
ብ ተስፋ ኒውስ፡
ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከቡዎም 13 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ወያነን፡ በቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኹናት ሎሚ ብወግዒ ክስ ከምዝተመስረተሎም ካብቲ ከባቢ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።
እዞም ክሱሳት ሰብስልጣን ኢትዮጵያ፡ ብጉዳይ ጃምላዊ ቅትለት፡ ምእማጽ ደቂ ኣንስትዮን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዜጋታት ምእሳርን ምክልባትን ብዝብሉን ካልኦት ዓይነታት ክስታት ቀሪቡሎም ብጠበቓታት ሽወደን ሎሚ ተኸሲሶም ኣለዉ።
እቲ ክሲ ወግዓዊ ኮይኑ፡ ኩሉ ዘድሊ ዘበለ መረዳእታታትን ጭብጥታትን ን ናይ ገበን መርማሪ ፖሊስ ሽወደን ተመሓላሊፉ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እዞም ተኸሰስቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ንዝፈጸምዎ በደል ናይ 130 ሚሊዮን ክሮነር ሽወደን ካሕሳ ከኸፍሉውን ብተወሳኺ ተሓቲቶም ኣለዉ።
ከምቲ ዝፍለጥ፡ ኣብ 2013 ሓደ ብኣብዱላሂ ሁሴን ዝተባህለ ኣባል መደብር ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ዝነበረን፡ ኣብ ኦጋዴን ተመዲቡ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኦጋዴን ንዝፍጸም ናይ መቕተልትን ስቕያትን ዘርዒ ናይ ልዕሊ 100 ሰዓት ቪድዮ ሒዙ ከምዝሓደመን፡ ብምትሕብባር ጋዜጠኛታት ሽወደንን ኣባላት ሃይልታት ሓርነታዊ ግንባር ኦጋዴንን፡ ብሰላም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሽወደን ከምዝኣተወን፡ ሰበ ስልጣን ሽወደን ካብቲ ግዜ`ቲ ኣትሒዞም ነቲ ጉዳይ ክቐራረቡሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንሖ ነቶም ገበነኛታት ዝበልዎም ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ መስርሕ ጀሚሮም ኣለዉ።
ዝርዝር ኣስማት ናይዞም ክሱሳት ድማ፡
1) ዶር ኣርከበ እቑባይ
2) ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ
3) ኣቶ በረኸት ስምኦን
4) ኣቶ ኣባይ ጸሓዬ
5) ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ
6) ጄነራል ሳሞራ ዩኑስ
7) ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ
8) ኣቶ ሓሰን ሽፋ
9) ኣቶ ሙሉጌታ በርሀ
10) ኣቶ ነጋ በርሀ
11) ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ
12) ኮማንደር ሰመረ
13) ሓድ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠ በዓል ስልጣን ኢዮም።
https://ethsat.com/video/esat-dc-daily-news-28-august-2014/