎኹ ኢሳያስ’ዩ ቍልጭ ኢሉ ኣብ ቅድመይ ዝርኣየኒ። . . . እዚ ሰብኣይዚ ክሳብ ዘሎ ብዛዕባ ኤርትራ ወዮ ግዳ የሎን ድኣምበር ጽቡቕ እንተዝህሉ እውን እወ ጽቡቕ’ዩ ኢሉ ዝቕበል ሓንጎል የብለይን።” – ደለይቲ ሕሰም (ተቛመርቲ) ኤርትራ። መንግስቲ ስለዝጸላእካስ ነቲ ህዝቢ እውን ክትጸልኦ ማለት ድዩ?
ቀለታ ኪዳነ

ነኳ ሓቂ ይሓይሽ ስፖርት መባልዕተይ ኣይኰነትን። ዕድመ ትቕጽልያ ስለዝበሉኒ ግን ሎሚ ኣብ እርጋነይ ከይፈተኹ ክላለያ ጀሚረ ኣሎኹ። ይኹን እምበር ዝዀነ ይኹን እእመኖ ኣይእመኖ ብዛዕባ ሃገረይን ህዝበይን ጽቡቕ ክሰምዕ ከሎኹ ኣሕጐስ። ሕማቕ ክሰምዕ ከሎኹ ከኣ እሓዝን። በዚ ሎሚ ቕነ ኣብ ውድድር ስፖርት ማለት ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን፡ መርሃዊ ቅዱስን አብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ኣብ ኦሎምፒክ 2015 ኣብ በይጂን ቻይና ብኤርትራውያን መንእስያት ኣብ ዓውዲ ስፖርት ዓለም ዝተረኽበ ዓወት መጀመርያ ነቶም ትዓወትቲ ደቅና ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን፡ መርሃዊ ግርማይ ገብረስላሰን ኣማኒኤል መለስን እንቋዕ ኣዓወተኩም እናበልኩ ቀጺለ ከኣ ነቶም ኵሎም ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ጽቡቕ ክርእዩን ክሰምዑን ከለዉ ዝሕጐሱ ንዅሎም እንቋዕ ኣሓጐሰኩም እብሎም።

ቀጺለ ምናልባት ከምዚ ንዓይ ዘጋጠመ ዘጋጠመኩም ወይ ነቲ ኵነታት ዘስተብሃልኩሙሉ ሰባት ስለ ትህልዉ ምስኡ ዝተሓሓዝ ሎሚ ቕነ ዘጋጠመኒ ከዕልለኩም። ሓደ ኣዝዩ ብጕዳይ ስፖርት ዓለም ይከታተልን ይፈልጥንዩ ዝብሎ ንፍትሒ እቃለስ ኣሎኹ ዝብል ፈታውየይ ስልኪ ደዊለ እንቋዕ ኣሓጐሰካ። እንቋዕ ከኣ ንዅልና ኣሓጎሰና እብሎ።

ናይ ምንታይ? ኣይብለንን።

እንታይ ናይ ምንታይ ድኣ ናይዞም ደቅና ኣብ ጕያ ኣሎምፒክ ኣብ ቻይና ዝተረኽበ ዓወት እምበር እብሎ።

ናይ ብሓቅኻ ዲኻ? በዚ ናይ ክልተ መንእሰያት ዓወት ክሳብ ክንድዚ ትሓጕስካ ማለት ድዩ? ይብለኒ።

እወ። እንታይከ ዘየሓጕስ ኣሎኒ። ንባዕሉ ካብቲ ለይትን መዓልትን ብዛዕባ ናይ ሃገርና ክፉእ እምበር ጽቡቕ ዘይስምዓሉ ሜድያታት ዓለም ለውጢ ረኺብና ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ገለ ጽቡቕ ናይ ዓወት ነገር ክዝረብ ምስማዕ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ዓቢ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ዝህብ ኢዩ ብማለት መልሰይ ነበረ።

በል ኣነስ ክገርመካ ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ኤርትራ [ጽቡቕ] ክሰምዕ ከሎኹ ኢሳያስ’ዩ ቍልጭ ኢሉ ኣብ ቅድመይ ዝርኣየኒ። ተዓዊቱ ክሰምዕ ከሎኹ ተኣሲሩ ዝብልዩ ኣብ ሓንጎለይ ዝኣቱ። ተሸሊሙ ክብሃል ከሎ እውን ተሸሚሙ ዝበሉ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። እዚ ሰብኣይዚ ክሳብ ዘሎ ብዛዕባ ኤርትራ ወዮ ግዳ የሎን ድኣምበር ጽቡቕ እንተዝህሉ እውን እወ ጽቡቕ’ዩ ኢሉ ዝቕበል ሓንጎል የብለይን።

ሓንጎለይ በቲ ሓዘንን ጓህን ናይቲ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ምድረበዳ ዝሃለቐ ኮነ ኣብ ስደት ዝግፋዕን ዝዋረድን ዘሎ፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓለ ኮነ ኣብ ዓዲ ጓና እናተዓመጻ ዝዋረዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ጓሂ ስለ ዝተመልኤ ንዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ኤርትራ ዝሰምዖ ጽቡቕ ክኣምንን ክቕበልን ዝኽእል ናጻ ዝዀነ ሓንጎል የብለይን ብማለት ከኣ እቲ ልቡ ክሳብ ክንደይ ብጽልእን ብሕርቃንን ተመሊኡ ንፍቕርን ንሕድገትን ንሓጐስን ዝኸውን ክፉት ቦታ ከም ዘይተረፎ ኣዕሊሉኒ።

መቸም ሕብረተሰብና ኣብ ካልኦት ክንልብምን ክንዋራዘን ከሎና ንፉዓት እንዲና ኣነ’ውን ካብኣቶም ሓደ ብምዃነይ ምንም ከይተወላወልኩ ኣይፋልካን ተጋጊኻ እብሎ። ፖለቲካን ስፖርትን እንታይ ኣራኸቦም? ፍጹም ዝምድና የብሎምን። ብተወሳኺ ከኣ መንግስቲ ድኣዩ ናይ ህዝቢ እምበር ህዝቢ ኣይኰነን ናይ መንግስቲ። ሃገርካን ህዝብኻን ዝረኽቡዎ ጽቡቕ ዘይትቕበል እንተዀንካ ድኣሞ ምእንቲ ህዝቢ እቃለስ ኣሎኹ ትብል ነየናይ ህዝቢ ሓጎስን ቅሳነትን ንኸተምጽእ ትቃለስ ኣሎኻ ማለት’ዩ? ነቲ መንግስቲ ስለዝጸላእካስ ነቲ ህዝቢ እውን ክትጸልኦ? ኣይፋልካን እዝስ ትኣረመሉ ድኣምበር ኣይዘረባን ብማለት ኰረኹሉ። ዘረባይ ብምቕጻል ከኣ ብርእይቶይ ንኹሉ ዘመዛዝን ሓንጎል ክህልወካ ይግባእ። ብፍላይ ከኣ ንስፖርትን ፖለቲካን ንመንግስትን ንህዝብን ፈላሊኻ ክትርእዮም ክትክእል ኣሎካ።

እቲ መንግስቲ ፍትሓዊ ኣይኮነን ዝብል እምነት እንተልዩካ ንስኻ ካብኡ ንላዕሊ ፍትሔኛ ክትከውንን ጭብጢ ዝኸውን መተኣማመኒ ከተርእን ኣሎካ። ብቕንዕናኻን ብሓልዮት ህዝብኻን ዘይትጠራጠር እንተዀንካ ከኣ እቲ ህዝቢ ካብ ነቲ መንግስቲ ንዓኻ ከም ዝቕርብ ብምእማን ክሕጕስ ከሎ ምስኡ ክትሕጐስ ክሓዝን ከሎ ከኣ ምስኡ ክትሓዝን ኣሎካ ብማለት እተን ኣለዋኒ ዝብለን ውርዙያት ቃላት ኣዝነብኩሉ።

ኣብኡ ጥራሕ እውን ደው ኣይበልኩን። እዚ ናይዞም ክልተ ደቅና ግርማይን ኣማኑኤልን ኣብ ስፖርት ዝተረኽበ ዓወት ከኣ ዓወት ሃገርናን ህዝብናን እምበር ዓወት መንግስቲ ኣይኰነን። ሕጂ ምሳኻ ምስ ተዘራረብና ክዝክሮን ክሓስበሉን ከሎኹ ብዛዕባ ዓወት ናይዞም መንእሰያት ኤርትራ ካብ ኣብ ዜና ማዕከናት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ካልእ ዓለም ዝተዘርበሉን ዝተደነቐሉን ይበዝሕ። ስለምንታይ?

ንምንታይ ኢና ኤርትራውያን ንመንግስቲ ስለዝጸላእና ነንሓድሕድና ኮነ ሃገርናን ህዝብናን ንጸልእ? ብቓልካ ምእንቲ ህዝቢ እቃለስ ኣሎኹ ኢልካ ዓረር ክትብል እናውዓልካን እናሓደርካን ኣብ ግብሪ ግን ካብ ህዝብኻን ሕብረተሰብካን ርሒቕካን ተነጺልካን ክመጽእ ዝኽእል ዓወት ኣሎ ድዩ? ዓገብ ብማለት ኣፈይ ዝሃበኒ ሌፍ በልኩ። እዝግሔር ይሃቦ ግን ስቕ ኢሉ ድኣ ሰምዓኒ እምበር ኣይተመላለሰንን ኣብ መወዳእታ ግን ትዓጋጊብናን ተረዳዲእናን ብሰላም ተፈላሊና።

ኣብዚ ኣብ ዲያስፖራ ብዙሓት ዝቀራረቡን ዘደላልዩን ዝተኣኻኸቡን ኤረትራውያን ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ብዙሓት ከኣ ኣብ ገለ መዘናግዒ ባር ወይ እንዳሻሂ ክትኣቱ ከሎኻ ኖ ኖ ኖ እዚኣ ድኣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ስለዝኣትዉዋ ኣይንደልያን። እቲኦም ድኣ ኤርትራውያን ይመስሉ ካብኣቶም ርሕቕ ኢልና ኮፍ ንበል ዝብሉን ኤርትራውያን ዝኸዱሉ መንገዲ ክረግጹ ዘይደልዩን ኤርትራውያን ክርእዩ ከለዉ ቋንቋ ዝቕይሩን ገጻቶም ዝጸዋውጉን ሰባት እውን ሒደት ኣይኰኑን። እዚ ጠባይና ምስቲ ናይ ካልኦት ከተርኣእዮ ከሎኻ ከኣ ብፍላይ ሱዳንን ሶማልን ምንም ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ ይሃልዎም ብሓደዮም ዝበልዑን ዝሰትዩን ዝመያየጡን። ምንም ይፍተዉዎምን ይቕረቡዎምን ከኣ ቅድሚ ወዲ ሃገሮም ዝቐርቡዎ ሰብ የብሎምን። ንሳቶም ኣብዚ ኣብ ዲያስፖራ ኣይኮነንዶ
ነንሓድሕዶም ንዓና እውን ብስም ጐረባብቲ ክጽግዑናን ከቀራርቡናን እንተኽእእሉ እውን ክሕግዙና ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ናይ ሎሚ ወሪዱና ዘሎ ከኣሞ ባዕሉ ይቐንጥጠልና ዘብል ኢዩ።

እንታይ ኮን ይኸውን እቲ ጸገምና?
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ
– – – – –

*ምንጪ ጽሑፍ፡ መስከረም.ነት