
ካብ ኢሳት ዜና፥
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብክፍሊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝተመርሐ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ፡ ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ምስ ከበድቲ ኣጽዋራቶም፡ ብለይቲ ናብ ከተማታት ሽሬ፡ ተከዜ፡ ወልቃይት፡ መተማን፡ ኣርማጭሆን ዝኣመሰሉ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ክግእዙ ጀሚሮም ኣለዉ።
ድሕሪ ጭውያ መራሒ ምንቕስቃስ 7ተ ግንቦት ዝነበረ ኣቶ ኣንዳርጋቸወ ጽጌ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ንዝምእብል ዘሎ ወጥሪ፡ ምልዕኣል ህዝቢ ከይለኣል ዝሰግአ ስርዓት፡ ንዝኾነ ዓይነት ናይ ህዝቢ ተቃውሞ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ምእንቲ ክምችእ፡ ሰራዊቱን ናይ ጸጥታ ኣባላቱን የዋፍር ኣሎ።
ካብቲ ከባቢ ዝተመልሱ ኣባላት ጸጥታ’ቲ ስርዓት፡ ግንቦት 7 ምስ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ብምትሕብባር፡ ነቲ ህዝቢ ኣጽዋር ብምእዳል ክሳብ ማእከላይ ግዝኣት ናይታ ሃገር ክኣትዉ ተኽእሎ ኣሎ ዝብል መረዳእታ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘስምኡን፡ ተቃዋሚ ጉጅል ግንቦት 7 ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ንዘዋፈሮም ኣባላቱ፡ ምእቡላት ቴሌፎናት ብምሓብ ናብ ሰልያዊ ስርሓት ከምዘዋፈሮም እውን ሓቢሮም።
ካብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ነቲ ስርዓት ጠንጢኖም ዝሓድሙ ቁጽሪ ወተሃደራት፡ ጥርዚ ኣብ ዝበጸሓሉ እብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ስርዓት መተካእታ ወተሃደራት ንምምልማል ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ወፈራ፡ ከምቲ ዝድለ ክሰልጦ ከምዘይከኣለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሞራሉ ኣውዲቑ ከምዝርከብ ዝሓበሩ እዞም ዝኾብለሉ ወትሃደራት፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰራዊት እንዳገነነ ብዝመጸ ናይ ዓሌታዊ ኣወዳድባ፡ ምብልሻው ምግብናን ምንቁልቋል መነባብሮ ሰራዊትን ካብቶም ቀንዲ ምክንያታት ውድቐት ሞራል ናይቲ ሰራዊት ከምዝኾኑ ሓቢሮም። (TesfaNews translation)
– – – –
Ethiopian Military Meeting Selected Political and Military Leaders of the Eritrean Opposition
.
From Adoulis,
According to reports from Mekele, the Intelligence Department in the Ministry of Ethiopian Defense held a meeting with a limited and selected number of military and political leaders from the Eritrean opposition.
The meeting was chaired by retired Gen. Mesfin Amare, administrator of the Eritrean opposition file.
The meeting, which was described as selective, was started in the morning hours July 18th, 2014 and involves 8 factions of the oppositions military wings.
There is no information about the agenda and files to be considered by the meeting.
Note that there has been no such direct meetings between representatives of the Ministry of Defense and the Eritrean opposition residing in Ethiopia since 2005, that is according to a source close to the Eritrean opposition in the capital, Addis Ababa.
