ኢትዮጵያ ጄነራላታ ብመንጽር ብቕዓት ጄነራላት ኤርትራ ኣብ ትሑት ደረጃ ከምዝርከብ ገምጊማ

News ትግርኛ
TPLF Generals vs Sibehat Ephrem
ሚኒስትሪ ምክልኻል ወያነ፡ “ሕጂ ብዘለዉና ጄነራላት ገጢምና ውግእ ናይ ምእዋት ብቕዓት የብልናን” . . . . ከም ትማሊ ከይመስለክን ውሕጅ ከይወስደክን ኮይኑወን ኣሎ እቲ ነገር . . .

ልኡል ኣለም (ትርጉም ብተስፋኒውስ)፡

ዕለት 11 ናይዚ ወርሒ`ዚ ኣብ ቐጽሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጲያ ሓንደበት ዝተጋብአ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጄነራላትን ኣኼባ ፡ ንነብሶም ምስ ብቕዓት ጄነራላት ኤርትራ ብምንጽጻር ነንሕድሕዶም ከምዝተወቓቀሱ ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ይዝግቡ።

ብመንገዲ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ሲራጅ ፈጀታ ዝተመርሐን ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚን መምርሒታትን ኣብዝብል ኣርእስቲ ንምምይያጥ ሓንደበት ዝተጸወዐ ኣኼባ ፡ ነቶም ኣለዎ ዝበሓሉ ናይቲ ስርዓት ጄነራላት ዘካተተ ኮይኑ ፡ እቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ሓንደበት ትሕዝትኡ ብምቕያር ፡ ብቕዓት ጄነራላት ወያነ ምስ ናይ ኤርትራ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጀነራላትን ናብ ምንጽጻር ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይገልጽ።

ንናይ ኤርትራውያን ጄነራላት ብቕዓት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ዘቕረበ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ሲራጅ ፈጀታ ክኸውን እንከሎ ፡ ናይ ሻዕቢያ ብረታዊ ቃልሲ ናይ መጀመሪያ ጥይት ዝተኮሰ ካብ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ጀሚርካ ክሳብ ኣብዚ እዋን`ዚ ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘሎ ጀኔራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ዝገምገመን ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ንካልኦት ተጠመቲ ዝበሓሉ ኣዘዚት ሰራዊት ሻዕቢያ ዝዳሕሰሰ ጽሑፍ እዩ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ መጠቓለሊ ዘረብኡ ድማ ፡ እቲ ሚኒስተር ፡ ኣብ ልዕሊ ሻዕቢያ ኹናት ምስ እንገጥም ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ናይ ምክልኻል ብቕዓት ይሕልዎም ዝብል ዓምር ሒዙ እዩ ቀሪቡ።

እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ ዳሕሳሳዊ ጽሑፍ ሚኒስተር ምክልኻል ዝቐረቡ ርእይቶታት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይቲ ስርዓት ግና ኣዝዩም ዘሰንብዱ ትሕዝቶ ከምዝነበሮምን ፡ ንኣብነት ኣብ ሰሜናዊ እዚ ፡ ኣዛዚ ሓፈሻዊ መምርሒታት ፡ ከምዚ ክብል ርእይትኡ ኣቕሪቡ፦

“ ክሳብ ሕጂ ዝተጠቕሱ ጀነራላት ሻዕቢያ ኣብ ግዜ ውግዕ ዝጠቅም ኣበርክቶ ኣይክህልዎምን ክበሓል እኳ እንተዘይተኻኣለ ፡ ጸላዒ ግና ኣይነዓቕን ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ወሰንትን ቀንዲ ዝበሓሉ ጀነራላት ሻዕቢያ ኣብዚ ገምጋም ኣይተጠቐሱን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ውግዕ ባድሜ ፡ ብግንባር ዓሰብ ዝከላኸልን ዘጥቕዕን ዝነበረ ፡ ብግንባር ቡሬ ድማ ኣብ ቕድሚ ግንባር ወሪዱ ድኸትና የብልዓና ዝነበረን ፡ ነቲ ግንባር 71 ኢልና ንጽውኦ ዶብ ኢትዮጲያን – ኤርትራን ሰንጢቑ ነቲ ዘደንቕ ድፋዓት ዝሓንጸ ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከብ ሜጀር ጄነራል ዳንኤል ኣብርሃ ብኸመይ መልክዑ ኢና ንርእዮ?

ድሕሪ ምባል ፡

“ እቶም ናትና ጄነራላት ፡ ኣብ ዝመችአ መንበሪ ገዛ ኣብ ውሽጢ ከተማ እንዳነበሩ ፡ ጄነራላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ ግና ነቲ ኣዝዩ በዳሒ ዝኾነ ናይ ሬንጀር ኮርስ ፡ ክሳብ 50 ኪሎ ሜትር ናይ በረኻ እግሪ ጉዕዞ ፡ ማዕረ እቲ ተራ ሰራዊት ብምኻድ ኢዮም ዘሕልፍዎ። ምመርሒ ይሕቡ ፡ ካብ ብኮምፕዩተር ምሕጋዝ ሓሊፎም ፡ ዶብ ሰጊሮም ናይ ጦር ምህንድስናና ይጠልፉ። እሞ ካባና ኣየናይ ኣዛዚ ሰራዊት እዩ ንኤርትራ ከጥቕዕ ንውሽጢ መስመር ንዝኣቱ ሰራዊትና ፡ እግሪ እግሪ እንዳኸደ ኣጆኻ እንዳበለ ሞራል ዝኾኖ? ሳሞራ ዩኑስ ዲዩ? ወይስ ዝኸበርካ ሚኒስቴር ኣቶ ሲራጅ?! ”

ብምባል ዘንጓጠጠሎም ክኸውን እንከሎ ፡ ካብኡ ብምቕጻል ሓደ ምቕማጡ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነን ናይቲ ቤተ መንግስቲ ናይ ክፍለ ጦር መምርሒን ናይ ብርጌድ ሓላፍን ብወገኑ ከምዚ ክብል ንብቕዓት ሓለፍቲ ምክልኻል ወያነ ምስ ኣዘዝቲ ጄነራላት ኤርትራ ብምንጽጻር ገሊጽዎም፡-

“ ኣነ በቲ ዝቐረበ ሓሳብ ይሰማማዕ ኢዬ፡ ብፍላይ ድማ ናትና ኣቃውማ ናይ ወትሓደራዊ ፖሊቲካ ሳይንስ ካብ ሚእቲ ዜሮ ኢዩ እንተበልና ዘሕፍር ኣይኮነን። ንኣብነት ንናይ ኤርትራ ወትሓደራዊ ፖለቲካ ምስ ንርእይ ፡ ንጄነራል ስብሓት ኤፍሬም ጥራሕ ምውሳድ እኹል ይመስለኒ። ንሱ ኣብ ዝረገጾ ቦታ ንሕና ክሳብ ክንደይ ኢና ዘሊቕና ኣቲናዮ ንፈልጥ? ብናቱ ደረጃ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዝርከቡ ናትና ጄነራላት`ከ በዓል መን እዮም? እስከ ውግዕ ተጀሚሩ ንበል፡ እንተጀሚርና ድማ ንክንኣቱ ዝተወጠነ ንድፊ ብወገን ኣሰብ ዘሎ ሓደ ካብቲ መንገዲ ኢዩ። ብጀካ እዚ መንገዲ፡ እቲ ካልእ ብድሕሪ ኦምሓጀር ጌርና ንባረንቱ ቆሪጽና ናብ ተሰነይ ምእታው ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብናተይ እምነት ግና ክልቲኡ መንገዲ የዋጽኣና ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። ”

ክብል ርእይትኡ ድሕሪ ምሓብ፡ ሓደ ካልእ ላዕላዋይ ሓላፊ ብተመሳሳሊ ከምዚ ክብል ርእይትኡ ሓበ፦

“ ብወገን ኣሰብ ምስ ሻዕቢያ ንምግጣም ዝተሓሰበሉ ቀንዲ ጉዳይ ነቶም ተቓወምቲ ናትና ንምሕራም ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ንሳቶም ልክዕ ንሕና ብዝመጻእናዮ ነቲ ቃልሲ በረኻ ተታሓሒዞሞ ኣለዉ። ቅድም ሕጂ ኣብ ዝገበርናዮ ውግዕ ብወገን ኣሰብ ነቲ ብግንባ 71 ዝፍለጥ ድፋዕ ሰራዊት ሻዕቢያ ንምድምሳስ ሓይሊ ኣየርና ዝገበሮ ፈተነ ኣብ ትዕዝብቲ እዩ የእቲዩና። ኣይኮነን`ዶ ነቲ ድፋዕ ብልክዕ ክሓርም ይትረፍ ፡ በቲ ሶጃ ዝተብሓለ ናይ ጀርመን ኩባንያ ኣብ መንገዲ ኢትዮጲያ – ኤርትራ  ዝተሓንጹ ሓያሉ ናይ መንገዲ ድልድላት እዃ ወቒዑ ከፍርሰን ከማን ኣይከኣለን።

ሎሚ ኣሰብ ኣብ ትሕቲ ኢድ በኣል ሳውዲ ዓረቢያ ኢያ ወዲቓ ዘላ። ዝኾነ ናብ ኣሰብ ገጽና ንገብሮ ገስጋስ ገና ከይተጀመረ ኢዩ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ። ካብ ሳውዲ ዓረቢያ ፡ በተን ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾና ናይ ኹናት መራኽብ ፡ ንኣሰብ ንምብጻሕ ፡ እንተበዝሐ 60 ደቓይቕ ፡ እንተቐልጠፈ ድማ 42 ደቒቕ ጥርሕ ኢዩ ዝወስደለን።

እተን ነፈርቲ ኹናትውን ኣብ ውሽጢ 15 – 20 ደቒቕ ኣሰብ ክበጽሓ ኢየን። ፈቲና ጸሊእና ብወገን ኣሰብ ዝርከቡ ከም ኣርበኞች ግንቦት 7ት ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ንምጥቓዕ ምስ እንብገስ ፡ ኣብ ከባቢ ኣሰብ ዓሪዱ ንዘሎ ብሳውዲ ዓረቢያ ዝምራሕ ጥምረት ግብረ ሽበራ ሓይልታት ፡ ነዓና ከም ሓደ ካብቶም ኣሸበርቲ ኢዮም ዝቖጽሩና። ስለዝኾነ ድማ ብፍላይ በቶም ሕጂ ዘለዉና ጄነራላት ናይ ምውጋዕ ብቕዓት የብልናን! ”

ክብል ጉድ ዘበለን ክሳድ ጄነራላት ወያነ ዘድነነ ርእይቶ ኣቕረበ።

በዚ ድማ እቲ ንኸንቱ ዝተጸወዐን ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ንናይ ኤርትራ ጄነራላት ብቕዓትን ጸብለልታን ብምንጽብራቕ ኢዩ ተዛዚሙ።

እንተኾነ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣኼባ ፡ ዋላ እዃ እቲ ውግዕ ዘይተርፍ እንተኾነ ፡ ዓለም ለኸ ጠመተ ናባና ከምዘጥምት ንምግባር ሓያል ስርሕ ክስራሕ ለበዋ ብምቕራብ ድማ ተዛዚሙ።