Ethiopia and Eritrea Reacts to Former US Diplomats Peace Proposal

Ethiopian and Eritrean government's point of view on the peace plan proposed by three former U.S. diplomats
Ethiopian and Eritrean government’s point of view on the peace plan proposed by three former U.S. diplomats

EDITOR’S NOTE: Following several open letters written by prominent members of the US foreign policy establishments calling for an improved relation between Eritrea and the United States and for Eritrea and Ethiopia to commence towards normalizing their relations, representatives of Eritrea and Ethiopia finally reacts to that.

VOA correspondent Tewelde Weldegebriel conducts an interview with Ayte Getachew Reda, adviser to the Ethiopian Prime Minister  and Ato Yemane Ghebreab, adviser to President Isaias Afwerki to hear the opinion of their respective governments on the said proposal.
– – – – – – – – – – – – – – – –

ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን3ተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰላም

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓጋዚ ቅ/ሚ ኢትዮጵያ

እቲ ጉዳይ ብዋናነት ጉዳይ መንግስታትን ህዝብታትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለዝኾነ ብእኦም ዝፍታሕ ኣይኮነን ይብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ኣስዒቦም፡ ንባድመ ኣረክቡ ድሕሪኡ ተዘራረቡ ዝብል እማመ ሀርማን ኮሀን፡ ነቲ መሰረታዊ ሽግር መንግስቲ ኤርትራ ዝፈትሕ ኣይኮነን ኢሎም።

ምሕዝነት ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽእል መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምሕማስ ዘለዎ ፖሊሲ ምስዝቕይር ጥራሕ`ውን ኢሎም።

– – – – – –

– – – – – –

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንእማመ ሰላም 3ተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ምላሽ ይህብ

ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብምጽባእ ትረኽቦ ዝኾነ ይኹን ረብሓ የለን`

ሰለስቲኦም ዲፕሎማት ኣመሪካ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ዘይሕጋዊ እገዳ ክልዓል ምድጋፎም፡ ነቲ ብዓለም-ድረጃ ዘሎ ሓባራዊ ኣጠማምታ`ቲ ጉዳይ ዘንጸባርቕ እዩ ኢሉ ኣቶ የማነ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ጠንቁ ካብ ታሪኽ ተተሓሒዙ ዝመጸ ተጻብኦታት 60 ዓመት ዘረጋግጾ`ዩ ኢሉ። “ዝምድና ምስ ኣመሪካ ንምምሕያሽ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ክውሰድ ዝጸንሔ`ውን ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ኣይተረኽቦን”

እቲ ጸገም ናይ ኣመሪካ ኣጠማምታ`ምበር ናይ ኤርትራ ኣተሓሕዛ`ቲ ጉዳይ ኣይኮነን ዝበለ ኣቶ የማነ “ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብምጽባእ ትረኽቦ ዝኾነ ይኹን ረብሓ የለን” ኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ብሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ምላሽ ን3ተ ዲፕሎማት ክዛረብ ከሎ ኣቶ የማነ “እቲ በሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ርኢቶታት ነቲ ሓቀኛ ስሚዕቶም ናይ ተጻብኦን ጽልእን መንፈሶም ዘንጸባርቕ ስለ ዝኾነ ጋህዲ ኮይኑ ምውጽኡ ጽቡቕ `ዩ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ናይ ባዕሎም ናይ ወያነ ኣይኮነን”፡ ይብል።

ናይ ኣመሪካ መርገጺ ግን ንኤርትራ ንምህሳይ ተባሂሉ ዝተገብረ`ኳ እንተኾነ ንዝጠቐሞ ሰብ የለን ንኢትዮጵያ`ውን ሃሲዩዋ`ዩ ይብል ኣቶ የማነ ።

– – – – – –

– – – – – –