ቻይና፡ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ኣትሌታት ዓወታት ይጭብጣ

News Sport ትግርኛ
Nazret-Weldu China half marathon
ኤርትራውያን ኣትሌታት ናዝሬት ወልዱን ራሕማ መሓመድን ኣብ ቻይና ኣብ ዘካየድኦ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፡ ቀዳመይትን ራብዐይትን ብምውጻእ ተዓዊተን። (Nazret Weldu Archive Photo)

ጀማል መሓመድ ኣማን

ርትራውያን ኣትሌታት ናዝሬት ወልዱን ራሕማ መሓመድን ኣብ ቻይና፡ ከተማ ዙጂ – ሻንጋይ ብ21 ሕዳር ኣብ ዘካየድኦ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፡ ቀዳመይትን ራብዐይትን ብምውጻእ ደሚቐን ከምዝወዓላ ኣሰልጣኒኤን ኣቶ ሊቪንግስቶን ኣብርሃም፡ ገሊጹ። ብመሰረት’ቲ ኣሰልጣኒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ንፈለማ ግዜኣ ኣብ ናይ 10,000 ሜተር ዝተኻፈለት ናዝሬት ወልዱ፡ ነቲ 21 ኪ.ሜተር ዝሽፍን ውድድር፡ 1 ሰዓት 13 ደቒቕ 08ን ካልኢትን ብምምዝጋብ’ያ ንዓወት በቒዓ። 

ኣብቲ ውድድር፡ ታንዛንያውያን ኣትሌታት ካልኣይትን ሳልሰይትን ክወጻ እንከለዋ፡ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ስፖርት መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ 5,000 ሜተር ተሳቲፋ ዝነበረት ራሕማ መሓመድ ከኣ ራብዓይቲ ምውጽኣ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ነዊሕ ርሕቀት ውድድር ልዑል ተስፋ ከምዘለዋ ከተረጋግጽ ክኢላ’ላ።

ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብ15 ሕዳር ኣብ ቻይና – ዙሻን ኣብ ዝተባህለት ደሴት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን’ውን ቀዳመይቲ ኮይና ከምዝተዓወተት ይፍለጥ። ናዝሬት ወልዱን ራሕማ መሓመድን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ማእከል ምስልጣን ኣትለቲክስ መረብ ሰቲት ዝጥርነፋ ኮይነን፡ እቲ ማእከል ብዙሓት ተስፋ ዘለወን ኣትሌታት ሓቚፉ ብምህላዉ፡ ነቲ ኤርትራ ዘለዋ ናይ ደቀንስትዮ ኣትሌታት ዋሕዲ ኣብ ምምላእ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ኣቶ ለቪንግስተን ብተወሳኺ ኣሚቱ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን፡ ዝተኻፈሉ ኤርትራውያን ኣትሌታት ግርማይ ትካቦን ዮናስ በርሀን፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ከምእተዓወቱ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

https://twitter.com/tsearaia/status/670728250897932289