
ብ ተስፋኒውስ፡
መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ እቲ ካብ ናይ ገንዘብ ማእከናት ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ካብ ባንክ ዓለምን IMFን ፡ ከምኡውን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ፊናንሳዊ ትካላትን ባንክታትን ዝተለቅሖ ገንዘብ ልዕሊ 20 ቢሊዮን ዶላር ብምብጽሑ ፡ ነቲ ዕዳ ናይ ምኽፋል ዓቕሙ ኣብ ምልክት ሕቶ ስለዝኣተወን ፡ ተወሳኺ ለቓሕ ዝሕቡ ትካላትውን ስለዘይተረኽቡ ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ፈቐዶ ከባቢታት ተጀሚሮም ዘይተወደኡ ሃያሎ ፕሮጀክታት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ከምዘለዉ ሓበሬታታት ይሕብሩ።
ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ህጽረት ተሸሚሙ ከምዝርከብን ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተሪር ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምቑጽጻር ኣተኣታትዩ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ካብ ደገ ዝኣቱ ሰብ ፡ ንዘለዎ ናይ ወጻኢ ባጠራ ኣብ ኩለን መእተዊ ነቑጣታት (እንኮላይ መእርፎ ነፈርቲ) እታ ሃገር ከመዝግብ ዝግድድ ግዜያዊ ሕጊ ኣተኣታትዩ ይስረሓሉ ከምዘሎውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ስርዓት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ የምጽእ እዩ ዝበሎ ኩሉ ኣይነት ሜላታት እንኮላይ ምሻጥ ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ቅልውላው ግና ከናግፎ ኣይከኣለን። እቲ ካብ ሰደድ ዝርከብ ኣታዊውን ዝበዝሐ ክፋሉ ፡ ነቲ ናይ ኣሰርተታት ዓመታት ኩምራ እዳ ኣብ ምኽፋል ስለዝውእል፡ እቲ ቅልውላው ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳገደደ ከምዝመጸን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ናብ ዉሽጢ ሃገር ዝኣቱ ኩሉ ኣይነት ኣቑሑት ጎዲሉ ከምዘሎን ፡ ናሕሪ ዋጋታትን ሕጽረት መገልገሊ ኣቑሑትን ድሮ ከጋጥም ጀሚሩ ከምዘሎ እቲ ሓበሬት ብተወሳኺ ይገልጽ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝርከብ ስርዓት ኢትዮጲያ፡ እታ ሓንትን ግና ሓደገኛ ኣማራጺ ዝኾነት ምሻጥ Sovereign Bond ክጅምር ኣሸበሸብ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ።
በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ኢትዮጲያ ተኸዊሉ ፡ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዕጹው ናይ ፓርላማ እኼባ ፡ ናይታ ሃገር Sovereign Bond ምሻጥ ክጅመር ከምዘወሰነ ፡ ሓደ ምስጢራዊ ምንጪ ትማሊ ንኢሳት ቴሌቭዥን ሓቢሩ ኣሎ።
Soveriegn Bond ሃብት ሃገርን ሕዝብን ምዃኑ እንዳተፈልጠ ፡ ብመልክዕ ሰርቲፊኬት ተዳሊዩ ናብ ዕዳጋ ኽቐርብ ዝተመሓላላፈ ሚስጥራዊ ውሳነ ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጲያውያን እቲ ዝዓበየ ናይ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።
ነዚ ሓደገኛ መደብ ኣቐዲሙ ክዳለወሉ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ንሕዝቢ ንምድንጋር ክጥእም ምእንቲ፡ ኣቐዲሙ ብናይ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቢሉ ፡ Eurobond ምሻጥ ክጅምር ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ሓቂ ግና ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ፡ ሃብቲ ናይታ ሃገር ብመልክእ ትሕጃ ናብ ናይ ደገ ትካላትን መንግስትታትን ኣሕሊፉ ብምሓብ ፡ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ዕዳን ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፍን ንግዚኡ ከጋላገል ናይ ዝወጠኑ ሓደገኛ ሜላ ከምዝኾነ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይገልጹ።
ቐንዲ ኣለቓሕቲ ናይቲ ስርዓት ዝኾና ባንክ ዓለምን IMFን እንተኾና፡ ኣቐዲመን ነቲ ናይ Eurobond ምሻጥ መደብ ከምዝተቓወሙዎን ፡ መንግስቲ በቲ መደብ እንተድእ ዝደፍኣሉ ኮይኑ ፡ ሓያል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምምዝባል ከጋጥሞ ከምዝኾነ እውን ኣጠንቒቆም ኣለዋ።
Eurobond ከምዝኾነ ለቓሕ ዶላር ወሲድኻ ምስ ወለዱ ብዶላር ዝክፈል ኮይኑ ፡ Sovereign Bond ግና ዓዳጊ ብዶላር ምስ ዓደጎ፡ ነቲ ዝኸፈሎ መጠን ገንዘብ ዝመጣጠን ፡ ሃብቲ እታ ሃገር ካብ ዝኾነ ከም ማይ፥ ነዳዲ፥ ማዕድን፥ ኣግራብን፥ ወዘተ ኣምሳይኡ ይወስድ ማለት ኢዩ። እዚ መደብ ግና ዋላኳ ንግዚኡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምርካብ እንተሓገዘ ፡ እቲ ምዝመዛ ሃብቲ ሃገርን ሕዝብን ግና ንኣሰርተው ዓመታት ዝቕጽል ብምዃኑ ሳዕቤኑ ካብ ብሕጂ ንምግማቱ ከቢድ ኣይኮነን።
ከም በኣል ቻይና ዝኣመሰላ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ እምበር ናይ ገንዘብ ጸገም ዘይብለን ሃገራት ፡ ንከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ቕጽበታዊ መልሲ እየን ዝሕባሉ። ብሰንኪ ስንኩፍ ፖሊሲታትን መደብ ልምዓትን ኣብ ክሳራ ዝኣተወ መንግስቲ ምስዝረኽባ ፡ ንናይ መጻኢ ወለዶ ኣብ ግምት ዘየእተወ ዘረፋ ተፈጥሮያዊ ሃብቲ ከምዘካይዳ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ ሓቂ ኢዩ።
እዚ ብታሪኽ ኢትዮጲያ ተገይሩ ዘይፈልጥ ንዕቐት ናበይ ገጹ ከምዝምዕብል ብሓባር ክንርእዮ ኢና።