ወያነ ፡ ህድማ ካብ ቁም ነገር ፡ ምሕባእ ኣብ ጓል ነገር

News Politics ትግርኛ
TPLF-Traffickers
እዞም ብስም ህዝቢ ትግራይ መለክዒ ኣልቦ ገበናት ዝፈጸሙን፡ ብዕድልን ክብረትን 90 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጣልዑ ፡ ናቶም ውሽጣዊ ክእለትን ፍልጠትን ሓይልን ሓልዪዎም ዝይኮነስ ፡ ነቲ ግፍዕታት ምእንቲ ክፍጽሙ መዐንተሪ ጸባ ጡብ ብናይ ግዳም ሓይልታት ስለዝተመገቡን ኢዩ።

ተወልደ ብእምነት

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቕንያት፡ ሰለስተ ኣብረርቲ MI-35 ዝዓይነታ ሆሊኮፕተር  ኵናት ሒዞም ፡ ካብ መደበር ሓይሊ ኣየር ድሬዳዋ፡ ንታዓሊም ምስ ተንቀሳቐሱ ብኡ ኣቢሎም ከም እተሰወሩ፡ ሃለዋት ከም ዘጥፍኡ፡ ስርዓት ወያነ ብማዕከናት ዜናኡ ኣቃሊሕዎ ከብቅዕ፤ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ …  “ኣብ ስሩዕ ልምምዳዊ በረራ እንከለዉ መንግስቲ ኤርትራ ብስኣገዳድ ጨውዩዎም” ክብል ከሲሱ፡፡ ሓንቲ ካብ’ተን በቲ ጭፍራ እትምወል መርበብ ሓበሬታ “ትግራይ ኦን ላይን” (Tigrai Online) ኣብ ከክንዲ’ቲ ጭፍራ ኮይና፡ ብዙሕ ዋዕዋዕ ክትብል ተሰሚዓ።

“መርበብ ትግራይ ኦን ላይን” ነዚ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ተቐላጢፋ ክትጎላብብ ዘገደዳ ምኽንያት፡ ሓደ፡ እቲ ስርዓት ወግሐ-ጸብሐ ኣብ ውሽጢ ጠቕላላ መሳርዕ መከላኸሊ ሰራዊቱ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞን ጥልመትን፡ ኣብ ዓሚቝ ቅልውላዋት እተሸመሉ፡ ትንፋስ እናሓጸሮ ክስሓግ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ከሓዲ ስርዓት ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐ ዘስካሕክሕ በደላት፤ “ይኣክል” ዝብለሉ፡ ብስሙር ኢትዮጵያዊ ልቢ ዘበገሶ ተቓውሞ ዘጓሃህረሉ ዘሎ ሰዓታት፤ ጭንቀት ዝመበገሲኡ ረስኒ፡ ናይ ምህትፍታፍ ምልክት ምዃኑ ንፈለጥቱ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።

 ህዝባዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ቀንዲ መለለዬ ስርዓት ወያነ
ህዝባዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕ ቀንዲ መለለዬ ስርዓት ወያነ

“ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ” ኮይኑ’ቲ ነገር ግን፡ እቲ ክኽወል እተደልየ ሓቅስ ኣይተሓብአን፡ ሕጂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ እውን እንደገና፡ ካልኦት ኣርባዕተ ኣብረርቲ ነፈርቲ ኩናት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰዱ፡ እግረ-እግሪ ናይ’ቶም ሰለስተ፡(ንኤርትራ ኣትዮም) ዝተባህሉ፡ ናብ ሃገር ከንያ ከም ዘምርሑ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ተባሂሉ ወረ ተቓሊሑ ኣሎ። ገና እቲ ዝቀነየ ወረ ሰብ ኣስተማቒሩ ከይጸገቦ። እሞ ሕጂ ኸ እዞም ሰባት! ነዚ ካልኣይ ፍሽለት፡ ንመንግስቲ ከንያ ብጭውያ ክኸስዎ ድዮም? ወይስ ከም ኣመሎም ኣብ ጎደናታት ከተማ ናይሮቢ፡ ናይ ጭውያ ወይ ቅንጸላዊ ስርሒት፡ ፈተነ ሽበራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ክመጣጠሩ ይኾኑ? በቲ ኾይኑ በቲ፡ ነዚ ሕጂ ተበጋጊሱ ዘሎ ሓያል ወኒ ክዓጽፍዎ ከምዘይኮኑ፤ እኳ ድኣ ጽንሕ ኢልና ካልኦት ተመሳሳሊ ቅያ ክሰርሑ፡ ኣብ መስርዕ ከም ዘለዉ ንኽትርዳእ ዘኽእል ብዙሕ ምልክታት ኣሎ።

ኣብ ውሻጢ እቲ ስርዓት ተዓብዒቡ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ እሳት፡ ቅድሚ ምትኳሱ ዝበንን ናይ ትኪ ምልክት ክርአ ግድን’ዩ። ብዙሓት ዜጋታት’ታ ሃገር፡ ሃይማኖታውን ብሔራውን ኣድልዎታት፡ ምንእኣስን ምቍንጻብን ተጻዋርነቶም ጥርዚ በጺሑ’ሎ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ፡ ብርክት ዝበሉ፡ ነቲ ስርዓት ዝራሕርሕዎ ምኵራት ላዕለዎት ወታሃደራት ዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንዅነታት ናይ’ቲ ከባቢ ዝከታተል ሰብ እኹል መረዳእታ ከዋህልል ዘጸግሞ ኣይኮነን።

ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ተወሳኺ ጭብጢታት ዝኸይድ፡ እዚ ን23 ዓመታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ደም ዘንብዐ ጁንታ (Junta) ቍጽሪ 2፡ ነቲ ቅድሚኡ ን17 ዓመታት ዘይተኣደነ ሰብኣውን ቍጠባውን ክሳራታት ዘስዓበ፡ ጁንታ ቍጽሪ 1 (ደርግ)፣ ህዝቢ፡ ንባህርያት ክልቲኦም ዓመጽቲ ኣመዓራርዩን ኣነጻጺሩን ዝረኣየሉ መድርኽ ተበጺሑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ሎሚ ሰራዊት ብብዝሒ ክሃድም፡ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ክልሕም፡ ሰባት ብትብዓት ቆራጽነትን ፊት ንፊት ኣንጻር ጠያይት ወያነ ግንባሮም ክህቡ እተወፈዩ ዜጋታት ምርኣይ፤ ድምር’ዚ ኩሉ ሓደስቲ ምልክታትን ምዕባሌታትን፡ ናብ ሓደ ሓድሽ ዝማዕበለ ናይ ቃልሲ ጎደና ዘማዕደወ፡ ጎደና ትስፉው መጻኢ ህይወት ዝእምት ይመስል።

እዞም ነዚ ስርዓት ራሕሪሖም ዝኸዱ ዘለዉ መኮንናት ከኣ፡ ካብ’ቲ ተዋፊሮምሉ ዝጸንሑ ኣገዳሲ ሞያ ነጺጎሞ ምኻዶም ጥራይ ኣይኮነን እቲ ቁም ነገር። ኣብ’ተን ዝጽንበርወን ዘለዉ ብሔራውን ሕብረ-ብሔራውን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ደራኺ ኣበርክቶ ክህቡ ዘኽእል ተወሳኺ መኽሰብ ምዃኑ ኣየማትእን። ብኡ መጠን ኣብ’ተን ውድባት ዓይነታዊ ለውጢ፡ ነቲ ምስ ህዝቢ ዝጸንሐን ዝምድናን ተቐባልነትን ክምዕብልን ክተርርን፡ ዋሕዚ ናይ ክስለፍ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ ክተዓጻጽፍ ድግን ስለ ዝኸውን ኢዩ።

ልክዕ’ዩ፡ ወያነ ኣብ’ዘን ናይ ሓደ ርብዒ ዘመን ዕድሚኡ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝፈጠሮ ዘይርጉእ ሃዋህው ገዲፍካ፡ በትረ- ስላጣኑ ካብ ኢዱ ንኸይትመሉቕ፡ ከም ቀዳማይ ዕላማ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕድሕዶም ንክመናጨቱን ኣብ ቀጻሊ፡ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ረጽምታት ተኣሊኾም፡ ኣብ’ቲ ሓይልታት ጸጥትኡ ዘዋደድዎን ዘጻወድዎን መፈንጠርያ ተጠቢሶም፡ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢኦም ብልክዕ ንኽየለልዩ፡ ኣብ ድነ ጸልማት ጸኒሖም፣ ብዋጋ ኩቡር ሓድነቶም። በሰላኡ ድማ ቀሊል ኣይኮነን። ብቐሊሉ ዘይሕከም ፖለቲካዊ
ምክፍፋላት፡ ቍጠባዊ ሕሰምን ማሕበራዊ ቝስልን ቃንዛን ገዲፉ ኢዩ። ንክሕከምን ክጥዕን፡ ናይ ሎምን ንጽባሕን ዓቢ ፖለቲካዊ ዕዳ፡ ኣሰካፊ ጾር ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተቓላሳይ ኮይኑ ነፍሲ-ወከፍ ተዳልይሉ ክጸንሕ ይግባእ።

ስለዚ፡ እዞም ብስም ህዝቢ ትግራይ መለክዒ ኣልቦ ገበናት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፍጽሙ ዝጸንሑ ኣካላት፣ ሕጂ እውን እንተኾነ፣ ካብ’ቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ መስመር ክለቁ ኢልካ ምጽባይ ሕልሚ ቀትሪ ኢዩ። መርበብ ትግራይ ኦን ላይንን ካልኦትን፡ እቲ ስርዓት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ኮነ ኢሉ ንምድንጋር ዘቖመንን ክጥቀመለን ዝጸንሐ ናይ ዓፈናን ላግጽን መሳርሒ ኮይነን፣ ከም’ቲ ኣርእስቲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ዝብሎ፡ “እንካብ’ቲ ነገር፡ ብጓል ነገር” ዝዓይነቱ ናይ ምትላል ጸወታ፡ ሓቂ ክትዓጽፍ፡ እቲ ቀንዲ ሽግራት ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ፡ ተሓተቲ ሰበ ስልጣን ወያነ ምዃኖም ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ንኻልኦት ኣካላት ከተጣብቐሎም ምህቃን ልሙስ ፈተነ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። ካድረታት ወያነ ተቐዳዲሞም ወጠምጠም ዘብሎም ምኽንያት ግን፣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዉሁድ ህዝባዊ ምልዕዓላት፡ ምሕያል ጸረ-ወያነ ዝኾኑ ምንቅስቓሳት፡ ካብ ዓይኒ ዓለምን ንምኽዋል፡ እንተሰለጦም ከኣ፡ ነቶም ወትሩ ካብ ፈጠራታት ናይ’ቲ ስርዓት ተጠቀምቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ወገናት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐንዐ ቀጻሊ ክስታት፡ ንመራጎዲ ዘገልግል ሓበሬታ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ተንኮል፡ ልሙድ ናይ ውስልትና ምልክት ምዃኑ፡ ምርድኡ ኣየጸግምን።

እቲ ስርዓት፡ በዚ ኢሉ በቲ፡ ካብ’ቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዓዘቕቲ ክወጽእ ኢልካ ዝሕሰብ’ውን ኣይኮነን። ብጀካ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተተንከፈ ኣሰቀቕቲ ገበናት፡ ካልእ ዘስደምም ተርእዮታት ዝዓዘዛ ኢትዮጵያ ኢያ ዘላ። ዕሸላት ሕጻውንቲ ኣብ ቅሉዕ ጻዕዳ ዕዳጋ ክሸየጡ-ክልወጡ ምርኣይ ንቡር ዝኾነላ ሃገር፣ ንእስነተን ዘይጸገባ ክፈርያን ክስስናን ዝግብአን ኣሽሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን መፋተዊ ፖለቲካዊ መኽሰባት ንክኾና ኣብ ሓራጅ ዝወርዳሉ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሓደ ዝዓበየ መናገዲን መደበርን ሰብኣዊ ፍልሰት ዝተድኮነላ፣ እቶም ትማሊ- ትማሊ፡ “መውጻእቲ ሓርነት” ዝብል ቅጽል ስም ነብሶም ዘጠመቑ፡ ሎሚ ቀንዲ ደላሎን ኣሳለጥትን ኣብ’ዚ ዓቢ መኽሰብ ዝሕፈሶ ፋብሪካ ዝውንኑ ኮይኖም ወጺኦም። ካብ ግዳም ንመማዕበሊ ቝጠባዊ ዕብየት ሃገር ተባሂሉ ዝተዋህበ ገንዘብ ተመንዚዑ፡ ኣብ መቀለን ኣዲስ ኣበባን ብሚልዮናት ዝትመን ፓላሶታት ዝሃንጹ፡ ሓደስቲ ጨፍለቕቲ ደርብታት ኮይኖም ዝወጹ፡ ካብ ሓፋሽ ፈጺሞም እናተነጸሉን እናተደፍኡን ክመጽኡ ጸኒሖም፣ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ከቢድ ሃዋህው፡ ካብ መሰረታዊ ነገር ወይ ጠለብ ናይ’ቲ ህዝቢ ከምልጡ፡ ኣመል ሓሶትን ምትላልን ከም ፖለቲካዊ ጥበብ ተወሲዱ እኳ እንተጸንሐ፡ ትማሊ ብቕድሚ ትማሊ ዝሰርሕ ሜላ እንተኔሩ፡ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ግን ከም ዝበለየ ዓለባ መወልወል ጫማ ሓፋሽ’ዩ ክኸውን እቲ ዕጫ።

ኣብ መወዳእታ ክጥቀስ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ እዚ ስርዓት እዚ ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት፡ ኣብ ርእሲ 90 ሚልዮን ህዝቢ ዝሓቖፈት ሃገር፡ ከም ድላዩ ቸይ-ቸይ ክብል (ክሰራሰር) ኣብ እተበርሆ ጊዜ ንዝደለዮ ክጭፍልቕ፡ ብዕድልን ክብረትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክጣላዕ ዘኽኣሎ፡ ናቱ ውሽጣዊ ክእለትን ፍልጠትን ሓይልን ስለ ዝውንን ኣይነበረን፣ እቲ ነዚ ግፍዕታት ክፍጽም ዘኻሎ፡ ብመዐንተሪ ጸባ ጡብ ናይ ግዳም ሓይልታት እናተመገበ ኢዩ ክራገጽ ጸኒሑ እሞ፡ እዞም መጥበውቲ፡ ቃልቃል ዝብል ጭካነን ግፍዕን እናራኣዩ፡ ዓይኖም ዝዓመቱ፡ ንጎዳኢ ልግስኹም ካላኣይ ግምት ግበርሉ ንበሎም።

ቃልሲ ውጹዓት ክዕወት’ዩ!