“ኢትዮጲያ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ስልጣን ንምዕላይ ሓድሽ ስትራተጂ ጀሚራ ኣላ” – ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

News ትግርኛ
ናይ ኢትዮጲያ ተቓወምቲ ሓይልታት ንምድምሳስ ነቲ ምንጪ ዝኾነ ሻዕቢያ ካብ ስላጣን ምእላይ ኣድላዬ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ
`ንናይ ኢትዮጲያ ተቓወምቲ ሓይልታት ንምድምሳስ ነቲ ምንጪ ዝኾነ ሻዕቢያ ካብ ስላጣን ምእላይ ኣድላዬ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ` – ቀ/ሚ ሃይለማርያም

ተስፋ ኒውስ፡

ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍ ዝቐነየን፡ እንተኾነ ድሕሪ`ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሓደ ኣብ ኣሜሬካ ዝመደበሩ ዮኒቨርስቲ ክወሃቦ ቃል ዝተኣተወሉ ናይ ክብሪ ዲግሪ ብምቕንጣጡን፡ ተቓወምቲ ኢትዮጲያ ኣዳልዮም ብዘጽንሕዎ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክንያት ብምግባር ደሓዩ ኣጥፊዩ ዝቐነየ ቀዳማይ ሚኒስተር ወያነ ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለኝ፡ ትማሊ ንሓንቲ ኣብ ኣትላንታ ንዝመደብራ ብራድዮ ጽንዓት እትፍለጥ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ እትምወል ናይ ፕሮፓጋንዳ መደብር ራዲዮ ዘስደመም ቃለ መሕትት ሒቡ።

ኣብቲ ብመንገዲ ኣይጋ ፎረም ዝፍለጥ ናይ ወያነ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርገሐ ቃለ መጠይቕ`ዚ፡  ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም፡ ኢህወደግ ኣብቲ ኣብ 2015 ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ተዓዋቲ ኮይኑ ምውጹ ዘጠራጥር ስለዘየለ፡ ካብ ሕጂ ኣትሒዞም፡ ሓደ ሓደ ሓይልታት ካብ ተስፋ ምቅባጽ ዝተላእለ ናይ ሁኸትን ዕግርግርን መገዲ መሪጾም ከምዘለዉን፡ ከምኡ ምስ ዘጋጥም እቲ ዝስዕብ ህልቂት ጥራሕ እዩ ክብል ኣጠንቂቁ ኣሎ። ብምቕጻል ድማ፡ ሓደ ካብኣቶም ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ብግብረሽበራ ዝተፈርደ ብወድብ ግንቦት 7ተ ዝፍለጥ ጉጅለ ምዃን ሓቡሩ። 

እቲ ጋዜጠኛ ኣስኢቡ፡ ግንቦት 7ተ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ውድብ ክንሱ፡ ምስቲ ምስ ኣሜሬካ ብዘለኩም ናይ ጸጥታን ናይ ግብረ ሽበራን ምትሕብባር ውዕል ተጠቕምካ፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ውድብ ጸቕጢ ኣብ ምግባር ወይውን ኣሜሪካ ኣሕሊፋ ንቶም መራሕቲ ክትሕበኩም ትኽእለሉ ኩነታት ፈጢርኩም`ዶ ኢሉ ንዝሓተቶ ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ቀ/ሚ ሃይለማርያም፡ ውድብ ግንቦት 7ተ ኣብ ኣሜሬካ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ከምዘሎን፡ ካብ ኩል ግዜ ምስ ከም በኣል ግንቦት 7ተ ዝኣመሰሉ ውድባት ቀጻሊ ካብ ምቕላስ፡ ኢትዮጲያ፡ ነቲ ቀንዲ ሃይልን መዋልን ናይዞም ውድባት ንዝኾነ መንግስቲ ሻዕቢያ ብሱሩ ካብ ስልጣን ምዕላይ ኣማሪጺ ኮይኑ ስለዝረኽበቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብዚ ሓድሽ ስትራተጂ ጸቒጡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ በቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ መራሒ ብምቕጻል፡ መንግስቲ ሻዕቢያ ንኢትዮጲያ ብቐጥታ ናይ ምግጣም ሃይሊ ስለዘይብሉ፡ ንኢትዮጲያ ከዳኽም ንከም በኣል ግንቦት 7ተ ንዝኣመሰሉ ሓይልታት እናወደበ፡ ናብ ኢትዮጲያ ብምስሏኽ፡ ዝተፈላለየ መጥቓዕቲታት ክግበር ከምዝጸንሐ ዝገለጸ ቀ/ሚ ሃይለማሪያም፡ ምልክት ምእንቲ ክኸውን፡ ዝኾነ ዓይነት መጥቓዕቲ በዘን ዉድባት እዚኣተን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ብድሕሪ ሕጂ፡ ንሓንሳብ እንኳ ምስ ዝኻየድ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ከም ምክንያት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኹናት ከምዝእውጅን፡ ነቲ መንግስቲ ካብ ስልጣን ከምዝኣልይዎን ከይሓነኸ ገሉጹ ኣሎ።

ከም ኣገላልጻ ቀ/ሚ ወያነ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ስልጣን ምእላይ፡ ከም ኣባልዓ ቅጫ ቀሊል ኮይኑ`ዩ ተሰሚኡዎ።

ካብ 1997 ክሳብ 2000 ኣብ ዝተኻየደ ሰለስተ ዙሪያ ዉግኣት፡ ይትረፍ ኣስመራ ኣቲኻ መንግስቲ ክትልውጥ፡ ንጾረናን ዛላምበሳን ዘሰግር ዓቅሚ ዘይረኸበ፡ በንጻሩ ንልዕሊ 120,000 ሰራዊቱ ናብ ዱኽዒ ዘለወጠን፡ ሰፍ ዘይብል ንዋታዊ ክሳራ ተሸኪሙ፡ ነቲ ዝሓሰቦ ዕላማ ንሓደ`ኳ ከየስለጠ ተሳኢሩ ዝተመልሰ ጭፍራ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ደኣ፡ እንታይ ፍሉይ መኽሰብ ስለዝተረኽቦ`ዩ ንኤርትራ ክወራን መንግስታን ህዝባን ክበታትን ዝዋራዘ ዘሎ?

ክንድቲ ዝሓተተ መስዋእቲ ይሕተት፡ ክንድቲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ነታ ብልዕሊ 90,000 ብሉጻት ሰማእታት ናይ ዝተረኽበት ሃገረ ኤርትራ ንምዕቓባን፡ ንምኽልኻልን፡ ህዝቢ ኤርትራ ይጥዓሞ ኣይጥዓሞ፡ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ደው ኢሉ እቲ ዘድሊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ተሓንዳዲ ጭፍራ ክሕብ ምዃኑ ቀ/ሚኒስተር ኣይተ ሃይለማሪያም ፍጹም ዝተረደኦ ኣይመስልን ኣሎሞ፡ ገ እንዳበሉኻ`ዶ ትጋገ ከይኸውን እቲ ጉዳይ፡ ናብ ልብኹም ተመለሱ፡ ንሰላም ስርሑ እንዳበልና ናብቲ ዝርዝር ቃለ መሕትት ንሓልፍ። (ንኤርትራ ዝምልከት ካብ 15፡00 ክሳብ 21፡45 ደቒቅ ኣብ ዘሎ ኣድምጽ/ጺ)

– – – – – – –

– – – – – – –