ኣንቱም ከዳዓት መንሽሮ ሕብረተሰብ : ኣሜሪካ ዕንወትን ህልቂትን እምበር መዓርን ጠስምን ተምጽእ ከይመስለኩም!

ትግርኛ News
Eritrean opposition shut up
ወያነን ኣሜሪካን ሰዓብታን መዓርን ጠስምን ሒዞም ናብ ኤርትራ ከምዘየጹ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን ናይቶም ከዳዓት መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝብል ስም ዝተጠመቑ ወይጦታት እዩ ። እዞም ህዝቦምን መንግስቶም ዝኸሓዱ ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተምበርከኹ ወይጦታት እቲ ባህጎምን ትምኒቶምን ኤርትራ ከም በዓል ዒራቕን ሊብያን ክትድምሰስን ክትዓኑን ህዝባ ክሃልቕን ድዮም ዝምነዩ ዘለዉ?

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ዝቢ ኤርትራ ነታ ዝተመንዝዓቶ ነጻነቱ ንምምጻእ ክንደይ ስቓይን መከራን ከም ዘሕለፈን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐን ዝመረረን ቃልሲ ከም ዘካየደን ማዕረ ክንደይ ረዚን መስዋእቲ ከም ዝኸፈለን ንሕና ኤርትራውያንሲ ይትረፍ ዓለም ብዓለማ እትፈልጦ ሓቂ እዩ።

መስዋእቲ ክበሃል እንከሎ ጤል ወይ በጊዕ ሓሪድካ ንኣምላኽ እተሕርሮ መስዋእቲ ኣይኮነን ፣ እንታይ ደኣ ለይለይ ዝብሉ ኣባጽሕ ዕጽፍ ዝርግሕ ዝብላ ጎራዙ እየን ስለ እዚ ህዝቢ ብዓረር ጸላእቲ ተመንኪሎም ብክላስተር ቦምቦ ኣካላቶም ተበታቲኑ ፣ ብናፓልም ቦምብ ከም ሽምዓ መኺኾም በጃ እዛ ሃገር ንስለ ነጻነት ሓሊፎም ።

እወ ኣደ እታ ለዋህ ውላዳ እምኒ ዓንቂፍዎ ቅድሜኻ ይስጥሓኒ ብምባል በጅኡ ሕልፍ እትብል ፣ ኣብ ቃልሲ በጺሓ ግን ኣጆኺ እዛ ጓለይ ኣጆኻ እዚ ወደይ ትብዑ ኣይትሕመቑ ንብጾትኩም ከይተግድዕዎም እናበለት ንደቃ ናብ መኣዲ ቃልሲ ኣፋንያ ንሳ እኽለ ማይ ሒዛ ፈቐዶ ድፋዕ ብላዕልን ብታሕትን ቦምባታት ጸላኢ ኣብ ልዕሊኣ እናዘነበ ተጋደልቲ ኣብ ዝኣተዉዎ እግሪ እግሮም እትኸይድን ንመስዋእቲ ደቃ ብነጸላኣ እትቕበልን ኣሰሮም ተኸቲላ ውን እትስዋእን ተባዕ ሓርበኛዊት መቐነታ ገጥ ኣቢላ ንሰውራ ዝሓብሓበትን ዝተቓለሰትን ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ምዝዛም ካላኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር በታ ኣብቲ እዋን እቲ ርእሰ ሓያል ኮይና ዝተቐልቀለት ኣሜሪካ ብሓይሊ ምስታ ብድሕረታ ናይ ሓደ ዘመን ድሕሪት ዝነበረት ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ብኡ ኣቢላ ድማ ከም እትጉበጥ ዝገበረትን ሃገር እያ ። ንሰላሳ ዓመታት ደምና ከም ውሕጅ ዛርዩ ዓድታትና ዓንዮም ህዝብና ናብ ፈቐዶ ሃገራት ከም ዝስደድ ኮይኑ። እዚ ኹሉ ብሰንኪ ኣሜሪካ እዩ። እነሆ እዚ ሰብዓ ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ ። ኣብዚ ውሽጢ ሰብዓ ዓመታት ህዝብና ካብ ምዕባለ ተሓሪሙ ዕጭኡ ውግእን ሞትን ህልቂትን ስደትን ኮይኑ ተሪፉ። ዘዝተወልደን ዘዝጎበዘን ኲናትን መቝሰልትን ስንክልናን መስዋእትን ኮይኑ ዕጭኡ ።

ኣሜሪካ ንብሕታውን ጂኦ ፖለቲካውን ረብሓኣን ክትብል ንህዝቢ ኤርትራ ገንሸል ኣፋስጋ ጌራቶ ትርከብ ። ኣብቲ ምእንቲ ሓርነትና ዘካየድናዮ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኣሜሪካ ንሰውራና ንምጥፋእ ዘይፈሓረቶ ጉድጓድ ዘይፈንቀለቶ እምኒ ኣይነበረን ። እወ ህዝቢ ኤርትራ ቆሲሉ ሰንኪሉ መሪር መስዋእቲ ከፊሉ ንሕልምን ባህግን ኣሜሪካ ኣፍሺሉ ብገዛእ ቅልጽሙ ሓርነቱ ተጎናጺፉ ። ሓርነትን ነጻነትን ህዝቢ ኤርትራ ንኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ መንግስታትን ብቐሊሉ ዘይስተ መሪር ዓንዴል እዩ ኔሩ ።

ትኽስ ድሙ መዘንግዕ ኣንጭዋ ከም ዝበሃል ኣብተን ካብ 1991 ክሳብ 1998 ዝነበራ ናይ ናጽነት ዓመት ተጻብኦታት ኣሜሪካ ክሳብ ክንድዚ ጎሊሑ ዝርአ ኣይነበረን ። እቲ ሕልምን ባህግን ኣሜሪካ ኣብ ቦትኡ ብምንባሩ ግን በታ ናታ ነጨ ለባሽ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣቢላ ቅድሚኡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብስፍሓቱ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ወልዓትልና ። እቲ ምእንቲ ናጽነቱ መሪር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ንወራራት ኣሜሪካ ብዘደንቕ ትብዓትን ቆራጽነትን ኣፍሸሎን ሰዓሮን። ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንማንም መንግስቲ ዘይምብርከኽን ግዙእን ተለኣኣኽን ክኸውን ዘይመረጸን መንግስቲ እንተ ደኣ ሃልዩ መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ንርእሱ ክመስልን ጉዳይ ሃገሩ ብዘይ ናይ ማንም ተጽዕኖ ክኣልን ክመርሕን ዝደሊ ኣብ ነብስኻ ምኽኣል ዝብል ቅኑዕ መትከል ረጊጹ ንህዝቡ ለይትን ቀትርን ኣስሚሩ ዝሰርሕ መንግስቲ እዩ ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ናይ ማንም መንግስቲ ተለኣኣኽን ከዳምን ክኸውን ኣይመርጽን እዩ ።ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ንኣሜሪካን ሰዓብታን ሓደገኛ ኢቦላ ቫይረስ እዩ ።

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ ዓይነት ባህርያዊ ጸጋታት ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ነዳድን፣ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ከተእትዎ እያ እትደሊ ። ኣብዚ ከባቢ እዚ ዕንቅፋት ዝኾንዋ መንግስታት ምስ ዝህልዉ ዘጥፍአት ኣጥፊኣ እንተስ ብኢዳ እንተስ ብኢድ ነጨ ለባሽ ከተጥፍኦም እያ ትደሊ ። ነዞም ዕንቅፋት ይኾኑኒ እዮም እትብሎም መንግስታት ዝተፈላለዩ ኣስማት ኣጠሚቓ ክትድምስሶም እያ እትደሊ። እዞም ዝልጠፉ ቅጽል ኣስማት ፣ ግብረ ሽበራ ፣ ውልቀ መላኺ ፣ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ፣ ኣዕነውቲ ኣጽዋር ወዘተ ዝብሉ እዮም ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዒራቕ ፣ ሶርያ፣ ኢራን ዝኣመሰሉ መንግስታት ፣ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ክትህሉ ዘይደልዩ ብምዃኖም ሓደ ድሕሪ ሓደ ክድምሰሱ ናይ ግድን እዩ ። ንዒራቕ ኣዕናዊ ኣጽዋር ኣለዋ መራሒኣ ሓደ ውልቀ መላኺ እዩ ዝብሉ ኣስማት ኣጠሚቓ ነታ ሃገር ኣዕንያታ ። እታ ሃገር ሎሚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣላ ? ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ብናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ውግእ ሓድሕድ ትሕመስ ኣላ ። እንተ ወሓደ ሚእቲ ሰባት መዓልታዊ ይሞቱ፣ እታ ሃገር ምልክት ናይ ሃገር ውን የብላን ። ህዝቢ ዒራቕ ብወራር ኣሜሪካን ሰዓብታን መዓርን ጠስምንዶ ይቐርበሉ ኣሎ ?

ሊብያ ኣብ ኣፍሪቃ ህዝባ ኣብ ኣዝዩ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ልዕሊ እተን ምዕቡላት ኢና ዝብላ ሃገራት ምቹእ ህይወት የሕልፍ ኔሩ ። ህዝብን መንግስትን ሊብያ ንኣርባዓ ዓመታት ዝሃነጾ ሃገር ፣ መራሒ ሊብያ ውልቀ መላኺ እዩ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ነታ ሃገር ጭራሽ ኣዕነዉዋ። ህዝቢ ሊብያ መዓልታዊ ብናይ ዝተፈላለዩ ጥሩፋት እስላማውያን ከም ቆጽሊ ይረግፍ ኣሎ። እታ ዝሃብተመት ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ሎሚ ሲኦል ናይ ምድሪ ኮይና ትርከብ ። ድሕሪ መንግስቲ ሊብያ ምጥፍኡ ህዝቢ ሊብያ መዓርን ጠስምንዶ ካብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ይውሕዘሉ ኣሎ ? እቶም ኣብ ዒራቕ ይኹን ኣብ ሊብያ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ዕሱባት መጋበርያ ጸላኢ ሎሚ እንታይ ይብሉ ኣለዉ ? ናቶም ምቅዋም ነዚ ንምምጻእ ድዩ ኔሩ ? ምስ ሕልንኦም ደኾን ይዛረቡ ይህልዉ ? እዚኣቶም ናይ ጥፍኣት ሃዋርያ ኣንጻር ህዝቢ ዝዓጠቑ ዕሱባት እዮም ። ሃገር ከም ዘይነበረት ኮይና ዓንያ ፍጡር ወዲ ኣዳም ክነብረላ ዘይክእል ገሃነም ኮይና ። እዞም ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተምበርኹ ከዳዕ ኤርትራውያንከ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ድዮም ዝምነዩሉ ዘለዉ ?

ኣብ ሶርያ እንተ መጺእና ውን እዚ ንርእዮ ዘሎና ብዙሕ መግለጺ ዘየድልዮ ከም ናይ በዓል ሊብያን ዒራቕን እዩ። እቶም ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ህዝቦም ሃሊቑ ካብ ማሙቕ ገዝኡን ምዉቕ ህይወቱን ተመዛቢሉ ሚልዮናት ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዱ ስቓይን መከራን የሕልፍ ኣሎ ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝበሎ እንተ ደኣ ሃልዩ ፣ መትከልና ርእስኻ ምኽኣል ፣ ነብስና እንበር ንኻልኦት ክንመስል ኣይንደልን ኢና ፣ ናይ ማንም ሃገር ጽግዕተኛን ተለኣኣኽትን ክንከውን ኣይንደልን ኢና ፣ ብጽፍርና ጻሕቲርና ክንነብር እምበር ኣእዳውና ንልማኖ ኣይንዝርግሕን ኢና ፣ መዘዝ ሒዙ ዝመጽእ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ኣይንደልን ፣ ኣብ ናይ ማንም ሃገር ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድና ኣይነእቱን ፣ . . .

እዚ መምርሒ እዚ ስለ ዝተኸተልና ኣብ ዓይኒ ኣሜሪካን ሰዓብታን ኣቲና ከም ሓደገኛ ቫይረስ ተቖጺርና እነሆ ካብ ምድረ ግጽ ንምጥፋእና መንገድታት ይጽረግ ኣሎ ። ጸላእትና መዓርን ጠስምን ከኾሉስና ንጽበ ህዝቢ ኣይኮንናን ! እዚ ኩሉ ሃተውተው ናበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ! ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን ከም ዝበሃል እቶም ካብ ቅድም እንፈልጦም ጸላእትና እዮም ፣ ብኸመይ ክሳብ ትማል መኪትናዮምን ህላውነትና ኣረጋጊጽናን ኣውሒስናን ኣለና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና ፣ ሎሚ ውን ንዝመጽእ እንተታት ንምምካት ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝተዓጻጸፈ ድሉዋት ኣለና !

እቲ ዝገርም ናይቶም ከዳዓት መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝብል ስም ዝተጠመቑ ወይጦታት እዩ ። እዞም ህዝቦምን መንግስቶም ዝኸሓዱ ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተምበርከኹ ወይጦታት እቲ ባህጎምን ትምኒቶምን ኤርትራ ከም በዓል ዒራቕን ሊብያን ክትድምሰስን ክትዓኑን ህዝባ ክሃልቕ እቲ ካብ ሞት ዝተረፈ ነዛ ህይወቱ ንምድሓን ብጎደና ሲኦል ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ከርፋሕ ናብራ ስደት ከሕልፍ ፣ እቲ ዝተረፈ ብዓሌት ብኣውራጃ ብሃይማኖት ነንሓድሕዱ ክፋለስ ድዮም ዝምነዩ ዘለዉ ? ወያነን ኣሜሪካን ሰዓብታን መዓርን ጠስምን ሒዞም ድዮም ንኤርትራ ክመጹ ! ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ድዮም ከስፍንሉ ? ጸላእትና ጸላእትና እዮም ካብኦም ጽቡቕ ነገር ክመጸና ኢልና ኣይንጽበን ሓሲብና ውን ኣይንፈልጥን ፣ ብዙሕ ውን ኣይገርመናን ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርመና ናይዞም ከዳዓት ደቂ ሃገር እዩ ፣ ናይ ትማል ዒራቕን ሊብያን ዘይርእዩ! ብኸመይ ተኣምርከ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ይምነይሉ ? ዓዲ መን ድዩ ክዓኑ ! ኣደ መን ድያ ክትሕረድ ! ደቂ መን ድዮም ብቦምብ ክሃልቁ ! ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ካብቶም ባዕዳውያን ጸላእቲ ንላዕሊ ጸላእቲ ዝኾኑ እቶም ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ንመንግስቲ ኤርትራ ከካፍኡን ከጸልሙን ዝውዕሉ ዘለዉ ከዳዓት ወይጦታት ኤርትራውያን እዮም ። ወይለኹም ኣንቱም ከዳዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዘሽካዕልል ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ቀሪቡ እቲ ዝግብኦ ክረክብ ምዃኑ ኣይጠፍኣኩምን ይኸውን ። ሃገረ ኤርትራ ሃገር እቶም ሓላላት ሃገር እቶም በጃኣ ዝሓለፉ ሰማእታት ሃገር እቶም ሕድሪ ሰማእታት ተቐቢሎም ሃገር ዝከላኸሉን ዝሃንጹን ዘለዉ ዋርሳይ ንዘለኣለም ብነጻነት ተኸቢራን ማዕቢላን ህዝባ ቀሲኑ ዝሓድረላ ኮይና ከም እትነብር ፣ ንምጥፋኣ ኣእዳዎም ድዝርግሑ ኣእዳዎም ቆሪጽና ከም እነትርፈን ሎሚ ውን ከም ትማሊ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎና ሓፋሽ ህዝባ ቃል ንኣትወላ !

ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ኤርትራውያን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ሃገርና ካብ ክመጽእ ዝኽእል ተጻብኦታት ንምድሓን ንበገስ ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!